Mekelle Express- ME

Mekelle Express- ME This page is A news page

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሪየክ ማቻር፣ ኣብ መንበሪ ቤቱ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሪየክ ማቻር፣ ዕልዋ ከየካይድ ብዝብል ስግኣት፣ ኣብ መንበሪ ...
05/03/2025

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሪየክ ማቻር፣ ኣብ መንበሪ ቤቱ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ

ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሪየክ ማቻር፣ ዕልዋ ከየካይድ ብዝብል ስግኣት፣ ኣብ መንበሪ ቤቱ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን፣ ምስቲ ምክትል ፕረዚደንት ቅርበት ንዘለዎም፣ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ሎሚ ረቡዕ 05 መጋቢት፡ ቀይዶም ከምዘለዉ ኣፈኛ መንግስቲ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፣ ኣብ ዞባ ላዕላይ ናይል፣ ናሲር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ዕጡቓት መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕታት ብሪየክ ማቻር ተደጊፎም'ዮም ብዝብል ክሲ'ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ንቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን መራሒ ውሽጣዊ ተቓውሞ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ወይ SPLM-IOን፣ ሪየክ ማሻር ኣብ ከበባ ምእታዉን ንሓያሎ ደገፍቱ ስበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምቕያዱን፣ ነቲ ኣብ 2018 ዝተኸተሰም ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ከየፍርስ ይስጋእ።

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ፣ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ተዛማዲ ሰላም እኳ እንተጸንሐት፣ ምስ ምእሳር ላዕለዎት ሰበልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይቲ ብስምምዕ ሰላም ዝተጸንበረ ተቓዋሚ ሓይሊ ሪየክ ማቻር ግና ዳግማይ ናብ ከቢድ ኵናት ክትሽመም ከምእትኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ልዕሊ 18 ሽሕ ሰራዊት DDR ከምዝኣትዉ ተገሊፁሕጂ ምሸት ዝረከብኹዎ ሓበሬታ ኸምዘመላክቶ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት DDR ከምዝጅምር ተሓቢሩ።ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባ  ተቛሪፁ ዝፀነሐ ኣጀማምራ...
04/03/2025

ልዕሊ 18 ሽሕ ሰራዊት DDR ከምዝኣትዉ ተገሊፁ

ሕጂ ምሸት ዝረከብኹዎ ሓበሬታ ኸምዘመላክቶ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት DDR ከምዝጅምር ተሓቢሩ።

ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባ ተቛሪፁ ዝፀነሐ ኣጀማምራ DDR ኣመልኪቶም ዘተ እናካየዱ ዝፀንሑ ኮይኖም ሕጂ ምሸት ዛዚሞም ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ድማ DDR ንኽካየድ ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሐ ኮይኑ እቶም ሕጂ DDR ዝግበረሎም ኣብ ሰራዊት ዝርከቡ(Active) ኮይኖም ብሕማም፣ወሊድ፣ጉድኣት ወዘተ ንክሰናበቱ ተመልሚሎም ዘለው ልዕሊ 18ሽሕ ከምዝኮኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት እዚ መቐለን ዕዳጋ ሓሙስን ምድላዋት ንኽገብራ ይግበር ከምዘሎን እቲ ዝተረፈ ሰራዊት እውን በቢ ዙሩ ከምዝቅፅልን እዩ ዝረከብኩዎ ሓበሬታ ዘመላክት።

ቐዳማይ ዙር 75,000 ሰራዊት ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ DDR ኽፍፀመሎም ተባሂሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ ዛጊድ ልዕሊ 6000 ሰራዊት ጥራሕ ከምብዝሳናበቱን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከይዲ DDR ዛጊድ ተቛሪፁ ምህላውን ይዝከር።

ሕጂ ግና ኣብዘን ሒደት መዓልታት ኸምብሓድሽ ከምዝጅምር ተመላኪቱ።

02/03/2025

UN እና EU የሻዕብያ ወታደሩች ከትግራይ ግዛቶች እንዲወጡ ኣሳሰቡ

የዓለም ሀገራት መሪዎች ስለዩክሬን !  ።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።የአሜሪካው ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ እና የዩክሬኑ አቻቸው ቮሎድሚር ዘለንስኪ  በነጩ ቤተ መንግስት ፤ ኦቫል ኦፊስ ያ...
01/03/2025

የዓለም ሀገራት መሪዎች ስለዩክሬን !
።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።
የአሜሪካው ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ እና የዩክሬኑ አቻቸው ቮሎድሚር ዘለንስኪ በነጩ ቤተ መንግስት ፤ ኦቫል ኦፊስ ያደረጉት ውይይት ያለ ውጤት መጠናቀቁ ታውቋል፡፡
ዶናልድ ትራምፕ ዘለንስኪን ባላከበረ መልኩ የተናገሩትን ተከትሎ በርካታ የአውሮፓ ሀገራት መሪዎች ከዘለንስኪ እና ዩክሬን ጎን እንደሚቆሙ በመናገር ላይናቸው ተብሏል ።
ይህን ተከትሎ የበርካታ የዓለም ሀገራት መሪዎች ሀገራት መሪዎች አስተያየት እየሰጡም ይገኛል፡፡ የናይትድ ኪንግደም ጠቅላይ ሚኒስትር ኪር ስታርመር፤ ከውይይቱ በኋላ ከዶናልድ ትራምፕ እና ቮሎድሚር ዘለንስኪ ጋር በስልክ መነጋገራቸውን ገልጸው፤ ለዩክሬን የማይቋረጥና የማይናወጥ ድጋፍ እናደርጋለን ብለዋል፡፡
ለዘለንስኪ አጋርነታቸውን ከገለጹት ሀገራት መካከልም ስዊድን፣ ኖርዌይ፣ አየርላንድ፣ ፖርቹጋል፣ ጀርመን፣ ሰፔን፣ ፈረንሳይ፣ ዴንማርክ፣ ኔዘርላንድስ፤ ካናዳ፤ ኒውዚላንድ ፤አውስትራሊያ ይገኙበታል። በሌላ በኩል የአውሮፓ ፓርላማ፣ አውሮፓ ኮሚሽን እንዲሁም የአውሮፓ ካውንስል ለዩክሬን አጋር እንደሚሆኑ አሳውቀዋል፡፡
የፈረንሳዩ ፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮንም ለዩክሬን ድጋፋችንን እንቀጥላለን ብለዋል።
ከዚህ ጋር ተያይዞም የስዊድን ጠቅላይ ሚኒስትር ኡልፍ ክራይተርሰን ዩክሬን የምትታገለው ለነጻነቷ ብቻ ሳይሆን ለመላው አውሮፓ በመሆኑ ድጋፋችንን እናደርጋለን ሲሉ ተደምጠዋል፡፡ ዘገባው የሲ ኤን ኤን ነው::

01/03/2025
01/03/2025

ግርማይ ራያ

28/02/2025

ሠራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእ
---------------------------
ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍፅም ምህላዉን ብህፁፅ ክወፅእን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓሳሲቡ።
ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ኣብ 2022 ዓመተ ፈረንጂ ዝተነበረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ሕዚ አውን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ኮይኑ ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ ክብል ውድብ ሕቡራት መንግስታት የካይዶ ኣብ ዘሎ መበል 58 ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ። መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፉን ሕዚ ይፍፀሙ ንዘለውን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ድሌት የብሉን ክብል ወቒሱ። ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ከምዘሎ እኹል መረዳአታ ኣለና እዩ ክብላ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስመዓ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ኢልዜ ብራንድስ ክሃሪስ ሓቢረን። እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ ገበናት ስርቂ፣ ዓመፅ፣ጭውያን ካልኦት ዓበይቲ ገበናትን ይፍፅም ሰለዘሎ ብህፁፅ ክወፅእ ይግባአ ኢለን። ዝምልከቶም ኣካላት ዝግባአ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱ እውን ገሊፀን።

"ሻዕቢያ ካብ መሬት ትግራይ 100% ክወፅእ ኣለዎ" ዶር ኣብርሃም በላይኣብ ግዝኣት ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ ምህላው ዝገለፁ ኣባል ስራሕ ፈፃሚትን ሚኒስትሪ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባብን ዶር...
28/02/2025

"ሻዕቢያ ካብ መሬት ትግራይ 100% ክወፅእ ኣለዎ" ዶር ኣብርሃም በላይ

ኣብ ግዝኣት ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ ምህላው ዝገለፁ ኣባል ስራሕ ፈፃሚትን ሚኒስትሪ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባብን ዶር ኣብርሃም በላይ፤ ካብ መሬት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ለቒቑ ክወፅእ ኣለዎ ክብሉ ፀዊዖም።

ዶር ኣብርሃም ኣብ ቲቪ ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ሻዕቢያ ናብ ግዝኣት ትግራይ ክኣቱ ዝኸኣለ ሰራዊት ትግራይ ብዘይምሕላዉን ክፍቲ ስለዝገበረሉን እዩ ይብሉ።

ይኹን እምበር ብመሰረት ስምምዕነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ግዝኣት ትግራይ ዘለው ሓይልታት (ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወፃኢ ዘለው) ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝወፁ ዝገልፅ ምዃኑ ዝዘንግዕዎ ይመስል።

ዶር ኣብርሃም ሰራዊት ሻዕቢያ ይኹን ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ ግዝኣት ትግራይ ፀራሪግካ ብምውፃእ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንብሩ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ናቶምን ናይ መንግስቶምን ሓላፍነት እዩ ነይሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ'ውን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍጽም ከምዘሎን ብህጹጽ ክወጽእን ኣተሓሳሲቡ።እዚ ዝተገለጸ ንመበል 58 እዋን ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ...
28/02/2025

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ'ውን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍጽም ከምዘሎን ብህጹጽ ክወጽእን ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ዝተገለጸ ንመበል 58 እዋን ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሑቡራት ሃገራት እዩ።
ምክትል ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢልዝ ብራንድስ ኬህሪስ ፣ስራዊት ኤርትራ ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ካብ ትግራይ ከምዘይወፀ ሓቢረን።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸ ጭቡጥ መርትዖ ከምዘለዎ እውን ገሊፀን።

እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ሰባት ጭውያ፣ፆታዊ ዓመጽ፣ጉሕለትን ማእሰርትን ይፍጽም ከምዘሎ ብምግላጽ፤ ብህጹጽ መሬት ትግራይ ለቂቑ ክወጽእ ኣሓሳሲበን።

ብራንድስ ኬህሪስ፣ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞም ግፍዕታት ተሓታትነት ከይተረጋገጸ ሕዚ'ውን ተወሳኺ ግፍዕታት ይፍጽም ከምዘሎ ገሊጸን ኣለዋ።

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mekelle Express- ME posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category