Mekelle Express- ME

Mekelle Express- ME This page is A news page

ዕርቂ ክሳለጥ እዩ...!!ኣብ መንጎ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ተፈሓሒሙ ዝነበረ ዝኻሓነ መሰረት ኣልባ ፅልኢ ናብ ሓደ ፀቢብ መመያየጢ ኣጀንዳ ተቐሪፁ ናይ ሰላምን ዕርቅን መድርኽ ንምክያ...
29/05/2026

ዕርቂ ክሳለጥ እዩ...!!

ኣብ መንጎ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ተፈሓሒሙ ዝነበረ ዝኻሓነ መሰረት ኣልባ ፅልኢ ናብ ሓደ ፀቢብ መመያየጢ ኣጀንዳ ተቐሪፁ ናይ ሰላምን ዕርቅን መድርኽ ንምክያድ ኩሉ ምድላዋት ተወጊኑ ይርከብ።

እዚ ዕርቂ መናእሰይ ፣ሙሁራን፣ ነጋዶ፣ዓበይቲ ዓዲ ፣መራሕቲ ሃይማኖት ዝሓወሰ ኮይኑ ኣብ ከተማ መቐለ ብ ኣዳላውነት ህወሓት ክሳለጥ እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ንህወሓት ሕጋዊ ሰብነት ንክትወሃብ ዝተወሰነ ኮይኑ መሬት ምዕራብ ትግራይ ድማ በዘይ ደማዊ ኲናት ናብ ኢድ ህዝብና ዝመልስ መድርኽ ምዃኑ ኣብ ምዝዛም ይርከብ።

እቲ ኣኼባ ዕለት 29/9/2018ዓ/ም ዝሳለጥ ኮይኑ ኣጀንዳ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብስፍሓት ክዝተየሉ ዝተትሓዘ ኣጀንዳ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ ሰነ ኩሉ ተፈናቓሊ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ድማ ክምለስ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ እቲ ቀንዲ መደብ ዩ።

ስሩዕ በጀትን ኩሎም መሰረታዊ ጠለባትን ድማ ብማእኸላይ መንግስቲ ክልቀቑ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐ ኮይኑ እዚ ዘተ ዕርቂ ብኣሻማጋልነት መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃኑ ክነበስር ንፈቱ።

እዚ ዘተ ኣብ ትግራይ ደማዊ ኲናት ከይድገም ዝእግድ ዘተ ኮይኑ ኣብ ትግራይ መረፃ ክካየድ ከምዘገድድ ድማ እቲ ፅሑፍ የመላኽት!!
ዶ.ር ሽሻይ ኣማረ ሓቃዊ ትሕዝቶ ይግበረልና።
ሓበሬታይን፣ኩሎም ፁሑፋተይን ክበፀሐኩም ትደልዩ ኣይትረስዑ።

https://www.youtube.com/watch?v=rXLLXi3756M
28/03/2026

https://www.youtube.com/watch?v=rXLLXi3756M

This is ADDIS 24. Our media outlet covers Ethiopian and East African news and current affairs, analysis and socio-economic issues on a daily basis. Like and ...

https://www.youtube.com/watch?v=MaDB81V_pSY
15/03/2026

https://www.youtube.com/watch?v=yCQBjgPQypY
11/03/2026

ሎሚ ዘበን ልዕሊ 30 ሽሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከምዝውስዱ ተሓቢሩ። ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ኣብ 247 ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ 15454 ኣንስትዮ ዝርክብኦም ...
25/02/2026

ሎሚ ዘበን ልዕሊ 30 ሽሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከምዝውስዱ ተሓቢሩ።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ኣብ 247 ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ 15454 ኣንስትዮ ዝርክብኦም 30529 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ንምውስድ ዘኽእሎም ምዝገባ ተፈተንቲ ኦን ላይ ካብ 18-30 ለካቲት ከምዝሳለጥ ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ዶ.ር ኣረጋዊ ዘፈሩ ሓቢሮም።
እቲ ከይዲ ምዝገባ ኦንላይን ዘሳልጡ ካብ ኣብያተ ትምህርትን ወረዳን ንዝተወፃፅኡ 503 ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ኣቐዲሙ ዝግባእ ስልጠና ከምዝተውሃበን ነዚ መሰረት ዝገበረ ምድላላዋት እውን ብብርኪ ኣብያተ ትምህርት ከምዝተገበረ እቶም ተወካላ ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ተፈተንቲ ተምሃሮ ንምዝገባ እንትቐርቡ መለለይ መንንት ፋይዳ፣ መለለይ መንነት ፋይዳ እንተውፅኡ ዝተመዘገብሉ ቁፅሪ ስልኪን ዘድሊ መረዳእታ ትምህርቶምን ሒዞም ክቐርቡ ከምዝግባእ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኣይሲቲ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ተሰፋይ ኣረጋዊ ፀዊዖም።
ቅድም ክብል መለለይ መንነት ፋይዳ ከውፅኡ ዘይከኣሉ ተምሃሮ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንከውፅኡ ኢሉወን ብኦፍ ላይንን ብሃርድ ኮፒን ተመዝጊቦም ንፈተና ዝቐርብሉ ከነታት ከምዝተመቻቸወ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ተነፂሩ ዘሎ እዋን ምዝገባ ቀሪቦም ክምዝገቡ ዘይክኣሉ ተምሃሮ ንፈተና ከምዘይቐርቡ ፈለጦም እቲ እዋን ምዝገባ ብኣግባቡ ንክጥቀምሉ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ገሊፆም።
ጉዳያት ርክብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ
18/06/2018 ዓ.ም
መቐለ

“ፀረ መኸተና ተሰሊፍም ዝነበርኩም ተመለሱ”———ምሉእ መግለፂ  ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ይቕፅል!ሓፂናዊ ሓድነትና ንህላወና!!ባህጊ ፀላእትና ንዓቕምታት ትግራይ መቓቒልካን ጎዛዚኻን ብምብታን ትግራ...
25/02/2026

“ፀረ መኸተና ተሰሊፍም ዝነበርኩም ተመለሱ”
———
ምሉእ መግለፂ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ይቕፅል!

ሓፂናዊ ሓድነትና ንህላወና!!

ባህጊ ፀላእትና ንዓቕምታት ትግራይ መቓቒልካን ጎዛዚኻን ብምብታን ትግራይን ተጋሩን ኣብ ዛዕባታት እዛ ሃገር ትርጉም ዘይብሎም ክኾኑ ጥራሕ ዘይኮነ ዳግም ከም ዘይለዓሉ ኮይኖም ክለምሱን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናትን ፖለቲካዊ ስርዓታትን ኢትዮጵያ ብመንነታዊ ስያሜ ተጋሩ እትፅዋዕ ብሕታዊት ግዝኣት እዛ ሃገር ዝኾነት ትግራይ፤ ትግራይ ዝብል ሽም ምስ ኩሉ ክብርታቱን ጅኦግራፍያዊ ትሕዝትኡን ተፋሒቑ ክጠፍእ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውስልትና መራሕቲ ስርዓት ብልፅግና ቁፅሮም ዘይንዓቑ ተጋሩ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ምስ ስርዓት ብልፅግና ወጊኖም ፀኒሖም እዮም።

እንተ እንዳ ብልፅግና ጉዳዮም ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ዘይኮነስ ትግራዋይነትን ክብርታት ተጋሩን መሊእኻ ንምጥፋእ ዝዓለመ ነዊሕ ናይ ጥፍኣት መፃወድያ ዘርጊሖም ብሙሉእ ዓቕሞም ፅዒሮም ዝኣበዮም፤ ተጋሩ ነንባዕልና ተባሊዕና ክንፀንተሎም ክሰርሑ ፀኒሖምን ኣለዉን።

እንሆ ድማ ካብ ፅንታ ዝተረፈ ወለዶ ከይህሉ ርስቲ ዓዲ-ኣቡኡ ዝኾነ መሬት ዞባ ምዕራብ፣ ፀለምትን ደቡብን ትግራይ ኣብ ክንዲ ብመሰረት ውዕሊ ስምምዕነት ተፃቦኦ ደው ምባል ፕሪቶርያ ዝምልሱ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብዝብሃል ትግራይ ዘይተወከለትሉ ትካል ኣቢሎም ቆሪሶም ክወስዱ ሕልሞምን ትልሞምን የተግብሩ ኣለዉ።

ይኹን ምበር እዙይ ዝኸውን ኣብ ሕልምን ትምኒትን ፀላእቲ ተጋሩ ጥራሕ ምዃኑ ንፈታውን ፀላእን ግልፂ ክኾነሉ ይግባእ። ብተወሳኺ በዛ ሐዚ እንዳ ብልፅግና ደርሆ ፅሒራ እትረኽቦ ተንኮልን ብ OMN (Oromia Media Network) ጋህዲ ብዝገበርዎ ድሌትን ምኽንያት ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ጎንፂ ክኣትዉ እዮም ኢሉ ዝሰግእ ወገንን ሃህ ኢሉ ዝፅበ ፀላእን ክፈልጦ ዝግባእ ጉዳይ እንተሃለወ ክልቲኡ ህዝብታት ንዘመናት ዝፀንሐ ስልጡን ናይ ልዝብን ምርድዳእን ባህሊ ዘለዎ፣ ባህጊ ፀላእቱ ተረዲኡ ዘምክን ምዃኑ እዩ።

ድሕሪ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብልፅግና ዝተርኣየ ናይ ሓድነትን ሕራነን መንፈስ ንወገን ዘኹርዕ ንፀላኢ ድማ ዘርዕድ ኮይኑ ሎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ብሽም ሓራ መሬት ተወዲቡ ኣንፃር ረብሓን ህልውናን ትግራይ ተሰሊፉ ዝነበረ ሓይሊ ናብ ዓድኻ ናይ ምምላስ መጠን ናህሩን ስፍሓቱን ወሲኹ እቲ ውዳበ እናፈራረሰ ናብ ህዝቡ ይፅምበር ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ብዕጥቂ ይኹን ብዘይዕጥቂ፣ ብውዳበ ይኹን ብተናፀል፣ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ደገን ኮይንኩም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ”ኣፈላላይ ኣለና” ብዝብል ፀረ-መኸተ ተሰሊፍኩም ዘለኹም ወገናት፤ ቅዋምኩምን ተግባርኩምን ናይ ፀላኢ ሕልሚ ንምስኻዕ ዓቕሚ ትኾኑ ከም ዘለኹም ካብዚ ንላዕሊ መረጋገፂ እንከይተፀበኹም፤ ዝህልዉ ኣፈላላያት ትርጉም ዝህልዎም ትግራይን ህዝባን እንትህልዉ እዩ እሞ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን መኸተኹምን ክትዓስሉ ደጊምና እናፀዋዕና ከም ኣካላት ፀጥታ መኸተና ኣሕይልና ከም እንቕፅለሉ ነረጋግፅ።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!!
ትግራይ ትስዕር!!! ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ
ለካቲት 18/2018 ኣ/ግ
መቐለ

https://www.youtube.com/watch?v=ZaUiWgV72J0
04/02/2026

https://www.youtube.com/watch?v=ZaUiWgV72J0

This is ADDIS 24. Our media outlet covers Ethiopian and East African news and current affairs, analysis and socio-economic issues on a daily basis. Like and ...

https://www.youtube.com/watch?v=BMX7MtCBFfU
03/02/2026

https://www.youtube.com/watch?v=jjYwYhnknjU
28/01/2026

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mekelle Express- ME posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category