ሎሚ ሚድያ/Lomi Media/

ሎሚ ሚድያ/Lomi Media/ Promote free sprech

28/08/2025

ብዓበይቲ ዓዲ ተወከልቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንዝናቡ ገ/መድህንን ንጉስ ኣበጀን ዝተልዓሉ ሕቶታት

📌እንዃዕ ላብቲ ብዕራይ፣ከፍቲ፣ጀልጃል ትብልዎ ህዝቢ ብሰላም ትፀንበርኹም።

📌ላብ ህዝብኻ ልምዓት፣ቴክኖሎጂ፣ ምሩፅ ዘርኢ ፣መዳበሪያ ሒዝኻ ትመፅእ ደኣ ክላሽ፣ብሬን፣ስናይፐር ሒዝኻ ትመፅእ ኣይተፀበናን።

📌ብልቢ ሓዚንና፣ተቀይምና

📌ብሱሩ ዉን ወድና ስለዝኾንኻ ሕማቅ ክበፅሐካ ስለዘይንደሊ ነቶም ሰባት ትጠንቀቆም፣ዓርስኻ ሓሊ።

📌እንተኽኢልኻ ሓራ መሬት ዉረድ ምስ ኣሕዋትኻ።

📌ብልፅግና ብኢኮኖሚ 360 ድግሪ ዓፅዩ ኣሳቂዩና፣ንስኹም ዉን ብሞራልና 360 ድግሪ ዓፂኹም ኣሳቂኹሞ ህዝቢ።

📌ዞባ ደቡብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ተካሒዱ ሓንሸሽቲ መኸተ ተባሂልና፣ሞት ደቂና ደመ ከልቢ ጌሮሞ

📌ህዝቢ ራያ ብዕራይ እንትበሃለ ኹላይ ንዓኻ እዩ።

📌ልትወለድኻላ ዓዲ ትርብሽ ኣይንፈቅድን

📌ኮሌነር ንጉስ ኣበጀ ዘለኻዮ ቦታ ኣይምጥነካን፣ንስኻ ገና ተጋዳላይ ኢኻ።

📌ኮሌነር ንበረኻ ዘዉፈርኻዮም ዕሸላት መናእሰይ ኽንደይ ሕዚኻ ኸድኻ ኽንደይ ተሪፎም፣እስቲ ዘክሮ?

📌ንሕና ከም ዞባ ኣብ ክልል ዉክልና ስለዘይብልና ኣብ ልዕለና ስልጣን ልሰቅል ለዉርድ ሓይሊ ኣይንቅበሎን።

📌ኣብ ዝነበርኹሞ ፅንሑልና፣ተድልዩና ተኾይኒኹም ንፅዉዐኹም ኢና።

📌ዝናቡ ወዲ ዓዲና ኢኻ፣ኣይንፀልአካን ዝለኣኸካ ሓይሊ ግን ፀላኢ ህዝቢ ራያ እዩ።

📌ህዝቢ ራያ ብዕራይ ለይኾነስ ብዕራይ ሓሪድ ለብልዕ፣ላሕሚ ለይኾነስ ርጉኦ ላሕሙ ለስቲ ህዝቢ እዩ

📌ደብረፅዮን ልሓንቲ ጣብያ ልምዓት ክርእ ይመፅእ ኔሩ፣ሐዚ ግን ከም ዞባ ክሒዱና፣ስለዚ ጠይቆ?

📌ናይ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ንብረት ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ንምንታይ ከም ሽፍታ ብሓይሊ ሴሪኹም ኣቲኹም፣ካብቶም ኻልኦት ሸፋቱ ብምንታይ ትፍለዩ?

📌ህዝቢ ራያ ዴሞክራሲ፣ምርጫ እዩ ዝኣመን፣ስለዚ ተደሊኻ ተወዳደር ብምርጫ ወይ ትምረፅ፣ወይ ትሕደግ

📌ብጥይት ዝኣምን ሓይሊ ኣየድልየናን፣ሓደ ሰብ ዉን ብጥይት ክመሙት ኣይንደልን።

📌ኣካያይዳኹም ቆልዓ ሸዉዓተ ዓመት ኣይሰርሖይ።

📌ብሰዉነትኹም ደቂ-ዓድና የኹም፣ኣተሓሳስባኹም ግን ዳሕና ኣይትዉክሉይ።

📌ሐዚ ተዘይፈቲሕናዮ ፅባሕ ዝመፅእ ኸቢድ እዩ።

📌ፒፒ ልዕልነት ረኺቡ ብሓይሊ -8 ወርሒ ጥራሕ ገዚኡና፣ምስ ህዝቢ ስለዘየኽበረ ግን ተፀራሪጉ ወፂኡ፣ስለዚ ድምፂ ህዝቢ ስምዑ።

📌ዝናዉ ከም ኣስመላሽ ረዳን ኻልኣዩ ግደይን ዝሰርሕዎ ጅግንነት ትሰርሑ ትፅቢት ንገብር።

📌ኣመፃፅኣኹም ጥዕና ስለዘይብሉን ህዝቢ ስለዘይተቀበለኩምን ብዝመፃኹሞ ዉፅሉና።

📌ከም መንግስቱ ሃ/ማሪያም ዓሳ ልምሓዝ ባሕሪ ምንፃፊ ዝብል ሓሳብኹም ቀይርዎ፣ህዝቢ ለይሓዝኻ ኣይግዛኢ።

📌ዘለኩም ፀገም ኣብ ወንበር ፍትሕዎ

📌ህዝቢ ራያ ዝናዉ ዘፅልእ፣ሃፍቱ ዘፉቲ ቆሎ የብሉን፣በዓልኹም ትቃረቡ፣ግን ተነኣሰ ዝናቡ ዝወከለካ ህዝቢ ራያ የለን ዝብሉን ኻልኦትን ሕቶታት ተላዒሎም።
Haftamu nigus

ለወባ ንህዝቢ ትግራይ==============
03/02/2025

ለወባ ንህዝቢ ትግራይ
==============

26/01/2025

ይውቃዕ'ሎ ኸበሮ፣ ይንፋሕ'ሎ እምብልታ
ይትከል'ሎ ሓዱሽ ዳስ፣ ይስማዕ'ሎ ዕልልታ

ጕዳይ ትድገም'ላ፣ ከም ትማሊ ባዕላ
ይኸፍትዋ ኣለዉ፣ እዛ ዘይኽሉዋ ጐይላ።

ኣብ ዘዝቐደመ ዳሶም ከይበላዕና
ሓዱሽ ዳስ ሰሪሖም ዶ ጸዉዑና
ኣይትዓድሙና ኢልናዮም ዘይሰምዑ
ክነጣቕዕ ዶ ንዀን ጓና ክነመርዑ?
-
ይውቃዕ'ሎ ኸበሮ፣ ይንፋሕ'ሎ እምብልታ
ይትከል'ሎ ሓዱሽ ዳስ፣ ይስማዕ'ሎ ዕልልታ

ትማሊ ዘጽመመና፣ ደርፊ እናኸፈቱ
ይጽውዑና ኣለዉ፣ ናብ ጐይላ ኽንኣቱ
ትማሊ ብዝተረፈ፣ ብዝመጸጸ ጽራይ
ይዕድሙ ኣለዉ፣ ክድግሱ ውራይ

ዘዝቐደመ ውራዮም፣ መኣዝ'ዩ ጥዒሙ
ብዝዓሰወ እኽለማይ፣ ጋሻ ዝዕድሙ?

ንሕና ኸ ዓሻሹ ዶ፣ ጐይላ ትማሊ ንርስዕ
ሓደ ደርፊ የብልናን፣ ብሓባር ዘሳዕስዕ።

ብመምህር ዘመን ገ/መድህን
መቐለ

https://www.facebook.com/share/18DJMCkTb2/?mibextid=oFDknk
25/01/2025

https://www.facebook.com/share/18DJMCkTb2/?mibextid=oFDknk

እዋናዊ መግለፂ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ካብ ኮር ንላዕሊ ዝኾኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ከምዘካየዱ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ መግለፂ ዘውፅኡ ኮይኖም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 16 ጥሪ 2017ዓ.ም ኣብ ዝፀውዖ ህፁፅ ኣኼባ ኣብቲ ካብ ኮር ንላዕሊ ብዝብል ዝቐረበ መግለፂ ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ኣብ መደምደምታ በፂሑን ውሳነታት ኣሕልፉን ኣሎ።

1) እቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ ውሳነ ንሓደ ጉጅለ ዝወገነ፣ መንግስቲ ዘፍርስ፣ ሰራዊት ዝብትን፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍርስን መሰረታዊ ስሕተት ዘለዎን ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረምን ናብ ታሕቲ ከይወርድን ተወሲኑ ኣሎ።

ሀ) እቲ መግለፂ ኣብ ብርክት ዝበሎ ዛዕባታት ካብ ተልእኾ ሰራዊት ዝወፅአን ትካላዊነት ዘይሓለወን ምዃኑ ብዕምቆት ተራእዩ ኣሎ። ሰራዊት ኣብ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ውሽጢ ስራሕቲ ኣትዩ ነቲ ሓደ ጉጅለ ተቓዊሙ ነቲ ካልእ ፍንጫል ንመድጋፍ ዘኽእል ተልእኾ ከምዘይብሉ እናተፈለጠ “ጉባኤ ዘካየደን ዘየካየደን” ብዝብል ዝገበሮ ምይይጥ ኮነ ዘሕለፎ ውሳነ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ከምዝኾነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣስምርሉ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ንሱ ናይ ውድብ ኣፍልጦ ወሃቢ፣ ባዕሉ ስልጣን ውሃብን ከላእን ከምዝኾነ ዘሕለፎ ውሳነ እውን ተቐባልነት ዘይብሉን ስርዓት ኣልቦነት ዘስፍንን ጥራሕ ዘይኮነስ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ክትኾን ዝገብር፣ ሓድነት ህዝብና ዘዝርግን ህልውና ሰራዊትና ናብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ። ከም ትካል እውን ናይ ኮር ኣመራርሓ ዝበሃል ሕጋዊ ውዳብ ኣብ ዘይለሉ ብከምዚ ተኣኪቡ ውሳነ ንምሕላፍ ዘኽእሎ ስልጣን ከምዘይብሉ ተራእዩ እዩ።

ለ) ኣብያተ ምኽሪ ወረዳ፣ ከተማ/ክፍላተ ከተማ ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ እውን ብተመሳሳሊ ካብ ተልእኾኡ ዝወፅአ እዩ። መሓውርን ትካላትን መንግስቲ ምትዕርራይ ኮነ ሕግታት ናይ ምውፃእን ምስዓርን ስልጣን ናይ መንግሰቲ ኮይኑ እናሃለወ ናይ ሓደ ጉጅለ ድልየት ንምምላእ ተባሂሉ ዝሓለፈ ውሳነ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን። እዚ እውን መንግስቲ ስራሕቱ ከይፍፅም ዝዕንቅፍ፣ ሓድነት ህዝብናን ሰራዊትናን ዝብተን ተግባር ምዃኑ መላእ ህዝብናን ሰራዊትናን ብዝግባእ ክርድኦ ይግባእ። እዚ ምንቅስቓስ መንግስቲ እግሪ ከይተክል ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዕንቅፋት ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ።

2) ብዛዕባ ምትዕርራይ መንግስቲ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ቅዋም ድማ ናይ ሓደ ጉጅለ ዘይተኣደነ ናይ ስልጣን ፃምእ ንምርዋይ ክበሃል ህልውና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍረስ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እዩ። እዚ ከዓ ብትርጉሙ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኩናት ዘእቱ ብስለትን ስኽነትን ዝጎደሎ ውሳነ ስለዝኾነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቕበሎስ ይትረፍ ክሓስቦ እውን ኣይክእልን። ብህፁፅ ንክእረም ከዓ ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ።

3) ኩሉ መሓውር ፀጥታ ናብ ሓደ ማእኸል ንክጥርነፍ ዘቐረበ ውሳነ ዘይሕገ መንግስታዊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ፀገም ትግራይ ዘጋድድ እምበር ዝፈትሕ ኣይኮነን። ኣብ ምውፋር ክናበቡ ምግባር ኣይክኣልን ዋላ እንይዘይተብሃለ ናብ ሓደ መኹባዕቲ ተዘይኣትዮም ዝበሃል ግን ፍፁም ተቐባልነት የብሉን። ኩሎም ኣካላት ፀጥታ ሞያዊ ነፃነቶምን ሕጋዊ ሓላፍነቶምን ሓልዮም እናተናበቡ ተዋዲዶም ክሰርሑ ኣብ ምግባር ግን ብቐፃልነት ክስርሓሉ እዩ።

4) ብከምዚ መልክዕ ዝቐረቡ ውሳነታት መሰረታዊ ስሕተት ስለዘለዎም ተፈፃምነት ከምዘይብሎም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ። እቶም ውሳነታት ተጓይይካ ናብ ታሕቲ ንምውራድ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ክብሉን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቅኑዕ መትከል ጠጠው ኢሎም ነዚ ግጉይ ውሳነ ዝተቓወሙ ኣመራርሓ ሰራዊት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክትግበር ከምዘይበሉን እውን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሲኑ ኣሎ።

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ
እቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝወፅአ መግለፂ ኣመና ከምዘጉሀየካን ከምዘሻቐለካን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕምቆት ተገንዚቡ ኣሎ። ብስሕተት ኣመራርሓ ሰራዊት ምኽንያት ናብ ዳግማይ ኩናት ንከይትኣቱ ምሒር ከምዘተሓሳሰበካ እውን ተረዲእና ኣለና። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘጉህን ዘተሓሳስብን እኳ እንተኾነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ስግኣትካን ባህግኻን ኣብ ግምት ብምእታው ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣብቶም ውሳነታት ዝርዝር ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ተፈፃምነት ከይህልዎምን ንታሕቲ ዝወረዱ መምርሕታት ብህፁፅ ደው ንክብሉን ወሲኑ ኣሎ። ንስኻ እውን በቢከባቢኻ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ብጥቡቕ ክትከታተልን ስሕተታት እንተጋጥሙ ኣብ ጎኒ መንግስትኻ ኮይንኻ ክትእርሞምን ንፅውዕ። ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ድማ ሰላምካ ክትሕሉን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ መሊሱ ናብ ኩናት ክእትወና ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ብትሪ ክትቃወምን ይግባእ።

ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ
በቲ ናይዚ ሰሙና ናይ ኣመራርሓ ሰራዊት ውሳነታት ኣዚዩ ከምዝደንፀወካ ተረዲእና ኣለና። ተስፋ ዝገበርካሉ ናይ ለውጢ ሓሳብ ከይኹለፍን ተሳትፎኻ መመሊሱ ከይመክንን ዘሕደረልካ ስግኣት እውን ተገንዝብና ኣለና። ናይ ሓደ ጉጅለ ፃምእ ስልጣን ንምርዋይ ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኩናት ከይኣቱ፣ ሓድነት ህዝብኻ ዝያዳ ከይበጣጠስ እውን የጨንቐካ ኣሎ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ካብ ተልእኾ ሰራዊት ወፃኢ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ብዝርዝር ርእዩ ከይትግበርን ናብ ታሕቲ እውን ከይወርድን ከምዝወሰነ ክነረጋግፀልካ ንደሊ። ንስኻ እውን ምስ ህዝብኻን ሰራዊትካን ኮይንኻ እቶም ግጉያት ውሳነታት ከይትግበሩ ብፅንዓት ክትቃለስ ኣለካ። ብኣውርኡ ከዓ ሰላምካ ውሑስ ክትገብርን ዳግማይ ኩናት ዝውልዐሎም መንገድታት ዕፁው ንምግባር ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክትስለፍን ፃውዕትና ነቕርብ።

ዝኸበርኩም ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ
ኣብዚ ሰሙን ብዝቐረቡ ዘይመትከላዊ ውሳነታት ከምዝሓዘንኩምን ህልውናኹም ናብ ከቢድ ሕዳጋ ከይኣቱ እሞ መኸተና ሙሉእ ብሙሉእ ከይሕንሸሽን ከምዝተሓሳሰበኩም ግልፂ እዩ። ብመስተንክራዊ ቅያኹም ዝዓቀብኩምዎ ሰላም ከይህወኽ፣ ብመስዋእትኹም ዘጣየሽኩምዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይፈርስን ህዝብኹም ናብ ካልእ ዙር ደማዊ ኩናት ከይኣቱን ኣብ ሓያል ሻቕሎት ከምዘለኹም ንርዳእ ኢና። ልዕሊ ኩሉ ከዓ መስዋእትኹም፣ መጉዳእትኹምን ምግዳልኩምን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ቀሪቡ ናይ ሓደ ጉጅለ መጋበሪያ ከምዝኾንኩም ተገይሩ ዝቐረበ ሓሳብ ኣዐርዩ ከምዘጉሀየኩም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተገንዚቡ ኣሎ። ስግኣትኩም፣ ጓሂኹምን ሻቕሎትኩምን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ነቲ መግለፂ ብዝርዝር ርኢና ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብዝኾነ መንገዲ ከይትግበርን ወስንና ኣለና። ንስኹም እውን እዞም ውሳነታት ናብ ታሕቲ ወሪዶም ከይትግበሩ ብፅንዓት ክትቃለሱ ፃውዕትና ክነቕርበልኩም ንደሊ።

መልእኽቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ
ኣብዚ ሰሙን ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለፂ ናይ ሰራዊት ትግራይ ኮነ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓሳብን ውሳነን ኣይኮነን። ሰራዊት ትግራይ፣ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ውሑስ ክኾንን ተሓታትነት ክረጋገፅን እምበር ንመስሪሕ ሰላም ተሓስሞም ናብ ኩናት ክኣትዉ ድልየት ከምዘይብሎም ክፍለጥ ኣለዎ። እቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ መግለፂ እውን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕምቆት ፈትሹ ውድቂ ገይርዎ ኣሎ። ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝግባእ ንክፍፀምን ዝተጀመረ መስሪሕ ሰላም መሊኡ ውሑስ ንክኸውንን መንግስቲ ፌዴራል ዝተማልአ ሓገዝ ንክገብር ፃውዕትና ነቕርብ።

መልእኽቲ ንማሕበረሰብ ዓለም
ድልየት ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ሰላም እዩ። ነዚ እውን እዩ ዋላ’ካ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዙሓት ፀገማት እንተሃለዉ ሕቶታትና በሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንክንምለስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ተቐራርብና ንምስራሕ ቀዳምነት ሂብና እናሰራሕና ዝመፃእና። ሕዚ ግን ስቓይ ህዝብና ኣመና በዚሑ እቲ ኩነታት እውን ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ሓሳረ መከራ ንምፍታሕ ክሳዕ ሕዚ ዘይተፈፀሙ ዋኒናት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ንክፍፀሙ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ንክትገብሩ ንፅውዕ። እቲ ኣብዚ ሰሙን ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ መግለፂ ንሰራዊት ትግራይ ይኹን ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዘይውክል ድማ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንፈቱ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ንክፍፀምን ሰላም ትግራይ ውሑስ ንምግባርን ዝተማልአ ሓገዝ ንክትገብሩ እውን ንፅውዕ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
17 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ

Address

Bole
Addis Ababa
251

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሎሚ ሚድያ/Lomi Media/ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category