
24/08/2025
ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ብምኽንያት ዕረፍቲ ንቡረ እድ በላይ መረሳ ገብረዮሐንስ አመልኪቱ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለጺ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
"ዘጻመወ በዓለም የሐዩ ለዝሉፉ፤ እስመ ኢይሬኢ ሙስና፤ እቲ ኣብ ዓለም ዝደኸመ ንዘልዓለም ክድሕን እዩ: ጥፍኣት/መከራውን ኣይክረኽቦን እዩ (መዝ. 48፥9)።
ንቡረ እድ በላይ መረሳ ሃይማኖት ዘለዎም፤ ንሃይማኖት ዝመስከሩ፣ ሃይማኖትውን ዝመስከረትሎም ኣቦ ኣሽሓት፣ ናይ ብዙሓት መምህር፣ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ዝጸንዓሎም ሙሉእ ጊዚኦም ዝመሃሩ፣ ንኹሉ ብማዕረ ዓይኒ ዝርእዩ፣ ኣብ ልቢ ኣመንቲ ቃል ወንጌል ዝዘርኡ ዓብይ ሓረስታይ ወንጌል፣ ኣብ ብዙሓት ደቆም ፍሬኦም ዝረኣዩ፣ ኣቦ ኣሽሓት፣ ኣንደበቶም ከቶ ዘይትዕንቀፍ፣ ጋሻ ውሕጅ/ዘመን ዘየሽንፎም፣ ኣብ ቦትኦም ዝተረኽቡ፣ ብትኽክል ዝፈለጡ/ዝተረድኡ፣ ብነጻ ዝተዋህቦም/ዝተቐበልዎ ብነጻ ዝሃቡ፣ ተንቀሳቓሲ ቤተ መጻሕፍቲ ነይሮም።
እዞም መዘና ኵላትና፣ ብጻይ ትምህርት ቤት፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን መብራህቲ ዝኾኑ ኣቦ ካብዚ ዓለም ድኻም ምዕራፎም ክንሰምዕ ብዓቢይ ሓዘን እዩ።
የሕዝባቸውን መከራ በልባቸው ተሸክመው ለኖሩት ለእርሳቸው ይህ ዕረፍት ቢሆንም ለቤተ ክርስቲያን አባቶችና ለምእመናን ግን ትልቅ ጉዳት ነው።
እዙይ ዋላኳ ነዞም መከራ ህዝቦም ኣብ ልቦም ጸይሮም ዝነበሩ ኣቦ ዕረፍቲ/እፎይታ እንተኾነ ንቤተ ክርስቲያን ኣቦታትን ምእመናንን ግን ዓብይ ጉድኣት/ክሳራ እዩ።
ስለዚ ንሶም ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅርሲ ከምኻኖም መጠን ናሃቶም ሕልፈት ከም ናይ ሓደ ሰብ ሕልፈት ዝርአ ስለዘይኮነ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስን ብስም መላእ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ዝተሰምዓና ሓዘን ንገልጽ!
ብዕረፍቲ እዞም ዓቢይ ሊቅ ዝሓዘንኩም ኩልኻትኩም በቲ ንሶም ዝዝከርሉ ሠናይ ተግባራቶምን ብደቀ መዛሙርቶምን/ተምሃሩኦምን ህያው/ህልዊ ስለዝኾኑ በዚኦም ኽትጽናዕንዑ ይግባኣኩም።
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይሓልወልና፤ ብዕረፍቲ ሥጋ ንዝተፈለዩና ዕረፍቲ ነፍሲ፣ ኣብዚ ንዝተረፍና ድማ ምጽንናዕ ይልኣኸልና/ይሃበና!
እግዚአብሔር አምላኽ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ! አሜን።
ኣባ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት
ነሓሰ 16/2017 ዓ.ም
ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣመሪካ
©ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ
ትርጉም፡ በመምህር ኪደ ዜናዊ