Tsige hailu

Tsige hailu እንበለ ፍቅር ከንቱ ውእቱ! No gift, more than being in love with the world.

05/07/2023

ፍትሒ ይንገስ
ሓሶት ኣይሰማዕ ንብዓት ኣይተሻሩ
ውፁዓት ወገናት መዓት ኣይፁሩ፣
ዝጋየሽ ኣይብዛሕ ናብ ሓመድ ዝኣቱ
ናብ ቀደም ዝምልስ እንቅዓ ንእስነቱ፣
ምሕደራ ስኢኑ ዝባኸነ ግዜ
ተኻኪኡ የፍሪ ድነ ሞት ከይሓዘ፣
ስግኡ ዝሓረሞ መቕርብ ዝሞተቶ
ደራዚ ንብዓቱ ተኻሒሱ ይእቶ፣
ተሓላቒ ስኢና ዝፀነተት ስድራ
ትፍረዳ ዛ መሬት ኣብ ሓቁ ነፂራ፣
ሰማያት ብሒቱ ዘደንገፀ ድምፂ
ዘስዓቦ ስቅያት ይረኣዮ ሃዋፂ፣
መትከላ ፈሪሱ ዝዓነወት ኣጉዶ
ኣፅኒዕኻ ትተሓዝ ሕልፈት ትሰንዶ፣
ተዘሚተን ዝተወርራ ተዓሚፀን ዝተደፍራ
ብመንነት ዝወረደን ብዳይነት ይጠበራ፣
ብንፋሰ ቐውዒ ዝደረቐት ለምለም
ፅሒፋ ትተርኽ ዘፍሰሰቶ ቐለም፣
ስቅያት መናፍስት ማህሰይቲ ልቦና
ኣርቂቕና ንሓዞ ነኺስና ስንና።

05/07/2023

Address

Adwa

Telephone

+251936878073

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tsige hailu posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share