05/07/2023
ፍትሒ ይንገስ
ሓሶት ኣይሰማዕ ንብዓት ኣይተሻሩ
ውፁዓት ወገናት መዓት ኣይፁሩ፣
ዝጋየሽ ኣይብዛሕ ናብ ሓመድ ዝኣቱ
ናብ ቀደም ዝምልስ እንቅዓ ንእስነቱ፣
ምሕደራ ስኢኑ ዝባኸነ ግዜ
ተኻኪኡ የፍሪ ድነ ሞት ከይሓዘ፣
ስግኡ ዝሓረሞ መቕርብ ዝሞተቶ
ደራዚ ንብዓቱ ተኻሒሱ ይእቶ፣
ተሓላቒ ስኢና ዝፀነተት ስድራ
ትፍረዳ ዛ መሬት ኣብ ሓቁ ነፂራ፣
ሰማያት ብሒቱ ዘደንገፀ ድምፂ
ዘስዓቦ ስቅያት ይረኣዮ ሃዋፂ፣
መትከላ ፈሪሱ ዝዓነወት ኣጉዶ
ኣፅኒዕኻ ትተሓዝ ሕልፈት ትሰንዶ፣
ተዘሚተን ዝተወርራ ተዓሚፀን ዝተደፍራ
ብመንነት ዝወረደን ብዳይነት ይጠበራ፣
ብንፋሰ ቐውዒ ዝደረቐት ለምለም
ፅሒፋ ትተርኽ ዘፍሰሰቶ ቐለም፣
ስቅያት መናፍስት ማህሰይቲ ልቦና
ኣርቂቕና ንሓዞ ነኺስና ስንና።