Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ

  • Home
  • Ethiopia
  • Adwa
  • Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ

Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ, Social Media Agency, Adwa town, Adwa.

Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ➡ባነር ምስራሕ➡ስቲከር ምስራሕ➡ቢዝነስ ካርድ ምድላዉ➡ናይ ዕደመ ወረቀት ምስራሕን ካልኦት ኣገልግሎትን እንተደሊኹም09-56-1...
25/06/2025

Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ
➡ባነር ምስራሕ
➡ስቲከር ምስራሕ
➡ቢዝነስ ካርድ ምድላዉ
➡ናይ ዕደመ ወረቀት ምስራሕን ካልኦት ኣገልግሎትን እንተደሊኹም
09-56-16-14-91/09-01-52-47-60
Daniel Hagos

23/06/2025

ብሓድሽን ዘመናዉን መልክዕ Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ ስራሕቱ ናብ ህዝቢ እናቅረበ ይርከብ።
✔️መድረኽ ምድላዉ
✔️መድረኽ ምምራሕ
✔️ትካላት ምፍላጥ
✔️ምደላዉ film ምረቃ (ትኬት ምሻጥ፣ምሉእ ፕሮግራም ምስራሕ)
✔️ምድላዉ መፅሓፍ ምረቃ (ትኬት ምሻጥ፣ምሉእ ፕሮግራም ምስራሕ)
✔️ንመርዓ ንክርስትና ብዝደለኹሞ ዓይነት ናይ #ዴጄ ኣገልግሎት
ንዝበለፀ ሓበሬታ
☎️ 09-56-16-14-91 / 09-01-52-47-60

እታ ኣብ ከተማ ዓድዋ ክትምረቅ እያ  እናተባሃለት ዝቀነየት ዓለማዉያን ዘርእስታ ፊልም  እነሆ 2ተ ማዓልቲ ቀሪዋ ኣሎ 🔥ስለዚ መፍቀርቲ ፊልምን ደገፍቲ ጥበብን ሰንበት ሳዓት ትሽዓተ ድሕሪ ቀ...
20/06/2025

እታ ኣብ ከተማ ዓድዋ ክትምረቅ እያ እናተባሃለት ዝቀነየት ዓለማዉያን ዘርእስታ ፊልም እነሆ 2ተ ማዓልቲ ቀሪዋ ኣሎ 🔥ስለዚ መፍቀርቲ ፊልምን ደገፍቲ ጥበብን ሰንበት ሳዓት ትሽዓተ ድሕሪ ቀትሪ ቆፆሮኹም ኣብ ዶንቦስኮ ኣዳራሽ ይኹን 🔥👍
እተዊ ዋጋ 50ቅርሺ
✌✌

ኣጆኺ ኣደዋ!ወሃቢት ከለኪ ጨካናት ተፀባይት ገይሮምኪ! #ይኣክል
18/06/2025

ኣጆኺ ኣደዋ!
ወሃቢት ከለኪ ጨካናት ተፀባይት ገይሮምኪ!
#ይኣክል

 ===============ከተማ ራማ ናይ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዋና ከተማ ኾይና ካብ ከተማ ዓድዋ ንኣንፈት ሰሜን ብመኪና ናይ ከባቢ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ ተጉዒዝካ እትርከብ ኣብ ሳሃራ ዝተኸተ...
18/06/2025


===============
ከተማ ራማ ናይ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዋና ከተማ ኾይና ካብ ከተማ ዓድዋ ንኣንፈት ሰሜን ብመኪና ናይ ከባቢ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ ተጉዒዝካ እትርከብ ኣብ ሳሃራ ዝተኸተመት ሓምለወይቲ ከተማ እያ። ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ በተን ጀጋኑ ደቂ ኣንስቲዮ ተጋደልቲ ትግራይ ዝተሰየማ 2+ ናይ ከተማ ጣብያታት ማለት እውን ጣብያ በሪሃን ጣብያ ብሪሽዋን፤ ከምኡ እውን 7+ ናይ ገጠር ጣብያታት ዝሓዘት ፀባይ ኣየራ ቆላ ዝኾነት ድምቕቲ ከተማ እያ።

ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ብግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ ለሚዑ ዝማዕረገ ጎልጎል ሓመዶ ሓምለዋይ ግርማ ኻባ ተኸዲኑ ብቀወምቲ ተኽልታት ማንጎ፣ ኣፕል ማንጎ፣ ሙዝ፣ ኦቾሎኒ፣ ኣራንሺ፣ ፓፓየ፣ ለሚንን ብኣሕምልቲ ገደና ጉዕ በርበረ፣ ኮሚደረ ፣ ቀይሕ ሽንጉርቲ፣ ቆስጣ፣ ስላጣ፣ ጥቅልል ጎመን፣ ዕፉን፣ (መሸላ ባሕሪ/ዒልቦ) ወዘተ... ብበዝሒ ዝፈርየላ ሓምላዋይ ምንፃፍ ዝተኸደነት ብሹሻይ ሓጋይ ዝተምበሽበሸት መርሓባ ኢላ እትቅበለካ ምዕርግቲ ከተማ እያ። ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ማእኸል ስሕባት ቱሪዝም ኽኾኑ ብዝኽእሉ ዕድመ ፀገብ ገዳማት፣ ሃፍቲ ሑፃ፣ ክቡራት መዓድናት ከም ወርቂ ዝበሉ፣ ዓበይቲ ኣእማን፣ ብባህላዊ መስተ ሕትሞ ስዋ፣ ካልኦት ሃፍትታት ተፈጥሮ፣ እንስሳ ዘገዳም፣ እንስሳ ዘቤትን ኣዕዋፍን ዝወነነት ኣብ ሳህራ ዝተደኮነት ከተማ እያ።
!
❤💛




✍️ fyameta

14/06/2025

  ንጉስ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ኣክሱም📸 ካብ ማዕኸናት ፌስ ቡክ
14/06/2025


ንጉስ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ኣክሱም
📸 ካብ ማዕኸናት ፌስ ቡክ

  06/10/2017 ኣ.ግ ኣጋግዘ
13/06/2025

06/10/2017 ኣ.ግ ኣጋግዘ

እታ ኣእምሮኣ ዝሰሓተት ኣደ...ብዛዕባ “Straw” እትብል ሎም ቅነ መዛረቢ ብዙሓት ኮይና ዘላ ፊልም፡ ዝቐረበ ሓጺር ርእይቶኣብዛ ፊልም ጃንያህ እትበሃል ቀንዲ ገጸ ባህሪ፡ ንጓላ ካብ ድኽነ...
13/06/2025

እታ ኣእምሮኣ ዝሰሓተት ኣደ...

ብዛዕባ “Straw” እትብል ሎም ቅነ መዛረቢ ብዙሓት ኮይና ዘላ ፊልም፡ ዝቐረበ ሓጺር ርእይቶ

ኣብዛ ፊልም ጃንያህ እትበሃል ቀንዲ ገጸ ባህሪ፡ ንጓላ ካብ ድኽነትን፡ ሓደጋን ካልእ ሽግራትን ንምክልኻል፡ ከርተት ክትብል ንርእያ።

ብሕጽር ዝበለ፡ ጃንያህ፡ ጥዕና ዘይብላ ጓላ በይና እተዕቢ ኣደ'ያ። ኣብቲ ትሰርሓሉ ዱኳን ነቓጽ ሓላፊ፡ ኣብ'ቲ እትነብረሉ ገዛ ድማ ጨካን ኣካራይት ኣላታ። ሓጋዚ ዘይብላ፡ ሕጽረት ገንዘብ ዘለዋ ግን ክኣ ለጋስ ዝኾነት ኣደ ክኣ'ያ።

➡️ እዛ ኣደ፡ ጓላ ኣብ ትምህርቲ ምስ ከምኣ ተማሃሮ ንኽትምሳሕ 40$ መኽፈሊ ትሽገር።

➡️ ጓላ ብመንግስቲ ትውሰድ

➡️ስራሕ ትስጎግ

➡️ሓላፊኣ ደምወዛ ብቐጥታ ምሃብ ይኸልኣ

➡️ዋና ገዝኣ፡ ኩሉ ንብረታ ናብ ደገ ጉሒፋቶ ትጸንሓ፡ ገዛ ትስጎግ።

➡️ምስ ሓላፊኣ ገንዘበይ ሃበኒ ኢላ እናተኸራኸረት ሓደጋ የጋጥም። ብቕትለት 2 ሰባት ብፖሊስ ትድለ።

➡️ቸክ ሒዛ ናብ ባንክ ትኸይድ፡ ታሴራ ስለዘይነበራ ፡ ባንክ ገንዘብ ምሃብ ይኸልእዋ፡ ካብ'ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ስራሓ ሒዛታ ዝመጽእት ሽጉጥ ኣውጺኣ ገንዘበይ ሃብኒ ትብል፡ ዕግርግር ይፍጠር እቲ ባንክ ብ ፖሊስ ይኽበብ።

➡️ኣቐዲሙ ኣፈራሪሕዋ ዝነበረ ፖሊስ ኣብ ደገ ምስ'ቶም ፖላይስ ስለዝነበረ ካብ'ቲ ባንክ ምውጻእ ትኣቢ።

➡️ፖሊስን እቶም ኣብቲ ባንክ ዝነበሩ ሰባትን ቦንብ ሒዛ ኣላ ኢሎም ይኣምኑ። መወዳእትኡ ግን ቦንብ ዘይኮነ ናይ ጓላ ንብረት ምዃኑ ይፈልጥ።

እዚ ኹሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ'ዩ።

እቲ ዘሕዝን ነገር ፡ እዚ ኩሉ ኣብ ህልወሳ ኣትያ ኣእምሮኣ ስሒታ ትገብሮ ዝነበረት'ዩ።

ካብ ትምህርቲ ተደዊሉኒ ኢላ ካብ ስራሕ ክትወጽእ እንከላ ጓላ ድሮ ሞይታ ኔራ።

ካብ ስራሕ ክትባረር እንከላ፡ ገዛ ክትስጎግ እንከላ፡ 40$ ንጓላ ንትምህርቲ ክትከፍለላ ኢላ ላዕልን ታሕትን ክትብል እንከላ ጓላ ብህይወት ኣይነበረትን።

ጓላ ብመንገስቲ ኣይተሓደገትን።

ኣብ መንጎ ምስ ጓላ እንርእዮ ዝነበርና ንገር እንበኣር ካብ ክውንነት ወጻኢ ኣብ ኣእምሮኣ ዝፈጠረቶ ነገር'ዩ። እዚ ማለት እዛ ኣደ፡ ህይወታ፡ ሓጎሳ፡ ትርጉም ምንባራ ምስ ውላዳ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ሞት ውላዳ ክትቅበሎ ልዕሊ ዕቕማ ብምዃኑ፡ ስንባደ ብዝፈጠሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም'ያ ትሳቐ ኔራ።

እዚ ከም'ዚ ዓይነት ተርእዮ ዘይጽወር ሓዘን፡ ፈጺሙ ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ዘጋጥመና ኣእምሮና ንስለ ምንባር (survive ንምግባር) ዝፈጥሮ ናይ ሓሶት ክውንነት'ዩ።

ነዚ ዛንታ ደራሲ ብዝንኣድ ኣገባብ ሃኒጽዎ፡ ተዋሳኢት ድማ ብዝግባእ ተላቢሳ ብዘደንቕ ብቕዓት ኣቕሪባቶ።

ነዛ ፊልም ርኢና ንገዛእ ርእስና ክንሓቶዝግብኣና ነገር እንተሎ፣

ክንደይ ዝኣኽሉ ኣሕዋትና ቃንዝኦም ዝርድኣሎምን ዝሕግዞምን ስኢኖም ይሰቓዩ ይህልው፧ ኣብ ዙርያይከ ናተይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣለው ዶ፧

ክንደይ ካብ'ቶም ዘይንቡር ነገር ክዛረቡን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ጥዑይ ሰብ ዘይፍጽሞ ተግባር ዝገብሩን ምስ ጥዑይ ኣእምሮኦም ኣለው፧። ብውልቀይ ክሕግዞ ዝኽእል ነገር እንታይ ኣሎ፧

ክንደይ ኣሕዋት ኣእምሮኦም ስሒቶም ናይ ሓሶት ክውንነት እናፈጠሩ ይነብሩ ይህልው፧ (ንኣብነት፥ ፍልይ ዝበለት መኪና ርእዮም "ፖሊስ ኣብ ዝኸድክዎ እናኸዱ ይከታተሉኒ ኣለው ዝብሉ ሰባት ኣጋጢሞምኻ ይኾኑ፡ ወይ'ውን ዘየለ ነገራት ኣወሳሲቦም ብዘይ ድቃስ ዝሓድሩ ሰባት ኣብ ዙርያኻ ይህልው)

ተራኻ እንታይ'ዩ፡ ከም ሰብካ ብእኦም ምስሓቕ ወላ ብዓቕምኻ ምሕጋዝ፧

ክንደይ ዝኣኽላ ሓጋዚ ስኢነን ዝሳቐያ ኣሕዋት ኣብ ዙርያኻ ኣለዋ፧

Address

Adwa Town
Adwa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Daniel hagos promotion-ስራሕቲ ምልላይ ዳኒኤል ሓጎስ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share