Tigray Insider

Tigray Insider Tigray insider

መግለፂ ቕዋም  ኣመራርሓ ወረዳ፣ ከተማን ዞባን ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህወሓት/========================================ካብቶም ...
22/04/2026

መግለፂ ቕዋም ኣመራርሓ ወረዳ፣ ከተማን ዞባን ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህወሓት/
========================================
ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ሓደ ምርግጋፅ መሰል ዓርሰ ምሕደርኡ እዩ። ነዞም ዕላማታት ንምዕዋት ድማ መላምል ደቁ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። በዚ ዝተኸፈለ መስዋእትን መቑሰልትን ድማ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እውን ተጠቀምቲ ዝገብር ብሕገመንግስታዊ ቃልኪዳን ዝተኣሰረ ስርዓት ዓርሰ ምሕደራ ተረጋጊፁ እዩ። ብመሰረት እዚ እውን ንዝሓለፉ ዓመታት በቢእዋኑ ዝተተለመ መረፃታት ብምክያድ ህዝቢ ብቐጥታ ተወከልቱ ዝመርፀሉ ስርዓት ኣግሂዱ እዩ። ብፍላይ ድማ ቅድሚ ሓሙሸተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ፅግዕተኛ ሓይሊ ስልጣን ምቁፅፃሩ ስዒቡ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ክባር ዋጋ ዝኸፈለሉ ሕገመንግስታዊ ስርዓትን መሰል ዓርሰ ምሕደርኡን ክምንጥል እንትንቀሳቐስ ዋጋ ዝኸፈልኩሉ መሰል ኣይምንጠልን፣ ወከልተይ ከይመርፅ ዝኽልክል ኩነታት የለን ኢሉ ኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ዕውት መረፃ ብምክያድ ብመሰል ዓርሰ ምሕደርኡ ፍፁም ከምዘይደራደር ዳግም ኣረጋጊፁ እዩ።

ስርዓት ብልፅግና ነቲ ኣቐዲሙ ዝኣወጆ ጀኖሳይድ ናብ ወታደራዊ ወራር ምስ ኣሰጋገሮ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል መሪሕ ውድቡ ህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ከቲቱ ብፅንዓት መኪቱ እዩ። ሳላ ዝተወደበ ቃልሱን ፅንዓቱን ድማ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ከብቅዕ ኩሎም ኣፈላላያት ብዘተን ድርድርን ክፍትሑ ዕላማ ዝገበረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍረም ኣኽኢሉ እዩ። ስርዓት ብልፅግና ነቲ ህዝቢ ትግራይ ዓርሰ ምሕደርኡ ንምርግጋፅ ዘካየዶ መረፃ ከም ሕማቕ መርኣያ ወሲድዎ ስለዝነበረን ናይ ውሽጥና ሽርሒ ተሓዊስዎን ምእንተ ሰላም ክበሃል ሕጋዊ ቤትምኽርና ተወንዚፉ ክፀንሕን ህዝቢ ትግራይ ብግዝያዊ ምምሕዳር ክመሓደርን ተጌሩ እዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ዘረጋገፀ እዩ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ዋላ እኳ ንመኸተና ዝጎድኡ ነጥብታት ዘካተተ እንተኾነ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ንሰላም ካብ ዘለዎም መትከላዊ እምነት ብምብጋስ ዋጋ እናኸፈሉ እውን እንተኾነ ንተፈፃምነት እቲ ስምምዕ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም። በዚ እውን እቶም ብወገን ትግራይ ክፍፀሙ ዝተቐመጡ ግቡኣት ብምፍፃም ገሊኦም እውን ቅድሚ ዝተቐመጠሎም እዋን ብምቅልጣፍ ንተፈፃምነት እቲ ስምምዕ ዘለዎም ተበግሶ ብተግባር ኣረጋጊፆም እዮም። ስርዓት ብልፅግና ድማ ብኣንፃሩ እቲ ስምምዕ ከም መቐፀሊ ነቲ ዝኣወጆ ጀኖሳይድ እናተጠቐመሉ እዩ ፀኒሑ።

በዚ እውን ጀኖሳይዳዊ ኩናት ጠጠው ከብልን ሞትን ስቓይን ህዝብና ከብቅዕን ትፅቢት ዝተገበረሉ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ፤ ንህዝብና መልክዕ ሞት ካብ ምቕያር ዝሓለፈ ትርጉም ከምፅእ ኣይከኣለን። ስርዓት ብልፅግና ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሕገመንግስታዊ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ወሪሮም ንዝሓዙ ዕጡቓት ከውፅእ ኣይከኣለን። እኳ ድኣስ ብዕጥቅን ስልጠናን ብምጥንኻር ኣብ ትሕቲ እዞም ዕጡቓት ዝነብር ህዝብና ኣብ ገዛእ መረበቱ ብሰንኪ መንነቱ ክቕተል፣ ክሳቐን ክባረርን ይገብር ኣሎ። ብሓይሊ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ስለዘይከኣለ ብጥሜት፣ ሕማም፣ ቁርን ፀሓይን ይሃልቕ ኣሎ። ኣብ ኣባይቲ ብሓይሊ ዝተባረረ ህዝብና ሓደሽቲ ሰፈርቲ ብምስፋር ዲሞግራፊ ናይ ምቕያር ስራሕ ክስራሕ ፀኒሑን ኣሎን። ምኽልካል ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት እውን እቲ ስምምዕ መሰረት ከይህልዎ ብምግባር ነቲ ስምምዕ ብግልፂ ኣፍሪስዎ እዩ።

ስርዓት ብልፅግና ንትዕግስትን ምሕፅንታን ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ከም ድኽመት ቆፂሩ ነዚ ስምምዕ ካብ ዘይፍፃም ሓሊፉ እውን ብግልፂ እናጠሓሶ እዩ ፀኒሑ። ዕጡቓት ብምውዳብን ብምስልጣንን፣ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ በቢእዋኑ ናይ ፅልኢን ምክፍፋልን ኣጀንዳታት ብምንዛሕን ዕሱባት ብምውፋርን ክሰርሕ ፀኒሑ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ነቶም ዝወደቦም ዕጡቓት ኣምርሑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቶኽሲ ከፈቱ እዩ። ብድሮንን ከቢድ ብረትን ኣብ ሰለማዊ ህዝብና ጉድኣት ኣብፂሑ። ወሃብን ካላእን ኮይኑ ክውስን ሕገመንግስታዊ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ዝቖራርስ ውሳነ ኣሕሊፉ። ኣለኒ ዝብሎ ወታደራዊ ዓቕሚ ናብ ትግራይ ብምኽታት ንኻሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ካብ ምህንዳድ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዕፅዋን ክባን ኣዊጁ፣ ንመሃያ ሰራሕተኛ ሓዊሱ በጀት ትግራይ ከልኪሉ፣ዝተጀመሩ ኣገልግሎታት ኣቋሪፁ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ካብ ድንጋገ እቲ ስምምዕ ወፃኢ ብዘይኣፍልጦን ተሳትፎን ተፈራራሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ ውድብና ህወሓት ፃኒሒት እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዘናውሖ ገሊፁ እዩ። ስርዓት ብልፅግና ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣደራደርቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝፈረሞ ስምምዕ እውን ምስ ውልቀ ሰባት ዝፈረሞ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ስምምዕ ብግልፂ ኣፍሪስዎ እዩ።

ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ግን፤ ዋላ እኳ ስርዓት ብልፅግና ንሰምምዕ ፕሪቶያ ብግልፂ እንተፍረሶ ምእንተ ሰላም ክብሉ እቲ ስምምዕ ክትግበርን ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ምፍራስ ከድሕኖን ንነዊሕ እዋን ክምሕፀኑ ፀኒሖም እዮም። ሕዚ ግን ልዕሊ እዚ ምፅማም ከም ህዝቢ ህልውናኻ ኣብ ሓደጋ ምእታው ስለዝኾነን ስርዓት ብልፅግና ነቲ ስምምዕ ብግልፂ ስለዘፍረሶን ብግዝያዊ ምምሕዳር ምቕፃል ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ስለዝወረደ፤ ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስሩዕ ስርሑ ምምላስ እዋናውን ታሪኻውን ጠለብ ህዝብና እዩ።

ብመንፅር እዚ ድማ ንሕና ኣብዚ ′ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና′ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዝተሳተፍና ኣመራርሓ ወረዳ፣ ከተማን ዞባን ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት፤ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ንምምላስ ቤትምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ኣመልኪቱ ንዘሕለፎ ውሳነ ብዕምቆትን ሰፍሓትን ዘቲና እዚ ዝስዕብ ቅዋም ወሲድና ኣለና።

1.ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ዝተወንዘፈ ቤትምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስሩዕ ሰርሑ ንኽምለስ ዘሕለፎ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣንፀላልይዎ ንዘሎ ሓደጋ ህልውና ዝተረደአን ህዝብና መቃለሲ ማእኸል ክህልዎ ዝገብርን ውሳነ ስለዝኾነ ንተግባራውነቱ ግቡእና ክንፍፅም ኢና።

2.ማእኸላይ ኮሚቴ ወድብና ህወሓት ዋላ እኳ እቲ ሓላፍነት ናይ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ እንተኾነ ኣብ ኣጣይሻ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ትግራይ ንኹሎም ዓቕምታት መኸተ ዝሓቖፈ ከኾን ከምዝግባእ ዘቐመጦ ኣንፈት ንህልው ኩነታት መኸተና ዘገናዘበን ዓቕምታትና ወዲብና ንዝመፀና ብድሆታት ክንምክት ዘኽእል ውሳነ ስለዝኾነን ንተግባራውነቱ እጃምና ክንዋፃእ ኢና።

3.ንዕውቱነት ስርሓቲ እዚ ኣብ ፈታኒ እዋን ህዝቢ ትግራይ ንምምራሕ ሓላፍነት ዝሽከም ዘሎ ቤትምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንፍፅም ቃል ንኣቱ።

4.ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ምስ ስርዓት ብልፅግና ዘለዉ ኣፈላላያት ብዘተን ድርድርን ክፍትሑ ከምዘለዎም ዘሕለፎ ውሳነ ንመትከላዊ እምነት ህዝብናን ውድብናን ዝኾነ ሰላም ሕዚ እውን ዕድል ዝህብ ስለዝኾነ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንፍፅም ቃል ንኣቱ።

5.መላእ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከብ ህዝብና እቲ ንዓመታት ዝተቓለሰካሉን ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለካሉን መሰል ዓርሰ ውሳነኻ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሎሚ እውን ከምወትሩ ወሳናይ ተራኻ ከምትዋፃእ ንተኣማመን። ንሕና ኣመራርሓ ውድብካ ህወሓት ድማ መሪሕ እጃምና ከም ንዋፃእ ክነረጋግፀልካ ንፈቱ።

6.ንብሄራዊ ህልውናን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ እትቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ደገፍቲ ቃልስናን ኣብ ንምርግጋፅ መሰል ዓረሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ኣብ ጎንና ኮይንኩም ድጋፍኩም ክትገልፁ ፃውዒትና ነቕርብ።

ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተ!
መኸተ ንብሄራዊ ህልውና!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!
ኣመራርሓ ወረዳ፣ ከተማን ዞበን ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
14 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም
መቐለ

With Amanuel Chaka – I just got recognized as one of their top fans! 🎉
28/02/2026

With Amanuel Chaka – I just got recognized as one of their top fans! 🎉

24/02/2026

“... The people of Tigray are being pushed to accept national humiliation — to become like the Kurds: stateless, without territory, without identity.”
— Amanuel Assefa

There is an alleged plan to fragment Tigray demographically and geographically so that, like the Kurds, it becomes a people without a homeland. This plan, presented under the name of “elections” by the Prosperity Party, has now surfaced.

The so-called “decision” being put forward implies that Raya, Tselemti, and Western Tigray are areas and populations without identity and without regional affiliation. However, the regions in Ethiopia are fundamentally organized based on the national identity of their peoples.

The people living in Raya, Tselemti, and Western Tigray are Tigrayan; their homeland and territory is Tigray. Yet, the Prosperity Party system claims that these people are without identity and therefore will vote without representing any region.

In the House of Peoples’ Representatives and the House of Federation, seats belong to regions and nations/nationalities. So those who are expected to “represent” Raya, Tselemti, and Western Tigray — whom exactly are they representing, and which seats are they holding?

The conspiracy being carried out against us aims to make the people of Tigray, like the Kurds, stateless, without territory, without identity — forcing them to accept national humiliation.

In summary, the document circulated under the name “Decision of the House of Federation” is not merely something that can be described as lacking legality. Rather, it is an openly declared act intended to fragment and eliminate the people of Tigray in another form — effectively a declaration of genocide.

— Ato Amanuel Assefa
Vice President of the Interim Administration of Tigray

"ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅልዕ ጀኖሳይድ እዩ" ክብሉ ምክትል ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዝኾኑ ኣይተ ኣማኑ...
23/02/2026

"ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅልዕ ጀኖሳይድ እዩ" ክብሉ ምክትል ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዝኾኑ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም።

ምኽትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምኽትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ 'መንግስቲ ብልፅግና' ብሽም መረፃ ዘውፅኦ ውሳነ ንህዝቢ ትግራይ ከም ኩርዳውያን ዓዲ ኣልቦን መንነት ኣልቦን ንምግባር ዝተኣለመ ውዲት እዩ ክብሉ ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ገፆም ኮኒኖም።

እቲ ተፋሒሱ ዘሎ ሽርሒ ንህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም ኩርዳውያን ሃገር ኣልቦን መረበት ኣልቦን ብምግባር ብሄራዊ ውርደት ንምስካም ዝዓለመ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል እዚ ስጉምቲ እዚ ብ"ሕጋውነት ኣይብሉን" ጥራሕ ዝግለፅ ዘይኮነስ ንህዝቢ ትግራይ ብኻልእ መልክዕ ንምብታንን ንምጥፋእን ዝተኣወጀ ቅልዕ ኣዋጅ ጀኖሳይድ እዩ ኢሎም።

03/02/2026

Makes it great again Following

ዶናልድ ትራምብ ንኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ማይ ኣባይ ዘለዎን ኣፋላላይ ንምዝታይ ከምዝርሑ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ሃገረ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምብ ንኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ማይ ኣባይ ዘለዎን ኣፋላ...
17/01/2026

ዶናልድ ትራምብ ንኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ማይ ኣባይ ዘለዎን ኣፋላላይ ንምዝታይ ከምዝርሑ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ሃገረ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምብ ንኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ማይ ኣባይ ዘለዎን ኣፋላላይ ንምዝታይን ንምትዕራቅን ከምዝርሑ ኣፍሊጦም።

ብልዕሊ 100 ሚሊዮን ብር ዝተገዝኡ ናውቲ ቴክኖሎጂታት ስግግር ሕርሻ ስነ ስርዓት ርክክብ ይካየድ ከምዘሎ ኢንስቲትዩት ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ጨንፈር  ትግራይ ኣፍሊጡ።እቶም ናዉቲ ሕርሻ ብም...
10/01/2026

ብልዕሊ 100 ሚሊዮን ብር ዝተገዝኡ ናውቲ ቴክኖሎጂታት ስግግር ሕርሻ ስነ ስርዓት ርክክብ ይካየድ ከምዘሎ ኢንስቲትዩት ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቶም ናዉቲ ሕርሻ ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይን ኣይርሽ ኤይድን ዝተገዝኡ ኮይኖም ንዩኔናትን ትካላት ቢዝነስ ሕርሻን ከምዝወሃብ ዘሎ እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀ/ ታደሰ ወረደ፣ኣመራርሓ ኢንስቲዩት ስግግር ሕርሻ ፌደራልን ጨንፈር ትግራይን ፣ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ፣ ተወከልቲ ቢሮታት፣ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን መድረግቲ ኣካላትን ተረኺቦም ኣለው።

TG TV

10/01/2026

ብስራት ንኹሉ ህዝብና!!
------------------------------
ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ምፍንቓል ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ንምምላስ ኣብ ቅድሜና ዘሎ 11ለካቲት ድርብ ዓወት ንምግባር ሙሉእ ምድላዋት ዛዚምና ንርከብ።

ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቢሮ ዘሎ መራሒ ወረዳ ዞባ፥ከተማን ክፍለ ከተማን ንህዝብና እናንብዐ ዝቕፅል መራሒ ሒዝካ ምቕፃል ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ ንርከብ።
ሕዚ ውን ነቲ ፍትሒ ክረክብ ዝተጋደለ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ዘጓድል ዝኾነ ይኹን ቢሮ ሓላፊ ብጥቡቕ ቁፅፅር ከም እንስጉም ደጊምና ክንሕብር ንፈቱ!!

ማዓዝ ሰላም ዝብላ ሲኢና እታ ኣደይ ንሳ ትደሊዮ ዓዳ ዝመልሳ እያ ትደሊ ኣከያይዳ ኣባጎብየ ኣትኺድ!!
27/12/2025

ማዓዝ ሰላም ዝብላ ሲኢና እታ ኣደይ ንሳ ትደሊዮ ዓዳ ዝመልሳ እያ ትደሊ ኣከያይዳ ኣባጎብየ ኣትኺድ!!

Address

Axum

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Insider posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share