Eden Werku

Eden Werku Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Eden Werku, Digital creator, Addis Abeba, Bole.

16/06/2025

Ethiopia, the Land of Origins, will host the Second Africa Climate Summit (ACS2) from September 8–10, 2025, in partnership with the African Union. Centered on “Green Talks and Green Actions,” the summit will promote Nature-Based Solutions as key to Africa’s climate strategy, with a focus on re-greening the continent and fostering African solidarity. As Ethiopia launches its Green Legacy season, its preparations reflect a deep commitment to practical climate solutions. The call is clear: invest in nature, scale proven solutions, and embrace a model where ecology drives the economy. We look forward to welcoming you.

16/06/2025

ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) ከሁሉም ክልሎች እና ከተማ አስተዳደሮች ከተወጣጡ የጥበቡ ማኅበረሰብ ተወካዮች ጋር ያካሄዱትን ውይይት ዛሬ ምሽት ሰኔ 9 በተለያዩ የመገናኛ ብዙሀን ከምሽቱ 2:30 ላይ ይከታተሉ።

06/06/2025

Prime Minister Abiy Ahmed’s special four-part interview with ETV - Part 3

02/05/2025

#ሞት እና #ሰርግ::

26/04/2025
 #ፋኖ
06/04/2025

#ፋኖ

 #አንበሳው
21/03/2025

#አንበሳው

17/03/2025

ትግሬነቱ አጣራጠረኝ።

11/03/2025

አሁን በመቀሌ ከተማ የድሮን ድምፅ እየተሰማ እንዳለ በስልክ የደረሰኝ መረጃ ያመለከታል።

09/03/2025

ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ዲና?

በጀት ካብ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ እናወሰድኻ፣መለለዪ መንነትኻ ኢትዮጵያዊ ዝብል ተፅሒፍዎ እናረኣኻ እወ ኢትዮጵያውያን እምበር ታማ? ዝብሉ ኣይሰኣኑን፤

ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣይኮናን ዝብሉ እዉን ኣለዉ። ይኹን እምበር እቶም ኢትዮጵያውያን ኣይኮናን ዝብሉ፤ በጀቶም ካብ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ወይ ኣብ መለለዪ መንነቶም ኢትዮጵያዊ ዝብል ፅሑፍ ከምዘለዎ ጠፊእዎም ዶ ይመስለኩም??

እንታይ ድኣ? ንምንታይ እዮም ኢትዮጵያዉያን ኣይኮናን ዝብሉ?? ወይ ኢትዮጵያውያን ክብሃሉ ከለዉ ዝኸፍኦምንምቕባልን ዝኸብዶም??

ዓደይ ብዝብልዋ ሃገር ስለተገፍዑ፤ስለ ዝተገረፉ ወለዶም ኣሕዋቶም መሓዙቶም ስለዝተረሸኑዎም፤

መንግስተይ ብዝብልዎ ኣካል 360 ዲግሪ ተኸቢቦም ብዘይ ቴሌፎን ብዘይ ማይ፣ ብዘይ መብራህትን ባንክን ረዳኢ ዘይብሉ ብድሮን ስለዝተጨፍጨፉ፤ ትግራዋይ ዘበለ ካብ ገፅ ምድሪ ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ሞት ስለዝኣወጅሎም፤ ኣዴታቶም ኣዋልድ ኣሕዋቶም ኣብ ቕድሜኦም ስለዝተደፈራ። ኢ/ያ ከምተን ኻልኦት ብሄር ብሄረሰባት ማዕረ ትብፅሐኒ ዓደይ ተትኸዉን ነይራ ካብአን ፈልያ ንበይነይ ዓፅያ ኣይተፅንተንን ነይራ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮም፤

እዛ ዓዲ ዓድና ተትኸዉን ነይራ ዘራያት ኣኪባ ሞት ኣይትእዉጀልናን ነይራ ፤ዓድና ተትኸዉን ብሽምናን ብ ቋንቋናን ፈልያ ሽማሽም እናሃበት ኣይትኣስረናን ኣይተጋፍዐናን፤ ዓድና ተትኸወን ነይራ ከም ዜጋኣ ትቖፅረና ነይራ። ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮም፤ ኢትዮጵያ ስለዝከሓደቶም እምበር መለለዪ መንነቶም ኢትዮጵያዊ ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ ምዃኑ ዘንጊዖሞ ከይመስለኩም ። እዚ ናይ ህዝቢ ስቓይን ዉሽጣዊ ስምዒትን እዚ ዘይስመዐካ እንተኾይኑ ፤ ንትግራይ እየ ዝቃለስ ዘለኹ ኢልኻ ምዝራብ ወይትግራዋይ እየ ምባል ክኸብድካ እዩ። ብዛዕባ ምግንፃል ወይ ሃገር ምዃን ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ እዚ ህዝቢ እዚ እንተስ ኢትዮጵያዊ ኾይኑ ክቕፅል እንተስ ሃገር ክኾን ኻልእ ኣጀንዳ እዩ።

ኣብዛ ሐዚ ሰዓት ግን ህዝቢ ትግራይ ብ ኢትዮጵያ 100%ከምዝተጋፈዐ፣ ኹሉ ን ትግራይ እየ ዝቃለስ ዝብል ኣካል ሓደ ዓይነት መርገፂ ክሕዝ ይግባእ።እዚ ህዝቢ እዚ ካሕሳ ክረክብ፤ ስነልቦንኡ ክሓዊ እቶም ዝበደሉ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቑርቡ ከምኡ’ውን ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ምፍላጥ ብናይ ፕሮፖጋንዳ ሓይሊ ፀረ ትግራዋይ ዝተልዓለ ዜጋ ኹሉ ይቕርታ ክሓትት፤ ዝተፈፀሙ በደላት ኹሎም ብሽፍንፍን ከይሓልፍ እሞ ኣብ ቐፃሊ ወሎዶ ከይድገሙ ምእንቲ ክስነዱ፤ዘጥፍእዎ ሂወት ዘዕነዉዎ ንብረት ዝበተንዎ ስድራ ኹሉ መፂኦም ብዓይኖም ክሪኡ ፤ትግራይ ዳግማይ ህይወት ክትዘርእ ኢኹም ክትሰርሑ ዘለኩም፤ እምበር ስቓዩ ዓፊንኹም ክትፅዓንዎ፤ዝተረሸንኻ ዝተሳቐኻ ዝተቐተልኻ ብናይ ባዕልኻ ፀገም እዩ እናበልኹም ክተእምንዎ ኣይትስርሑ።

እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ መለለዪ መንነቱ ኢትዮጵያዊ ዝብል ፅሑፍ ከምዘለዎ ጠፊእዎ ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያዊ ኣይኮንኩን ዘብሎ ዘሎ ናይ ዉሽጢ ሕማሙ ተረደአሉ።

Address

Addis Abeba
Bole

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eden Werku posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share