Tigray 24

Tigray 24 ትግራይ 24 ሚድያ ፍልፍል ፅፁይ ሓበሬታ! Media and News Agency

16/10/2024

Japan: Assistant Professor, Associate Professor, Full Professor Jobs
=========&&=========
Linguistics or a related field job announcement an open search for a full-time faculty position in Linguistics with a particular focus on theoretical syntax, and a secondary focus on morphology, psycholinguistics, first language acquisition, and/or experimental linguistics. The successful applicant is expected to teach general education, foundation, and area major courses in the College of Liberal Arts, as well as courses in the Graduate School.
Deadline: April 1, 2026.

This is the online application form for the position in Syntax (Assistant Professor, Associate Professor or Professor). Please fill in all fields marked "必須 (Required)." If they are not filled in, an error message "必須につき入力をお願いします (Please fill in the required fields)" ...

30/04/2024

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2016 ዓ.ም ንተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ 3-5 ሓምለ፣ ንተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ካብ 9-11 ሓምለ ብመርበብ ሓበሬታን ብልሙድ ወረቐትን ክወሃብ እዩ።
(ሚኒስቴር ትምህርቲ)

07/01/2024

Tigray 24 ብዝገጠሞ ናይ ሕጊ ምድጓይ ክሳብ ሐጂ ኣብ ከይዲ ምምስራት ይርከብ።

ሩሑስ በዓል ልደት ንመላእ ህዝቢ ትግራይ!!

ቃለ መሕትት ጅግና ስውእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ (ደጊሙ ዝተለጠፈ)
15/09/2023

ቃለ መሕትት ጅግና ስውእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ (ደጊሙ ዝተለጠፈ)

21/08/2023

በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ዝተውሃበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ፣ ግፍዒ፣ በደልን ክሕደትን ብፅንዓት መክትክን፣ ተቓልስክንን ኣቃልስክንን ነዚ መግለፂ ክብርኽንን መንነትክን ዝኾነ ክቡር በዓል እንኳዕ ኣብፅሓክን ክንብል ንፈቱ።

ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ምልክት ናፃነት፣ ተምሳሌት ማዕርነት፣ ሕብረትን ሓድነትን ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ፣ ክብርታትን ሕላገትን ትግራይ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ኣብ ምኻድ ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ መፂኡን ኣሎን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ኣብ ልዕሊ ህልውናና ብዝተኣወጀ ኩናት ምኽንያት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላትን ሓጎስን ደስታን ክተኽብራን ክተብዕላንስ ይትረፍ መሬት ብብርሃና ፀልሚታትክን፣ ደጊምካ ክተዘንትዎም ኣመና ዝኸብዱ ግፍዕታት ክበፅሐክን ተገይሩ እዩ። ሳላ ፀኒዕኽን ዝተቓለስኩምን ዘቃለስክንን ግን እንተውሓደ ነዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ንምብፃሕ መተካእታ ዘይብሉ ዕማም ፈፂምክን ኢኺን፤ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ እውን ብኣኽን ሕቡናት እዮም።

እዚ በዓል እንትነኽብርን እንትንዝክርን ንመስሪሕ ሰላም ብምጥንኻር ሕቶታትን ድልየታትን ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ከም እትቃለሳ እምነትና ልዑል እዩ። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ተመዛበልቲ ወገናትና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናብራ ኣብ ዝርከብሉ፣ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝርከብ ህዝብና ሕዚ እውን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት እናተፈፀመሉ፣ ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ድማ ብሓለምጊ ጥምየት እናተገረፈ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነዚ ከቢድ ኩነታት ተፃዊርክን በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን እንትተኽብራ መንፈሳዊ ጥንካረኽን ክንደየናይ ሓያልን ልዑልን ከምዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕቶታትና ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ህልኽካ ዘወድእ ቃልሲ እናካየደ እንትኾን ሕዚ እውን ተመዛበልቲ ወገናታን ናብ መረቤቶም ንክምለሱ፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ጠቒሊሎም ንክወፅኡ፣ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክጅመር፣ ገበነኛታት ብሕጊ ንክሕተቱ ንምግባር ዘይተሓለለ ቃልሲ ከምዝገብር በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ።

ርሑስ በዓል ኣሸንዳ!!
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
15 ነሓሰ 2015ዓ.ም
መቐለ

05/05/2023

ዓበይቲ ዜናታት ሚያዝያ27፣ 2015 ዓ/ም (ትግራይ 24)

1. እታ እንብህጋን እንሓልማን ትግራይ ጋህዲ ንምግባርን ብሳይንስን ምርምርን እትምራሕ ትግራይ ንምፍጣርን ሐዚ እውን ግደ ሙሁር ትግራይ ዝለዓለ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ሳይንቲስት ኣንትሮፖሎጂስት ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ ገሊፁ።

እቲ ዓለምለኻዊ ሙሁር ነዚ ዝገለፀ ምስ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብዘካየዶ ቃለ መሕትት ኮይኑ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ጠጠው ምባሉ ስዒቡ ዝረኣዩ ፀገማት ብትኹረት ክረኣይን ህፁፅ ፍታሕ ክግበረሉን ፀዊዑ።

2. ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ፅቡቓት ምዕባለታት እኳ እንተሃለውዎ ሕዚ እውን ዘይተፈትሑ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ከምዘለዉ ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ፃንሒት ዝገበሩ ተጋሩ ሙሁራን ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ቐደሙ ደላይ ሰላም እዩ ዝበሉ እቶም ሙሁራን ሐዚ እውን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ዘላቒ ክኸውን ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስ ኣለዎ ድማ ይብሉ።
3. ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሕዚ እውን ኣብ መሬት ትግራይ ኮይኖም ዝተፈላለዩ ገበናት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ውድብ ነዚ ዝገለፀ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እንትኸውን ገበንን ግፍዕን እቶም ሓይልታት ንከብቕዕ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር ፀዊዑ።

4. ዘለዎም ከቢድ ማሕበረ-ቑጠባዊ ቕልውላው ንክቃለል ናብ መረበቶም ብህፁፅ ንክምለሱ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ተመዛበልቲ ወገናት ገሊፆም።

እቶም ተመዛበልቲ ነዚ ዝገለፁ ብፁእ ወቅዱስ ኣብ ማቲያስ ምስ ትካል ምግባረ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት እንግዶት ቁርስን ምሳሕን ኣብዝገበርሉ እዋን እዩ።

5.ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ገንደብታ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን 33 ንፁሃት ወገናት ብግፍዒ ከምዝጨፍጨፈ ስድራ ግዳይ ገሊፆም።

ካብተን ግፍዒ ዝተፈፀመለን ጣብያታት ሓንቲ ዝኾነት ጣብያ ገንደብታ ክሃድሙ ዘይክኣሉ ሰብ ፀጋ ዕድመን ሕሙማትን ብበዝሒ ዝርከብዎም 33 ንፁሃት ወገናት በግፍዒ ተቐቲሎም እዮም።

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ካልኣይ ቀብሪ ዝተረኸቡ ስድራ ግዳይ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወገናትና ብግፍዒ ጨፍጪፉልና እዩ ብምባል ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት በሕጊ ክሕተቱን ፍትሒ ክንረክብን ይግባእ ኢሎም።

ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕረዚዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኾኑ ዝተሓረዩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ኣፅዲቑ።
23/03/2023

ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕረዚዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኾኑ ዝተሓረዩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ኣፅዲቑ።

06/03/2023

መቐለ: 27 ለካቲት 2015 ዓ.ም ዓበይቲ ዜናታት

1. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወለዐ ቅሉዕ ኲናት ዝባደመ መሬትናን ዝዓነዉ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ንምህናፅ ኣብ ዝካየዱ ኩሎም ስራሕቲ ልምዓት ብንቕሓት ክንሳተፍ ድልዋት ኢና ኢሎም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን እዩ።

2. ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዘርኣናዮ ፅንዓትን ጅግንነትን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ እውን ብዝለዓለ ውፍይነት ክንረባረብ ኢና ክብሉ ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናነጠፉ ዝረኸብናዮም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም።

በቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝካይድ ዘሎ ወፍሪ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ድማ መርአያ ህዝባውነት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
3. ብሰንኪ ኲናት ዝዓረቑ ጎቦታትና ዳግም ብልምዓት ብምሽፋን ተረበሓይነትና ንምብራኽ እናሰራሕና ኢና ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ እንዳ መኾኒ።

ብስም ጀጋኑ ሰማእታት ተሰይሙ ዝተጀመረ ዓመታዊ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እታ ወረዳ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ይርከብ።

4. በቲ ዝተፈጠረ ቅሉዕ ኲናት ቁፅሪ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ይበራኸቱ ብምህላዎም ነዚ ንምቅላል ዝሕግዙ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ክስፋሕፈሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ማእኸል መሐብሐቢ ህፃናት፣ ኣረጋውያንን ሕሙማን ኣእምሮን ኣባ ፍሬምናጦስ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ቦታ ቃላሚኖ ንዝተውሃቦ ኣርባዕተ ሄክታር መሬት እምነ ኩርናዕ ኣብ ዝተነበረሉ እዋን እዩ።
5. ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ሕዚ እውን ይፍፀሙ ዘለዉ ገበናትን ጨፍጫፍን ይቕፅሉ ምህላዎም ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀሙን ይፍፀሙ ዘለዉን ገበናት ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፀሎም ድማ መራኸብቲ ሓፋሽን ፀለውቲ ሰባትን ቅንያቱ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

22/02/2023

መቐለ: ዓበይቲ ዜናታት 15 የካቲት 2015 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ
--------------------------------------------------
1. ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ጠለባት ህዝብን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ዘኽብርን ዝምልስን ክኸውን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣተሓሳሲቦም።ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ምስ ዝተውፃፀኡ ወከልቲ ህዝቢ ዘተ ኣሳሊጡ።እቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ ሓቋፋይን ኣሳታፊን ኾይኑ ብቑልጡፍ ክጣየሽ ድማ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሓቲቶም።
2. ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝናኣድ እኻ እንተኾነ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሰፊሕ ፀገምን ጠለብን ህዝቢ እንትነፃፀር ሐዚ እውን እኹል ከምዘይኾነ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሳልሳይ ዙር ሓገዝ ንምዕዳል ምንቅሳቓሳት ይግበር ከምዘሎን ኣብ ሰለጤን፣ ፍትሓውነት፣ ተበፃሕነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረአ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ትኹረት ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎን ኣመልኪቱ።
3. ኣብ ከይዲ ተግባራውነት ስምምዕ ሰላም ሕብረት ኣውሮፓ ሙሉእ ሓገዝ ከምዝገብር ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ቻርለስ ሚሽል ገሊፆም። ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልቲኣዊ ርክብ ከምዝገብር እውን ቻርለስ ሚሼል ኣብ ዕላዊ ገፅ ትዊተሮም ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእነት ተግባራዊ ኾይኑ ናብ ውሑስን ዘላቕን ሰላም ንከምርሕ ሕብረት ኣውሮፓ ሙሉእ ሓገዝ ከምዝገብር እውን እቶም ፕረዚደንት ኣረጋጊፆም ኣለዉ።
4. ዘለናሉ ዝተሓላለኸ መድረኽ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝውስን ፈታኒ መድረኽ ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ሓድነትን ውሕሉል ኣከያይዳን ይጠልብ ኢሎም ዶክተር ተኽላይ ተስፋይ። ዶክተር ተኽላይ ነዚ ዝገለፁ ትካል ትራንስ ኢትዮጵያ መበል 48 በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ዘተ እዩ።
5 .ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ዝያዳ ብምጥንኻር ዝተረኸበ ሃዋህው ሰላም ተጠቒሙ ቐፃሊ ህልውንኡ ከውሕስን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ክረባረብን ይግባእ ተባሂሉ።ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብድምቀት ኣኽቢሮም።

መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓትካብ ኩሎም ዞባታት፣ ወረዳታትን ኣብያተ ዕዮታትን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ተዋፊርና ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሃለዋትን ድሕንነትን ናይ ምርግጋፅ...
03/02/2023

መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት

ካብ ኩሎም ዞባታት፣ ወረዳታትን ኣብያተ ዕዮታትን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ተዋፊርና ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሃለዋትን ድሕንነትን ናይ ምርግጋፅ ቃልሲ በብደረጅኡ ኣመራርሓ ብምሃብ እጃምና ነወፊ ዘለና ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት እንታይነትን ኣፈፃፅማን ስምምዕ ፕሪቶርያ ማእኸል ጌርና ካብ ጥሪ 24 ክሳብ ጥሪ 26/2015 ዓ/ም ነፃ፣ ኣሳታፋይን ዲሞክራስያውን ብዝኾነ ኣገባብ ተመያይጥና ኣብ ናይ ሓባር ምርድድእ በፂሕና ንተግባራውነቱ እውን ድሉዋት ምዃንናን ሕድሪ ስዉኣት ከምዘይነዕብርን ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኣለና።
ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝተሳተፍና 700 ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲ ዘካየድናዮ ርሱንን ግልፅነት ዝተላበሶን ናይ ክትዕ መድረኽ ቅድም ክብል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ነባር ዓቕሚ፣ በብደረጅኡ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ቢሮታትን ትግራይ ምርድዳእ ዝበፅሑሉ መቐፀልታ መድረኽ እዩ።
ኣገባብ ኣካይዳ እቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ “ንርክበሉ መድረኽን ፍሉይ ባህርያቱን (ስትራተጂታት፣ ስልትታትን) ቀፃሊ መኸተ” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ሰነድ መበገሲ ጌርና ውዑይ ምይይጥ ኣካይድና ነቲ ሰነድ ዘዕሙቑን ንቐፃሊ ህዝባዊ ቃልስና እታወት ዝኾኑን ጠቐምቲ ሓሳባት ዝቐርቡሉን ምርድዳእ ዝበፃሕናሉን እዩ።
እዚ ብባህሪኡ ኣዐርዩ ዝተሓላለኸን ሓዱሽን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ክልተ ነናይ ባዕሎም ተልእኾ ዘለዎም ንኡሳን መድረኻት ዘለዉዎ ምዃኑ ብዕሊ ተረዲእና ኣለና። ማለት እውን ቀዳማይ ኲናት ደው ዘብልን ህዝቢ ትግራይ ድሕንነቱ ውሑስ ብዘግብር ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ዝኾነሉ፣ ካልኣይ ነዊሕ ግዜ ክወስደና ዝኽእል ናይቲ ኲናት ምኽንያት ዝፈትሕ ናይ ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ንኡስ መድረኽ እዩ። እንተኾነ እዚ ካልኣይ ንኡስ መድረኽ ክዉን ዝኸውን እቲ ቀዳማይ ንኡስ መድረኽ ብዕዉት ኣገባብ እንተተፈፂሙ ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ብትኽክል ተረዲእና፣ ኩሉ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ወዲብናን ፀንቂቕናን ንምጥቃም ብጊዜ የለን መንፈስ ከም እንረባረብ ተረዲእና ኣለና።
እዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ንኡስ መድረኽ ቀፃላይ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምንባር ዝውስን ዝተሓላለኸን ከቢድ ጥንቃቐን ዝሓትት ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውፅኢት ኣብ ውሽጥን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን ዝነብር ህዝብና፣ መዘና ኣልቦ ሰራዊት ትግራይና፣ ንውድብና ህወሓት ሓዊስካ ኣብ ህዝባዊ መኸተና ዝተሳተፉ ውድባት ትግራይን ኩለመዳያዊ ቃልሲ፣ መስዋእትነትን ሓፂናዊ ሓድነትን እዩ። ስለዝኾነ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘርኣዮ ፅንዓት፣ ተፃዋራይነትን ዓቂብና ዘጋጥሙና ፀገማት እንዳፈታሕና ንቕድሚት ክንምርሽ ኢና። ማለት እውን ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ነቲ ቀዳማይ ንኡስ መድረኽ ዘዐዉቱ ስትራተጂታት፣ ስልትታት ኣብ ቀፃሊ ብትልሚ ዝዝርዘሩ ስራሕቲ ጨቢጥና ሎሚ እውን ከም ወትሩ ቀትርን ለይትን ብወነን ህልኽን ተረባሪብና ተደማሪ ዓወት ንምምዝጋብ ድሉዋት ምዃንና ኣብዚ መድረኽ ተኣማሚንና ኣለና።
ትማሊ፣ ሎሚ ይኩን ፅባሕ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ስነ-ልቦናዊ ግጥምን ቅሉዕ ጀኖሳይዳዊ ወታደራዊ ኲናትን ዝመከተ ተገዲዱን መማረፂ ስኢኑን እምበር ሕርይኡ ኣይኮነን። ሐዚ እውን ቀዳማይ፣ ካልኣይ ይኹን ሳልሳይ ሕርይኡ ኩሎም ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላምን ፖለቲካዊ ዘተን ንክፍትሑ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይዕንቀፍ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ኣሎ።
ብሓፂሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልትታት ዘለናሉ ህልዊ ኩነታት ማለት ኣፈፃፅማን ውፅኢት ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ውሽጣዊ ኩነታትና፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት፣ ዕድላትን ብድሆታትን እንታይ ምዃኑ ኣለሊና ተረዲእና ኣለና። ናይቲ ንኡስ መድረኽ ባህርን ምስ ብቕፅበት ዝለዋወጥ ኩነታት እንዳተዓፃፀፍና ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ ዘሎ ብሄራዊ ሓድነትን ኣብ መንነቱ ዘይደራደርን ፅኑዕ ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ዓቂብና ብቐንዱ ባህግን ድሌትን ሰላም ህዝቢ ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ዓቕምና ዘፍቀዶ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ንምክያድን ተዳሊና ኣለና። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ 48 ዓመታት ንምእማኑን ንምግማቱን ዘፀግሙ ከበድቲ ብድሆታትን ሕልኽላኻትን ፀገማትን እንዳሓለፈ ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎምን ፅባሕን ገስጋሳይ ውድብና ህወሓት ዝተፃወቶ ግደ መሪሕነት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዕማማት ህዝባዊ መኸተ ንምዕዋት ዝሃቦ መተካእታ ዘይብሉ መሪሕነት ዓቂብና ብምድንፋዕ ነቲ ንኡስ መድረኽ ዘዐንቅፉ ውሽጣዊ ፀገማትና ብዘይምሕረት ንምቅላስ ዘኽእሉ 7ተ ዝቕፅሉ ውሳነታት ወሲንና ንህዝብናን ፈታዊ ህዝባዊ ቃልስናን እንትነበስሮ ብዘይወዓል ሕደር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ከም እንቕይሮም ብምርግጋፅ እዩ። ብምዃኑ ውሳነታት ቅዋምና ከም ዝስዕብ ንገልፅ ኣለና።
1. ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከቢድ መስዋእትነት ዝኸፈልናሉ እዩ። ማለት እዉን ፅኑዕ ተቃላሳይ ህዝብና፣ መሪሕ ውድብና ህወሓት፣ መንግስትና፣ ጅግና ሰራዊት ትግራይናን ውፅኢት ቃልሶም እዩ። ስለዚ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህግን ድሌትን ብዘማልእ ኣገባብ ንኽፍፀም ካባና ዝድለ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ንምውፋይ ድሉዋት ምዃንና ቃል ንኣቱ።
2. ኣብ ምትግባር ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣብ ረብሓ፣ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘኽብር ኣገባብ ንተግባራውነቱ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ዓይነት ዋጋ ንምኽፋል ድሉዋት ምዃንና ቃል ንኣቱ።
3. ኣብ ዝሓለፉ 48 ዓመታት በብመድረኹ ንህዝብና ዘጋጠሙ ብድሆታትን ፀገማትን እንዳገምገመን እንዳተዓፃፀፈን ነኒመድረኹ ዝምጥኑ ፖሊሲታት ስትራተጂታትን ስልትታትን እንዳነፀረ ብዕዉት ኣገባብ ዝተጓዓዘ ውድብና ህወሓት ሎሚ እውን ንዓርሱ ፈቲሹ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና ንኡስ መድረኽ ዝምጥን ኩለመዳይ ምትዕርራይ ክግበርን ተግባራዊኽውንን ብምሉእ ድምጺ ወሲንና ኣለና። ንተግባራውነት ውሳነና ከም እንረባረብ ድማ ቃል ንኣቱ።
4. ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያን ውሳነን ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘሕለፎ ማለት ንኹሎም ኣካላት ማሕበረሰብ ደቂ ትግራይን ኣብ መኸተ ትግራይ ተሳትፎ ዝነበሮም ውድባት ሓቚፉ ዘሳትፍ ሓዱሽ ምትዕርራይ ፈፃሚ ስራሕ ትግራይ ጊዙኡ ዝጠልቦ እዋናውን ዲሞክራስያውን ከይድና ዘዕሙቕ ሓፂናዊ ሓድነት ህዝብና ብዝበለፀ ዘደንፍዕ ምዃኑ ኣሚንና፣እቲ መስርሕ ኣብ ሙሉእ ግልፅነትን ተኣማንንትን ዝተመስረተ ክኸውንን ከይተሸራረፈ ብምሉእነት ንኽትግበርን እጃምና ከም እነወፊ ቃል ንኣቱ።
5. ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ ቦትኡ እንትምለስ ካባና ዘድልዮ ዓቕሚ ዝፈቐዶ ደገፍ ንምሃብ ብቐንዱ ግን ኩሉ ናይ ሓጋይ ስራሕትና ኣብ ሽቶኦም ንምብፃሕ ግቡእ ኣመራርሓ ንምሃብ ቃል ንኣቱ።
6. ሓፂናዊ ሓድነትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ዝሸራርፉ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ብዝትፈላለየ ኣገባብ ዝግለፁ ሕመቓት ብምውጋድ ብፍላይ ንህዝብና ዘማርሩ ዘለዉ ናይ ፀጥታን ፍትሕን፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ስርቂ ተግባራትን ጉድለት ስነ-ምግባርን ዝኣመሰሉ ፀገማት ብዘይ ምሕረት ተቓሊስና ንምፍታሕ ቃል ንኣቱ።
7. “ለካቲት 11 መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 48 ዓመት እነኽብሮ በዓል ልደት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማትና ብቃልሲ ንምፍታሕ ምቹው ኩነታት ብምፍጣርን ሓጺናዊ ሓድነትና ብምድልዳልን ከም ዝከውን ቃል ንኣቱ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ውሳነታት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት እንፍፅሞም ምስ ህዝቢ ትግራይን መዳርግቲ ኣካላትን ኮይንና እዩ። ብምዃኑ እዚ ዝስዕብ መፀዋዕታ እንትነቕርብ ሓቢርና ከም እንሰርሕ ብምትእምማን እዩ።
- ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን እትነብር በዓል ዋና ህዝባዊ መኸተና ዝኮንካ ህዝቢ ትግራይ፣-
ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሌኻ ዝተኻየደ ኲናት ጄኖሳይድ ንምምካት ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ከፊልካ ኣብ ሃለዋትካን ድሕንነትካን ዘይትደራደር ምዃንካ ዓለም ብዓለሙ ደጋጊሙ ምስክርነት ዝሃበሉ ግሁድ ሓቂ እዩ። ሳላ ዘካየድካዮ ዘይተሓለለ ቃልሲ እውን ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ በፂሕና ኣለና። ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕ ሰላም ብኣወንታ ተቐቢልካ እቲ ኸይዲ ንድሕሪት ከይምለስ ንተግባራውነቱ ትረባረብ ኣለኻ። ብርግፅ እቲ ከይድን ተግባራውነትን እቲ ስምምዕ ልሙፅ ኣይኮነን። ብዙሕ ሓርጎፅጎፅ ዝበዝሖ እዩ። ብምዃኑ ኣብ ህዝብና ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ስግኣታትን ይንፀባረቑ ኣለዉ። እዚኦም እቲ ኩነታት ዝፈጠሮምን ባህርያውን እዮም። እንተኾነ ኣብዚ ንኡስ መድረኽ ዘለና እንኮ መማረፂ ነቶም ዘጋጥሙና ሽግራት ብቓልሲ እንዳፈታሕና ስትራተጂካውን መትከላውን ሕርያኻ ዝኾነ ጉዳይ ሰላም ተግባራዊ ንምግባር ስምምዕነት ሰነድ ፕሪቶርያ ምትግባር እዩ። ስለዚ ክብርታት ተፃዋራይነትካ ኣሐይልካ ዕማማት እዚ ንኡስ መድረኽ ንምዕዋት ከም ወትሩ ሓፂናዊ ሓድነትካ ከም እምኒ ዓረ ኣጠናኺርካ ንኽትቅፅል ንፅውዕ።
ኣብዚ ኸይዲ ድያስፖራ ትግራይ፣፣ ሓድነትካ ዝኸፋፍሉ የማነ-ፀጋም ዝላግዑ በለካ ለኽዐካ ከይተደናገርካ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእል ሓድሽን ነቲ ንኡስ መድረኽ ዘዐውት ተዓፃፃፍን ስትራተጂን ስልትን ሓንፂፅካ ኣምባሳደር ትግራይ ብምዃን እጃምካ ክተወፊ ፃውዒትና ነቐርብ።
- ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ፣፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብቓላት ንምግላፅ ዘይከኣል ዓለም ብዓለሙ ምስክርነት ዝሃበሉ ፅንዓትን ጅግንነትን ኣርኢኻ፣ ኣብ ቃልስን ጉዕዞን ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ቅያ ሰሪሕኻ ኢኻ። ስለዝኾነ ሳላ መስዋእትኻ ዝተፈረመ ስምምዕነት ፕሮቶርያ ኣብ ሽቱኡ ንምብፃሕ ዕማማት ሒዝካ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ክትቃለስ ንፅውዕ።
- ዝኸበርኩም ኣመራርሓ ሲቪል ማሕበራት፣፣ ትካላት ሃይማኖት ሓዊስካ ኩሉኹም ስቪል ማሕበራት ትማሊ ዘርኣኽምዎ ተወፋይነት ዓቂብኩም ኣብዚ ንኡስ መድረኽ እዉን እጃምኩም ክተወፍዩ ንፅዉዕ።
- ዝኸበርኩም ኣብ ህዝባዊ መኸተ ዝተሳተፍኩም ውድባት ትግራይ፣፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መኸተ ትግራይ እጃምኩም ኣወፊኹም ኢኹም። ሎሚ እዉን ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂብኩም ኣብዚ ንኡስ መድረኽ እጃምኩም ክተወፍዩን ነዚ ሓዱሽ መድረኽ ተደጋጊፍና ብሓባር ክንዘልቆ ፃዊዕትና ነቕርብ።
ü ዝኸበርኩም ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኹሉ ደላይ ሰላም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቅም እዩ። ስለ ዝኾነ ንምዕዋት እዚ ስምምዕነት እጃምኩን ንኽተወፍዩ ንፅዉዕ።
ü ዝኸበርካ ማሕበረሰብ ዓለም፣፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ጠጠው ኢሉ ፖለቲካዊ ፀገም ብዘተን ሰላማዊ ኣገባብን ንኽፍታሕ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ገይርኩም ኢኹም። ብምኻኑ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘዐንቅፉ ፀገማት ኣብ ምእላይን አብ ምዕዋትን እጃምኩም ክተወፍዩ ፃዊዕትና ነቅርብ።
ሕድሪ ስዉኣትና ኣይነዕብርን!!
ሓፂናዊ ሓድነትና ንሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና!!
ለካቲት 11 መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን!!
ጥሪ 26/ 2015 ዓ/ም
መቐለ

02/02/2023

መቐለ: ዓበይቲ ዜናታት 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ

1. ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፅምዎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ምህላዎም ንነዊሕ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተኣሲሮም ዝፀንሑ ኣብ ቐረባ እዋን ብሓይሊ ካብቲ ከባቢ ዝተሰጎጉ ወገናት ገሊፆም። ብሰንኪ እዞም ኣረሜናውያን ሓይልታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምድራዊት ሲኦል ኮይና ምህላዋ ዝሓበሩ እቶም ግዳያት፣እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ኮይኑ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ ከምዝግባእ ድማ ተላብዮም ኣለዉ።

2. ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ መሬት ኢሮብ ኣብ ክንዲ ምውፃእ ሕዚ እውን ህዝቢ የጋፍዕን ንብረት ይጉሕልን የዑንን ከምዘሎ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዘሎ ህዝቢ ኢሮብ ኩሉ ዓይነት መሰረተ-ልምዓት ሓሪኖም ሕሱም ግዜ ኣብ ምሕላፍ ከምዝርከብ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ

3. ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ቅድም ክብል ስግኣት ፀጥታ ዝነበሮም ከባቢታት ምብፃሕ እኳ እንተተኽኣለ ፣ ሕዚ እውን ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሕድ ምዃኑ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ። ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ንሓበሬታ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ ፣በቲ ዝተኻየደ ደማውን ጀኖሳይዳውን ኲናት ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ትግራይ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ከቢድ ቓልሲ ይርከባ ክብል ገሊፁ።

4. ብኲናት ዝበረሱ ኣግራባትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ መሊስኻ ንምሕዋይ ይካየድ ካብ ዘሎ ስራሕቲ ዳግመ ግረባን ዕቀባ ሓመድን ማይን ብተወሳኺ ፣ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ እውን ብዕቱብ ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ጣብያ ዓራቶ ገሊፆም።

5. ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ትኹረት ዘይገበረሉ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን እቲ ዝኸፍአ ህልቂትን ሰብኣዊ ቕልውላውን ዝተርኣየሉ ምዃኑ ተገሊፁ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኩሎም ዓለምለኻዊ ገበናት ከምዝተፈፀሙ ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ኢልፓይስ ፣ግዳይ እቲ ደማዊ ኲናት ዝኾኑ ሰባት ግቡእ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፀሎም ድማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

01/02/2023

መቐለ: 24 ጥሪ 2015 ዓ/ም ዓበይቲ ዜናታት

1. ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይፀብሪ፣ ወረዳታት ፀለምትን ላዕላይ ፀለምትን መዓልታዊ ከበድቲ ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም። ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም እዞም ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ክፍፅም ከምዝግባእ ድማ ሓቲቶም እቶም ነበርቲ።

2. ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ካብን ናብን ተጓዒዞም መሰረታዊ ሸቐጣት ፅዒኖም ብመስመር ቆቦ ናብ ትግራይ ንምእታው ዝተንቀሳቐሱ ተሽከርከርቲ ብሓይልታት ኣምሓራ፣ ካብ ቆቦ ምሕላፍ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ብርክት ዝበለ ገንዘብ እናኸፈሉ ኣብ ቆቦ ከምዝበፅሑ ዝገለፁ እቶም ንድወት ርኢቶኦም ዝሃቡ ወገናት፣ ዝምልከቶም ኣካላት ፍታሕ ክገብርሎም ድማ ሓቲቶም።

3. ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ብሓይሊ ወሪሮም ኣብ ዝሓዝዎም ከባብታት ዞባ ደቡብ ትግራይ መንነት ህዝቢ ብሓይሊ ንምቕያር ክሳብ ምጭዋይን ምቕታልን ሰላማውያ ዜጋታት ዝበፅሕ ግፍዓዊ ተግባራት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ምምሕዳር ወረዳ ኦፍላ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያን ናይሮቢን፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁን ድሕንነት ዜጋታት ውሑስ ክኸውንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡኡ ክፍፅም እቲ ምምሕዳር ሓቲቱ።


4. ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ቅሉዕ ወራር ነዚ ስዒቡ ዘጋጠመ ዕንወት ትካላት ጥዕናን ሕፅረት ኣፋውስን ክትትል ዝገብረሎም ዝነበረ ልዕሊ 46ሽሕ ተጠቀምቲ መድሓኒት ፀረ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ኢንስትቲዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ውሱን መመርመሪ እቲ ቫይረስ ኣትዩ ዳግም ስራሕ ንምጅማር ከምዝተዳለወ ዝገለፀ እቲ ትካል ፣ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ተላብዩ።

5. ኣብ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ወራር ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ተሳትፎን ከምዝሓትት ተገሊፁ። መርበብ ሓበሬታ ኤል ፓይስ ከምዝፀብፀቦ ፣ኣብ ትግራይ ዳግመ ሕውየት ንምክያድ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር የድሊ። ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ወራር ዓለም ዳግም ክትርእዮ ዘይግባእ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ ዝበለ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት መሊስካ ንምህናፅ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዓለም ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ድማ ፀዊዑ።

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray 24 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigray 24:

Share