
28/07/2025
ድምፂ ሓፋሽ፡ ግድን እትቕበሎ ሓቂ!
—————————
#ሓተታ
ኣብ ምዕሩይ ማሕበረሰባዊ ኩነታት ሚድያ ራብዓይ ኣካል መንግስቲ ኮይኑ እንተግልግል ይርአ። ራብዓይ ኣካል መንግስቲ ማለት ነቶም ሕጊ መውፅኢ፣ ሕጊ ፈፃምን ሕጊ ተርጓምን ዝብሃሉ ሰለስተ ኣካላት ብመሰረት ህዝቢ ዝሃቦም ስልጣንን ሓላፍነትን ይሰርሑ ምህለዎም ምክትታልን ምቁፅፃርን እንተጥፍኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክቃልዐኡ ብምግባር ዕምሪ ገዛእቲ ምሕፃርን ተስፋ ልምዓት ህዝቢ ምርግጋፅን ዝሓወሰ ገዚፍ ዕማም እዩ።
ራብዓይ ኣከል መንግስቲ እንትትኸውን ተረባሕነት ህዝቢ ተቐድም። ራብዓይ ኣካል መንግስቲ እንትትኸውን ድምፂ ህዝቢ ተሰስን። ራብዓይ ኣካል መንግስቲ እንትትኸውን ቅዋም እቶም ውሑዳት ተንፀባርቕ። ራብዓይ ኣካል መንግስቲ እንትትኸውን ብሄራዊ ረብሓ ዓዲ ትሕሉ። ራብዓይ ኣካል መንግስቲ እንትትኸውን መንነታዊ ክብርታት ሓፋሽ ተዐንብብ። ራብዓይ ኣካል መንግስቲ እንትትኸውን ኣብ ልዕሊ እዚኦም ዝፍጠር መበገሲኡ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ብዘየገድስ ዝኾነ ተፃብኦ ትከላኸልን ተቃልዕን።
ብዘይምዕዳል፡ ፍለስፍና ሚድያ ዓድና ኣፍ እቲ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓይሊ ኮይኑ ዝተሃነፀ ብምዃኑ ምኽንያት፡ ካብ ድምፅን ቅዋምን ህዝቢ አዕርዩ ሪሒቑ ዕብይ ዝበለ ማይክሮፍን መንግስታት ኮይኑ እዩ መፂኡ። ቀራፂ ሓሳብን ወሳኒ ክሓልፍ ዝግብኦ መልእኽትን እቲ ልዓት ዝተቖፃፀረ ቅልፅም ኮይኑ ብምምፅኡ ምኽንያት ኣይኮነን ዶ ራብዓይ ኣከል መንግስቲ ኮይኑ ተፈራሓይ ግርማ ዘለዎ ሓጋዚ ህንፀት ስርዓትን ዋሕስ እትፍራሕ ዓድን ክኾን፡ ነቶም መንግስታት ንባዕሎም ብግቡእ መጠን ዘገልግል ምዃን እኳ ከይካኣለ እዩ ፀኒሑ።
እዚ ግስም ዝበለ ናይ ፕረስ ባህልን ታሪክን እዚ ብዉሱን እውን እንተኾነ ንምኽፋት ብዝካኣሎም ዓቕሚ ላዕልን ታሕትን ካብ ዝብሉ ትካላት ሓደ ዝኾነ ቲቢኤስ ቲቪ ድምፂ ህዝቢ ከቃልሕ ብምፍታኑ ጥራሕ ዓመት ኣብ ዝዕድሚኡ ናይ ስራሕ መዋእል፡ ብርክት ዝበሉ ዕንቅፋታት ይገጥምዎ ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ እቲ ትማሊ 20 ሓምለ 2017 ዘጋጠመ ተጓንፎ ዓዲጉዶም እንትኾን ንዚ አመልኪቱ ቲቢኤስ መግለፅታት እናወፅአ ምውዓሉ ዝዝከር እዩ።
“ብሓደ ኣካል ዝምእዘን ፖለቲካን ብሓደ ሞፋ ዝውሕዝ ተረኽን መግለፂኡ ገይሩ ዓመታት ዝዘለቐ ባህሊ ሚድያ ትግራይ፡ እነሆ ሎሚ እውን ንማእሰርቲ ጉጅለ ሚድያ ቲቢኤስን ቲፒኤምን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።” ዝብል ሓደ መግለፂ እቲ ትካል ሚድያ ፀገም ህዝቢ ንምቕራፍን ዘይግቡእ አሰራርሓ ንምእላይን ዝፍጠር ትካል ምዃኑ እንተብርህ ተራእዩ ኣሎ።
“ሚድያ፡ ንዕጀባ ህዝቢ ዘየሳግር መሪሕነት ክውዕል ብዕላማ ዝተሰርሐሎም ሕሉፍ ዓመታት፡ ኣብዚ ድምፂ ህዝቢ ዝጠልብ ፍሉይ መድረኽ እዚ እውን፡ ክሳድ ሒዞም ብዝዓግቱ ማሽናት ምልኪ፡ መጠን ሕመቑ ሰማይ እንትዓርግ ንዕዘብ ኣለና።” ዝበለ ቲቢኤስ ቲቪ ዝወፈረሉ ዕላማ ቅኑዕ ዘጓነፎ ዕገታ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ ትካል “ህዝቢ ወጀራት ብንኡስ ድምፁ ክኽልከል ኣይምተገበአን። ደቁ ዝሃበ ህዝቢ፣ ደሙ ዝሃበ ዓዲ፣ ትግራዋይነት ዘዐንበበ መንነት በዚ ደረጀ እዚ ክዕፈን ናይ ገበን ገበን እዩ።” ምስ በለ “ድምፁ ንዝተዓፈነ ድምፂ ናይ ምዃን (voice for the voiceless) ተፈጥሮአን ተኸቲለን፡ ኣብ ዘይብላ ዓቕመን ደመር ወጀራት ክፅብፅባ ዝጉዓዛ ዝነበራ ሓራ ሚድያታት ቲቢኤስን ቲፒኤምን ሎሚ ንጉሆ ዝገጠመን ናይ ሰለስተ ሰዓት ማእሰርትን ምሉእ ክልከላ ፀብፃብን ንመሪሕነት እተን ትካላት ኣሕዚኑ፣ ድምፂ ህዝቢ ወጀራት ዓፊኑ፣ ክብሪ ሞያ ጋዘጠኝነት በዲሉ ሓሊፉ ኣሎ።” ክብል አቃሊዑ።
“ንሰዓታት ዝተአሰሩ ጋዘጤኛታትና ፍታሕ ክረኽቡን ድምፂ ህዝቦም ክፅብፅቡን ዘርአይዎ ተጋድሎ ኣብ ዛንታ ገድሊ ሞያ ጋዘጠኝነት ዝምዝገብ ዓብዪ ቅውም ነገር እንትኸውን፡ ምልኪ ኣዚዝዎም ጋዘጠኛታትና ዝኣሰሩ ኣባላት ሰራዊት ንዘርአይዎ ጭውነት ከየመስገንካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዞም ኣባላት እዚኦም ሓደ መዓልቲ ኣብ መንገዲ ሓርነት ክስጉሙ ትምኒትን ትፅቢትን እተን ትካላት እዩ። “ ብምባል ኣጋጢሙና ዝበሎ ዕገታ አብሪሁ።
“ንሕና ከም ብሞያ እንምራሕን ብጨንገር ዝኾነ ኣካል ዘይንግራሕን ትካላት ሚድያ ውልቀ፡ ክሕባእ ዝድለ፣ ክድመፅ ዝፍራሕ፣ ክሽፈን ዝህቀን ኩሉ ዓይነት ድምፂ ህዝቢ ንምቅላሕ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ኩሉ ምስራሕና ኣይነቋርፅን። ምኽንያቱ ሕመረት ተፈጥሮአን እዚ ስለዝኾነ። እዚ ዝፈጥሮ መስዋእቲ ንምትእንጋድ እውን ቅሩባት እየን።” ብምባል ዘጋጠመን ፀገም ንድሕሪት ከምዘይመልሰን ኣብሪሁ።
ኣብቲ ጥሙር መግለፂ “መሪሕነትን መላእ ኣባላትን እተን ትካላት ዝኾንና ደቂ ትግራይ እውን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ድልየቶም የንዳዕድዑላ አብ ዘላ ትግራይ፡ መንገዲ ወጀራት ዕሾኽ ክኾነና ምሒር ዘሕዘነ እኳ እንተኾነ እዚ በደል ልዕሊ በደል ህዝብናን ምፍራስ ዓድናን ኣይኸውንን ዝብል ተሪር እምነት ኣለና። “ ዝተብሃለ ኮይኑ ደሕሪ ምምላስ እቶም ጋዘጠኛታት ኣማሓደርትናን ሚድያን ተዓጊቶም ዝሰምዐ ህዝቢ እታ ወረዳ ናብ ዓዲጉዶም ምምፅኡ ስዒቡ እቲ ሰልፊ ኣብ ዓዲጉዶም እንትከየድ ብዝተፈጠረ ተኩሲ ህይወት ሰብ ምሕላፉ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ክልቲኤን ትካላት ኣብ ዘውፅአኦ “ፕረስ ትግራይ፡ ሕዚ ኸ ናበይ?” ዝብል ርእሲ ዘለዎ ሓበራዊ መግለፂ “ጀጋኑ ጋዜጠኛታትና ሎምዕለት ድሕሪ ዝበፅሖም ኣሰቃቒ ግፍዕን ፈተነ ቅትለትን ብሰላም መቐለ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ውፅኢት ክርከብ ዝሓገዝኩም መላእ ፈተውትናን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝብናን የቐንየልና” ብምባል “እቶም ኣብ ወረዳ ወጀራት 20 ዓዲ ድምፂ ህዝቢ ንምዃን ወፊሮም ተዓፊኖም፣ ብዕጡቓት ተኸቢቦምን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቖምን ዝነበሩ ጉጅለ ቀረፃ TPMን TBSን፡ ድሕሪ ከቢድ ፃዕርን ስግኣት ሞትን ብሰላም ተረኺቦም ናብ መቐለ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዝተዓዘብናዮ ምድንጋፅን ራዕድን ኣብ ህዝብና ዝበፅሐ በደል ብዝግባእ ዘርኣየ “ ክብል ጠቒስዎ።
“እዚ ክፉእ ኣጋጣሚ ብዘይካ ሰራሕተኛታትና ብሰላም ምርካብና ዝጠረልና ታሕጓስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትናን ዝቐለለ ፀገም የለን። እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ናፅነት ፕረስን ረብሓ ህዝብን ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ እዩ። ምፍታሕ ጋዘጠኛታትና ነዚ ዘቃልሎ ኣይኮነን።” ክብል እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ዝበፅሐ በደል ብዝርዝር ኣቕሪቡ።
“እዚ ተግባር እዚ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት ዝተፈፀመ ሕማቕ ተግባር እዩ ኢልና ኣይንወስድን። “ ዝበለ መግለፂ እተን ትካላት፡ ናፅነት ፕረስ ንምሕናቕ፣ ሓቂ ንምጉዕፃፅ፣ ድምፂ ህዝቢ ንምዕማፅን ትግራይ ኣብ ቀይዲ መለኽቲ ክትቅፅል ንምግባርን ተባሂሉ ዝተገብረ ውዱብ ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ እዩ ኢልና ንኣምን። “ ኢሉ።
“ኣብ ታሪክ ፕረስ ትግራይ ጋዜጠኛታትና በደሎም ሓቂ ምቕራፅን ድምፂ ሓፋሽ ምቅላሕን እዩ ተባሂሉ ክምዝገብ እዩ።” ዝብል እምነት ዘለዎ ጥሙር መግለፂ እተን ትካላት “ጀግና ህዝቢ ዓዲጉዶም ንጋዜጠኛታትና ዋሕስ ብምዃን ክዳኑ ከይተረፈ ሂቡን ኣመሳሲሉን ህይወቶም ካብ ዝትኩሱ ኣካላት ንምድሓን ዝገበሮ ፃዕሪ ዋላ እኳ ንደቁ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር እንተኾነ ከም ትካላት ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።” ድሕሪ ምባል ምእንተ ድምፂ ሓፋሽን ምእንተ ናፅነት ፕረስን ህይወቱ ንዝሓለፈ ወገን መንግስተ ሰማያት ክወርስ ንሕዙናት ድማ ፅንዓት ተምንዩ።
21 ሓምለ 2017
መቐለ