
28/07/2025
Dawit Kebede ንኢትዮ ፎረም ልኢኹ ዝተጋውሐሉ ፅሑፍ ዘስፈሮ ሓበሬታ መረጋገፂ ስኢነሉ እምበር : ብዛዕባ ከምዚ ኣላ ክፅሕፍ ወጢነ ነይረ:-
=> ከም ፀብፃብ ዳዊት :
ሀ) ወዲ ወረደ ንህወሓት ከየማኸረ ንኣለም ገብረዋህድ መንግስታዊ ሹመት ሂብዎ።
ለ) ፖለቲካዊ ሹመቱ ሓያል እዩ። ማሓውራት ወረዳን ጣብያታትን ዝከታተል። እኒ ክቆፃፀሩ ፈቲኖም ዝፈሸለቶም።
ሐ) ወዲ ወረደ ስልጣኑ ንብሄራዊ ሓርነት ከይኾነስ ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ግምት ስልጣን ህወሓት ከመዓሪ ተኾይኑ ክጥቀመሉ ዝእምት : ኣለም ንመሪሕነት ህወሓት ንምንስፋፍ ideal ሰብ እዩ። ተሞክሮን ነባር ኔትወርክን ስለዘለዎ።
መ) ግና ህወሓት ሹመት ኣለም ብፖሊት ቢሮ ዘይትሓረየን ዘይፀደቐን ስለዝኾነ : ንወዲ ወረደ ካብ ተግባርኻ ተቖጠብ ኢላቶ። ሹመት ኣለም ተሰሪዙ።
=> እዙይ ማለት:-
ሀ):- ፖለቲካዊ ሂወት ኣለም ገብረዋህድ ኣብቂዑ ማለት እዩ። ህወሓት ኣብዘይትፈልጦን ኣብዘይመደበቶን ዕማም ውዒሉ። ዳርጋ ንመፈንቅላ ስልጣን ኣድብዩ (Conspire ገይሩ) ማለት እዩ።
ለ):- ኣለም ንወዲ ወረደ እውን ተመላሊእዎ ክኾን ይኽእል። ወዲ ወረደ ብጎኒ ንኣለም ክሾም ምንቅስቓሱ ብህወሓት ኣብ ጥርጣረ ክኣቲ ይገብሮ። ቓልሲ ብሄራዊ ሓርነት ክመርሕ ከይኾነ ከምቶም ቐዳሞት ግምት ኣብ ስልጣን ህወሓት ከነፃፅር እዩ ድልየቱ ኢላ ንክትጥርጥሮ መገዲ ይኸፍት።