Wolwalo Midia ወልዋሎ ሚድያ

Wolwalo Midia ወልዋሎ ሚድያ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Wolwalo Midia ወልዋሎ ሚድያ, Media/News Company, Mekelle.

እዶእ ግን ንኢዶእ ዘውርድ ስራሕ ተሰሪሑ። አቦና ሓጎስ ብግዚኡ ትንቢት ብዝመስል መልክዑ ተንቢዩን ተቃሊሱን ዩ። እዚ ቆልዓ ግን ወይ ንኣቦና ሓጎስ አይፈልጦን ወይ ካዓ አይተረደኦን ክኾውን አ...
03/08/2022

እዶእ ግን ንኢዶእ ዘውርድ ስራሕ ተሰሪሑ። አቦና ሓጎስ ብግዚኡ ትንቢት ብዝመስል መልክዑ ተንቢዩን ተቃሊሱን ዩ። እዚ ቆልዓ ግን ወይ ንኣቦና ሓጎስ አይፈልጦን ወይ ካዓ አይተረደኦን ክኾውን አለዎ እምበር መሬትካ ክቁረስ ቤተክርስቲያንካ ክፈረስ አሕዋትካ ክድፈራ ብጉርሕን ሽርሕን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት እንትእወጀልካ ንዓረር አይትፈጠርናን እሞ ኢድና እግርና ዓፂፍና ኮፍ ንብል ዩ ዝመስል እቲ ደርፊ።

ብሓፋሻ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ቃልሲ ህላወን ቀፀላይነትን ህዝቢ ትግራይ ደአምር ቃልሲ ዕምሪ ምንዋሕ ሕወሓት መስሊዎ እንድሕር ኮይኑ ስሕተት ዩ። ቃልስና ዓዲ አቦ ከይንስእን ዘርእና ከይፀንት ዝተገበረን ዝግበር ዘሎን ወርቃዊ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዩ። ሕልሚ ፓስተራት: ቄሳትን: ሸኻት ኩርኩራት ዓረብን : ሕልሚ ፋሽሽቲ ዓዲ ሀሎን 4 ኪሎን አፍሽሉ ዘተረፈ ዓለም ዝመስከረሉ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዩ። እንታይ ተረቢሕኻ እንተኾይኑ ግን ዋላ ገና ይኹን ትቃልሲ ካብ ዝተሰኮነት ትግራይ ዝርኢ ኣብ ፖለቲካዊ ሰነፋት ደቃ ዝወደቀት ትግራይ ምርኣይ ንዓይ ሚእቲ ዕፅፊ ስለዝሓሸኒ።ምስ ፖለቲካዊ ጎዶለታቱ ግን ኩሉ ሕድሕድ ትግራዋይ ክኾርዓሉ ዝግቦኦ ጅግንነት ማንነቱ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዩ። ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምብጫው ግን ''ኢዶእ'' ዩ ዘብል።

እንተኾነ ሓውና መጀመርታ ንብረት አቦና ሓጎስ(መሰል ኮፒ) አኽብር ንቤተሰቡ ደቁ አቦና ሓጎስ ይሕተት ግቡእ ክፍሊት ይፈፅም። ካልኣይ እቲ ዋና አሽሓት ሂወትን ደምን ዝተኻፈለሉ ናይ ትማልን ሎምን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ አኽብር ክብል እፎቱ።

ትግራዋይ ኮይንካ ማእኽል ዓዲ ከወድሰካ እንተጀሚሩ ሀዲድካ ሲሒትካ አለኻ ማለት ዩ። እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብስሕተት መጋበርያ ናቶም ኮይንካ አለኻ ማለት ዩ።

Old is Gold!
ካብ አስታወሰና ናይ አቦና ሓጎስ ገብረህይወት ''እዶእ'' ነስተማቅር
=======
ኢዶእ!!
ኢዶእ በለ ትግራዋይ አየ ጓዶ!
ኢዶእ በለ ትግራዋይ አየ ጓዶ ጓዶ!
ጋዶ! ጋዶ!

ረሲዖምዎ ዶ ታ እዚ ኩሉ መስዋእቲ! ዋይዋይ"
ረሲዖምዎ ዶ ታ እዚ ኩሉ መስዋእቲ!
የማን ፀጋም ክብሉ ላዕሊ ታሕቲ!
ዝኮነን ዘይኮነን መመክነይቲ!
ፋሕ ጭንግራሕ ክብሉ ከም ደቂ ዛርቲ!
አሕሊፎም ክቡና ንፀላእቲ ዘይተርፎም ኩሎም ተሓተቲ!!..
አይጡዑሙን የ አይጡዑሙን የ
ሓደራ ህዝቢ ምርሳዕ አይጡዑሙንየ!!!
አይጡዑሙን የ አይጡዑሙን
ንንበይንካ ሙጉያል አይጡዑምን የ።

አለው እታ ፅባሕ ዝሕተቱ!
አለው እታ ፅባሕ ዝሕተቱ!
በዕፅምቲ ጀጋኑ ዝፃወቱ
ፍረ ቃልሲ ብርሃን ዘፀልሙቱ!
መን ክነብር ምስ ደመኛታቱ!!
ሕደጉ ዶ አይበልናን ብጊሓቱ!
ብጊሓቱ! ብጊሓቱ!ብጊሓቱ!
:
;

አታ ሓፋሽ ህዝቢ ትሪኦም ዶ አለካ!
አታ ጅግና ህዝቢ ትሰምዕ ዶ አለካ
ኩሉ ምስረኩቡ ብሳላካ
በዕፅምቲ ደም ስውአት ደቅካ!

በዕፅምቲ ደም ስውአት ደቅካ
ክንዲ ዋልታ ማእገር ዝኮኑካ!

ከይበላዕካ በሊዑ ዝብሉካ
ክፅልምቶም ከሎ ዝደልዩካ!
ክፅልምቶም ከሎ ዝደልዩካ
ክወግሐሎም ከሎ ዝሰጉካ!
ክንደይ ጊዜ ክቆስል ከብድካ
በትሪ አብ ኢድካ ተመን አብ እግርካ!
ፈፈሊካ አግልሎም እናማሓካ!!!

እስኪ ሕደግኒ ጥዕምቲ ክራረየ አይተላዕልኒ!
እስኪ ሕደግኒ ጥዕምቲ ክራረየ አይተላዕልኒ!
ባዕለይ ይፈልጦ እየ ብዙሕ ከምዝብሉኒ!
ዳነይ ቅበፅኒ ከይተዳጉንኒ
ከምታ ናይ ትማሊ ከይተዳጉንኒ!
እስኪ ሕደግኒ ጥዕምቲ ክራረየየ አይተላዕልኒ!
ዘይበፀሐኒ የለን ዘየጓነፈኒ
አይሞቀኒ ወትሩ አይቆረኒ!!

ዘይልወጥ ፈጣሪ እንተለኒ!
ዘይልወጥ ፈጣሪ እንተለኒ!
አነውን ብሞያይ ሕድሪ ዓዲ አለኒ!
አነውን ብሞያይ ሕድሪ ህዝቢ አለኒ
ዘይሪኦ የለን ወዲ ሰብ እንትቅኒ!

ዘይሪኦ የለን ወዲ ሰብ እንትቅኒ!
ዘይሰምዖ የለን ወዲ ሰብ እንትቅኒ!
ኩሉ እንትህርስ ዶ ክህርስ ኢልክኒ!
ዓዲ እንትሕመ ዶ ክድቅስ ኢልክኒ!
ጌጋ እንተውዒለ ህዝበይ ይፍረደኒ!
መልእክቲ ጥበበይ እዚአ ትመስለኒ!
ተግባር ጥራሕ እዩ ንሰብ መዐቀኒ!
ቃለይ ሂበ አለኩ ደጊም የአክለኒ!!!

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Wolwalo Midia ወልዋሎ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Wolwalo Midia ወልዋሎ ሚድያ:

Share