Ayam Media

ህዝቢ ኩናማ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ተገሊፁ። ብሄረሰብ ኩናማ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮ ድኽነት ሓደጋ ፅንተት ዝበፅሖ እንትኾን፤ እዚ ድማ ንሓደጋ ህልውና ኣቃሊዑዎ ከምዝርከብ ኣመሓዳሪ ...
24/04/2024

ህዝቢ ኩናማ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሄረሰብ ኩናማ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮ ድኽነት ሓደጋ ፅንተት ዝበፅሖ እንትኾን፤ እዚ ድማ ንሓደጋ ህልውና ኣቃሊዑዎ ከምዝርከብ ኣመሓዳሪ ኩናማ ገብረህይወት ኪዱ ንኣያም ገሊፁ።

ብፍላይ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኩናማ ዝበፅሐ ግፍዒ ኣብ ምንካይ በዝሒ እቲ ህዝቢ 'ውን ልዑል ፅዕንቶ ኣብፂሑ እዩ ዝበለ ገብረህይወት፤ እቲ ካብ ጥይት ዘምለጠ 'ውን ብጥሜትን ስእነት መድሓኒትን ንሞትን ስቃይን ተቓሊዑ እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 'ውን ብፀገም ፀጥታ፣ ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሕዱር ድኽነትን ባህሊን ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ምቕፃሉ ድማ ካብቲ ከባቢ ንኣያም ሓበሬታ ዝሃቡ ተወለድቲ ገሊፆም።

ብመሰረት ባህሊ ኩናማ 'ልመና ኣይፍቀድን' ዝበለ ሓዲኡ ምንጪና ኣብ ልዕሊ እዚ ሕሱም ድኽነትን ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝን ተወሲኹዎ ንሃለዋት እቲ ህዝቢ ዘስግእ እዩ ኢሉና።

ካብ ለምለምን ኣደመይቲን ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሸራሮ ዝርከቡ ብሄረሰብ ኩናማ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝሐሸ ቅርበት ዘለዎም ዋላ'ኳ እንተኾኑ፤ እቶም ኣብ ሽምበሊና፣መንጠባጥብ፣ገዛ መቐርን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ግን ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ተገሊሎም ይርከቡ ከም ሓበሬታ ምንጪታት ኣያም።

ልዕሊ 75 ሚእታዊ ኩናማ ኣብዚ ሐዚ 'ዋን ተጠቃሚ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይኮነ ድማ ኣመሓዳሪ ንኣያም ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኩናማ፣ ዳያስፖራ ትግራይ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ደገን ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ግዱሳት ተጋሩን ንሃለዋት ብሄረሰብ ኩናማ ሓገዝ ክገብሩ ኣመሓዳሪ ኩናማ ገብረህይወት ኪዱ ንኣያም ገሊፁ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ትግራይ ዝነብሩ ብሄረሰብ ኩናማ ብምኽንያት ሰራዊት ኤርትራ ዘብፅሐሎም ፅንታ ቁፅሮም ክመናመን ከምዝኸኣለ ዓበይቲ ማዕኸናት ዜና ዓለም ብ2014 ዓ/ም ምፅብፃቦም ይዝከር።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity Is Our Brand!

ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ክረኣዩ ዝተሓሰቡ ክስታት ገበን፣ኣብ ፍሉይ መጋባእያ እምበር ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከይረኣዩ ተወሲኑ።ኣያም ሚድያ (14-08-2016 ኣ .ግ  መቐለ )ኣብ ቀረባ እዋን...
22/04/2024

ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ክረኣዩ ዝተሓሰቡ ክስታት ገበን፣ኣብ ፍሉይ መጋባእያ እምበር ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከይረኣዩ ተወሲኑ።

ኣያም ሚድያ (14-08-2016 ኣ .ግ መቐለ )

ኣብ ቀረባ እዋን ጉጅለ ሰብ ሞያ ሽግግር ፍትሒ ኣብ ዘቕረቦ ረቒቕ ፖሊሲ፣ ከይዲ ኣብያተ ፍርዲ ዝምልከት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክጣየሽ ዝጠልብ ምኽረ ሓሳብ ውዱቕ ኸይኑ።

ነዚ ውዱቕ ዝገበረ ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ፣ እቶም ክስታት ገበን ኣብ መደበኛ ኣብያተ ፍርዲ ፍሉይ መጋባእያ ብምቛም ንክርአዩ ምውሳኑ ጋዜጣ ሪፖርተር ፀብፂቡ።

ተሓታትነት ብዝምልከት እቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣብ ዘቕረቦ ምኽረ ሓሳብ ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ይረአ ዝብል ኣንፈት ኸዚ ኣብ ዘለው ትካላት ፍሉይ መጋባእያ ኮነ ሓዱሽ ቤት ፍርዲ ኣጣይሽኻ ስራሕቲ ተሓታትነት ንምስላጥ ኣፀጋሚ እዩ ፣ብምዃኑ ድማ ናፃን ዘይሻራዊን ቤት ፍርዲ ምጥያሽ ኣገዳሲ እዩ ክብል ገሊፁ ነይሩ።

ብዛዕባ ምጥያሽ እቲ ቤት ፍርዲ ጠሚቱ ኣብ ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ዓለም ለኸ ሕግታትን መርሆታትን፣ከምኡ እውን ሕግታት ውሽጢ ዓድን መስርሕን ዝኽተል ክኸውን ከም ዝግባእ ገሊፁ።

ብተሳተፍቲ ዝተልዓሉ ስግኣታት ንምቕራፍ፣ ግዳያትን ተኸሰስትን ኣብ ኸይዲ እቲ አፈፃፅማ እምነት ክህልዎም ንምግባር ፍሉይ ቤት ፍርዲ ምጥያሽ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣያም ሚድያ ብመሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝወሰነ ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ነዚ ምኽረ ሓሳብ ውዱቕ ዝገብር ውሳነ ምሕላፉ፣ ጭላንጭል ፍትሒ ዘጥፍእ ኣካል መቐፀልታ እቲ ፅንታዊ ኹናት ምዃኑ ይኣምን።።

14/04/2024

ብመሰረት ዓንቀፅ 51 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓርሰይ ካብ መጥቃዕቲ እስራኤል ክከላኸል ግድን ኮይኑ 'ሎ።
(ኢራን)

ማዕኸናት ዜና ኢራን ከም ዝሕብርዎ ኣብ ኣዘዝቲ ወታደራት እታ ሃገር ኣብ ቤ/ፅሕፈት ቆንስላ ሶርያ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ብምቅታሎም ምኽንያት እዩ እታ ሃገር ሐዚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከፊታ ዘላ።

ሎሚ ሰምበት ልዕሊ 500 ሚሳኤላትን 100 ድሮናትን ናብ እስራኤል ዘወንጨፈት ኢራን፤ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ብመጋቢት 1 ኣብ ደማስቆ ብዝበፅሐኒ መጥቃዕቲ መሰረት 2 ገዲም ወታደራት ዝርከቡዎም 9 ወታሃደራት ተቀቲሎምኒ እዮም ኢላ።

እቲ ናይ ሐዚ መጥቃዕቲ ተዛዚሙ ምዃኑ ብምግላፅ እስራኤል ድሕሪ ሐዚ ዝኾነ ይኹን ፈተነ መጥቃዕቲ እንተጌራ ግን ምክልኻለይ ብዝኸበደ ኩነታት ክቅፅል እየ ማለታ ሻይን መፅሄት ገሊፃ።
እዚ ኩናት ምስ ሓይሊ ዓመፅ እስራኤልን ደጋፊት እታ ሃገር ኣሜሪካን ዝግበር ኩናት ስለዝኾነ ክልቲአን መሻርኽቲ ሃገራት ኢደን ክእርንባ ኢራን ኣጠንቂቃ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ እስራኤል ኣብ ኤምባሲ ደማስቆ ዝፈነወቶ ወራር ከውግዝ እንተዘይክኢሉ፤ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንእትገብሮ ዘላ ምክልኻል ዘውግዝ ሞራል ክህልዎ ኣይክእልን ኢላ።

ኢራን እቲ ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ብመሰረት ቻርተር ውሕመ ዓንቀፅ 51 ዓርሰይ ናይ ምክልኻል እዩ ኢላቶ ኣላ።

እዚ ውግእ ሰልፊ ምዕራብን ምብራቅን ብግልፂ ኣብ ክልተ ዝፈሊ ጥራይ ዘይኮነስ ጠለብ ክልተ ኣንፃራት ዘርኢ ብምዃኑ ሓይሊታት ኣሜሪካ ብሓደ ገፅ በቲ ካሊእ ድማ ሰልፊ ሩስያ ረቢቡ ፈለመ ሳልሳይ ኩናት ዓለም ከየስዕብ ሻቅሎት ብዙሓት ሃገራት ፈጢሩ ኣሎ።

ወያነ ዋሕስ ኢራን(IRGC) ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ካብ ዝኾነ ይኹን ተሓላቂ እስራኤል ንዝመፅአኒ መጥቃዕቲ ዘየላጢ ስጉምቲ ክወስድ እየ ኢሉ።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integritu is our brand!

Video Credit_CBC News

ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ተመዛበልቲ ደቡብ ትግራይ ቶኽሲ ከፊቶም ምንባሮም ተገሊፁ። ሎማዓንቲ ንጉሆ ካብ መኾኒ-ኩኩፍቶ-በሪ ተኽላይ ሰልፊ ዝገበሩ ተመዛበልቲ ደቡብ ትግራ...
13/04/2024

ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ተመዛበልቲ ደቡብ ትግራይ ቶኽሲ ከፊቶም ምንባሮም ተገሊፁ።

ሎማዓንቲ ንጉሆ ካብ መኾኒ-ኩኩፍቶ-በሪ ተኽላይ ሰልፊ ዝገበሩ ተመዛበልቲ ደቡብ ትግራይ ምስ ኣመራርሓ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናዘራረቡ እናሃለዉ ድንገት ብሓይልታት ኣምሓራ ቶኽሲ ተኸፊቱ ምንባሩ እዩ ምንጪታት ኣያም ዝሓበሩልና።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣመራርሓ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ እቶም ተመዛበልቲ ዘርኣይዎ ርትዓዊ ሕቶን ስነስርዓትን ብምምስጋን፤ እቲ ሕቶ ብወገን ፌዴራል ክምለስ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ሓይልታት ትምክሕቲ ናይ ማዕዶ ቶኽሲ ዝኸፈቱ'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ ምንጪታት ኣያም ገሊፆምልና።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

ካብ ደቡብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መኾኒ ዝነብሩ ተመዛበልቲ ሎሚ ንጉሆ ናይ እግሪ ሰልፊ ኣካይዶም።እቶም ተመዛበልቲ ካብ መኾኒ ክሳብ ኩኩፍቶ ብመኪና ጉዕዞ ዝገበሩ እንትኸውን፤ ካብ ኩኩ...
13/04/2024

ካብ ደቡብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መኾኒ ዝነብሩ ተመዛበልቲ ሎሚ ንጉሆ ናይ እግሪ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ተመዛበልቲ ካብ መኾኒ ክሳብ ኩኩፍቶ ብመኪና ጉዕዞ ዝገበሩ እንትኸውን፤ ካብ ኩኩፍቶ ንበሪ ተኽላይ ድማ ብእግሪ ሰልፊ ኣካይዶም።

ነበርቲ ወረዳ ራያ ዓዘቦን ከተማ መኾኒን 'ውን ፀገም እቲ ተመዛባላይ ህዝቢ ተኻፊሉ ምስቶም ተመዛበልቲ ሰልፊ ከምዝወፅአ ካብቲ ከባቢ ሓበሬታ ዘብፅሐልና ወኪል ኣያም ሚድያ ገሊፁ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣምሓራን ካብ መረበትና ብቅልጡፍ ይውፃእን ካልኦትን ዝብሉ ጭርሖታት ኣብቲ ሰልፊ ዝተርኣዩ እዮም።

'ድምፂ ህዝቢ ይሰማዕ ወይ ክስማዕ እዩ' ዝብል ቁጥዐ ዝተመልኦ ጭርሖ ኣብቲ ሰልፊ ከምዝነበረ ድማ ወኪልና ፀብፂቡ።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!!
Integrity is our brand!!

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ክጉሕሉ ዝተረኸቡ ስጉምቲ ንክውሰድ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣዚዙ።ፕሬዝደንት ጌታቸው እዚ ዝኣዘዘ ሎምዓንቲ ንቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይን ኣብ...
22/12/2023

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ክጉሕሉ ዝተረኸቡ ስጉምቲ ንክውሰድ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣዚዙ።

ፕሬዝደንት ጌታቸው እዚ ዝኣዘዘ ሎምዓንቲ ንቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ እዩ።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

ሰብ ስልጣን ቻይናን ኣሜሪካን ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፈለማ ግዜ ዘተ ገይሮም። ኣያም 11/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣሜሪካ እቲ ዝርርብ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ ...
22/12/2023

ሰብ ስልጣን ቻይናን ኣሜሪካን ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፈለማ ግዜ ዘተ ገይሮም።

ኣያም 11/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣሜሪካ እቲ ዝርርብ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ ኢላቶ።

ቻይና ብወገና ምስ አሜሪካ ዘለዋ ልውውጥ ወታሃደራዊ ሓበሬታ ዘቋረፀቶ ነበር ኣፈጉባኤ ኣሜሪካ ታይዋን ብምብፅሖም ነይሩ።

ወታሃደራዊ ሰበስልጣናት ክልቲአን ሃገራት ንፈለማ ግዜ ብመረብ ዘተ ከምዝገበሩ መከላኸሊ ምኒስቴር ኣሜሪካ ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

ምንስትር ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ቅድም ኢሉ ኣሜሪካ ቻይና ንምዕፋን ካብ እትገብሮ ሽርሒ ጠጠው ክተብል ኣተሓሳሲቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

እቲ ናይ ሐዚ ወታደራዊ ዘተ መረብ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ለውጢ ምዃኑ ኣሜሪካ ገሊፃ።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

ህልው ስትራቴጂካዊ መንቀራቕሮ ፖለቲካ ትግራይ ንሓዱሽ ኣሰላልፋ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኣብ ኤርትራ ንእተምፅኦ ለውጢ ፖሊሲን ምኽንያት ይኸውን። (ፕሮፌሰር መሓሪ ታደለ ማሩ) ኣያም 10...
21/12/2023

ህልው ስትራቴጂካዊ መንቀራቕሮ ፖለቲካ ትግራይ ንሓዱሽ ኣሰላልፋ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኣብ ኤርትራ ንእተምፅኦ ለውጢ ፖሊሲን ምኽንያት ይኸውን።

(ፕሮፌሰር መሓሪ ታደለ ማሩ)

ኣያም 10/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብ ዘርፈ ብዙሕ መንቀራቕሮ ኣትዩ ዝርከብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሐዚ 'ውን ነታ ሃገር ናብ መዋቕራዊ ሓደጋ ዘምርሕ ካሊእ ስግኣት የእትዋ ከምዘሎ ፕሮፌሰር መሓሪ ታደለ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝስትውዓል ዘሎ ኩነታት ውፅኢት ውዕሊ ፕሪቶርያ እዩ ዝበለ ፕሮፌሰር መሓሪ ታደለ፣ እዚ ድማ ኣምሓራን ኤርትራን ፀረ ኢትዮጵያ ኣሰላልፋ ንክኽተሉ ምኽንያት ኮይኑ ኢሉ።

እዚ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ለውጢ ፖሊሲ ንክትገብር ይኹን ቀርኒ ኣፍሪካዊ ቅርፀ ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝቅይር ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ እንተተኸፊቱ ድማ ቁጠባዊ፣ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን ኣሰላልፋ ክቅየር እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብተወሳኺ ሐዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት 'ውን እቲ ካሊእ ለዋጢ ሓይሊ እዩ ኢሉ።

ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ከቢድ ሓደጋ ከየስዕብ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ሰበስልጣን ትኹረት ክገብሩ ድማ ፃውዒት ገይሮም።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

ኣብ ኢትዮጵያ “ድርቂ 'ምበር ጥሜት ኣይኸሰተን።(መግስቲ ፌዴራል) ኣያም 10/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ 'ምበር ጥሜት ኣይተኸሰተን ክብል መንግስቲ ፌዴራል ክሒዱ። እቶም ...
21/12/2023

ኣብ ኢትዮጵያ “ድርቂ 'ምበር ጥሜት ኣይኸሰተን።
(መግስቲ ፌዴራል)

ኣያም 10/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ 'ምበር ጥሜት ኣይተኸሰተን ክብል መንግስቲ ፌዴራል ክሒዱ።

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ተኸሲቱ ኢሎም ሓበሬታታት ዝውዝዑ ዘለዉ ውልቀሰባትን ትካላትን ሕቡእ ዕላማ ዝሓንገጡ 'ምበር ትኽክለኛን ሳይንሳዊን መረጋገፂ ሃልዮም ኣይኮነን ክብል ኮሚሽነር ኣመራርሓ መምርሒ ሓደጋ ስግኣት ኣምባሳደር ዶር ሽፈራው ተክለማርያም ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ተኸሲቱ ኢሎም ሓበሬታ ዘጋውሑ ዘለዉ ካብ ተግባሮም ክቁጠቡ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ብምኽንያት ዝተፈጠረ ሓደጋ ምኽንያት 11 ቢልዮን ብር መዲቡ እናሰርሐ ምዃኑ ድማ ኮሚሽነር ሽፈራው ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዛጊድ ልዕሊ 1400 ሰባት ብጥሜት ምሟቶም ኣመልኪቱ እቲ ኮሚሽነር ዝበሎ የለን።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our beand!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ኣብ ኣደባባይ ይቕተሉ ኣለዉ። ኣያም 09/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብዚ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ክልተ ንፁሃን ሰባት ኣብ ኣደባባያት ኣዲስ ኣበባ ከምዝተቐተሉ ምንጭታ...
20/12/2023

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ኣብ ኣደባባይ ይቕተሉ ኣለዉ።

ኣያም 09/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብዚ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ክልተ ንፁሃን ሰባት ኣብ ኣደባባያት ኣዲስ ኣበባ ከምዝተቐተሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ዶር እስራኤል ጥላሁን ዝተብሃለ ንፁህ ዜጋ መኪና እናገንሐ እናሃለወ ብቅድሚኡ ኣብ መኪና ብዝነበረ ውልቀ ሰብ ብሽጉጥ ምቕታሉ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ ፀቕጢ ማሕበራዊ ሚድያ ኢትዮጵያ ገበነኛ ናብ ሕጊ ከምዝቐረበ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ፖሊስ ዘይወድዓዊ ሓበሬታት የውፅእ ምንባሩ ዝገልፁ ውን ብርክት ዝበሉ ኤዮም።

ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት እዩ 'ምበኣር ኣቶ ተስፋዬ ወርዶፋ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣባተ ኣበበ ዝተብሃለ ብሰለስተ ጥይት ቕትለት ፈፂሙ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓደ ገፅ ግብረ ራዕዳውያን ብኦፕሬሽን ይሕዝ ኣለኹ ኣብ ዝብለሉ፤ ብካሊእ ገፅ ድማ ንዕጡቓት ፋኖ ኢድኩም ሃቡ ኣብ ዝብለሉ ግዜ እዩ እዚ ዝፍፀም ዘሎ።

ኣባላት ስለያ ኤርትራ ኣብ ምንጋጋ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ድላዮም ናይ ምግባር ሓይሊ ከምዘለዎም ማእኸል ስለያ ህግደፍ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

ሓበሬታት ኣያም ንክበፅሑዎም Like,Share,Subscribe ይግበሩ::

መላእ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ከወፅእ አምዝኾነ ዓለምለኸ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ገሊፁ።ኣያም 08/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-እቲ ዓለምለኸ ባንኪ እዚ ውሳነ ክውስን ዝኸኣለ ቅድሚ ወርሒ ኣብ...
20/12/2023

መላእ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ከወፅእ አምዝኾነ ዓለምለኸ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ኣያም 08/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-እቲ ዓለምለኸ ባንኪ እዚ ውሳነ ክውስን ዝኸኣለ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ዋና ተወካሊ እቲ ትካልን ካሊእ ሰራሕተኛን ብኣካላት ፀጥታ ኢትዮጵያ መህረምቲ ድሕሪ ምብፅሖም እዩ።

እቲ ባንኪ በሻዕቲኡ ቅርታኡ ንመንግስቲ ዘቕረበ'ኳ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፈፀምቲ ገበን ኣፃርዩ ዕላዊ ከምዝገብር ገሊፁ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ 308 ሚልዮን ዶላር ዝትመኑ ሸሞንተ ፕሮጀክታት ዘለዎ እቲ ትካል መንግስቲ እቲ ዝበፅሐ መውቃዕቲ ግቡእ ትኹረት ሂቡ ብዘይምስርሑ ናብዚ ውሳነ ከምዝበፅሐ ሓደ ሰራሕተኛ ገሊፁ።

እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝዛወሩ ድማ ትማሊ ኣማስዩ ንሮይተርስ ሓበሬታ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ሞያ እቲ ትካል ገሊፁ።

ምንጪ፦ሮይተርስ

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

ሰለሞን ይኩኖኣምላክ-ቦኽሪ ግልፂ ኪነት እዚ ዘመን!ኣያም 06/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ዓዲሽሆ ተወሊዱ ዝዓበየ ከያኒ ሰለሞን ይኩኖ ኣምላክ፤ ደሓር ድማ ናብ መ...
16/12/2023

ሰለሞን ይኩኖኣምላክ-ቦኽሪ ግልፂ ኪነት እዚ ዘመን!

ኣያም 06/04/2016 ኣ.ግ(መቐለ)-ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ዓዲሽሆ ተወሊዱ ዝዓበየ ከያኒ ሰለሞን ይኩኖ ኣምላክ፤ ደሓር ድማ ናብ መቐለ ብምምፃእ ተማሂሩን ከዪኑን እዩ።

ቅድሚ 12 ዓመታት ኣቢሉ "ዘይበልክኒ የለን" ብእትብል ጣዕመ ዜማ ዝፍለጥ ዝነበረ ሰለሞን፤ በታ ዜማ ነቲ ወለዶ እቱይ ኣዘናጊዑን ንፍቕሪ ምንፃፍ ሂቡን እዩ።

እቲ ሙሉእ ቅርፂ ፀጉሪ ዘለዎ ሕፅር ኢሉ ቀጢን ተኽለ ሰብነት ዘለዎ ብጥዑማት ንፅል ዜማታት ዝፍለጥ ከያኒ ሰለሞን ይኩኖኣምላክ፤ ዋና ስርሑ ኣብ ስራሕቲ ፅገና ከምዝኾነ ይዛረብ።

ብጥዑማት ንፅል ዜማታት ዝፍለጥ ከያኒ ሰለሞን ድሕሪ 'ዘይበልክኒ የለን' እውን ......ሃገረ ትግራይ እየ ዝደሊ፣ዘይትሙኖ፣ከየንቲና፣እማሆይ ኣዝመራ፣ተጋሩ፣ኣዴታት ትግራይ፣ሳላኺ.. ካልኦትን ዝብሉ ጣዕመ ዜማታት ናብ መድመፅቲ ጥበብ ትግርኛ ኣብፂሑ እዩ።

ሕማም ህዝቢ ብዜምኡ ኣቢሉ ብምግዋሕ ዝፍለጥ ሰለሞን ብፍላይ ብዜማ ኣቢሉ ዝደለዮ ሓይሊ ሓቂ ናይ ምዝራብ ተኽእሎ ዘለዎ ዳርጋ ብሕታዊ ከያኒ ምዃኑ ይዝረበሉ።

ብፍላይ ሓረጉ፣ባርቹ፣ዱባ፣ያው 'ዩ፣ዳዋ...ዝብላ ዜማታቱ ንህዝቢ ትግራይ ዘወገንኦ ግኑናት ዜማታቱ ምዃነን ይውረየሉ።ኣብ ከይዲ ግዜ ኣንጉዕ መድመፅቲ ጥበብ ትግርኛ ምቁፅፃር ዝጀመረ ሰለሞን፣ ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ድማ ያው'ዩ ኣብ ዝብል ደርፉ 'ሕትትት..' ዝብል ትርኑዕ ኣገላልፃ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒን ጉብጣ መሬት ትግራይን ገሊፁ እዩ።

ብፍላይ 'ሓረጉ' ከቢድ ፖለቲካዊ ፀገም(ዋጋ ከምዘኽፈለቶ) እሱ ግን ንድሕሪት ከምዘይበለን ድማ ይግለፅ።

ብኣንፃሩ ድማ ሰለሞን ሓረጉ ድሕሪ ምዝያሙ ብምኽንያት ዝበፅሖ ፖለቲካዊ ምፍርራሕ ይቕረይታ ዝዓይነታ ደርፊ ብምስራሕ ተለሳሊሱ እዩ ኢሎም ዝወቕሱዎ ውሑዳት ኣይሰኣኑን።

ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ግን ሰለሞን ቦኽሪ ግልፂ ከያኒ ምዃኑን በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ብዙሓት ሙዚቃዊ ድግሳት ክሳተፍ ከምዘይስትውዓልን ኩሉ ዝዛረቦ ሓቂ እዩ።

እዚ ከያኒ እዩ ምበኣር ሎማዓንቲ ብሉፅ ከያኒ እዚ ዓመት ተባሂሉ ብኪነ ያሬድ ተሓርዩ ዘሎ።

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity is our brand!

Address

Tigrai
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Ayam Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Ayam Media:

Share