24/04/2024
ህዝቢ ኩናማ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ብሄረሰብ ኩናማ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮ ድኽነት ሓደጋ ፅንተት ዝበፅሖ እንትኾን፤ እዚ ድማ ንሓደጋ ህልውና ኣቃሊዑዎ ከምዝርከብ ኣመሓዳሪ ኩናማ ገብረህይወት ኪዱ ንኣያም ገሊፁ።
ብፍላይ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኩናማ ዝበፅሐ ግፍዒ ኣብ ምንካይ በዝሒ እቲ ህዝቢ 'ውን ልዑል ፅዕንቶ ኣብፂሑ እዩ ዝበለ ገብረህይወት፤ እቲ ካብ ጥይት ዘምለጠ 'ውን ብጥሜትን ስእነት መድሓኒትን ንሞትን ስቃይን ተቓሊዑ እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን 'ውን ብፀገም ፀጥታ፣ ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሕዱር ድኽነትን ባህሊን ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ምቕፃሉ ድማ ካብቲ ከባቢ ንኣያም ሓበሬታ ዝሃቡ ተወለድቲ ገሊፆም።
ብመሰረት ባህሊ ኩናማ 'ልመና ኣይፍቀድን' ዝበለ ሓዲኡ ምንጪና ኣብ ልዕሊ እዚ ሕሱም ድኽነትን ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝን ተወሲኹዎ ንሃለዋት እቲ ህዝቢ ዘስግእ እዩ ኢሉና።
ካብ ለምለምን ኣደመይቲን ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሸራሮ ዝርከቡ ብሄረሰብ ኩናማ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝሐሸ ቅርበት ዘለዎም ዋላ'ኳ እንተኾኑ፤ እቶም ኣብ ሽምበሊና፣መንጠባጥብ፣ገዛ መቐርን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ግን ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ተገሊሎም ይርከቡ ከም ሓበሬታ ምንጪታት ኣያም።
ልዕሊ 75 ሚእታዊ ኩናማ ኣብዚ ሐዚ 'ዋን ተጠቃሚ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይኮነ ድማ ኣመሓዳሪ ንኣያም ገሊፁ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኩናማ፣ ዳያስፖራ ትግራይ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ደገን ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ግዱሳት ተጋሩን ንሃለዋት ብሄረሰብ ኩናማ ሓገዝ ክገብሩ ኣመሓዳሪ ኩናማ ገብረህይወት ኪዱ ንኣያም ገሊፁ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ትግራይ ዝነብሩ ብሄረሰብ ኩናማ ብምኽንያት ሰራዊት ኤርትራ ዘብፅሐሎም ፅንታ ቁፅሮም ክመናመን ከምዝኸኣለ ዓበይቲ ማዕኸናት ዜና ዓለም ብ2014 ዓ/ም ምፅብፃቦም ይዝከር።
መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!
Integrity Is Our Brand!