
09/03/2025
እዚ ፊልሚ ብዙሕ ድኻምን ወፃእን ወፂእዎ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ መቀለ ልዕሊ 3000 ሰብ ኣብ ዝተረኸበሉ ተመሪቁ ፣ ከምኡ ኢሉ ኣብ መላእ ትግራይ ንክረአ ኣብ ዉቅሮን ዓድዋን ንምርኢት በቂዑ ሐዚ ድማ ኣብ ዓዲ ግራት ቅድም ኢልና ንዕለት 07/07/2017 ዓ/ም ንምርኢት ንምብቃዕ ተፈተና በቲ ዝተፈጠረ ናይ ጥሕሎ ኣወዳድቃ ጌጋ ተግባርን ርድኢትን ንክናዋሕ ገይርናዮን። ነቲ ጌጋ ንምእራም ድማ ኣብቲ ፕሮግራም ዝነበርና ኣካላትን ናይዚ ፊልሚ ኣባላትን ሓዊሱ ይቅርታ ሓቲትና ኢና። ይኹን ደኣምበር ዝበዝሕ ማሕበረሰብ ተቀባልነት ይቅርታና ተቀቢሎም እናሃለዉ ሓደሓደ ብጌጋ ዝተረድኡን እቲ ፊልሚ ኣብ ዓዲ ግራት ንከይረአን ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚድያ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ቃላት እናተጠቀሙ እቲ ጥፋኣት ንክኳሳሕ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ሓሳባትናን ይቅርታናን ተረዲእኹም እቲ ፊልሚ ንነበርቲ ዓድግራት ተበፃሒ ንክኸዉን ዓቅምኹም ብዝፈቀዶ ንክትሕጉዙና ንላቦ።
ደራስን ፕሮዲዩሰርን ፊልሚ ወለገሳ