21/05/2025
“ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንነባሪ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ቁልፊ ተራ ኣለዎ!”
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 13 ግንቦት 2017 ዓ/ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ተረኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ጠሚቶም ተዘራሪቦም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፀገም ከምዝወደቐን ኣብ ሓፂር እዋን ናብ መረበቱ ክምለስ እንተይክኢሉ ከቢድ ሓደጋ ከምዝስዕብን ንቶም ኣምባሳደር ገሊፆምሎም።
ብምዃኑ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ናይ ምምላስን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ናይ ምርግጋፅን ጉዳይ ቁልፊ ሕቶ ናይዚ መድረኽ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፣ ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ቁልፊ ተራ ከምዝለዎ ኣብሪሆም።
ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ኩሎም ሕቶታትና ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ንምምላስ ምስ ፌዴራል ተቐራርብና እናሰራሕና ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፣ መንግስቲ ፈረንሳይ እውን ንትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያ እጃሙ ክፃወት ኣተሓሳስቦም።
ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ብወገኖም፣ ዘላቂ ሰላም ክሰፍንን ውዕል ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ክፍፅምን ሃገሮም ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም።
ብሓፈሻ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ዘካየድዎ ዘተ ሃናፃይ እዩ ነይሩ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
13 ግንቦት 2017 ዓ/ም