ፊደል ሚድያ

ፊደል ሚድያ ሓበሬታ ፍኖት ብሩህ መፃኢ እዩ፤ ባህጊ ፈለማ ኣብ ሓሳብ ይስራሕ!

“ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንነባሪ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ  ቁልፊ ተራ ኣለዎ!”                                                                   ...
21/05/2025

“ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንነባሪ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ቁልፊ ተራ ኣለዎ!”
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 13 ግንቦት 2017 ዓ/ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ተረኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ጠሚቶም ተዘራሪቦም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፀገም ከምዝወደቐን ኣብ ሓፂር እዋን ናብ መረበቱ ክምለስ እንተይክኢሉ ከቢድ ሓደጋ ከምዝስዕብን ንቶም ኣምባሳደር ገሊፆምሎም።
ብምዃኑ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ናይ ምምላስን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ናይ ምርግጋፅን ጉዳይ ቁልፊ ሕቶ ናይዚ መድረኽ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፣ ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ቁልፊ ተራ ከምዝለዎ ኣብሪሆም።
ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ኩሎም ሕቶታትና ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ንምምላስ ምስ ፌዴራል ተቐራርብና እናሰራሕና ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፣ መንግስቲ ፈረንሳይ እውን ንትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያ እጃሙ ክፃወት ኣተሓሳስቦም።
ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ብወገኖም፣ ዘላቂ ሰላም ክሰፍንን ውዕል ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ክፍፅምን ሃገሮም ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም።
ብሓፈሻ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ዘካየድዎ ዘተ ሃናፃይ እዩ ነይሩ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
13 ግንቦት 2017 ዓ/ም

ብቕትለት ሓበን የማነ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣትዩ 19 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ገበን ቅትለት ተፈፂምዋ ዝተረኸበት ወገን ሓበሬታ ኣብ ፖሊስ ካብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ...
06/11/2024

ብቕትለት ሓበን የማነ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣትዩ

19 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ገበን ቅትለት ተፈፂምዋ ዝተረኸበት ወገን ሓበሬታ ኣብ ፖሊስ ካብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ጀሚሩ ብዝተኻየደ ውሕሉል ክትትል ተጠርጣሪ እዚ ተግባር ምስ ፈጸመ ካብ ከተማ ኣላማጣ ክሳብ ከተማ ደሴ ተሓጋጋዚ ሽፌር ኰይኑ ከም ዝኸደን ኣብ ከተማ ደሴ ኣትዩ ድሕሪ ሓደ ለይቲ ምሕዳሩ ድማ ኣብ ኣካላቱ ዝነበረ ውቃጦ ንምሽፋን ዝጥዕም ክዳውንቲ ዓዲጉ ናብ ዝሓዞ መደቀሲ ክፍሉ ተመሊሱ ምስ ኣተወ ኣብ ቁጽጽር ክውዕል ምኽኣሉን ፖሊስ ከተማ መቐለ ድማ ኣባላቱ ሰዲዱ ፈተናታት በዲሁ ከተማ መቐለ ምእታዉ ፖሊስ ከተማ መቐለ ገሊፁ።ኣብ እዚ ጕዳይ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣማሓራን መሓውራቱን ነበርቲ ከተማ ደሴን ዘርኣይዎ ፍሉይ ምትሕብባር ምስጋና ከም ዝግበኦም ተሓቢሩ።ዝርዝር ሓበሬታታት ንከይዲ ምጽራይን ፍትሒን ከየተዓናቕፉ ንግዚኡ ተዓቂቦም ኣለዉ

ሓበሬታ ካብ
ክፍሊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ

ሓወልቲ ኣኽሱም ግቡእ ፅገና ክግበረሉ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ  ኣክሱም ናብ ተግባር ዘእቱ ስነ ስርዓት ርኽክብ ሳይት ይሳለጥ ኣሎ።ዝርዝር ክነስዕብ ኢና...
05/11/2024

ሓወልቲ ኣኽሱም ግቡእ ፅገና ክግበረሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ናብ ተግባር ዘእቱ ስነ ስርዓት ርኽክብ ሳይት ይሳለጥ ኣሎ።

ዝርዝር ክነስዕብ ኢና።

ፊደል ሚድያ

26 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም
ኣኽሱም

18/10/2024

ሎሚ ኣብ ከተማ ዓድዋ ጣብያ ሓየሎም ከባቢ ሃንጋሪ ኣብ ስድራ ብዝተጠረ ጎንፂ ኣሕዋት ተቓቲሎም የሕዝን😭

ናበይ ነምርሕ ኣለና ግን

ክራማት ዓይባ😍
08/08/2024

ክራማት ዓይባ😍

 #ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣወዳድባ ናይ ሓባር መንበሪ ህንፃ ሕብረት ስራሕ ማሕበር 2016
30/07/2024

#ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣወዳድባ ናይ ሓባር መንበሪ ህንፃ ሕብረት ስራሕ ማሕበር 2016

🌿🌾ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ🌾🌿🍃....!!            ****&****ኣጀማምራ በዓል ኣሸንዳ ምስ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተተሓሓዘ እንትኸውን፤ እቲ ሽም ባዕሉ ኣሸንዳ ካብ ዝበሃል ቆፅ...
30/07/2024

🌿🌾ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ🌾🌿🍃....!!
****&****
ኣጀማምራ በዓል ኣሸንዳ ምስ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተተሓሓዘ እንትኸውን፤ እቲ ሽም ባዕሉ ኣሸንዳ ካብ ዝበሃል ቆፅሊ ዝመፀ ምዃኑ ይእመን። እዚ ቆዕሊ ከም ኣመንቲ ክርስትና ቅድስተ ማርያም ኣብ 64 ዕድሜኣ እንትትዓርግ እስራኤላዉያን ደቂ ኣንስትዮ “ደምሃሮ” ዝበሃል ቆፅሊ ኣብ ማዕጠቐአን ኣዚረን ይዝምራን ይውድሳን ስለዝነበራ ኣዋልድ ድማ ነዚ ንምዝካር ተባሂሉ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሳዕሪ ኣሸንዳ ተዓጢቐን የኽብረኦ ሽሙውን ካብቲ ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ መፅዩ።
~ ~ ~ ~ ~
ፌርመንጦስን ኢዲስየስን ዝተብሃሉ ክልተ ኣሕዋት ሜትሮጵየስ ንዝተብሃለ ሓወቦኦም ከፋንዉ ምስመፁ ኣብ መልሶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መርከቦም ተበላሽያ ጠጠዉ ይብሉ። ደሓር ኣብኡ ዝረኸቡዎም ወተሃደራት ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብሙሉኡም ቀቲሎም ንዐኦም ድማ ናብ ንጉስ ኣኽሱም ብሓሽከርነት ኣረከብዎም። ንጉስ ኣልሜዳ ብሂወት እንዳሃለወ ዋላ’ኳ ነፃ እንተለቐቖም ብድሕሪኡ በዓልቲ እንድኡ ንዓዓን ንንግስንኡ ዝወረሰ ልዑል ኢዛና ክሳብ ዕድመ ንግስንኡ ዝኣክልን ከብቅዕዎ ተላበወቶም እወንታዊ መልሲ ሂቦም ድማ
ፀንሑ::
~ ~ ~ ~ ~
ኣብ’ዚ እዋን እዚ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ምምሃር ዕድል ገጠሞም። ደሓር ኢዛና ምስ ነገሰ ፌርማጦስ ምስ ሓዉ ንዓዱ ክምለስ ንንጉስ ኢዛና ኣፍቀዶ ኢዛና ዉን ናሓዘነ ኣፋነዎም።ብድሕሪ እዚ ፌርማንጦስ ኣሌክሳንደርያ ምስበፅሑ ናብ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣባ ኣጣንስየስ ብምኻድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፃንሒቶምን ዕድል ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣብ ኢትዮጵያን ብምንጋር ጳጳስ ክምድቡ ኣማኸርዎም። ኣባ ኣጣንስየስ ድማ ንንጉስ ሮማ ቆስጠንጥንያ ብደበዳበ ገለፁሉ።ብመሰረት እዚ ኣቡነ ፌርማጦስ ፋልማይ ጳጳስ ኮይኖም ብ 328 ዓ/ም ንኣኽሱም መፁ።
~ ~ ~ ~ ~
ኣብዚ እዋን እዚ እዩ እምበኣር ኣሸንዳ ንኣኽሱም ዝኣተወ ኣብቲ እዋን መቐመጢ ንጉስ ኢዛናን ኣቡነ ፌርማጦስን ኣኽሱም እዩ ነይሩ። ኣሸንዳ ድማ ከም ሓደ ባእታ እምነት ኦርቶዶከእ ክርስትና ኣዋልድ ትግራይ ኣብ መዓንጠአን ንደምሃሮ ዝዉክል ቆፅሊ ኣሸንዳ ኣሲረን ከኽበረኦ ጀመራ።ደሓር ድማ ናብ ካብ ኣኽሱም ንደቡብ ክሳብ ላሊበላ ንሰሜን ድማ ክሳብ ኣስመራ ተስፋሕፈሐ።
~ ~ ~ ~ ~
ኣሸንዳ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ዝፅወዓሉ ስም ኣብ ከባቢ ኣኽሱም “ዓይኒዋሪ” ኣብ ከባቢ ዓድግራት ድማ “ማርያ” እናተብሃለ ይፅዋዕ።ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ትግራይ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት፤ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ድማ ንተኸታተልቲ ሸዉዓተ መዓልታት እናኽበረኦ መፂአን። ኣሸንዳ ኢትዮጵያዊ ትዉፊት እዩ። ከም መጠን ትዉፊት ድማ በዓል ዶርሰን (1992) ዊልያም ባስኮም (1965) ን ካልኦት ትዉፊታዉያንን ዝፀርሑዎም ፦ሃገረሰባዊ ልምዲ ፣ቁሳዊ ባህሊ ፦ሃገረሰባዊ ሳዕስዒትን ፣ቃላዊ ግጥምታትን ይንፀባረቑሉ።
🌾🌾ሰናይ ቅንያት በዓል ኣሸንዳ 🌾🌾
°°°°°°°°°°
ፍልፍል፦በዓል ደናግል ብትካቦ ገብረስላሰ (ዶ/ር)

Address

Romanat
Mekelle

Telephone

+251914109836

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ፊደል ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category