ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru

ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru ናይ ህዝብኹም ድምፂ ምዃን እዚ page follow ግበሩ።

ጽምዶ!! #ትግራይን ኤርትራን ንምትዕራቕ ዓይነት ዝመስል ምስ ሸዓብያ ጽምዶ ዝብሉ ወግዕታት ኣለው። ክልቲኡ ህዝብታት ብኣጋጣሚ ኾይኑ ጎረባብቲ ምዃኑ ኩሉ ግዜ ተበኣይሱ ክነብር የብሉን ዝብል ...
02/06/2025

ጽምዶ!!
#ትግራይን ኤርትራን ንምትዕራቕ ዓይነት ዝመስል ምስ ሸዓብያ ጽምዶ ዝብሉ ወግዕታት ኣለው። ክልቲኡ ህዝብታት ብኣጋጣሚ ኾይኑ ጎረባብቲ ምዃኑ ኩሉ ግዜ ተበኣይሱ ክነብር የብሉን ዝብል ቕዋም ኣለኒ። ዕርቐ ሰላም ክህሉን ሓበራዊ ረብሕኡን ከረጋግጽ ኣለዎ።
እዚ ክብል ከለኹ ግን ክልተ ኣክቲቪስታት ወይ ውሱናት መራሕቲ ዝምዶ ስለዝበሉ ክዕረቕ ማለት ኣይኾነን። ሸዓብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይዛሪ በደልን ግፍዕን ፈጺሙ እዩ። እዚ ብቐሊሉ ጽምዶ ኢልካ ክጠፍእ ኣይኽእልን። ኣብ ክንዲ ተሰሓሒትናን ይቕርታ ክንክሕስን ኢና ዝብል ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞ ግፍዒ ኣየናስሐን እናበለ ሰላም ክኾውን ኣይኽእልን።
ናይ ትማሊ ደም ህዝብና ዘይደረቐ ጽምዶ ምባል ሰበድበድ እዩ። ኣብ ኣክሱም፣ ማርያም ደንገላትን ካልኦትን ዝተፈጸመ በደል ካሕሳን ይቕሬታን ክረክብ ይግባእ።

ሓራ መሬት!! #ብዛዕባ ሓራ መሬት ብዙሓት ሰባት ትሓቱኒ ኢኹም ወይ እውን ምስ ብዙሓት ነውግዕ ኢና። ብዛዕባ ዕላማ ብዙሕ ክብል ኣይደልን። ትኽክል እዮም ወይ ኣይኾኑን ንምባል ብጣዕሚ ዝኸብደ...
29/05/2025

ሓራ መሬት!!
#ብዛዕባ ሓራ መሬት ብዙሓት ሰባት ትሓቱኒ ኢኹም ወይ እውን ምስ ብዙሓት ነውግዕ ኢና። ብዛዕባ ዕላማ ብዙሕ ክብል ኣይደልን። ትኽክል እዮም ወይ ኣይኾኑን ንምባል ብጣዕሚ ዝኸብደኒ ነገር ኣለዎ።

ቅድም ክብል ከምተጋሩ ብእሂን ምሂን እምበር ብብረት ዝፍታሕ ክህልወና የብሉን ዝብል ጽኑዕ እምነት ነይርኒ።

እዚ እውን እንተኾነ ብረት ንተጋሩ መጠፋፍእን መፍትሒ ኽኾውን የብሉን ይብል። ሓንቲ ነገር ክነስተበሃለሉ ዘለና ሰላማዊ ቓልሲ እንተተዓጽዩ ብዙሕ ናይ ቓልሲ ሜላ ተናዲ ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ገዛ እናሃለኻ ገዛኻ ተተቓጺሉ እሞ ድማ በሪ ተተዓጽይኻ ብመስኮት ወይ ኣፍሪስካ ክትወጽእ ኢኻ። መማረጺ ዘይብሉ ነገር መማረጺ ክትእልሽ ግድን ይኾውን። እዚ ማለት ንቲ ናይ ሓራ መሬት ዝብልዎ ቓልሲ ይድግፍ ማለት ኣይኾነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ነገር ዘይወሓጡለይ ነጥቢታት ኣለውኒ። ግን ተጋግዮም እዮም ኣይብልን። ንዒቅኻ ዝሕለፍ ኣይኾነን። ባንዳታት እዮም ወይ ባንዳታት እዮም ዝመርሕዎ፣ ውሑዳት እዮም ተበሃይሉ ዝሕለፍ ኣይኾነን።

#ታሪኽ 17 ዓመት 11 ሰባት እሞ ድማ ልምዲ ናይ ውትድርና ዘይብሎም ንዓወት እንተበጺሖምም ብዙሕ ልምዲ ዘለዎምን ብዙሕ መንእሰይ ወይ ህዝቢ ቅሬታ ኣብዘለዎ ኾይንካ እንታይ ይፍጠር ዝብል ምሕሳብ ኣድላይ እዩ። ብገታር ኣካይዳ እንታይ ከየምጽኡ እንትብል መሪሕነት ኣይትሰሓሓት።

ከምተጋሩ ዕርቂ የድልየና። በትሪ ሒዝካ ንዓግጠም እንተኢልካዮ ኣይገጥመልካን። ብሓሳብ ምሽንናፍ ክንለምድ ይግባእ።

26/05/2025

ጽምዶ ምስ ሸዓብያ!!
#ሓደ ሓረስታይ ጽቡቕ ሓራሳይ ብዕራይ እንተሃልይዎ ምስ ዒባራ ወይ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ብዕራይ ኣይላፈንን።

ምስ ዝጠቕሞን ኣጸቢቑ ክሓርሰሉ ዝኽእልን መጻምዲ እዩ ዝላፈን።

ናይ ሸዓብያ ጽምዶ እውን ምስ ዒባራ ብዕራይ ምልፋን እዩ።

ዘዝቐደመ ዝተዓሸውናዮ ይኣኽለና!! #  #ስልጣን ክትድፋእ ከለኻ ሃገር ንመስርት ወይ ንነጻነት ንጉዓዝ ስልጣን ክጥዕመኻ ወይ ክትቆጻጸር ከለኻ ኢትዮጵያ ንሕና ኢና መስሪትናያን ኢትዮጵያ ኩሉ ...
15/05/2025

ዘዝቐደመ ዝተዓሸውናዮ ይኣኽለና!!
# #ስልጣን ክትድፋእ ከለኻ ሃገር ንመስርት ወይ ንነጻነት ንጉዓዝ ስልጣን ክጥዕመኻ ወይ ክትቆጻጸር ከለኻ ኢትዮጵያ ንሕና ኢና መስሪትናያን ኢትዮጵያ ኩሉ መነኣ ንተጋሩ ትመስልን እያ፣ ኣንዳዕዲዕና ክነብረላ ኢና ወዘተ እናበልካ ሃገር ኣይምስረትን።

2013ዓ/ም መጀመርያታት እውን ንሃገርነት ከምንዋጋእ ዘለና ተሓቢሩ ደሓር ኩሉ ነገር ተገዲፉ ኣራት ኪሎ ምጥማት ተጀሚሩ እዩ። ዝኩለይ መላምል ዝረገፍሉ ቓልሲ ብኣንጻር ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘሎ ንብረትካ ምውሳን ተጀሚሩ።

ሕዚ እውን ንናጻነት ጠምት ወይ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ብሕታዊ ኣማራጺ ዝብል ምክንያት ናይ መንእሰይ መለዓዓሊ እምበር ሓቃዊ ቓልሲ ኣይኾነን።

በቲ ዘሎ ሃዋህው ሃገርንነት ንደቅና ምግዳፍ ይሓይሽ። በለጸኛ ዝበዝሓ ትግራይ ሒዝኻ ንሃገርነት ወይ ነጻነት ዝብል ትርፉ መስዋእቲ እዩ። Báshá Déstá ንዓ ንትግራይ እሞ ሓቢርና ክንቃለስ!!

02/05/2025

ትውልድኻ ትግራዋይ እንተኾይንካ ትግራዋይ ኢኻ። ትግራዋይነት ዝባርኸልካ ሰብ የለን። ብስራሕኻ ዝወሃብ መንነት የለን። ግብርኻ መሰረት ብምግባር ውልቓዎ ባህርኻ ወይ ስራሕኻ እዩ ዝግለጽ እምበር መንነትካ ኣይግለጽን።

14/04/2025

#ሕዚ ትግራይ ብወታደራዊ ዲያ ትምራሕ ዘላ? ብዝኾነ ወታደራዊ ኣሰራርሓ ንበዓሉ እምበር ንሰባት ወይ ህዝቢ ኣየዳምጽን።

በዓሉ ዝሓሰቦ የተግብር እምበር ናይ ሰባት ወይ ህዝቢ ኣየተግብርን።

ብግበር ኣይትግበር ተሞክሮ ዝመጸ ሓይሊ ስምዒት ህዝቢ ኣይርዳእን።

 #ተናቢብኩም ሓብሬታ ኣውጽኡ። ንግዲ ቢሮ ነዳዲ ምእታው ኣቛሪጹ ይብል። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ድማ ብዘይሕጋዊ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ነዳዲ ረኺበ ይብል። ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ነዳዲ ዕደላ መንግ...
25/03/2025

#ተናቢብኩም ሓብሬታ ኣውጽኡ። ንግዲ ቢሮ ነዳዲ ምእታው ኣቛሪጹ ይብል። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ድማ ብዘይሕጋዊ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ነዳዲ ረኺበ ይብል።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ነዳዲ ዕደላ መንግስታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ስርቆት ኣሎ እዩ። ቐትሪ ነዳዲ ትርእይ ለይቲ ተወዲኡ ይሓድር። ፍቓድ ብዘይኣግባብ ዝህብ ንግዲ ቢሮ እዩ። ዋላ ፍቓድ ኣይሃብ ብሰናይ ድሌቶም ነዳዲ ይዕደል።

#ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ጀሪኻን ጠጠው ዝበለ ትርእይ። ንምንታይ ? ዝመጸ ነዳዳ ብዘይሕጋዊ ይሽጥ ከምዘሎ የመላኽተኻ።

ሕዚ እውን ዘይሕጋዊ ነዳዲ ሒዝና ዝብል ንሰርሕ ኣለና ንምባል ይመስል ብግልጺ ኣብ ጎደናታት ተዘርጊሁ ይሽየጥ እዩ።

 #መብዛሕትኡ ኣብ መሪሕነት ዝርከብ ሰብ ኣብ ሓላፍነት ጸገም እንትገጥሞ ቖላሕ ኢልዎም ዘይፈልጥ ከባቢኡ ምልዓል ይጅምር። ካብ ውልቓውን ቐረበ ቤተሰቡን ምህፍታም  ሓሊፉ ጥር ትብል ስራሕ ዘይ...
23/03/2025

#መብዛሕትኡ ኣብ መሪሕነት ዝርከብ ሰብ ኣብ ሓላፍነት ጸገም እንትገጥሞ ቖላሕ ኢልዎም ዘይፈልጥ ከባቢኡ ምልዓል ይጅምር። ካብ ውልቓውን ቐረበ ቤተሰቡን ምህፍታም ሓሊፉ ጥር ትብል ስራሕ ዘይሰርሓሎም ወዲ እዚ እየ፣ ከምዚስለዝኾንኩ ከምዚ ገጢምኒ ወዘተ ዝብሉ መርዚ ምልቓቕ ይጅምር።

ወዲ ወረድ እውን ዋላ ኣፉ ዘውጽአ ከምዚ ኣይበሃል ተመሳሳሊ ታህዝቶ ዘለዎ ወስ ኣቢሉ ኣሎ።

#ናይ እንደርታን ራያን ጸገም ዝለዓለ ምኳኑ ወዲ ወረደ ተዛሪቡ። ብፍላይ ድማ ናይ እንደርታ ህዝቢ መረረት ካብ ቤተ ሰብ ከምዝሰምዖ ወይ ከምዝሕብርዎ ገሊጹ። እወ ኣብ ራያ ከባቢ ናይ መሬት ኢንቨስትመንት ኣሎ፣ መንእሰይ ዳርጋ መማዓደዊ እዩ ፍትሓዊ ተጠቓምነት የለን።

#ናይ እንደርታ ከባቢ እውን ምስ መቐለ ዕቤት ዝተተሓሓዘ ሓረስታይ ብዘይረብሕ ካሕሳ መሬት ይስነ ኣሎ። ብዙሓት ጸገማት ኣብ ካሊእ ከባብታት ትግራይ እውን ኣለው።

#ልምዓት ዝብሃል ዘይብሎም ኣብ ከባቢ ተንቤን ኣለው።

እንተኣኮነ ግን ሓቂ ወዲ ወረደ ሕዚ ዲኻ ሰሚዕካ? ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ብዙሕ እዩ። ብቐሊሉ ትምልከቶ እዩ። ቤተሰብ ስለዘለውካ ዲኻ ሰሚዕካ?

ህዝቢ ትግራይ መበለጺ ኣይትግበርዎ። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዓይነት ጸገም ኣሎ። ንፍትሓዮ!!

15/03/2025

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምልቃቕ ምስ ፌደራል ንዘራረብ ኣለና? እዚ እኹል ድዩ? ንዓይ ግበረኒ ምባል ረብሓ ህዝቢ ይረጋገጽ ዶ?

እዚ እኹል ኣይኮነን። ፕረዚደንት ቐይረልና ኣይኾነን ክብሃል ዘለዎ። መሬትናን ተመዛበልትን መልሰል እዩ። እዚ ንምግባር ፕረዚደንት ድኹም እዩ ዝብል እንተሰዓበ ጸገም ኣይኮነን።

15/03/2025

መግለጺ ወዲ ወረደ ጃላ እዩ።
===================
#ቐደም ቖልዑ ኾይንና ድፍኦ ዶ ቕልዖ ዝብል ብመልጎም ጠላዕ ወይ ቑማር ንጫወት ነይርና። ብጣዕሚ ተንኮለኛ ወይ ጽቡቕ ክእለት ዘለዎ ሰብ እታ መልጎም ጃላ ገይሩ ይደፍኣ። ንስኻ ምስ ገመትካ ድፍኦ ወይ ቅልዖ ምስበልካ ቐስ ኣቢሉ ናብቲ ዝደልዮ የውድቖ።

#ናይ ወዲ ወረደ መግለጺ እውን ጃላ እዩ። ግልጽነት ዝረሓቖ፣ ዝኾነ ረብሓ መሰረት ዝገበረ እዩ። እዚ እንተይለ ምስዚ ከይበኣስ ዓይነት እዩ።

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru:

Share