
02/06/2025
ጽምዶ!!
#ትግራይን ኤርትራን ንምትዕራቕ ዓይነት ዝመስል ምስ ሸዓብያ ጽምዶ ዝብሉ ወግዕታት ኣለው። ክልቲኡ ህዝብታት ብኣጋጣሚ ኾይኑ ጎረባብቲ ምዃኑ ኩሉ ግዜ ተበኣይሱ ክነብር የብሉን ዝብል ቕዋም ኣለኒ። ዕርቐ ሰላም ክህሉን ሓበራዊ ረብሕኡን ከረጋግጽ ኣለዎ።
እዚ ክብል ከለኹ ግን ክልተ ኣክቲቪስታት ወይ ውሱናት መራሕቲ ዝምዶ ስለዝበሉ ክዕረቕ ማለት ኣይኾነን። ሸዓብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይዛሪ በደልን ግፍዕን ፈጺሙ እዩ። እዚ ብቐሊሉ ጽምዶ ኢልካ ክጠፍእ ኣይኽእልን። ኣብ ክንዲ ተሰሓሒትናን ይቕርታ ክንክሕስን ኢና ዝብል ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞ ግፍዒ ኣየናስሐን እናበለ ሰላም ክኾውን ኣይኽእልን።
ናይ ትማሊ ደም ህዝብና ዘይደረቐ ጽምዶ ምባል ሰበድበድ እዩ። ኣብ ኣክሱም፣ ማርያም ደንገላትን ካልኦትን ዝተፈጸመ በደል ካሕሳን ይቕሬታን ክረክብ ይግባእ።