Vot Entertainment

Vot Entertainment ድምፂ ተጋሩ | Voice Of Tegaru
Tdf Consists News, Music, Movie and Documentary in Tigrgna and other Lan

26/05/2026

Welcome to VOT NEWS YouTube channel. We Offer Latest , trusted and high quality content regarding Tigray, Ethiopia and horn Africa (Sudan , Eritrea , Kenya, ...

28/11/2025
ተጋዳላይ ፍስሃ በየነ(ወርቀ ዓይኑ)ዋና ኣዛዚ ኣርሚ-11 መን እዩ?ህይወቱ ምሉእ ኣብ ገድሊ ትግራይ ዘሕለፎ፣ ዕሸል ንእስነቱ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ህወሓት ኣወፍይዎ፣ ድሕሪ ደርግ ምድምሳስ እዋን ...
09/11/2025

ተጋዳላይ ፍስሃ በየነ(ወርቀ ዓይኑ)
ዋና ኣዛዚ ኣርሚ-11 መን እዩ?

ህይወቱ ምሉእ ኣብ ገድሊ ትግራይ ዘሕለፎ፣ ዕሸል ንእስነቱ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ህወሓት ኣወፍይዎ፣ ድሕሪ ደርግ ምድምሳስ እዋን ወራር ሻዕብያ 'ውን መራሒ ኮይኑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን፣ ኣብዚ ፅንተታዊ ውግእ እንተኾነ ካብ ጫፍ ምዕራብ ትግራይ ክሳብ ጫፍ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ግብሪ ሓይሊ 205 ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበረት በርጌድ/ኣሃዱ መሪሑ ገዚፍ ጅግንነት ዝፈፀመ ብሉፅ ተጋዳላይ እዩ።

ተጋዳላይ ወርቂ ዓይኑ ኣብዚ መኸተ ንክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ውግኣት ደብረ ኣባይ፣ ጅዋመረ፣ወርቀዲኖ፣ ሳምረ [ዓዲ ዓውሶ]፣ ሓውዜን ድጉም ካልኦት ከባቢን፤ ስዒቡ ኣብ ኣርሚ-1 ንኮር-101 ሒዙ ወፍሪ ኣሉላ፣ ግንባር ፀለምቲ ክሳብ ዳባት፣ ብምቕፃል ንኣርሚ-11 መሪሑ ልዕሊ 1ዓመት ኣብ ግንባር ዓደርቃይ ዝተገበሩ ውግኣት ብመሪሕነት ኣርሚ መሪሑ ዘዋግአ ጅግና ተጋዳላይ እዩ። ተጋዳላይ ወርቀ ዓይኑ ኣብ ውግኣት ቅድምን ሎሚን ብዙሓት ከበድቲ መውጋእቲ ኣጋጢሞሞ እዮም። ዳርጋ ምሉእ ኣካሉ ውጉእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ከቢድ መውጋእቲ ምእንተ ትግራይ ደው ኢሉ ይጋደል 'ሎ።

መልዐሊ ነጥበይ ኣነ ተጋዳላይ ኮይነ እንትጋደል ኣብ ግዘ ገድለይ ናተይ ኣርኣያን ብሉፅን መራሒ እንኮ ተጋዳላይ ወርቀ ዓይኑ እዩ። መመስገኒ ምኽንያት ኣለኒ። ፖለቲካዊ ዓቕሙ፣ ብልሒ መሪሕነት ኣሃዱኡ፣ ከም ኣርሚ ብኣባላት ተጋደልቲ ኣዝዩ ዝፍቶን ዝኽበርን፣ ወታደራዊ ብቕዓትን ጥበብን ዓትዒቱ ዝፈልጥ፣ ኩነት ዘንብብ ዝርዳእን ቅልጡፍ መፍትሒ ዘናዲ ጅግና ተጋዳላይ ፍሰሃ በየነ(ወርቂ ዓይኑ) ክባርን በዓል ገዚፍ ታሪኽ ተጋዳላይ እዩ። ብዙሓት ሰባት ዘይፈልጥዎ ግን ድማ ወርቃዊ ዝኾነ ታሪኽን ስብእናን ዘለዎ፣ ህዱእን መስተውዓልን ታሪኽ ክትፅሕፉ እትደልይዎ ካብቶም ትግራይ እትምከሐሎም መራሕቲ ሓደ እዩ ሞ ንውርሲ ወሎዶ ታሪኽ ትማልን ሎሚን ቀሪብኩም ሕተትዎ።

ቅድሚ ሕዚ ኣየመስገንኩን ሞ በዚ ዕለት ንጅግና መራሒና ወርቀ ዓይኑ ከመስግኖ ይፍቐደለይ!

ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ዋና ኣዛዚና ኣርሚ-11 ጀነራል ፍሰሃ በየነ(ወርቂ ዓይኑ)
(ል.በ፦ እዚ ብናተይ ዓቕሚ መርአዪ ብሉፅነቱ ምስክርነት እዩ)

ሰናይ ሰንበት!

ባራኺ ወዲ ኣሌ የቐንየልና ብፃይ። ጀጋኑና ምስተሰውኡ ዘይኮነስ ብሂወት እናሃለው እውን ክነመስግኖምን ጅግንነቶም ክንገልፆን ይግባእ።

ከምዚኦም ዝበሉ ጀጋኑ ኣብ ሕድ ሕድ ሰራዊት ትግራይ ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ክሳብ እግረኛ ኣለው። TDF ናይ ከምዚኦም ዝበሉ እኩባት እዩ። ነዚ ሰራዊት እዚ እናተፃረፍና እንድግፎ፥ ሽማሽም እናወፀልና እንከላኸለሉ እቲ ሰራዊት ብደገ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ኮይንና ስለእንፈልጦ እዩ።

ክብሪ ንኹሉኹም ኣባላትን ኣዘዝትን ሰራዊትና !!

!!

09/11/2025

#ሓበሬታ
Abiy Ahmed Ali ድሮናቱ በቢመዓልቱ መቕመጢአን ይቐያይረን ኣሎ። ንኣብነት ብዜጋታት UAE operate ዝግበራ CAIG Wing Loong ዝዓይነተን 8 ድሮናት ኣብ ኣ/ኣበባ ፍሉይ ሽሙ ሃረር ሜዳ የቕምጠን ነይሩ። እተን 4 ናብ ደብረዘይት ሓይሊ ኣየር ኣዛዊሩወን ኣሎ። Swarm Drones ዝተብሃላ ካብ ጌጥነት ናብ warfare droneነት Modify ዝገበረን ናይ RPG ቁምቡላ ዝስከማ ኣናእሽቶ ድሮናት ድማ ናብ ከተማታት ባ/ዳር ፥ ጎንደርን ሰመራን ኣንቀሳቒሱወን ኣሎ። ብዘይ ካዚ መዕረፎ ነፈርቲ ሲቪል ኣቬሽን ኮምቦልቻ ፥ ሰመራን ጎንደርን ንሚግ [ጀት] ክጥቀመሎም ከምዝኽእል ብውሽጢ ዝበጸሓኒ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከባቢ 250 ክኢላታት ናይ ኲናት ድሮንን ኣብረርቲ ናይ ኲናት ነፈርትን ከምዝቖጸረን ካብዚኦም ድማ 40 ዜጋታት UAE ፥ 10 ዜጋታት ቱርኪ ፥ 10 ዜጋታት ቻይና ፥ 2 ዜጋታት ዩክሬን 1 ዜጋ ደቡብ ኣፍሪቃ ይርከቡዎም። ሎሚ ቕነ [ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ክሳብ ትማሊ ቀዳም] እዞም ክኢላታት ኣብ ከባቢታት ቢ/ዳር ፥ ጎንደር ፥ ኮምቦልቻ ፥ ሰመራ መዕረፎ ነፈርቲ ዑደት ከምዝገበሩ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
Dedebit Media ደደቢት ሚድያ

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Vot Entertainment posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Vot Entertainment:

Shortcuts

Share