ALT MEDIA

ALT MEDIA እዋናዊ ዜና፣ ፍፃመ፣ ሓበሬታታትን መዘናግዒታትን ንምርካብ ቤተሰብ አልት ሚድያ ይኹኑ!

12/08/2026

"ባጫ አተላ ነው!" - ጋዜጠኛ ቴድሮስ ፀጋዬ

11/08/2026

ሰራዊት ትግራይን ኤርትራን‼️

09/08/2026

"ናይ ሎሚ ባንዳታት ንግዲ ፍቓድ ዘውፅኡ እዮም ዝመስሉ"
ኣይተ ጎዲፋይ ጥላሁን ኣብ ጉዳይ ባንዳነት ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ 👇

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ‼️----------------------------------------------------------------ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ኣብ ዞባ ም...
08/08/2026

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ‼️
----------------------------------------------------------------
ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሸረሪና ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ብዝኸፈቶ ውግእ ብጅግና ሰራዊትና ተመኪቱ ብዙሕ ሞት፣ መጉዳእትን ከቢድ ስዕረትን ኣተኣናጊዱ እዩ።

ስለዝኾነውን ዝበፅሖ ኪሳራ ንምክሕሓስ፣ ሞራል ሰራዊቱ ንምፅጋንን ህዝቢ ንምድንጋርን ብዝተፈላለዩ ድራማታትን ዶክመንተሪታትን ስዕረቱ ንምሽፋን ላዕልን ታሕትን ይብል ከምዝቐነየ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ።

ናይ ዙይ መቐፀልታ ድማ ብተለኣኣኽቱ ኣቢሉ ናይ ሕሶት ወረታት፣ ስእሊታትን ቪድዮታትን ብምፍጣርን ምውዛዕን ህዝቢ ንምድንጋር ብስፍሓት ይሰርሕ ኣሎ።

ካብዙይ ብተወሳኺ እዚ ካብ ኩናትን ህውከትን ወፃኢ ክነብር ዘይኽእል ጀኖሳይደር ስርዓት ሕዚውን ናብ ኩሎም ወሰናስን ትግራይ በዝሒ ሰራዊት ብምጉዕዓዝ ቦታ ኣመዓራርዩ ኩናት ንምጅማር ተዳልዩ ይርከብ።

ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ይኾነለይ ኣብ ዝበሎ ብሓይሊ ብረት፣ ምዃን ኣብ ዝኣበዮ ድማ ሰላም ከም ስልቲን ኣንፈት መቐየሪን እናተጠቐመ እዩ መፂኡ።

ብቐንዱ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስሩዓት ሚድያታቱን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ነጠፍቱን ብዙሓት መደናገርቲ ወረታት እናወዘዐ ኣብ ልዕሊ ቃልሲ መኸተ ንብሄራዊ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምዕራፍ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ቕንያት እዙይ ድማ ደላዪ ሰላም ንምምሳል መሸማገልቲ ንትግራይ ከምዝመፁ፣ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብውን ንሰላማዊ ዝርርብ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ብምምሳል ብሰፊሑ የደናግር ኣሎ።

ከም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኩሉ ግዜ ንሰላማዊ ዝርርብ በርና ክፍቲ እኳ እንተኾነ ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ግን ካብ ንሰላም ንኹናትን ህውከትን ይሰርሕ ከምዘሎ ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ይግባእ።

ስለዝኾነውን መላእ ህዝብና፣ ሰራዊትናን ፈታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብናይ ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ምድንጋራት ከይተታለለ ሓድነቱ ኣስጢሙ ኣብ ቃልሲ ብሄራዊ ህልዉናኡ ንኽዓስል እናፀዋዕና ኣገደስቲ እዋናዊ ሓበሬታታት ብተኸታታሊ ናብ ህዝብና እናብፃሕና ከምንኸይድ ነፍልጥ።

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!

ቢሮ ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ

2 ነሓሰ 2018

መቐለ

08/08/2026

"ዘመን መፀ እናተረገፀ ኣይነብርን መንእሰይ ትግራይ ፡ ሃገር ክንከውንን ኢና!"
ስምዑዎ 👇

07/08/2026

"ባንዳ ወዲ ባንዳ ስርዓት ሓዝ"
- ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል 👇

07/08/2026

"ካብ ስርዓት ብልፅግና ሰላማዊ መፍትሒ ኣይርከብን ... ጠሓሒነ ክገዝእ'የ ዝብል መንግስቲ እዩ"
- ዶ/ር ደብረፅዮን 👇

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ዓዶም ክምለሱ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ፀዊዑ። ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲታት ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ...
06/08/2026

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ዓዶም ክምለሱ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ፀዊዑ።

ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲታት ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ብሰላም ናብ ዓዶም ክምለሱ ፃዊዒት ዘቕረበ እንትኸውን ነዚ ኣመልኪቱ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሎሚ መብርሂ ሂቡ።

ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ተሰሊፎም ዝርከቡ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ዓዶም ክምለሱ መፈፀሚ ማንዋል ወፂኡ ኣሎ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም።

ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ቦታታት ብሹመት ዝሰርሑን ኣመራርሓ ዝነበሩን ከምኡ እውን ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝነበሩ ፃዊዒት ተቐቢሎም ስልጠና ወሲዶም ናብ ቤት ዕዮኦም ክምለሱ መስርሕ ወፂኡ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ተወልደብርሃን ሹመኛታት ዝነበሩ ድማ ፃውዒት ተቐቢሎም ኣብ ዝምጥኖም ቦታ ክምደቡ እዮም ኢሎም።

ፃዊዒት ተቀቢሎም ዝተመለሱ መናእሰይ፣ ሓረስቶት፣ነጋዶ ምልሻ ድማ ዘለው ዕድላት መማረፂታትን ክርብሑ ኣብቲ ማንዋል ተቀሚጡ ከምዘሎ ገሊፆም።

ተመለስቲ ሰራዊት ዝምልከት ብመሰረት እቲ ዝወፀ መፈፀሚ ማንዋል ተራእዩ ተረባሕቲ ዝኾኑሉ መስርሕ ተመቻችዩ ከምዘሎ እውን ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም አረዲኦም።

ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምሕላው፥ሕገመንግሰታዊ መሰል፣ ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነትን፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ምምላስን ዝብል እዩ ዝበሉ ኣይተ ተወልደብርሃን ዕጡቓት ሓይልታት ብሰላም ዓዶም ክምለሱ ፀዊዖም።

እዚ ወፂኡ ዘሎ ማንዋል ድማ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ከምዝፍፀም ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ሓቢሮም።

© Tigrai Television

"ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ንምቕባር ዝተጀመረ ምሕዝነት ክጠናኸር ኣለዎ"         ውዱብ ኣኽሱማይ ዋዕላኣቦ ወንበር ውዱብ ኣኽሱማይ ዋዕላ ዶክተር ሰለሙን ባርነባስ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ...
06/08/2026

"ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ንምቕባር ዝተጀመረ ምሕዝነት ክጠናኸር ኣለዎ"
ውዱብ ኣኽሱማይ ዋዕላ

ኣቦ ወንበር ውዱብ ኣኽሱማይ ዋዕላ ዶክተር ሰለሙን ባርነባስ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናትን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን እናሰርሐ እዩ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ 45 ምኢታዊ መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ፀላኢ ከምዘሎ፣ ተመዛበልቲ ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ከምዝረከቡን ሕቶታት ህዝቢን መንግስቲ ትግራይ ከምዘይተመለሰ እውን ገሊፆም።

ይኹን እምበር ፀላኢ ንምምካት፣ ሃለዋትን ደሕንነትን ንምርግጋፅን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝገለፁ ዶክተር ሰለሙን መናእሰይ እቲ ፃዕሪን ኣሰላለፋ ዓለምን ከባቢን ብምግንዛብ ኣብ ጎድኒ መንግስትን ሰራዊት ትግራይን ብምስላፍ ግድኦም ክዋፅኡ ሓቲቶም።

ሕዝውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘጠናኽሩ ርክባት ምስ መሓዙት ቃልሲ ክጠናኸር ምስ ኤርትራ ዝህልወና ምሕዝነትውን ክብርኽ ይግባእ ኢሎም

ዶክተር ሰለሙን፤ ኣሰላለፋ ፖለቲካ ዓለም ይቀያየር ስለዘሎ ኩነታት ዓለምን ከባቢያውን ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ሃለዋትን ደሕንነትን ትግራይ ንምርግጋፅ እቲ ዝተጀመረ ቃልሲ ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውዱብ ኣይተ ነጋሲ ገ/ትንሳኤ ብወገኖም ፀገማት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዓለም ንትግራይ ከምዝሓሰያ ገሊፆም።

ብልፅግና ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝሰርሕ ዘሎ ፀላኢ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር ምስ ፀላኢ ኮይኑ ዝትኩስ ፀላኢ ከምዝኾነን ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝሰርሕ ፈታዊ መሓዛ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ፀላኢ ንምድምሳስ ዝተጀመረ ምሕዝነት ትኽክለኛን ተጠናኺሩ ክቕፅልን ዝግብኦ ምዃኑ ሓቢሮም።

© ድወት

ልሳን ሰብ ፅኑዕ ኪዳን ሚድያ ቲዲኤፍ ጀሚሩ‼️--------------------------------------------------------ህዝቢ ትግራይ ንኣእላፍ ዘበናት ኣንፃር ሃለዋቱን ድሕንነ...
05/08/2026

ልሳን ሰብ ፅኑዕ ኪዳን ሚድያ ቲዲኤፍ ጀሚሩ‼️
--------------------------------------------------------
ህዝቢ ትግራይ ንኣእላፍ ዘበናት ኣንፃር ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንዝተፈነዉ ሓደጋታት ብሓቦን ፅንዓትን፤ ብቓልስን መስዋእትን ፤ ብጥበብን ትምህርትን እንትምክት ጫፍ ብልሒ መኸትኡ ሰብ ፅኑዕ ኪዳን ተጋደልቲ ትግራይ እዮም።

ቅያ ሕሉፉን መፃእን ናይዞም ክብሮምን ዝኽሮምን ነቕ ዘይብሉ ዋልታ ህዝቢ ትግራይ ተጋደልትን ደጀንን ንኽስነድን ክዝንቶን ፤ ልሳን ሰብ ፅኑዕ ኪዳን ተጋደልቲ ትግራይ ዝኾነ ሚዲያ ቲዲኤፍ ምፍላሙ እንትነብስር ብልዑል ክብሪ እዩ።

ታሪኽ ፣ ክብርን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልቦና ወለዶታት ብኽብሪ ክቐርፅን ከስርፅን፣ህላወ፣ ሉኡላውነት፣ ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ብምሕላው ሕድሪ ስዉኣት ንክኽበር፣ ቃል ኪዳን ንኽፀንዕ፣ስርሒት ሰራዊት ትግራይ ክስነድ፣ ኣብ ትግራይ ብኹሉ መዳይ ቅቡልነት ዘለዎ ብሄራውን ኣድማሳውን ክብርን ኣመኔታን ዝጎናፀፍ ሚዲያ ሰራዊት ቲዲኤፍ እንሆ ተጋሂዱ ኣሎ።

ንባህልና ዘጠንክሩ ንተዘክሮታትና ዝዕቅቡ ፤ ንተቓላሳይ ህዝብና ፣ ንተባዕ ሰራዊትና ዘኽብሩ፣ ውርሲ ዘቐፅሉ ንጀጋኑ ስዉኣትና ልዑል ክብርን ሞሳን ዝህቡ ፣ብፍልስፍናዊ ፣ ስነ ፅሑፋውን ስነ ጥበባውን ብልዑል ምህዞን ኣቀራርባን ትረኻታት ቅያ ህዝብን ሰራዊትን ብምፍናውን ዜና ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሰዓቱ ብምቅላሕ ልሳን ሰብ ፅኑዕ ኪዳን ኮይና ክትቅፅል እያ።

ነዚ ናይ ኹልና ሚድያ subscribe, Follow,Like,Share ብምባል ቤተሰብ ናይዚ ሰናዲ እዚ ድሙቕ ታሪኽ ዝኾነ ሚድያ ኹኑ።
ኤዲቶርያል ሚዲያ ቲዲኤፍ

https://youtu.be/KUhSXt8_7gg

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ALT MEDIA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share