ALT MEDIA

Directions Website

ALT MEDIA እዋናዊ ዜና፣ ፍፃመ፣ ሓበሬታታትን መዘናግዒታትን ንምርካብ ቤተሰብ አልት ሚድያ ይኹኑ!

16/10/2026
24/09/2026

ሰበር ዜና‼️
--------------
ሰራዊት ትግራይ መጥቅዒ መስመራት ፀላኢ ተቖፃፂሩ!
------------------___
እዋናዊ መግለፂ ማእኸል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ 👇

24/09/2026

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሸቐጣሸቐጥ፣ እኽልን ጥረምረን ዝሓብኡን ዝተጋነነ ዋጋ ዝውስኹ ዘለዉን ስሱዓት ነጋዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ!

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፅሞም ደብዳባት ድሮን ከምዘተሓሳሰቡዎ ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ‼️ሕብረት ኣውሮፓ፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፅሞም ደብዳባት ድሮን ከምዘተሓሳ...
24/09/2026

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፅሞም ደብዳባት ድሮን ከምዘተሓሳሰቡዎ ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ‼️

ሕብረት ኣውሮፓ፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፅሞም ደብዳባት ድሮን ከምዘተሓሳሰቡዎ ብምግላፅ ድሕንነት ሰላማውያን ሰባት ውሑስ ንክኸውን ኣተሓሳሲቡ።

ሕብረት ኣውሮፓ ሎሚ 14 መስከረም 2019 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይፍፅሞም ዘለዉ ደብዳባት ድሮን ከምዘተሓሳሰቡዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት፥ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተዓናቕፉ ተግባራትን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘብፅሓ መካይን ዝፍፀም ደብዳብ ድሮንን ብትሪ ኮኒኑ ኣሎ።

ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ወሳንን ንዋጋ ዕዳጋ ዘዪቐርብን እዩ ዝበለ እቲ ሕብረት፥ ኣብ ትግራይ ውሑስነት ሰላማውያን ሰባት ክረጋገፅን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንጥፈታቶም ንከይተዓናቐፍን ፀዊዑ።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ትግራይ እናተጋደደ ይኸይድ ዘሎ ኩነታት ክሃድእ ድሕሪ ምፅዋዕ ዝተፈጠሩ ፀገማት ብልዝብ መፍትሒ ንክናደየሎም ኣተሓሳሲቡ።

A response to the African Union recent press release from Tigray Regional Government Communication Beauro‼️
24/09/2026

A response to the African Union recent press release from Tigray Regional Government Communication Beauro‼️

24/09/2026

"ታሪክ ይቅር አይላቸውም" - ልደቱ አያሌው
----------------------------------------
"አንዳንድ የትግራይ ልሂቃን ከአገዛዙ ጋራ ቆመው አሁን ድሮን አስቶኳሽ ሆኗል። በራሳቸው ህዝብ ላይ ጭፍጨፋ እንዲፈፀም የፈረዱ ሆኗል። ታሪክ ይቅር አይላቸውም። ህዝቡ ይቅር አይላቸውም።"
አቶ ልደቱ አያሌው 👇

23/09/2026

TDF - መድሕን ትግራይ‼️

እዋናዊ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ‼️
23/09/2026

እዋናዊ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ‼️

23/09/2026

ሰበር ዜና‼️
ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ብልፅግና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራር ጀኖሳይድን ንኽምክት መምርሒ ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ከምዝኣተወ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ!

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ‼️---------------------------------------------ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ውልቀ-መላኽን ጀኖሳይ...
23/09/2026

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ‼️
---------------------------------------------
ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ውልቀ-መላኽን ጀኖሳይዳውን ስርዓት ብልፅግና ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጥቃም ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ከካይዶ
ዝፀንሐ ተግባራት ጀኖሳይድ ብምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ብነፈርትን ድሮናትን ብምድብዳብን
ኣብ ገሊኡ ድማ ቅሉዕ ውግእ ብምኽፋትን ብዙሕ ጉድኣት ከብፅሕ ከም ዝፀንሐ ይፍለጥ። እንተኾነ ግና ብወገን
መንግስቲ ትግራይ ንተደጋጋሚ ተፃብኦታትን ትንኮሳታትን ፀላኢ ግብረ-መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ነቲ ከይዲ
ብዕምቆት ክሪኦን መዘሓሓሊ ስራሕቲ ክሰርሕን እዩ ፀኒሑ።

ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ከየፅነተን ከየምበርከኸን ክዓርፍ ዘይደሊ እዚ ጀኖሳይዳዊ ስርዓት መቐፀልታ ናይቲ ትማሊ
ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም ብነፈርቲ፣ ድሮናትን መዳፍዕን ከካይዶ ዝውዓለ ፅዑቕ ደምዳባት ሎሚ ድማ
ብእግረኛ ተሰንዩ ኣብ ልዕሌና ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከፊቱ ኣሎ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ዋልታ ህልውናን
ድሕንነትን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊትና ኣብ ልዕሌና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራር ጀኖሳይድን ንኽምክት መምርሒ
ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ኣሎ።

ከም ህዝቢ ከጥፍአና ዓሊሙ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዘይምቁራፅ ጀኖሳይድ ክፍፅም ዝፀንሐ ውልቀ-መላኺ
ኣብይ ኣሕመድ ሐዚ ከፊትዎ ዘሎ ካልእ ዙር ወራር ጀኖሳይድ ብዝልዓለ ፅንዓትን ተወፋይነትን መኪትና ህልውናና
ከም እነረጋግፅ ኣየጠራጥርን። ስለ ዝኾነ ሰራዊትና፣ መላእ ህዝብናን መሓዙት ቃልስናን ሓድነቶም ኣስጢሞም
ቃልሶም ከጠናኽሩ ንፅውዕ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፅእን እትነብር ህዝብና ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ጎኒ ጅግና
ሰራዊትካ ተሰሊፍካ ካባኻ ዝሕተት ኩሉ ከም እትፍፅም ንተኣማመን።

ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ወራርን ዝካየድ ዘሎ መኸተን ዝምልከት ብዝምልከቶም ኣካላት እዋናዊ መብርህታት ዝውሃብ
ኮይኑ፤ ንወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት፣ ወፍርታትን ስርሒታትን ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ወፃእ
ምፍናው ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ውልቀ-መላኽን ጀኖሳይዳውን ስርዓት ብልፅግና ንዓለማዊ ሕግታት ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ብምጥሓስ
ክፍፅሞም ዝፀንሐ ገበናት ብምጥንኻር ሐዚ ድማ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን መሰረተ ልምዓትን ክቋረፅ ገይሩ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ “ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንፃፍ” ብዝብል ኣተሓሳስብኡ ዝፍለጥ ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ተወሳኺ ገበናት ካብ ምፍፃም ክዕቀብ ዘይኽእል ምዃኑ ብምግንዛብ መላእ ህዝብና ዘድሊ ጥንቃቐታት ንኽገብር በዚ ኣጋጣሚ ነተሓሳስብ።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
13 መስከረም 2019 ዓ.ም
መቐለ

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ALT MEDIA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share