Ashu podcast

Ashu podcast This is a social media that transmits relevant informations . It is the voice for voiceless people .

01/10/2024

ዞባ ደቡብ ምብራቕ

01/10/2024

መንእሰይ ትግራይ ክጋደል ከሎ ሓሪኑ ይብሃል ፤ መሰሉ ክሓትት ከሎ ቕርሺ "ተኸፊልዎ" ዝብል ድሑር ብሂል ጉጅለ ኣደመ- ንሓዋሩ ክቕበር ኣለዎ !!!
(Eph Rem)

እቲ ጉባኤ ዘየካየደ ህወሓት ኣኼባ የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባ ቅድም ክብል ንመበል 14 ውድባዊ ጉባኤ "ሕጋዊ ኣይኮነን" ብምባል ዓርሱ ዘገለለ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣብ ምድሓን ውድብ...
01/10/2024

እቲ ጉባኤ ዘየካየደ ህወሓት ኣኼባ የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባ ቅድም ክብል ንመበል 14 ውድባዊ ጉባኤ "ሕጋዊ ኣይኮነን" ብምባል ዓርሱ ዘገለለ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣብ ምድሓን ውድብ ዓብይ ተራ ኣለዎም ዝተብሃሉ ላዕለዎት ኣመራርሓን ተረኺቦም እዮም።

ነዚ መድረኽ ዝኸውን ቀዲሙ ዝተዳለወ ሰነድ ንሕድሕድ ኣባል ዝተዓደለ እንትኾን ነቲ ሰነድ መሰረት ብምግባር ዘተ የካይዱ ኣለው።

ኣብዚ መድረኽ ካብ ተሳተፍቲ ዝተልዓሉ፥

* ኣብ ልዕሊ እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ክሲ ክምስረት ኣለዎ
* ውድብ ንምድሓን ብዘይዕረፍቲ ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ ኣለና
* ካብ 1993 ዓም ጀሚሩ ውህሉል ውድቀት ናብዚ ናይ ሐዚ ውድቀት ኣእትይና እዩ ።
* ብፀለመታትን ኔት ዎርክን ናትካ ዝኾነ እናኣከብካ ዝፀንሐ እዩ ናብ ውድቀት ኣብፂሑና ኣሎ
*ሚድያታትን ትካላትን ነፃነት ኣይነበረንን
* ኣብ ፕሪቶርያ ምትላላት ክህሉ የብሉን ካብ ምሉእ ፅንተት ዘድሐነና እዩ
* እዚ ጉባኤ ዘካየደ ጉጅለ ውዕሊ ፕሪቶርያ ስልጣነይ ኣሕዲጒኒ ዝብል እዩ። ስለዚ ናብ ኩናት ክኣቲ እየ ዝብል
* ለኣላዊ ግዝኣት ምምልስ ይኹን ተመዛበልቲ ምምላስ መን ይዕንቅፎ ከምዘሎ ክርአ እዩ ዝግባእ።
* ኣብ ዉሽጢ ኮቦርታ ኣትዩ ዝነበረ ኣብ ህንፅት ውድብ ኣይሰርሐን። መለስ እናሃለየ ዝሓዝናየን እየን ኮ ንጥቀመለን ዘለና።
* ዘይሕጋዊ ውድብ ንነባር ሕወሓት ኣፍሪሱ እዩ ሕገደምቢ ጥሒሱ እዩ።ኣመራርሓ ውድብ ዘፍረሰ እዩ።
* ንሕና ሓዱሽ ውድብ ኣይኮን ንውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈፀምና ኢና።
* ውድብ ንፀፅታ ኣይውድቦን ።
* ፀፅታ ሓይሊ ብመንግስቲ እዩ ዝውደብ።
* ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ክዕሪ እዩ ዝግበኦ
* በቢዞባኡ ዘለው ምደባታት እንታይ ይመስሉ
* እዚ መድረኽ ሰነድ ኣዳልዩ ናብ ዘተ ምእታዉ ፅቡቕ።
* መኸተ ክግምገም ኣይድለን ነይሩ። እዚ ን ኣባልን ንህዝብን ክንግር ኣለዎ።
* ጉባኤ ከይክየድ እናዐንቀፈ ዝነበረ ሓይሊ ብተብተብ ጉባኤ ኣካይዱ።
* ዝነበረ ናይ ውድብ መምረሒታት ፀገማት ዝነበርዎ እዩ።
* ኣይዶሎጂና ካፒታሊዝም ዝኽተል እዩ።
* ናይ ውሽጥና ገምጋም ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ደኺሙ እዩ።
* ቓልስና ገና እናሃለወ a b c d እናበልካ ዝተጋደለን ዘይተጋደለን ኢልና ኣባልና ክዳኸም ቅሬታ ክሕዝ
ፖሊስ ክበታተን ተገይሩ እዩ።
• ናይ ኣመራርሓን ኣባልን ምልመላታት ኣይተገበረን
* ንህልውና ህዝቢ መስዋእቲ ዝኸፈለ መንእሰይ ምሁር ሓይሊ ኣይሓዝናዮን። ኣይሕፈቑናዮን ክንሓፍቆ ይግባእ።
* መኸተ ኣይንግምግምን ይበሃል ኮይኑ ግና ክውቃዕ ንዝተደለየ ግን ይግምገም ነይሩ።እዚድማ ግጉይ ኣተሓሳስብ እዩ።
* ስትራተጅካዊ ዕላማና ምርግጋፅን ምውሓስን ህላወ ህዝቢ ትግራይ እዩ
* ሪባን እናሓለፍካ ምቑራፅ ጠጠው ይበል ምጭብርባር እዩ።
* ናይ ኣባላት ናይ ምስሳን ስራሕቲ ነቐፅል
* ናይ ጥርዓን መስርሕ ምስተኻከል ይገበረሉ። ካብ ርእሰ ምምሕዳር ክወፅእ ኣለዎ ወይድማ ኣብ መእተዊ በሪ ዘሎ ምንግልታዕ ምስትኽኻል ይገበረሉ።
* ቁመና ውድብና ብምስትኽኻ ፈፃሚት ስራሕ ክጠየሽ ኣለዎ
* ምትኽኻእ ንግበር
* ግዘ ከነባኽን የብልናን

#ይቕፅል

01/10/2024

መኸተ ይገምገም ዝብል ዘረባ ናይ ፖለቲካ ዘረባ ዝመስሎ ምዓት እዩ:: ምንም ምስ ፖለቲካ ዘራኽብ ጉዳይ የብሉን እዚ:: ደብረፅዮን በሎ ጌታቸው ኣየገድስን:: ምዓት ሕቶታት እዮም ዘለውና:: እቲ ኩናት ምትራፍ ምተኽኣለ'ዶ? ንምንታይ 9,000? ንምንታይ ዲፕሎማሲ ዘይተሰርሐ? ንምንታይ ናብ ዓዲ 3 ከይድና? ንምንታይ ተመሊስና? ንምንታይ ሽዑ ዘይተደራደርና? ናይ መኸተ ቅርሺ ኣበይ ኣሎ? ንምንታይ? ንምንታይ? ንምንታይ?

ዘጭ ኢልና ወዲቕና ነቲ ዘውደቐና ምኽንያት ከይፈለጥና ናብ ዝብኣሰ ፀልማት ምምራሕ እዩ እቲ ዝገደደ ጌጋ:: መኸተ ክግምገም ኣለዎ ጥራይ እንተይኮነስ መኸተ ኩሉ ከም ዝርእዮ ብቴሌቭዥን እዩ ብግልፂ ንኩሉ እቲ ህዝቢ እዩ ክቐርብ ዘለዎ:: ደቁ ኣሰዊኡ: ኣካሉ ሰንኪሉ: መሬቱ እስካብ ሕጂ ዘይተመለሰሉ: ክብረ ንፅህንኣ ተጋሂሳ: ንብረቱ ዓንዩ... ናይ ምንታይ ሕብእብእ እዩ'ኸ?

መኸተና ምግምጋም እዩ ናይ ሕውየት መንገድና : ከመይ ከም ዝወደቕና ነፂርና ክንፈልጥ ኣለና መሊስና ንክንልዓል:: mezekir abadi zemo

08/09/2024

ኣብ መንጎ ጉጅለታት ደ/ፂዮንን ን ጌታቸውን ምፍልላይ ካብ ዝፍጠር ናብዚ ኣብ መንጎ መንግስትን ውድብን ዘሎ ርክብኸ ናበይ ይኸይድ ኣሎ ናብ ምፍልላይዶስ ናብ ምትሕውዋስ ?????

መንግስትን ውድብን ክፈላለ ኣለዎ ኢሉ ዘይዱስኩር ምሁር: ዘይልፍልፍ ተንታኒን ኣክቲቪስትን ዘይፍክር ፖለቲከኛን በዓልስልጣንን የለን። እዝይ ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብርክት ብዝበሉ ሰባት ንቡዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ እንትዝረበሉ ምስማዕ ተላሚድናዩ ኣለና ።
ብተግባር ግን እስካብኸዚ መንግስት ውድብን ፈላሊዩ ዝርኢ ግን ብዙሕ ሰብ ኣይረአናን መንግስትን ውድብን ፈላልዩ ዘቕረበ መድረኽ እውን ኣይተዓዘብናን ። ጌታቸው ረዳ ምስ ኣብ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ካድረታት ህወሓት ዝገበሮ ኣኼባን እቲ ኣብ ከተማታት ዝገብሮ ዘሎ ዋዕላን ሓደ ጌርካ ምቁፃር ። ናይ ደ/ፂ ህወሓት ኣብቲ ጉባኤ ን እኒ ጌታቸው ረዳ ካብ ህወሓት ተባሪሮም ኢሉ ዝወሰኖ ውሳነን ግምት ኣብ ዞባታትን ወረዳን ዝገብሮ ናይ ኣመሓደርቲ ምውራድን ሓድሽ ሽመትን ሕጋዊ ኣይኮነን ኣይንቅበሎን ኢሉ ዝሃቦ መግለፅን ዝተፈላለየ ትርጉም ዝሓዘሉን ዘስዕብዎ ውፅኢት እውን ነንበይኑ እናሃለወ ሓደ ጌርካ ምርኣይ። ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ከም ኣሸንዳ ናይ ሓደ ውድብ ሓላፊ ጥራሕ ምዕዳምን ማዕረ ማዕረ ሓለፍቲ መንግስቲ ከቀርብ ምግባርን ኢዚኦም ኩሎም መንግስትን ውድብን ዘይፈላለዩ ኣመለኻኽታን ኣካይዳን ዘረእዩ እዮም ።

መንግስቲ ማለት ንዝተወደበ ይኹን ንዘይተወደበ ኣብ ፖለቲካ ንዘሎ ይኹን ንዘየሎ ንዝደገፎ ይኹን ንዘይድግፎ ኣካል ማሕበረሰብን ብሙልኡ ብማዕረ ዝብፀሖ ንኩሉ ብማዕረ ዝውክሎን ዘማሓድሮን ሕጊ መሰረት ገይሩ ዝእዝዞ በቲ ሕጊ መሰረት ዝዳንዮን መሰሉ ዘኽብረሉን ስጉምቲ ዝወስደሉን ናይታ ዓዲ ብሕታዊ ትካል እዩ ። እዞም ዝተጠቀሱ ባህርታትን ስልጣንን ክህልዎ ዝኽእል ኻልእ ኣካል የለን ። ናይ መንግስትነት ቀንዲ መፍለይ ባህሪ እዝይ እዩ monopoly of violence ይበሃል ። ነቶም መንግስቲ ዘውፅኦም ሕግታት ዝህቦም ትእዛዛትን ዝወስዶም ስጉምቲታትን ብሓሳብ ዘይምስምማዕ ትኽእል ኢኻ ክትኣምነሎምውን ኣይትግደድን ብሕጋዊ መንገዲ ምቅዋምን ሓሳብካ ምግላፅንውን ዝኽልኽለካ የለን ። ግን ፎተኻ ፀላእኻ ትቅበሎም። በዚይ ኣይግዛእን ምባልን ናይ መንግስቲ ውሳነ ንከይፍፀም ብወነንካን ብጉልበትካን ምኽልኻል ግን ካብ ስርዓት ዝወፃኻ ኣፈንጋጢ ኣብልዕሊ ዓዲ ዝዓመፅካ ሽፍታን ኣንፃር ኹሉ ናይታ ዓዲ ማሕበረሰብን ትካላቱን ዝተልዓልካ ሓይሊ ምኻን ማለት እዩ ። ነዚ ተግባር ከም ዴሞክራሲን ናይ ፖለቲካ ፖርቲ ንሕንሕን ቆፂርካ ምትንታን ግን ዕብዳን እምበር ፖለቲካ ገይረ ኣይቆፅሮን

04/09/2024
ናጋ ኣብ ራያ ራዩማ የራኽበና
04/09/2024

ናጋ ኣብ ራያ ራዩማ የራኽበና

ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ቁልፊ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ዝገበረ ዘተ ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ እዮም።
04/09/2024

ማይክ ሃመር

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ቁልፊ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ዝገበረ ዘተ ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ እዮም።

ህዝቢ ዓጋመ ሾርት ሚሞሪ ከምዘይኮነ አፂቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ ሐዚ ግን ቀልጢፍካ ይቅርታ ሕተት።ፅረ ህዝቢ ዓጋመመንእሰይ ዓጋመ አብ ስደትን ባሕርን ክሞት ዝፈረደ ዶንቆሮ።
04/09/2024

ህዝቢ ዓጋመ ሾርት ሚሞሪ ከምዘይኮነ አፂቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ ሐዚ ግን ቀልጢፍካ ይቅርታ ሕተት።
ፅረ ህዝቢ ዓጋመ
መንእሰይ ዓጋመ አብ ስደትን ባሕርን ክሞት ዝፈረደ ዶንቆሮ።

በደብረ ብርሃን ከተማ ጨላማን ተገን በማድረግ በማህበረሰቡ ላይ ዘረፋ ሲፈጽሙ የነበሩ ግለሰብ በጥምር ጦር በቁጥጥር ስር መዋላቸው ተገለጸበእምዬ ምኒልክ ክፍለ ከተማ ከምሽቱ 2:00 ላይ ጭለማ...
04/09/2024

በደብረ ብርሃን ከተማ ጨላማን ተገን በማድረግ በማህበረሰቡ ላይ ዘረፋ ሲፈጽሙ የነበሩ ግለሰብ በጥምር ጦር በቁጥጥር ስር መዋላቸው ተገለጸ

በእምዬ ምኒልክ ክፍለ ከተማ ከምሽቱ 2:00 ላይ ጭለማን ተገን በማድረግ በጦር መሳሪያ በታገዘ ማህበረሠቡን እና ተሽከርካሪን በማስቆም ዘረፋ ሲፈፅሙ ከማህበረሰቡ በደረሰ ጥቆማ ወንጀለኞችን በቁጥጥር ስር ማዋል ተችሏል።

በከተማው የሚገኘው ጥምር ጦሩ ለመያዝ ሲሞክር ከፍተኛ ተኩስ በመክፈት ለማምለጥ መሞከራቸን ከደብረ ብርሃን ከተማ ፖሊስ መምሪያ ያገኘነው መረጃ ያሣያል።

ከዘራፊዎቹ አንዱ በመቁሰሉ ለህክምና ከገባበት ከሀኪም ግዛው ሆስፒታል በክትትል በሰላም አስከባሪና ፖሊስ ጥምር ጦር ቅንጅት መያዝ የተቻለ መሆኑንም መምሪያው ገልጿል።

የተያዘው ግለሰብ አብዱሰላም ኑር ኢሳ ሲሆን እግሩ ተመቶ የቆሰለና ለዘረፋ ሲጠቀምበት የነበረው EKOL p-29 EP 18196284 የሆነ የቱርክ ሽጉጥ መያዙንም ነው የገለጸው

በተመሣሣይ አቶ ስንታየሁ ገረመው የሚባል ተጠርጣሪም የተያዘ መሆኑን አመላክቷል።

ተጠርጣሪዎች በሚሠሩት የወንጀል ድርጊት እጅ ከፍንጅ ፖሊስ ተከታትሎ እንዲይዛቸው ማህበረሰቡ የማይተካ ሚና እንደነበረውም የከተማው ፖሊስ መምሪያ ምስጋናውን አቅርቧል።

አሁንም በዚህና መሰል ወንጀሎች የተሰማሩ አካላትን ለመያዝ ማህበረሰቡ ተሳትፎዎን ማጠናከር እንደሚጠበቅበት ፖሊስ መምሪያው አሳስቧል።

04/09/2024

ዓዲግራት ምሽ እዚ ኩሉ ሰብ ወፂኡ ርኢናዮ:: Well: ካልእ ዘይርኣናዮ ፍፃመ'ውን ተኻይዱ እዩ ኣብ ከተማ ዓዲግራት::

እንዳ ኣደመ ኣብ ቀበሌ 03 ንልምዓት ጉጅለ ኣበል ዘለዎ ኣኼባ እይር ማንም ከይተርፍ ኢሎም ኣኪቦመን እዮም ውዒሎም እስካብ 11 ስዓት::

ኣበል ትውሃበላ 11 ስዓት ኮይና ኣበል ኢሎም ከክልተ ሚእቲ ቅርሸን ምስ ሃብወን ሕርቃን ዶ ገለታት ነይሩ ገለታት ዝብል'ሞ ግን..

200 ብር እያ ተድልይ ማሕበረሰብ ንምሕማስ::ብ መዘክር ኣባዲ ዞሞ

ዓዲግራት ማእኸል ዓጋመቁዋምኩም ፅኑዕ ላዛኹም ጠዓመኩርዓት ትግራይ ፀረ ኣደመ !
04/09/2024

ዓዲግራት ማእኸል ዓጋመ
ቁዋምኩም ፅኑዕ ላዛኹም ጠዓመ
ኩርዓት ትግራይ ፀረ ኣደመ !

Address

Tigray
Mekelle

Telephone

+251983919235

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Ashu podcast posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share