Teddy Mav

Teddy Mav Believe in the power of creativity to inspire, engage, and drive success. Together, we can create something extraordinary.

ሰባት ካብ ስእነት ሓሳብ ንላዕሊ ስርዓት ዘይብሉ ናይ ሓሳብ በዝሒ እዩ ንክጨናነቁን ንከይሰርሑን ዝገብሮም።ሓቂ ንምንጋር ኤኣይ ፈጠራ ደቂ ሰባት ክትክእ ኣይክእልን።ሓሳባትና ብስርዓት ንምእላይ...
18/01/2026

ሰባት ካብ ስእነት ሓሳብ ንላዕሊ ስርዓት ዘይብሉ ናይ ሓሳብ በዝሒ እዩ ንክጨናነቁን ንከይሰርሑን ዝገብሮም።
ሓቂ ንምንጋር ኤኣይ ፈጠራ ደቂ ሰባት ክትክእ ኣይክእልን።ሓሳባትና ብስርዓት ንምእላይ ግን ብደምቢ ክሕግዘና ይኽእል።
ስዒቡ ብዘሎ ኣግባብ ንኤኣይ ኣብ ኣሰራርሓና ዉሽጢ ኣእቲና ንጠቀመሉ ክንርበሓሉ ኢና።

1️⃣ቅድሚ ትሕዝቶ ምስራሕ ምጅማርና ሰባት ብዛዕባ ዝገጥሞም ዘሎ ፀገም ንምፍላጥ Ai ምጥቃም
2️⃣ሓደ ዓቡዪ ሓሳብ ናብ ዝተፈላለዩ ኣናእሽቲ ትሕዝቶታት ንምቅያር
3️⃣ንመን ፈሊና ክነዉግዕ ከምዘለናን፣እቶም ተኸታተልትና ብዛዕባ ዝግደስሎም ርእስታት ንምፍላጥ።
4️⃣ዛንታ ብዝበለፀ ፎርምላ ንምፍጣር፣ሁክ(Hook)-ታሪኽ(Story)-ተመልከትቲ ስጉምቲ ንክወስዱ ምዕዳም(CTA)
5️⃣ዓለም ለኸ ሓሳባት ንኣከባቢና ብዝጥዕም መንገዲ ንምድላው

ንስኹም ሓሳብ እንተልይኩም
ኤኣይ ድማ ሓሳብኩም ንፅረት ንክህልዮን ንክሰፍሕን ፍጥነት ብዘለዎ ኣግባብ ይሕግዘኩ።

ብዝበለፀ ብዛዕባ ኣጠቃቅማ ኤኣይ ንምፍላጥ ድሌት እንተልይኩም ጥሪ 15 የራኽበና።

ድሉዋት ዲኹም❓

🎁 ናይ ነጻ ዕድል (GIVEAWAY) - CREATORS ACADEMY!ሞባይልና ጥራይ ተጠቒምና ፕሮፌሽናል ቪድዮ ክንሰርሕን ኣታዊ ክነእቱን ንደሊ ዲና? ናይ 6,000 ETB ዋጋ ዘለዎ "Creat...
03/01/2026

🎁 ናይ ነጻ ዕድል (GIVEAWAY) - CREATORS ACADEMY!

ሞባይልና ጥራይ ተጠቒምና ፕሮፌሽናል ቪድዮ ክንሰርሕን ኣታዊ ክነእቱን ንደሊ ዲና?
ናይ 6,000 ETB ዋጋ ዘለዎ "Creators Academy" ስልጠና ብነጻ ክትረኽቡ ዘኽእል ዕድል ኣመቻቺናልኩም ኣለና!!
እዚ ዕድል እዚ ንኹልና ማዕረ እዩ!
🎓 ኣብዚ ስልጠና እንታይ ክንመሃር ኢና?
• ✅ ፕሮፌሽናል ሞባይል ኤዲቲንግ (Editing & Motion Graphics)
• ✅ ኣፀሓሕፋ ስክሪፕትን ቀረጻን (Cinematography)
• ✅ ካብ ዩቱብ፣ ቲክቶክን ፌስቡክን ኣታዊ ምእታው (Monetization)
• 📍 100% ONLINE (ካብ ዘለናዮ ኮይና ንመሃሮ)
• 📅 ትምህርቲ ዝጅምረሉ: ታሕሳስ 27

🏆 እቶም ዓወት ዝረኽቡ (PRIZES):

1️⃣ 1ይ ዝወጸ: 100% ነጻ (FREE Scholarship)
2️⃣ 2ይ ዝወጸ: 50% ቅናሽ (3,000 ETB ጥራይ ይኸፍል)
3️⃣ 3ይ ዝወጸ: 25% ቅናሽ (4,500 ETB ጥራይ ይኸፍል)

📝 ከመይ ጌርና ንሳተፍ (RULES):
1. ነዚ ፖስት እዚ ኣብ ኩሉ ሶሻል ሜድያና (Telegram Channel, Facebook, TikTok, Instagram Reel, WhatsApp Status) Share ብተወሳኪ ድማ ትኽክለኛ ናይ ኪነት አካዳሚ አካውንት ታግ ንግበሮ ።
2. ካብ ኩሉ ፕላትፎርማት ዝረኸብናዮ ጠቕላላ ቪው ንቆጽር ኢና።
3. እቲ ዝበዝሐ ቪው ዘምጽአ ሰብ ዓወት ይረክብ።
4. "Share" ከም ዝገበርናሉን ዝረኸብናዮ ቪው ብስክሪንሸት (Screenshot) ናብ ንስደድ። እዚ ውድድር ዕለት 29 ምሸት ሰዓት 12 ክዛዘም እዩ!

ኣብ ልኾነ ግዜ እዩ ኣብ ሃገረ ኤሜሪካ ወርቂ ዕድና ብቀዉጢ እዩ ዝካየድ ነይሩ እቲ ዘመን ንባዕሉ ዘምን ጎልደን ራሽ እዮም ዝብልዎ ነይሮም።ኣብቲ ግዜ እዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ናብቲ ወርቂ ...
19/12/2025

ኣብ ልኾነ ግዜ እዩ ኣብ ሃገረ ኤሜሪካ ወርቂ ዕድና ብቀዉጢ እዩ ዝካየድ ነይሩ እቲ ዘመን ንባዕሉ ዘምን ጎልደን ራሽ እዮም ዝብልዎ ነይሮም።
ኣብቲ ግዜ እዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ናብቲ ወርቂ ኣለዎ ዝተብሃለ ቦታ ኩሉ እንዳኸዱ እዮም ወርቂ ምዉጻእ ዝሰርሑ ነይሮም።

ኣብዚ ዘመን እዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ወርቂ ኣርዮም እንዳሸጡ ብዙሕ ሃፍቲ ኣዋህሊሎም እዮም።
በቃ ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ወርቂ ብምሻጥ ጥራሕ ሃፍቲ ከጥርዩ ከምዝኽእሉ እይም ዝፈልጡ።

ነገር ግን ኣብቲ ዝነብረ ናይ ጎልደን ራሽ ዘመን ልዕሊ ወርቂ ኣዉጺኦም ዝሸጡ ሰባት እቶም ነቲ ወርቂ ንምዉጻእ ዝሕግዙ ናዉቲታት ዝሸጡ ዝንበሩ ሰባት እዮም ትርፋማታት ነይሮም።
እዚ ብዛዕባ ቢዝንስ ብዙሕ እዩ ዝንገረና
እስቲ ንስኹም ዝተዓዘብኩሞ ነገር ኣብ ኮሜንት ኣፍልጡኒ ኣነ ድማ ጽንሕ ኢለ ዝተዓዘብኩዎን ዝተመሃርኩዎን ነገር ሒዝልኩም ክምለስ እየ።

ኣነ = ሮስት ፖስት ምግባር ክጅምር ደልየመሓዛይ = ንመንኣነ = ኣብ ኦንላይን ገንዘብ ንምስራሕ ደልዮም ይጋገዩ ንዘለዉ ሰባትመሓዛይ = ንምንታይኣነ = ምናልባት ፍሽኽ እንዳበሉ ዝተጋገዩዎ ነ...
18/12/2025

ኣነ = ሮስት ፖስት ምግባር ክጅምር ደልየ

መሓዛይ = ንመን

ኣነ = ኣብ ኦንላይን ገንዘብ ንምስራሕ ደልዮም ይጋገዩ ንዘለዉ ሰባት

መሓዛይ = ንምንታይ

ኣነ = ምናልባት ፍሽኽ እንዳበሉ ዝተጋገዩዎ ነገር እንተተረደኦም

መሓዛይ = ሰብ ከይተኹሪ እምበር ፅቡቅ ሓሳብ ዪመስል እስከ ሓንቲ ኣንብበለይ

ኣነ=ሓደ ሰብ ኣሎ ኦንላይን ቢዝነስ ማለት ዘግነኻዮ ሊንክ ምጥዋቅ ዝመስሎ። ሓቂ ንምንጋር ተቲፃረ ነይሩ ንባዕሉ ኣይኮነን ንዘመዱ እዉን ሓዊሱ ስራሕ ከጀምሮም ዝኽእል ገንዘብ እዩ ብስካመራት ተሰሪቁ።ትዝገርም ከ ከም ገለ ኢሉ.....ከም ገለ ኢሉ ሕዚ እዉን ስካም ከምዝተገበረ ኣይኣምንን።
እኳ ድኣስ ሃገር ዝቅይር ቢዝነስ ፕላን ከርቅቅ ዝሓደረ ዪመስል ንጉሆ ተላዒሉ መተባብዒ ጥቅሲ እዪ ዝልጥፍ።
ፈፂምካ ተስፋ ከይትቆርፅ፣Stay Humble፣ቅኑዕ ኩን ገለ ዝብላ ፅሑፋት ካብ ፒንተረስት እንዳዉረደ ቴሌግራም ስቶሪ ክልጥፍ እዩ ዝዉዕል። ግን ከ ብሮ ናቱ ፖዘቲቭ ሙኻን ንባዕሉ ዘይኮነስ ንስካመራት እዩ ገዛ ክራይ ዝኸፍል ዘሎ።

ንዕኡ ምምሃር ዝመስሎ ናይ ሰለስተ ደቂቃ ቪድዮ ምርኣይ እዩ።
ንዕኡ ምስራሕ ዝመስሎ ታፕ ታፕ እዩ።
ንዕኡ ናይ ፋይናንስ ኣማኻሪኡ እቲ ገንዘብ ሒዙ ዘይፈልጥ ወዲ ሰፈሩ እዩ።

ሓዉ ተልዓል፣ንቓሕ፣ ንስኻ ንስካመራት ክተገልግል ዝተመስረትካ ናይ ቻሪቲ ትካል ኣይኮንካን። ንሐዚ ግን
ነቲ ኣዚሩ ዘይሓስብን ፈፂሙ ጥርጣረ ዝብሃል ዘይፈልጥን ዉሽጥኻ ናይ ዕሽነት ሓለቃ ገይርና ሾይምናካ ኣለና። ኣገንዕ ንዓ ዋንጫኻ ዉሰድ።
ናይ እዚ ዋንጫ መዘከርታነቱ ነቲ ሕልምካ፣ተስፋኻ፣ስራሕታትኻ ክድግፍ እንዳተገበኦ ብዘይምርዳእ ንስካመራት ዝሃብካዮ ገንዘብ ዪኹን።

መሓዛይ = እዚኣስ ኣነ ካብ ዝፈርድ ኣነበብቲ ፅሑፋካ ዪንገሩካ

ኣነ = እሞ ንስኹም ከ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣንታይ ዓይነት ሓሳብ ኣለኩም?

ሎማዕንቲ ፖድካስት እንዳተኸታተልኩ እየ ነዛ ሓሳብ ስሚዐያ ስለዝፎተኩዋ ድማ ከካፍለኩም ወሲነ።“ሰሚሩልካ ንክትነብሮ ትሓስቦ ዘለኻ ሂወት ሎሚ ክትሰርሖ እንዳተገበአካ ከይሰራሕካዮ ኣብ ዝቐረየ ...
12/12/2025

ሎማዕንቲ ፖድካስት እንዳተኸታተልኩ እየ ነዛ ሓሳብ ስሚዐያ ስለዝፎተኩዋ ድማ ከካፍለኩም ወሲነ።

“ሰሚሩልካ ንክትነብሮ ትሓስቦ ዘለኻ ሂወት ሎሚ ክትሰርሖ እንዳተገበአካ ከይሰራሕካዮ ኣብ ዝቐረየ ስራሕ ዉሽጢ እዩ ተሓቢቁ ዘሎ”

እዚ ኩለና እንሰማመዓሉ ግን ኩለና ዘይነተግብሮ ሓቂ ዪመስለኒ።

ምኽንያቱ እቲ ሎሚ ክንገብሮ እንዳኽኣልና ንጽባሕ ነሕድሮ ዘለና ስራሕ እዩ ሂወትና ናይ ምቅያር ተኽእሎ ዘለዎ።

✅እቲ ምቾት ዘይህብ ስራሕ ምስራሕ
✅እቲ ዝኸብደ ስዳሮ ምስዳር
✅እቲ መሀከዪ ነገር ደጋጊምካ ምግባር

ንሱ እዩ

✅ኣብ ሂወትና ዕቤት ንክነምጽእ
✅ሓሳባትና ንጽረት ንክህልዮም
✅ከያዶና ዋጋ ክህልዮ ዝገብር።

እሞ

ክንሰርሖ ዝግበኣና ኩሉ ካብ ምስራሕ ንድሕሪት ከይበልና ሎሚ እንተሰሪሕናዮም እቲ ንብህጎ ሂወት ሕልሚ ሙኻኑ ተሪፉ ጋህዲ ሙኻን ክጅምር እዩ።

‼️ብዝኾነ ታሕሳስ 20 ዝጅምር ንጻ ናይ ድጂታል ቢዝነስ ስልጠና ክህልየና እዩ።

ኣብቲ ስልጠና ናይ ምስታፍ ድሌት ዘልኩም ኩለኹም ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቻነል ጆይን ምግባርኩም ኣረጋግጹ።
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/teddymav14

ብዙሓት ሰባት "ብኦንላይን ገንዘብ ሰሪሐ" ክብሉ ንሰምዕ ኢና። መብዛሕቲና እዉን ሞኪርናዮ ንኸዉን።ግን ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ ኣሎ🛑 ናይ ኦንላይን ስራሕ ካብ ዝጅምሩ ሰባት እቶም 90% (ምኢታዊ)...
11/12/2025

ብዙሓት ሰባት "ብኦንላይን ገንዘብ ሰሪሐ" ክብሉ ንሰምዕ ኢና። መብዛሕቲና እዉን ሞኪርናዮ ንኸዉን።

ግን ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ ኣሎ
🛑 ናይ ኦንላይን ስራሕ ካብ ዝጅምሩ ሰባት እቶም 90% (ምኢታዊ) ገና ወርሒ እዉን ከይፀንሑ እዮም ዝወድቁ።

ስለምንታይ? እቲ ዋና ፀገም ብዛዕባ ኦንላይን ቢዝነስ "እኩል ኣፍልጦ" ዘይምህላው እዩ። ሰባት ገንዘብ ይስራሕ እዩ ኢሎም ዘው ኢሎም ይጅምሩ፣ ድሕሪ ክንደይ ምንግልታዕ ድማ ተስፋ ቆሪፆም ይገድፍዎ።

⚠️ ሓደ ነገር ንረዳእ ኣብ ኦንላይን ቢዝነስ ዕዉት ንሙኻን እቲ ምስጢር፦

❌ ግዝያዊ ምልዕዓል ኣይኮነን
❌ "Tap Tap" (ታፕ ታፕ) ጌም ኣይኮነን
❌ ወይ ኣፕሊኬሽን ኣዉሪድካ ምፃዓን ኣይኮነን

እቲ ምስጢር ካልእ እዩ። ንሱ ስኣን ምፍላጥኩም እዩ ድማ ውጽኢት ክተምፅኡ ዘይኽኣልኩም።

✅ ስለዚ፡

እዚ ብዙሓት ፈሊጠሞ ገንዘብ ይሰርሕሉ ዘለዉ "ምስጢር" ካብ ታሕሳስ 20 ክሳብ ታሕሳስ 23 ኣብ ዘለዋ ሰለስተ መዓልቲታት ብነፃ ክነምህረኩም ቴድሮስ ሰይፉ ምስ ኪነት ኣካዳሚ ብምትሕብባር መዓልቲ ቆሪፅና ኣለና።

እቲ ትኽክለኛ መንገዲ ፈሊጥኩም ኣብ ኦንላይን ዘለዉ ናይ ቢዝነስ ዕድላት ንምጥቃም ድሉዋት እንተኾይንኩም ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቻነል Join ገይርኩም ተፀበዩና!
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/teddymav14

02/11/2025

ዓማዊልንምንታይ እዩ ፈጠራ (Creativity) ዘይርድኦም

02/11/2025
31/10/2025

Iced coffee break 🍃 what creative thing are you working on lately?

31/10/2025
30/10/2025

ብዛዕባ ሶሻል ሚድያ ማርኬቲንግ ክትፈልጥዎ ዝግባእ ሓቂ.

30/10/2025

procrastination ብንዘጸገመኩም

Address

Mekele
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Teddy Mav posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Teddy Mav:

Share