25/09/2025
ብዋየርድ ኢቨንትስ ኣቢሉ ኣብ ዙርያ ''ጥዕና ትግራይን ዳግመ ህንጸትን'' ምስ ቅነ በዓል መስቀል ተኣሳሲሩ ዓብዪ ዋዕላ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዓለምለኻዊ ሆቴል ከንኣን ተሳሊጡ።እዙይ ዋዕላ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ንመበል ሻብዓይ ግዘ ዝተሳለጠን ምስ ፉሉይ ቅነ በዓል መስቀል ተኣሳሲሩ ዝተኻየደን እዩ።
ኣብዙይ መድረክ: ንፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዶ/ር ገብረሚካኤል ወልደገብርኤል: ምክትል ቢሮ ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ዶ/ር ገብሩ ካሕሳይ ሓዊሱ: ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ምምሕዳር ዓዲግራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምሁራን፣ ፅልዋ ፈጠርቲ ውልቀሰባት፣ ተወከልትን መራሕትን ትካላት ፋይናንስ፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ቻምበር ዘፈር ንግዲ፣ ዕድመ ዝተገበረሎም ሰብ ሃፍቲ፣ ወዘተ. . .ሓዊሱ ዝተረኸቡ ኰይኖም ሰፋሕቲ ፅንዓታዊ ፅሑፋት እውን ብምሁራን ሰብ ሙያ ጥዕና ቀሪቦም እዮም።
ፈላማይ ''ከይዲ ሥርዓተ ጥዕና ካበይ ናበይ'' ብዝብል ርእሲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዝኾኑ ብዶ/ር የማነ ብርሃነ ፅሑፍ ዝቐረበ ኮይኑ: ቀፂሉ ድማ ''መዋጽኦ ሕውየትን ህንጸትን ትካላት ጥዕና ትግራይ'' ብዝብል ብምሁር ጥዕና ዶ/ር በርሀ ደሳለኝ ሰፊሕ መበገሲ ዳህሳስ ፅንዓት ቀሪቡ እዩ።
ነዙይ ዳግመ ህንጸት ጥዕና ትግራይን መዋጽኦን ኣብ ዝብል ምይይጥ ዘተ መማእኸሊ ጽሑፍ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ምሁር ሕክምና ዝኾነ ዶ/ር ኣባዲ እዩ።
ኣብዙይ ብርክት ዝበሉ ተዓደምቲ ኣጋይሽ ዝተረኸቡሉ ሰፊሕ ተሳትፎን ሓሳባትን ዝቐረበ ኮይኑ በቶም ዝተውሃቡ መፅናዕቲ እውን መዋፅኦ ከይዲ ህንጸት ጥዕናን ዘላቒ ትካላውነት ትግራይን ቆላሕታ ተገይሩሉ ንክስራሕ መፍትሒ ነጥብታት ቀሪቦም ተዘትዮምሎም እዮም።
ተወካሊትን መተሓባበሪትን ዘርፊ ማርኬቲንግ ዋየርድ ኢቨንትስ ዝኾነት ወ/ሪት ኤዶም ሃይሉ እውን እንኳዕ ናብ በዓል መስቀል ኣብጽሐኩም ብምባል: ኣብ ትግራይ ኣብ ዙርያ ዳግመ ህንጸትን ሕውየትን መፍትሒታት ሓዊሱ ትኹረት ተገይሩ ንክስራሕን ጽንዓታዊ መድረካት ኣገደስቲ ምስቲ ምዃኖምን ገሊጻ እያ።ዋየርድ ኢቨንትስ ድማ እዞም መድረካት ብምድላው መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ምምችቻው ዝነጥፍ ዘሎ ትካል ምስቲ ምዃኑ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ኣድላዪ ድጋፍ ክገብር እውን ኣተሓሳሲበን እየን። እዙይ መድረክ ድማ ምስ ዓዲግራት መድሓኒት ፋብሪካን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዝተሳለጠ እዩ።