Tigrai Television

Tigrai Television Mekelle-based regional media that disseminates news & programs world wide via multiple platforms.
(2)

This is the Primary Official page for Tigrai Television, the main broadcasting service operated by the Tigrai Mass Media Agency. We deliver up-to-date news and media content to our audiences across multiple platforms and languages. Official Language Feeds:

We manage several official pages dedicated to specific languages and broadcasts. All pages listed below are official, authen

ticated subsidiaries of the Tigrai Mass Media Agency and represent a single organization:
• Primary Feed (Current Page): [Language Focus, Tigrigna - Main Broadcast]
• Official Language Page 2: https://web.facebook.com/tigrai.tv2/ [Amharic Language]
• Official Language Page 3: https://web.facebook.com/tigrai.tv3/ [ English Language]
• Official All Language Page 4: https://web.facebook.com/tigrai.tv4/ [Sport Channel]
• Official Language Page 5: https://web.facebook.com/tigrai.tv5/ [ Kunama Language,]
• Official Language Page 6: https://web.facebook.com/Tigrai.tv6/ [Erob Language]
• Official Language Page 7: https://web.facebook.com/Tigrai.tv7/ [Arabic Language]
• Official Language Page 8: https://web.facebook.com/tigrai.tv8/ [Agew Language]

All pages are manged by the Meta verified Tigrai Mass Media Agency business account.

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ  2018 ዓ.ም. ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ልዕሊ 94 ሚኢታዊ ከምዝሓለፉ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ምዘናን ትግራይ ኣፍሊጡ።እቲ ኤጀንሲ ውፅኢ...
10/07/2026

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም. ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ልዕሊ 94 ሚኢታዊ ከምዝሓለፉ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ምዘናን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ውፅኢት ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ ዳይሬክቶሬት ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን መራሒ ጉጅለ ብሄራዊ ፈተናታት ኣይተ ተኽለሃይማኖት ገረዝጊሄር ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም. ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ልዕሊ 63 ሽሕ ተምሃሮ ልዕሊ 60 ሽሕ ከምዝሓለፉ ገሊፆም።

በዙይ መሰረት ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ፦ንደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮ 45 ሚኢታውን ልዕሊኡን ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ድማ 44 ሚኢታውን ልዕሊኡን ክኸውን ተወሲኑ።

ንተዛረብቲ ቋንቋ ሳሆን ኩናማን፦ ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ማእኸላይ ውፅኢተን 43 ሚኢታውን ልዕሊኡን፣ ንደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮ ድማ 44 ሚኢታውን ልዕሊኡን ኮይኑ።

ንኣካል ጉድኣት ተፈተንቲ ተምሃሮ ንደቂ ተባዕትዮ 43 ሚኢታውን ልዕሊኡን ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ 42 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ክኸውን ተወሲኑ ኢሎም።

ብሓፈሻ 3459 ተፈተንቲ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ድማ ከይሓለፉ ተሪፎም።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኣይስቲ ኣይተ ተስፋይ ኣረጋዊ እቲ ፈተና ካብ ሰብ ንኽክእ ወፃኢ ብቴክኖሎጂ ዝተኣረመ ምዃኑ ገሊፆም።

ካብ ሓምለ ሽዱሽተ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ውፅኢት ኣብ Tigrayeducation.edu.et ዕላዊ ስለዝግበር ተምሃሮ ውፅኢቶም ብኦንላይን ኣቢሎም ምርኣይ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

10/07/2026

ዜና ስፖርት - ቀትሪ ሰዓት 6፡30 - ሓምለ 03/2018 ዓ.ም | | |
----

10/07/2026

ዜና ትግርኛ - ቀትሪ ሰዓት 6፡30 -ሓምለ 03/2018 ዓ.ም | | |
----

ትረኻ መፅሓፍ :- ዓበዓበይቱ ንሕለም  ምዕራፍ 5 - ካልኣይ ኽፋል
10/07/2026

ትረኻ መፅሓፍ :- ዓበዓበይቱ ንሕለም ምዕራፍ 5 - ካልኣይ ኽፋል

This is the official Tigrai Mass Media Agency (Tigrai Tv Plus) YouT...

10/07/2026

ካብ ትሕዝቶታት ፦
ሰንበት ሰዓት 8፡00 ይፀበዩና።
----

10/07/2026


ቀዳም ሰዓት 8፡00 ይፀበዩና።
----

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረ ሰላም ን245 ስድራ ስውኣትን ሓርበኛታትን  ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ተዓዲሉ።ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት  ወረዳ ሓውዜን  ኣይተ ኣፅብሃ መዝ...
10/07/2026

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረ ሰላም ን245 ስድራ ስውኣትን ሓርበኛታትን ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ተዓዲሉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ኣፅብሃ መዝገበ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምስፋንን ግቡእ ምፅራይ ድሕሪ ምግባር
ሕግን መምርሕን ኣተዓዳድላ መሬት መሰረት ብምግባር ን 245 ስድራ ስውኣትን ሓርበኛታትን መሬት ምዕዳሉ ተዛሪቦም።

እቲ መስርሕ ዕደላ መሬት ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ድማ ተዛሪቦም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገ/ሂወት ገ/የሱስ፥ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ንልዕሊ 1300 ወገናት መሬት ከም ዝተዓደለ ብምዝኽኻር፣ ከይዲ ዕደላ መሬት ንስድራ ስውኣት ሓርበኛታትን ክፋላት ሕብረተሰብን፣ ፀጋታት ከባቢ እናተርኣየ ከም ዝቕፅል ኣብሪሆም።

ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ዝኾኑ ወገናት ብግደኦም ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ምዃኖም ሕጉሳት ምኻኖም ተዛሪቦም ክብል ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

መልእኽቲ ሰናይ ትምኒትወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት  ሻምፒዮን ፅዋዕ ኢትዮጵያ 2018 ዓ/ም ብምዃኖም ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ  ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።ወልዋሎ ዩ...
10/07/2026

መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት

ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ሻምፒዮን ፅዋዕ ኢትዮጵያ 2018 ዓ/ም ብምዃኖም ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝገብሮም ውድድራት ኣብ ጎኖም ከምዝኸውን እውን ኣፍሊጡ።

ካልኦት ክለባት ስፖርት ትግራይ ናይ ፋይናንስን ካልኦት ፀገማትን ተፃዊረን ኣብ ብሄራዊ ሊግ ኢትዮጵያ ዝነበረን ልዑል ተሳትፎ ድማ ምስጋንኡ ከምዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።

09/07/2026

ዜና ስፖርት - ምሸት ሰዓት 1፡00 - ሓምለ 02/2018 ዓ.ም | |
----

09/07/2026

ቀንዲ ዛዕባታት ምድላው ዜና ' ሓደ ሰዓት ' ራድዮ ትግራይ 02 /ሓምለ/ 2018 ዓ/ም

‎👉 ምእካብ ግብሪ እዚ ዓመት ዓርሰ ሙርከሳ ትግራይ ዘረጋግፅ ዋኒን እዩ ተባሂሉ።

‎👉 ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝወቕዐ በረድ ዝሓወሰ ዝናብ ጉዳኣት ኣብፂሑ።

‎👉 ሃገራት ኣሜሪካን ኢራንን ናብ ካልእ ዙር መጥቃዕትታት ኣትየን።

👉 ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዋንጫ ኢትዮጵያ 2018 ዓ.ም ተዓዊታ።

‎👉ካልኦት ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ውሽጢ ዓድን ደገን ኢሉ እውን ስፖርታዊ ፀብፃባት ኣካቲቱ ኣሎ ምድላው ዜና ሓደ ሰዓት እዚ ዕለት ክተድምፁና ብኽብሪ ንዕድም !

‎ _ ፈነወና ብ 98.0 ኤፍ ኤም 918 Khz ማእኸላይ ማዕበል
‎ _ Satelaite Yahsat Tigray Radio ክትከታተሉ ትኽእሉ

‎ ኣቕራቢ ምድላው ዜና ሓደ ሰዓት እዚ ዕለት

Address

Mekelle, Tigray
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Television posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share