14/10/2026
ሓዱሽ ኣይኮነን ንኣና!
ታሪኽና ብኣግባቡ ስለ ዘይተሰነደን ኣብ'ቱ እዋን ከም'ዙ ሎሚ ቴክኖሎጂን ማሕበራዊ ሚዲያን ስለ ዘይነበረን ድኣምበር፤ ንመዋእሉ ኣብ ከይዲ ታሪኽ ትግራይ ብዙሓት ተወለድቲ ምስ ፀላእቲ ወጊኖም ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፉን፤ ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ዘኽፈሉን ነይሮም እዮም፡፡
ድሕሪ ሞት ንጉሰ ነገስታት ሃፀይ ዮሃንስ ንትግራይ ንመግዛእቲ ምንሊክ ዘውደቓ፤ ንሕንሕ ደገዝማቻት፣ ሰብቀምሽ መኳንንትን ሰዓብቶምን እዩ ነይሩ፡፡ ገሊኦም ተወለድቲ ምእንተ ስልጣን ንምንሊክ ሓዲሮም፤ መራሕቲ መንገድን ተዋጋእትን ምንሊክ ኮይኖም፤ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሽዋ ንኽትወድቕ ዕዙዝ ግደ ተፃዊቶም እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ግና ምንሊክ ንመብዛሕቲኦም እቶም ግዙኣት ከዳዓት ተጋሩ ውሒጡዎም እዩ፡፡
ኣብ ዘበነ ሃፀይ ሃለስላሰን ደርግን እውን ተመሳሳሊ ታሪኽ ክሕደት ተጋሩ ተራእዩ እዩ፡፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ ልዕሊ ሰራዊት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ተወለድቲ ትግራይ ደገዝማቻት፣ ሰብ ቀምሽ መኳንንትን ሰዓብቶምን ፍፁም ክሕደት ፈፂሞም፤ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ተዋጊኦም፣ ክንደይ ህዝቢ ኣፅኒቶም፣ ዓድታት ኣብሪሶም እዮም፡፡
ኣብ እዋን ደርጊ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት መናእሰይ ትግራይ ቀይሕ ራዕዲ ዘካየዱ ካድረታት ተወለድቲ ትግራይ እዮም ነይሮም፡፡ ነጭለባሻት ደርጊ ኮይኖም መንገዲ እናመርሑ፤ ኣንፃር ዳግማይ ወያነ ትግራይ ኣሽሓት ዘወድኡ ተወለድቲ ትግራይ ነይሮም፡፡ ኣቦ ነጭለባሽ ውልድ ተጋዳላይ ኮይኑ፤ ኣቦን ወድን ሓው ንሓው ዝተቓታተሉሉ በሰላ ታሪኽ ዘለና ህዝቢ ኢና፡፡
ኣብ 2013 ጀኖሳይዳዊ ወራር፤ ብኣካል ዝርአናዮ ተወለድቲ ትግራይ ነይሮም ምምሕዳር ጀኖሳይደር ኣጣይሾም ንቱ ዓለም ዝደንገፀሉ ጀኖሳይድ ዘሳሰዩ፡፡ እዙ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ዓቐን ኣልቦ ክሕደትን ሕሽክርና ጀኖሳይደር ብልፅግና ኦሮሞ፤ ካብ'ቱ ሕሉፍ ታሪኻት ክሕደት ተወለድቲ ትግራይ ዝተፈለየ ኣይኮነን፡፡ ፍሉይ ዝገበሮ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ የመና ስለዘጋውሖ ዘሎ ጥራሕ እዩ፡፡
እዙ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ደገዝማቻት፣ ሰብ ቀምሽ መኳንንትን ሰዓብቶምን፤ ሎሚ ድማ ዘበናውያን ደገዝማቻት ፖለቲከኛታትን ወተሃደራዊ መኮንናትን፤ ንስልጣን፣ ኣብ ሽዋ ንዘለዎም ንብረትን ንኸብዶምን እንትብሉ፣ ምስ ጀኖሳይደር ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ወፊሮም፤ ንህዝቢ ትግራይ ኣፅኒትካን ኣብሪስካን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ክንብርከኽ ዝገብር ከይዲ ይመርሑ ኣለዉ፡፡ እዙ ታሪኽ ኣብ ኤርትራ እውን ብተመሳሳሊ እዩ ተተግቢሩ፡፡
ደቂ ሓንቲ መበቆል ህዝቢ ከም ምዃና፤ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ዘሎ ተግባርና እውን ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ኣብ 1950ታት ኤርትራ ሃገር ከይትኸውን ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ተወዲቦም ገሊኡ ናፅነት እንትብል፤ ገለ ክፋሉ ድማ ንስልጣንን ንኸብዱን ንሃፀይ ሃይለስላሰ ሓዲሩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት ኢሉ፡፡ ብዙ ንሕንሕ ድማ ናብ መግዛእትን ኵናት 30 ዓመታትን ኣእትዮምዋ፡፡ ክንደይ ወለዶ ኤርትራ ተበሊዑ፡፡ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሰብዓ ዓመታት ዝዋለድ ዘሎን ወለዶ እናበልዐ ዝቐፀለን እውን፤ እቱ ሽዑ ሰኣን ስኒት ብሰንኪ ክሕደት ተወለድቲ ብዝተደጎለ ረመፅ እዩ፡፡ ሽዑ ነይሩ ኣብ መጀመርታት 1950ታት ነፍስሄር ኣተወብርሃን "ዓደዬ ዓዲ ጀጋኑ… ባዓል መንዮም ዝጠለሙ በዓል መንዮም ዝሃደሙ" ክብል ዘዜመ፡፡
እዙ ተግባር ከዳዓት ሓዱሽ ተርእዮ ኣይኮነን ንኣና! ስለዝኾነ ድማ፤ ትግራይ ዓደይ ኣመና ክትደናገፅ፣ ክትሓዝንን ክትደናገርን የብልካን፡፡ ኣብ መወዳእታ ክሕደት ዋጋ የኽፍል እዩ፡፡ መብዛሕቲኦም እቶም ከዳዓት ብዝተሓሽከሩዎም ገዛእቲ እንትውሓጡ እዩ ታሪኽ ኣርእዩና፡፡ ንኣብነት ብ1976 ዓ.ም. ደርጊ ንመብዛሕቲኦም ከደምቱ ካድረታት በሊዑዎም እዩ፡፡ ምንሊክን ሃይለስላሰን እውን ብተመሳሳሊ፡፡ ንህወሓት እውን ብተመሳሳሊ እቶም ልዕሊ ትግራይ ዝኣመነቶምን ዘገልገለቶምን ብሄር ብሄረሰባት ጠሊሞምዋ፡፡ ናይ ኩሎም ኣበሳ ተሸካምን ከፋሊን ግና ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ግና ኣብ ውሽጢ ዘይዛሪ ግፍዓዊ መግዛእትን ኵናትን ኣእትዮምዎ ሓሊፎም፡፡ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ፅንተትን ብርሰትን፣ ምስኣን እታ ትግራይ እትብሃል መሬትን እናዋለደ፤ ኣብ'ዙ ዘለናሉ ዝኸፍአ ዝመረረ ብርኪ ክንጥሕል ገይሮምና!
ዕድል ይኹን መርገም ህዝቢ ትግራይ ካብ'ዙ ኩነታት ክናገፍ ዝኽእለሉ ወርቃዊ ዕድላት በብእዋኑ ኣጋጢሙዎ ነይሩ:: ከም ኣብነት ዝጥቀስ ድሕሪ ውድቀት ደርግን፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ዝተረኸቡ ዕድላት፤ ንትግራይ ናብ ንቡር ምዕራፍ ከሳግሩዋ ዝኽእሉ ወርቃዊ ዕድላት ነይሮም፡፡ ግና ህዝቢ ትግራይ ዋላ'ኳ ጀጋኑ እንተፍረየ፤ ዝኾኑዎ መራሕቲ ከፍሪ ግና ኣይተዓደለን፡፡ እኳ ድኣስ ብግልባጡ ኩሎም ኣብ መሪሕነት ዝደየቡ ብተመሳሳሊ፤ ምስ ብፆቶም ብዝተዃረዩ ቁፅሪ፣ ሕኒኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈድዩ ጠላማት ዘፍርይ ማህፀን ኮይኑ፡፡ ከም ኣብነት ሳሞራን ፃድቃንን ብጅግንነትን መስዋእትን መላምል ደቂ ትግራይ ንዝረኸቡዎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ስልጣን፤ ምስ ብፆቶም ኣብ ዝተኸሉዎ ቁርቁስን ቂምን ሸኺሎም፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወተሃደራዊ ወራር ተለምቲ መሳሰይቲ መሃንዲሳት ኮይኖም ወፊሮም ኣለዉ፡፡
እቶም ኣብ ውሽጢ ህወሓት ቦቒሎም ንዝተፈላለየ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዝነት በፂሖም ዝነበሩ ተወለድቲ፤ ንመዋእሎም ብኸም'ዙይ ኣብ ውሽጦም ብዝፍጠር ንሕንሕ እንትከፋፈሉ፤ እቱ ሓደ ንቱ ሓደ ከጥቅዕ ዋጋ ዘኽፍሎ ንህዝቢ ትግራይን ንትግራይን ኮይኑ፡፡ ብምዃኑ እውን ንልዕሊ 130 ዓመታት ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ካብ ወራር ናብ ወራር፤ እሞ ድማ ናይ ኩሎም ወራራት መራሕቲ መንገዲ እዞም ብስልጣንን ከብዶምን፣ ብስስዐን ቂምን፣ ዝደስከሉ ተወለድቲ ምዃኖም! ንትግራይ ህዝባን መሬታን ድማ ናብ'ዙ ሎሚ ፀዲፉቶ ዘላ ብርኪ ኣብፂሖምዋ፡፡
ልዕሊ ኩሉ እቱ ዘጉህየካ ድማ፤ ቀደም ንቶም ቂመኛታት ደገዝማቻትን ሰብቀምሽ መኳንንትን ዝስዕቡ፤ ንዓዶምን ንህዝቦምን ዘድምዩ ኣሽሓት ነይሮም፤ ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ንዞም ዘበናዊ ደገዝማቻት፣ ንውልቀሰባት ዘምልኽን ንኦኦም ዝስዕብን፤ ንህላወ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናበይ ይወስዱዎ ከም ዘለዉ እኳ ዓይነ-ህልንኡ ቋዕ ኣቢሉ ክርኢ ክሓትት ዘይኽእል፤ በዝሒ መንእሰይ ይርአ ምህላዉ እዩ፡፡
ትግራይ ዓደይ፤ እዙ ኣቲናዮ ዘለና መዋእል ንህወሓት ሓዊሱ ጉዳይ ፖለቲካዊ ውዳበታት ወይ ኣብ ዝትፈላለየ ደንበ ዝተሰለፉ ውልቀ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ኣይኮነን! እዙ ጉዳይ ብዛዕባ ቀፃልነት ሃለዋት መንነት ትግራዋይነት፣ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን እዩ፡፡ እዙ ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ኦሮሞ፤ ካብ ምንሊክ ሃይለስላሰን ደርግን ዝኸፍአ ንምዃኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ብተግባር ዝርኣዮ ሓቂ እዩ፡፡ ሐዚ እውን እቱ ዝተበገሰሉ ንትግራይን ህዝባን መሊኡ ምፅናትን ምብራስን፤ ብሄረተኝነት ትግራይ ዝብሃል ካብ ህላወን ታሪኽን ክድምስስ እዩ፤ ትልሙን ብተግባር ዘርእየና ዘሎን ኣፈፃፅምኡን!
ስለዙይ ከም'ቱ ንዓመታት ብተደጋጋሚ ብፅሑፍ ዘቐመጥኩዎ፤ ንሕና ተጋሩ ማእኸል ሽኻልና ህላወ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን እንተገይርና፤ መሰረታዊ ኣፈላላይ ኣይህልወናን! ቀንዲ ኣጀንዳና ንህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዘማእኸለ ስለዝኸውን! ቀንዲ ኣጀንዳና ስልጣን ንብረትን ከብድናን ስለዘይኸውን! ሽዑ ኣብ ሓድነትና ንረብብ! ከም ህዝቢ ክንነብር እንተኾይንና እዚ ክንገብር ግድን ይብለና! እዚ ክንገብር እንተለና ድማ፤ ከም'ቱ ታሪኽና ብቐፃልነት ዝመስከሮ፤ ሓይሊ ክሕደትን ጥልመትን ከም ዘሎ ቅቡል ክንገብር ኣለና፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ዲያስፖራ ንኣብዝሓ ህዝብና ጠሚትና ንቃለስ! ንዙይ እውን እዩ፤ ክሳብ መወዳታ ዓቕመይ ምስ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብምዃን፤ ምእንተ ህላወ ትግራይ እትብሃል ዓድን፣ ተጋሩ ዝብሃሉ ህዝብታትን፣ ሰላም ቅሳነትን ራህዋን ክቃለስ ምስ ባዕለይ ቃል ኣትየ ዝነጥፍ ዘለኹ! ቅድም ቀዳድም ከም ህዝቢ ንቐፅል እሞ፤ ካልእ ኩሉ ነርክበሉ ኢና! እንተንኣሰ ንደቅና ሓንቲ ትግራይ ንግደፈሎም!
ተፃሒፉ፣ ብካሳ ሃይለማርያም ረዳ