
15/08/2025
ኣብ ሓደጋ ብርሰት ዘሎ በለስ ምድሓን ዕላማ ዝገበረ ፌስቲቫል በለስ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሰላሰል ኣሎ።
—————-
ካብ ድወት ዝተወሰደ ሓፂር ዛንታ ኣንብቡ!
ዝለዓለ ቁጠባዊ ፣ ንምግብነትን ምሕላው ሚዛን ተፈጥሮን ረብሓ ዘለዎ በለስ ሰኣን ጉቡእ ጥንቃቐ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዋላ እንተፀንሐ ሕዚ ግና መሊስካ ንምልማዕ እናሰራሕና ኢና ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ተዛሪቦም ።
ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ነዚ ዝገለፁ በዚ ዕለት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል በለስ ብዘረባ ኣብ ዝኸፈትሉ ኮይኑ ፣ ከም ትግራይ 126,000 ሄክታር መሬት ብበለስ ዝተሸፈነ ዋላ እንተኾነ ኣብ 1994 ዓ/ም ንምርምርን ካልኦት ጉዳያትን ተባሂሉ ዝተኣታተወ ሓስኻ ኩችኔል ግና ቀሊል ዘይበሃል ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ ።
ስለ ዝኾነ ነዚ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ሓረስቶት ሓዱሽ በለስ ክተኽሉን እቲ ሓስኻ ኩችኔል ዘየጥቀዖም ከባቢታት ድማ ኣድላይ ምክልኻል ክግበረሎም እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።
ኣምባሳደር ሃገረ ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ኣሌክሳንድሮ ኢስቲቪ ኣብቲ ፌስቲቫል ተረኺቦም ከም ዝበልዎ ድማ ሃገሮም ኣብ ዙርያ ሃፍቲ በለስ ዘለዋ ተሞክሮን ንምክልኻል ሓስኻ ኩችነልን ምስ ትግራይ ሓቢራ ከም እትሰርሕ ኣፍሊጦም ።
ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል በለስ ፣ ካብ በለስ ዝርከቡ ምህርቲታት ንመርኢት ቀሪቦም ዑደት እናተገበረሎም እዩ።
TBS TV Dimtsi Weyane
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ