Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

Digital Weyane ዲጂታል ወያነ ዓላማና ትግራዋይ ሚድያ ምፍጣር እዩ ሰዓቡና...
Digital Press

ኣብ ሓደጋ ብርሰት ዘሎ በለስ ምድሓን ዕላማ ዝገበረ ፌስቲቫል በለስ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሰላሰል ኣሎ።—————-ካብ ድወት ዝተወሰደ ሓፂር ዛንታ ኣንብቡ!ዝለዓለ ቁጠባዊ ፣  ንምግብነትን ምሕ...
15/08/2025

ኣብ ሓደጋ ብርሰት ዘሎ በለስ ምድሓን ዕላማ ዝገበረ ፌስቲቫል በለስ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሰላሰል ኣሎ።
—————-
ካብ ድወት ዝተወሰደ ሓፂር ዛንታ ኣንብቡ!

ዝለዓለ ቁጠባዊ ፣ ንምግብነትን ምሕላው ሚዛን ተፈጥሮን ረብሓ ዘለዎ በለስ ሰኣን ጉቡእ ጥንቃቐ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዋላ እንተፀንሐ ሕዚ ግና መሊስካ ንምልማዕ እናሰራሕና ኢና ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ተዛሪቦም ።

ዶክተር እያሱ ኣብርሃ ነዚ ዝገለፁ በዚ ዕለት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል በለስ ብዘረባ ኣብ ዝኸፈትሉ ኮይኑ ፣ ከም ትግራይ 126,000 ሄክታር መሬት ብበለስ ዝተሸፈነ ዋላ እንተኾነ ኣብ 1994 ዓ/ም ንምርምርን ካልኦት ጉዳያትን ተባሂሉ ዝተኣታተወ ሓስኻ ኩችኔል ግና ቀሊል ዘይበሃል ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ ።

ስለ ዝኾነ ነዚ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ሓረስቶት ሓዱሽ በለስ ክተኽሉን እቲ ሓስኻ ኩችኔል ዘየጥቀዖም ከባቢታት ድማ ኣድላይ ምክልኻል ክግበረሎም እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።

ኣምባሳደር ሃገረ ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ኣሌክሳንድሮ ኢስቲቪ ኣብቲ ፌስቲቫል ተረኺቦም ከም ዝበልዎ ድማ ሃገሮም ኣብ ዙርያ ሃፍቲ በለስ ዘለዋ ተሞክሮን ንምክልኻል ሓስኻ ኩችነልን ምስ ትግራይ ሓቢራ ከም እትሰርሕ ኣፍሊጦም ።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል በለስ ፣ ካብ በለስ ዝርከቡ ምህርቲታት ንመርኢት ቀሪቦም ዑደት እናተገበረሎም እዩ።
TBS TV Dimtsi Weyane
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

ፊልሞን ገብረህይወት፡ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ!————ድሕንነት ዜጋታት ምሕላው ግደ መንግስቲ እዩ። መንግስቲ እታ ዝናኣሰት ዕማሙ ምውሓስ ሰላምን ፀጥታን እያ። እዚ ምስ ዘይገብር መንግስትነቱ የ...
13/08/2025

ፊልሞን ገብረህይወት፡ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ!
————
ድሕንነት ዜጋታት ምሕላው ግደ መንግስቲ እዩ። መንግስቲ እታ ዝናኣሰት ዕማሙ ምውሓስ ሰላምን ፀጥታን እያ። እዚ ምስ ዘይገብር መንግስትነቱ የጠራጥር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ድኽመት መሓውር ፀጥታ ዝምስረትን በዚ ዝግብልን ገበነኛ ሓይሊ እዩ መንግስትነት ዝቆፃፀር። ኣብ በዓል ፊልሞን ካሕሱ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደገኛ ምልክት እውን እዚ እዩ።

ከም ሚድያ እዚ ኩነታት ኣጀንዳ መንግስትን ህዝብን ክኸውን ንሰርሕ ኣለና።
TBS TV Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኣጋይሽ ኣሸንዳ 2017 ዓም ምስ ET Holidays ኣብ ዙርያ በዓል ኣሸንዳ ዝተገበረ ምይይጥ ብምክንያት በዓል ኣሸንዳ 2017 ናብ ትግራይ ዝመፁ ኣጋይሽ ሕፅረት በረራ ኣየ...
04/08/2025

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኣጋይሽ ኣሸንዳ 2017 ዓም

ምስ ET Holidays ኣብ ዙርያ በዓል ኣሸንዳ ዝተገበረ ምይይጥ

ብምክንያት በዓል ኣሸንዳ 2017 ናብ ትግራይ ዝመፁ ኣጋይሽ ሕፅረት በረራ ኣየር ከየጋጥም; ወሰኽ ዋጋ ከይህሉ; ነቲ ክብረ በዓል ዕውትነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክዋፀኦ ዝግባእ ግደ ዘተ ኣካይድና:: ብዚ መሰረት 20% ቅናሽ ዋጋ ክግበር ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐ እንትኮን ናይ ሰነድ ምፍርራም ስራሕ ተሳሊጡ ኣሎ::

Important information for Ashenda 2025 guests

We met a respective team of ET Holidays to discuss about flights from Abroad-Addis Abeba-Tigrai and vice versa. We discussed to plan addressing shortage of flights and price increments during Ashenda 2025. Finally, ET Holidays agreed to offe 20% discout for travelers to and from Tigrai during the Ashenda celebration. Agreement is already signed and this will help mobility of many guests to attend Ashenda Festival!

Atsbha Gebreegziabher [ሓላፊ ቢሮ ቱሪዝም ትግራይ ] ጽቡቅ ስራሕ ዶ/ር...
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

29/07/2025

ምስ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ዝተገበረ መድረኽ :ኹልኹም ስለዝሓመምኹም ፀበል ኣባጋብር ናሕፅበኩም ፣ ፅምዶ ብቁልጡፍ ጠጠዉ ይበል፣ ተስማዕምዕኹም ህዝብ ምርሑ ...
https://youtu.be/_l3H8VOnc_k
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

ፕረስ ትግራይ፡ ሕዚ ኸ ናበይ?——————ጥሙር መግለፂ  ትካላት ሚድያ TPM ን TBS ንጀጋኑ ጋዜጠኛታትና ሎምዕለት ድሕሪ ዝበፅሖም ኣሰቃቒ ግፍዕን ፈተነ ቅትለትን ብሰላም  መቐለ ኣትዮም ኣለ...
28/07/2025

ፕረስ ትግራይ፡ ሕዚ ኸ ናበይ?
——————
ጥሙር መግለፂ ትካላት ሚድያ TPM ን TBS ን

ጀጋኑ ጋዜጠኛታትና ሎምዕለት ድሕሪ ዝበፅሖም ኣሰቃቒ ግፍዕን ፈተነ ቅትለትን ብሰላም መቐለ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ውፅኢት ክርከብ ዝሓገዝኩም መላእ ፈተውትናን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝብናን የቐንየልና ንብል።

እቶም ኣብ ወረዳ ወጀራት 20 ዓዲ ድምፂ ህዝቢ ንምዃን ወፊሮም ተዓፊኖም፣ ብዕጡቓት ተኸቢቦምን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቖምን ዝነበሩ ጉጅለ ቀረፃ TPMን TBSን፡ ድሕሪ ከቢድ ፃዕርን ስግኣት ሞትን ብሰላም ተረኺቦም ናብ መቐለ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዝተዓዘብናዮ ምድንጋፅን ራዕድን ኣብ ህዝብና ዝበፅሐ በደል ብዝግባእ ዘርኣየ እንትኸውን ብቀፃሊ ኣብ መደብን ዜናን ክነቕርቦ ኢና።

እዚ ክፉእ ኣጋጣሚ ብዘይካ ሰራሕተኛታትና ብሰላም ምርካብና ዝጠረልና ታሕጓስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትናን ዝቐለለ ፀገም የለን። እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ናፅነት ፕረስን ረብሓ ህዝብን ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ እዩ። ምፍታሕ ጋዘጠኛታትና ነዚ ዘቃልሎ ኣይኮነን።

እዞም ጀጋኑ ጋዜጠኛታትና ዘሕለፍዎ መከራ ቀሊል ኣይኮነን እንትንብል፡

🎯 ኣብ ስርሖም እናሃለዉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብዕጡቓት ተዓፊኖም።

🎯 ድሕሪ ምፍትሖም ናብ ስርሖም ቐጥታ ምስ ተመለሱ "ክንቀትለካ ኢና" ብዝመሳሰሉ ቃላት ክርዕዱ ተገይሩ።

🎯 ብረት ክላሽንኮቭ ብቀጥታ ናብ ዝቐርፁ ዝነበሩ ኣባላትና ተነፃፂሩ።

🎯ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ሰላማዊ ሰልፈኛ ተወቒዑ፡ እንትመውትን እንትቆስልን ርእዮም።

🎯 ብተኹሲ ተበታቲኖም ነንባዕሎም እኳ ክራኸብሉ ዘይኽእልሉ ዕድል ተፈጢሩ ምስ ስግኣት ሓደጋ ሞት ተላቲሞም።

🎯 ጋዘጠኝነት ከም ገበን ተቖፂሩ ኣብቲ ከተማ ኣባላትና ንምርካብ ብዕጡቓት ዝተደገፈ ተፍትሽ ተኻይዱሎም።

🎯 ንስዓታት ካብ ርክብ ቤት ዕዮኦምን ዓለም ተነፂሎም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ፀኒሖም።

እዚ ተግባር እዚ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት ዝተፈፀመ ሕማቕ ተግባር እዩ ኢልና ኣይንወስድን። ንናፅነት ፕረስ ንምሕናቕ፣ ሓቂ ንምጉዕፃፅ፣ ድምፂ ህዝቢ ንምዕማፅን ትግራይ ኣብ ቀይዲ መለኽቲ ክትቅፅል ንምግባርን ተባሂሉ ዝተገብረ ውዱብ ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ እዩ ኢልና ንኣምን።

ኣብ ታሪክ ፕረስ ትግራይ ጋዜጠኛታትና በደሎም ሓቂ ምቕራፅን ድምፂ ሓፋሽ ምቅላሕን እዩ ተባሂሉ ክምዝገብ እዩ።

ጀግና ህዝቢ ዓዲጉዶም ንጋዜጠኛታትና ዋሕስ ብምዃን ክዳኑ ከይተረፈ ሂቡን ኣመሳሲሉን ህይወቶም ካብ ዝትኩሱ ኣካላት ንምድሓን ዝገበሮ ፃዕሪ ዋላ እኳ ንደቁ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር እንተኾነ ከም ትካላት ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።

ዝምልከቶም ኣካላት ነዞም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ፍትሒ ንምርግጋፅን ክፅዕሩ እናተላበውና ህፁፅን ግልጽን ምርመራ ክካየድ ንጽውዕ።

ትካላትና TPM ን TBS ን ከምዚ ዝበለ ውሕስናን ድምፅን ህዝቢ ኮይንካ ምግልጋል ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተጠናኺረን ከም ዝቕፅላ የረጋግፃ።

20 ሓምለ 2017
መቐለ
TBS TV
TPM Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

ጀጋኑና ብህይወት እናሃለው ምክባር ክንለምዶ ይግባእ፡፡ካብ ኣምባሳዳራት ባህሊ ትግራይ ሓደ ዝኮነ ኣያና ፅጋቡ ተሻለ ሎማዓንቲ ናይ የቀንየልና መድረክ ኣብ ሆቴል ሃፀይ ዮውሃንስ ይሳለጥ ኣሎ፡፡...
17/07/2025

ጀጋኑና ብህይወት እናሃለው ምክባር ክንለምዶ ይግባእ፡፡
ካብ ኣምባሳዳራት ባህሊ ትግራይ ሓደ ዝኮነ ኣያና ፅጋቡ ተሻለ ሎማዓንቲ ናይ የቀንየልና መድረክ ኣብ ሆቴል ሃፀይ ዮውሃንስ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ፅጋቡ ንባህሊ ትግራይ ንዘበርከቶ ግደ ዝተዳለወ እዚ መድረኽ ብግዱሳት መናእሰይ ብናይ ማሕበራዊ ሚድያ ምንቕስቃስ ዝተጀመረ እዩ፡፡
ነዚ ዘዳለኹም ግዱሳት መናእሰይና ድማ ምስጋና ይግበኦም
10/11/2017
Angesom Abreha
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

ነባር ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን (PhD) ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ! ብ1963 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ዝተወልደ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ትማሊ 2 ሓምለ 2017 ዓ/ም ንጉሆ ዓሪፉ። ካብ ዩንቨርስቲ...
10/07/2025

ነባር ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን (PhD) ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ!

ብ1963 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ዝተወልደ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ትማሊ 2 ሓምለ 2017 ዓ/ም ንጉሆ ዓሪፉ።

ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብጋዘጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽን ፣ ደሓር ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ PhD ዝተምሃረ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ኣብቲ ሞያ ኣለው ካብ ዝበሃሉ ጋዜጠኛታት ሓደ ነይሩ።

ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ካብ ተራ ጋዜጠኝነት ክሳብ ዳይሬክተር ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ብምዃን ንነዊሕ እዋን ዘገልገለጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ብፍላይ "የሚድያ ዳሰሳ" ብዝብል ዓሚቕ ትንታነ ይወሃቦ ዝነበረ መደብ ብምቕራብን ብምስንዳእን ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኹናት ፅንተት ምስተኸፈተ እውን ጎና ጎኒ የካይዶ ዝነበረ ትምህርቲ PhD ሚድያታት ኣብ ምጥያሽ ፣ ሞያዊ ደገፍ ኣብ ምግባርን ፣ ድምፂ ንዘይረኸቡ ወገናት ድምፂ ብምዃን ኹናት ፅንተት ትግራይ ዓለም ክፈልጦ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ኣዕሪፉ እዩ።

ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ምስ ብዙሓት ሰባት ቁም ነገር ብምልውዋጥን ፣ ባህሊ ንባብ ንምዕባይን ይሕግዝ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ብፍሉይ መንበብቲ ካብ ዝበሃሉ ሰባት ውን ይምደብ ነይሩ።

ብብዙሕ ፀገምን ገልታዕታን ሓሊፉ ናይ PhD ትምህርቱ ወዲኡ ብሞይኡ ሙሉእ ኣበርክቶ ክገብርን ንስድርኡ ክሕግዝን ኣብ ዝጀመረሉ ግዘ ዕረፍቱ ምስማዕ ከቢድ እዩ።

ትግራይ ብሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ክትምዕብል ሓደ ኣበርክቶ ክገብር ናይ ባዕሉ ሕልሚ ከምዝነበሮ ውን ይፍለጥ።

ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ብዙሕ መዓልታት ከይፀንሐ ፣ ናይ ሓፂር እዋን ሕማም ገጢምዎ ከምዝሓለፈ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ተጋሩ ነበርቲ ኣሜሪካ ኣብ ሲያትል ትግራይ ኮሚዩኒቲ ናይ ሓዘን ምብፃሕ ስነ ስርዓት ኣዳልዩ ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ድምፂ ወያነ ትግራይ ንመላእ ስድራን ፈተውቱን ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ፅንዓት ይምነ።
via ክብሮም ሙሉጌታ
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

01/07/2025

#ሰበርዜና

ሎሚ ዕለት 24-10-2017 ዓ.ም ኮሚቴ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኬባ ውሳነታት እንተሕልፍ ሰለስቲአን ጋንታታት ትግራይ ( መቀለ 70 እንደርታ ፣ ስሑል ሽረ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት )ንዝመፅእ ውድድር ዓመት 2018 ዓ.ም ኣብ ፕሪመር ሊግ ንክፀንሓ ተወሲኑ ።

TBS TV
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

20/06/2025

#ይኣክል 5ይ ክረምቲ ምስ ፀገም ጥሜት ቁሪ ሕማምን ስቓይን ምኽራም ይኣክል ድምፂ መበል 3ይ መዓልቲ ቐፂሉ ዝወዓለ ተፈናቐልቲ ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ
13/10/2017
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

18/06/2025

ይኣክል ናብ መረበትና ምለሱና
ድምፂ ተፈናቐልቲ ምዕራብ ትግራይ
ኣብ ከተማ መቐለ 11/10/2017
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

ይኣክል 5ይ ክረምቲ  ኣብ ኬንዳ !!ይኣክል 5ይ ክረምቲ  ኣብ ኬንዳ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ማእከላት መዕቖቢ  ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ኣደባባያት  ከተማ መ...
18/06/2025

ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ !!

ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ማእከላት መዕቖቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ኣደባባያት ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

* ፅንተት ህዝቢ ትግራይ የብቕዕ!

* ሬሳታት እናቖፀርና ኣይንነብርን የብቕዕ!

* ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ!

* ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይከበር!

* ይኣክል ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ!

* ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ!

* ናብ ዓድና ንምለሰሉ ግዳይ መደራደሪ ኣይከውንን

* ናብ ቤትና መሉስና! ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ብምግዋሕ ድምፆም የስምዑ ኣለው ።

እቲ ዓለም ለካዊ ሰለማዊ ሰልፊ ብኣተሓባባራይነት ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተዳሐወ ኮይኑ ካብ ሎሚ 11 ክሳብ 13 ሰነ 2017ዓ/ም ንተከታታሊ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለን ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ከምዝሳለጥ ምግላፁ ይዝከር።
Dimtsi Weyane
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

11/06/2025

ናብ መረበትና ምለሱና ዝብሉ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ጥርዓን ከቕርቡ ብሰልፊ ናብ ቤት ፅሕፈት ጀነራል ታደሰ ወረደ ይኸይድ ኣለዉ።

እቶም ኣብ መቐለ ካብ ዝርከቡ ናይ ተመዛበልቲ ካምፕታት ዝመፁ ተመዛበልቲ "ህፃውንትን ኣዴታትን ይሞቱና ኣለዉ፡ ሬሳታት እናቖፀርና ኣይንነብርን" ይብሉ።

"ዘይትግበሩ መፅባዓታት ኣይንደልን" ዝብል ጭርሖ እናስምዑ፡ ሕዚ ኣብ ከባቢ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት (ደጀን) በፂሖም ኣለዉ።
ደስታ ገብረመድህን
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

Address

Tigrai
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Digital Weyane ዲጂታል ወያነ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Digital Weyane ዲጂታል ወያነ:

Share

DIGITAL WEYANE ድጅታል ወያነ

DIGITAL WEYANE ድጅታል ወያነ