TBS television supporters

TBS television  supporters Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from TBS television supporters, Media/News Company, Tigray, Wukro.

ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍትሕን ነፃነትን  ክረክብ እየ  እልካ ኣይትፀበ ***************************ካብ መንግስቲን ውድብን  ተስፋ ዝሰኣንካ  ህዝቢ ካብ ተለኣኣኽቲ ውድብ  ዝ...
22/05/2024

ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍትሕን ነፃነትን ክረክብ እየ እልካ ኣይትፀበ
***************************
ካብ መንግስቲን ውድብን ተስፋ ዝሰኣንካ ህዝቢ ካብ ተለኣኣኽቲ ውድብ ዝኾኑ ፍትሒን ፀጥታን ፍታሕ ክረክብ እየ እልካ ምፅባይ ዕሽነት እዩ ።

ኩሉ ነገር ዝከኣለካ ህዝቢ ትግራይ ግን ድማ ብዘይ እዛ ውድብ እዚኣ ምንባር ኣይከኣልይ እልካ ኣብ ፀልማት ምንባር ዝተለመድካ ውፅዕ ህዝቢ ትግራይ ሓድነትካ ተጠቕምኻ ካብ ባርነት ነፃ ንምውፃእ ተንቀሳቐስ ።

ክቡር ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ፍትሕን ነፃነትን ካብ ባዕልኻ ድኣምበር ማንም ክበካ ኣይትፀበ ።

ግዝኣት ትግራይ  VS  ውዕሊ ፕሪቶሪያ@@@@@@@@@@@@@@@ግዝኣት ሓድነት ትግራይ  ብውዕሊ ፕሪቶሪያ  ክምለሰ ከምዘይኽል  ናይ  #ኣብርሃም በላይ ካብ   ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር  ምእላ...
21/05/2024

ግዝኣት ትግራይ VS ውዕሊ ፕሪቶሪያ
@@@@@@@@@@@@@@@

ግዝኣት ሓድነት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ክምለሰ ከምዘይኽል ናይ #ኣብርሃም በላይ ካብ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ምእላዩ ሓደ መረጋገፂ እዩ ። ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምስ ኣብርሃም በላይ እንታይ ርክብ ኣለዎ ? እንተይልካ ዓሻ እኻ ።

21/05/2024
18/05/2024
Top 10  Donkey Producing Countries in the world --------------------------------------------------------1 Ethiopia -----...
08/05/2024

Top 10 Donkey Producing Countries in the world
--------------------------------------------------------
1 Ethiopia ---------------11,264,749
2 Sudan ------------------7,643,146
3 Pakistan----------------5,620,000
4 Chad-------------------4,115,104
5 Mexico-----------------3,288,681
6 Niger------------------1,988,893
7 China------------------1,966,900
8 Afghanistan-------------1,561,764
9 Iran--------------------1,556,450
10 Nigeria----------------1,369,121

ጉጅለ ልኡኽ  እስራኤል መቐለ ኣትዩ+++++++++++++++++++++++ብምክትል ኣፈጉባኤ ፓርላማ እስራኤል ሞሼ ሰሎሞን ዝተመርሐ ሹዱሽተ  ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል መቐለ ኣትዩ ።...
07/05/2024

ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል መቐለ ኣትዩ
+++++++++++++++++++++++
ብምክትል ኣፈጉባኤ ፓርላማ እስራኤል ሞሼ ሰሎሞን ዝተመርሐ ሹዱሽተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል መቐለ ኣትዩ ።

ዕላማ እቲ ዑደት ርክብ እስራኤልን ትግራይን ንምጥንኻርን ህፁፅ ሓገዛት ንምሃብን ከምኡ እውን ኣብ ዓውድታት ሕርሻን ሕርሻን ቴክኖሎጂን ሓገዛት ንምግባር ከምዝኾነ ተፈልጡ።

እቲ ጉጅለ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተራኺቡ ኣብ ምቕራብ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምጥንኻር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከምኡ ውን ኣብ ፀዓት (ሶላር)፣ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እስራኤል ንትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ዘተ ትኹረት ሂቦም ክመያየጡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነዚ ጉጅለ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ኮይኑ ዓዲ ዳዕሮ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ እውን ዑደት ከካይድ እዩ ተባሂሉ ።

ኣብ ጎኒ ጋንታታትና ብምኳን ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክንገብረለን ይግባእ።
01/05/2024

ኣብ ጎኒ ጋንታታትና ብምኳን ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክንገብረለን ይግባእ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ምዕባለታት ንግጭት ዝዕድም ዝኾነ ይኹን ነገር የለን ...ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)+++++++++++++++++++++++++++ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ  ምሰ ሓለፍቲ ም...
01/05/2024

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ምዕባለታት ንግጭት ዝዕድም ዝኾነ ይኹን ነገር የለን ...ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)
+++++++++++++++++++++++++++

ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምሰ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገርን ፌደራል መንግስትን ዝተገበረ ዘተ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ምክትል ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ገሊፁ ።

እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት ዝነበሮ ናይ ሓበር ምኽክር መድረኽ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከመይ ይፈፀም ዝብል ትልሚ ወፂኡ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ተገሊፁ።

ከመይ ይተግበር ዝብል ምይይጥ ከምዝተኻየደ ዝሓበረ ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ትግበራ ኣብ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን እቲ ውዕሊ ክሳብ 30 ግንቦት ከፍፀም ፣ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ 30 ሰነ ክውዳእ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተናግሩ ።

ዕጥቂ መን መን ይፈትሑ ፣ኣየኖት ምምሕዳራት ይፈርሱ፣ተመዛበልቲ ከመይ ይመለሱ ዝቡሉ ዝርዝር ትልሚ ዝወፅኣሉ እንትኾን ነዙይ ድማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለ ክትትል ቁፅፅርን ምረግጋፅን ክትትል እናተገበረሉ ክትግበር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እዩ።

ኩናት ደላይ ፣ኩናት ዘይደለይ ዝብል ዝፍጠር ዘሎ ተረኽ ጌጋ ምዃኑን ኣብ ባይታ ከምዘየለን ንፌደራል መንግስቲ ግልፂ ተገይርሉ ዝበለ ወዲ ወረደ ፣ ካብዚ ትግበራ ወፃኢ ካሊእ ንድሕሪት ዝመልስ ነገር ብወገን ፌደራል መንግስቲ እውን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊፁ ።

ብወገን ድማ ትግራይ ናይ ዓዲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ እጃም ንምብራካት ተራ ንምፅዋት ኢና ንሓስብ፣ካብዚ ዕንኪልል ዝጥቀም ነቲ ውዕሊ ዘይቕበል ጥራይ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዝተውሃበ ሓቢሩ ።

ተመዛበልቲ ወገናት ቅድሚ ምምላሶም መሬቶም ፣መንበሪ ገዘኦም፣ ሕርሻ ተታሒዙ ስለዘሎ መጀመርያ ምችው ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ምርድዳእ ተገይርሉ ።

ብወገን ትግራይ ዕጡቓት ሓይልታት ከብተን ከባቢታት ክነውፅእ ኢና ዝበሉ ጀነራል ታደሰ በቲ ካሊእ ወገን ዘለዎ ዝሰፈሩ ሰፍርቲ እውን ክወፅኡ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን
እዙይ ኩሉ ምስተገበረ ድማ ተመዛበልቲ ወገናት ከምዝምለሱ ተናግሩ ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምትግባር ብወገን ትግራይ ክሳብ ታሕቲ ምርድዳእ ብምግባር ምድላዋት ተወጊኑ እዩ።

ብወገን ምክልኻል ሃገር ዝስርሑ ዘለዎ ስራሕቲ ክትትል እናተገበረ እዩ፣ ብወገን ፌደራል እውን እቲ ውዕሊ ንምትግባር ክሳብ ታሕቲ ከውርዶ ትፅቢት ንገብር ኢሉ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ተፃብኦታት ከምዝህልዎም ይፍለጥ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) እቶም ተፃብኦታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብወገን ፌደራል ይኹን በትግራይ ቃልሲ ክግበረሉ ከምዝግባእ ወዲ ወረደ ሓቢሩ ።

ድወት

30/04/2024

ኣብዚ ዓመት ኣብ ከተማታት ትግራይ ካብ ዝወፀ 100 ሄክታር ሊዝ ውዕሊ ዝተኣሰረሉ 49 ሄክታር ጥራሕ ከምዝኾነ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ትግራይ ሓቢሩ ።

30/04/2024

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝተገበሩ ዘይሕጋዊ መሬት ልውውጥ ሕጋዊ ከይኾኑ ተገይሩ --ሓላፊ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ገ/ ሂወት

እቶም ሓላፊ ነዙይ ዝበሉ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ምሕደራን መሬትን መዓድንን ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እዩ።

ቅድሚ 2013 ዓ/ም ኣብ መዝገብ ቤት ተዓሹጎም ዝነበሩ ፋይልት ምቑፃርን ተገይሩ እዩ ዝበሉ እቶም ቢሮ ሓላፊ 98 ሚኢታዊ ክቑፀር ካብ ዝግብኦ ፋይላት ክቑፀር ተገይሩ እዩ ።

ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተገብረ መሬት ናይ ምድሓዝን ምልዋጥን ስራሕ ሕጋዊ ከይኮኑ ተገይሩ እዩ ክብሉ ተናግሮም።

እቲ ኩናት ካብ ዝውላዕ ንነዘ ክሳብ 2016 ዓ/ም ኩሎም ዓይነታት ኣገልግሎት መሬት ማለት እውን መጠሻ፣ ውርሲ፣ ሊዝ እናተውሃበ ኣይፀንሐን ኢሎም።

ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝወሰኖ መሰረት ብደንቢ ቁፅሪ 1 /2015 ወፂኡ እዩ ቅድሚ እቲ ኩናት ዝተወሰኑ ስራሕቲ ክትግበሩ ተፈቒዱ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ ሓዱሽ መሬት መሻጥ፣ሓዱሽ መጠሻ፣ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ከምዘይተፈቐደ ኣብሪሆም።

ካሕሳ ብዝምልከት መምርሒ ቁፅሪ 4/2016 ተባሂሉ ወፂኡ እዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ ብፍላይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣትው መሬት ዝነበሩ ፀገማት ዝፈተሐ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሓደ ገባር ንልምዓት ዝተደለይ መሬት ክውሰድ እንተሎ ናይ 15 ዓመት ምህርታት ኣብ ግምት በምእታው ናይ ሰለስተ ዓመት ምህርቲ እታ ዝለዓለት ምህርቲ ዝረኸበላ መሰረት ገይርካ ይካሓስ ይብል።

ንልምዓት ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ እቲ ተተሊሙ ወይ ተሓሲቡ ዘሎ ፡ እቲ በዓል መሬት ክሰርሖ እየ እንተይሉ ቅድሚያ ይውሃቦ እዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ ኣብ ናይ ገጠር መሬት ግን ንሕርሻ ጥራይ እንተኾይኑ እዩ ዝፍቀድ ኢሎም።

ተሓራሳይ መሬት ምሻጥ ክልኩል እዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ ካብ ተሓራሳይ መሬት ፣መጠሻ እናሸንሸንካ ምሻጥ ዝተኸልከለ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ዝለዓል ዘሎ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ እናሰርሐ እዩ ኢሎም።

ውራ መሬት ኣመልኪቶም ኣይተ ካልኣዩ ኣብ ገጠር ስርዓት ካዳስተር ስለዝተኣታተወ ብዙሑ ዝረኣ ፀገም ኣይኮነን ብምባል ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ፣ወሰን ከተማታትን ዕሸል ከተማታት ዝተብሃላ እቲ ውራ መሬት ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፆም።

በቲ ቢሮ ብዝተገበረ መፅናዕቲ 6342 ሄክታር ከምዝተትሓዘ ተረጋጊፁ እዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ ዛጊድ 5850 ሄክታር ክምለስ እንትግበር ዝተረፈ 1200 ሄክታር ድማ ንምምላስ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

ድምፂ ወያነ

Address

Tigray
Wukro

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TBS television supporters posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share