Wukro post

Wukro post Author

13/10/2023
ፅንዓት ይሃብኪ ትግራይ ዓደይ 😭!!
01/10/2023

ፅንዓት ይሃብኪ ትግራይ ዓደይ 😭!!

01/10/2023

ፅንዓት ይሃብካ ህዝበይ 😭😭

ክቡር አይተ ሓድሽ አሰፋ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ከተማ ውቅሮን ምክትል ከንቲባ ውቅሮን  ምጅማርል ምክፍል ግብሪ አመልኪቶም  ዘሕለፍዎ መልአክቲ።ዝተክበርኩም  ልምዓታውያን ከፍልቲ ግብሪ ...
12/07/2023

ክቡር አይተ ሓድሽ አሰፋ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ከተማ ውቅሮን ምክትል ከንቲባ ውቅሮን ምጅማርል ምክፍል ግብሪ አመልኪቶም ዘሕለፍዎ መልአክቲ።

ዝተክበርኩም ልምዓታውያን ከፍልቲ ግብሪ ከትማና
ዝተከበርኩም ኣብዝተፈላለዩ ውዳበታት ተመዲብኩም ግብሪ ብፍትሓውነትን ብእዋኑን ንክፍፀም እትስርሑ ዘልኩም ኣመራርሓ መንግስት; ነጋዶን ስብሞያንከተማና
እንካዕ ንመዓልቲ ምክፋል ግብረ እብፀሐኩም ኣብፀሐና
ብስንኪ ዝገጠመና ጆኖሳይዳዊ ወራር እብ ዝሓለፈ ክልተዓመታት በቱ ስርዓት መስርት ግብሪ ብኣግባቡ ክንእክብ የከኣልናን። እቱ ኣብ ስላም እዋን ዝኣከብናዮን ዘልማዕናዮን እዞም ደመኛታት ፀላእትና ኩሉ ነገር ኣዕንዮምዊ ፣ ወሪሮምዎ ፣ ከምዘየለ ገይሮምና እዪም።
ስምምዕነት ፕሪቶርያ ምስተፍፀመ እውን እቲ ድምፂ ተኩሲ እዪ ኣቃሪፁ እንበር ስላሕታዊ ፅንተት ብጥምየት ፣ብሕፅረት መድሓኒት ህዝቢ ይሞት እሎ ፣እቲ ዓመፅን ጭውያን ኣየቃረፀን ።ግዝእታዊ መሬትና ኣይተመለስን ፣ዝተፈናቀለ ህዝብና ናብ መሪበቱ ኣይኣተወን።
ኣብዚ ከምዚ ዝበለ እዋን ኮይና እንእክቦ ግብሪ ካብናይ ካልኦት እዋናት ዝተፈለየእዮ። ፍልይነቱ ሐዚ ዝእከብ ግብሪ
1-ንዝዓነው ትካላት መስሪት ልምዓትን ብምህናፅ ትንሳኤትግራይ ንምብሳር።
2- ቢሂራዊ መፅቀጥቲ ንምጥፋእን ፣ጀኖሳይዳዊ ፅንተት ንምምክት ዝሓለፉ ስማእታትስድርኦም ንምድጋፍ ፣ኣካሎም ዝጎደሉ ሃርበኛታት እግሪንምትካል ።
3 -ዳግም ናብኪናት ንከይንኣቱ ስላምን ድሕንነትናን ብውሽጣዊ ዓቅምና እነሐይለሉ ስለዝኮነን ፅባሕ ደማዊ ውግእ ኮይና ዝካየድ ዘሎ ምእካብ ግብሪንልምዓትን ሕውየትንእዮ።
ስለዝኮነ ክንዓብን ክንልወጥን እንተኮይንና ኣፍላላይና ኣፅቢብና ፣ትግራውነትና እቀዲምና ህዝብና፣ነጋዶና ንመንግስቲስረሕትኛና ፣ኣብውሽጢዓዲ ኣብ ወፃኢ ዘለና ተጋሩ እንትንሓብር ንጥንክር ፀላእትና እውን ንቀብር ።
ስለዚ ኣማራፂና ምሕባር ምውዳብ ፣ለይትን ቀትርን ምሽቃል ስለዝኮነ ዝዘለና ንወክፍ ።
ንነቃቅፍ ኣይንስካከፍ
ምትን ግብርን ኣይተርፍን
ንዘይተርፍና
ንክፍል ብእዋና

የቀንየለይ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኣባ ገዳታትን ሃዳ ስንቄን ክልል ኦሮምያ  ልዕሊ 10 ሽሕ ኩንታል  ሓገዝ ምግቢ ሒዞም  መቐለ ኣትዮም ።------ዘላቒ ሰላም ክህሉን ውዕሊ ዘላቒ ቶኽሲ ጠጠዉ ምባል ፕሪቶር...
26/04/2023

መራሕቲ ሃይማኖት ኣባ ገዳታትን ሃዳ ስንቄን ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 10 ሽሕ ኩንታል ሓገዝ ምግቢ ሒዞም መቐለ ኣትዮም ።
------
ዘላቒ ሰላም ክህሉን ውዕሊ ዘላቒ ቶኽሲ ጠጠዉ ምባል ፕሪቶርያ ተግባራውነት ክህልዎን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ርክባት ብምክያድ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ፡፡

ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝህሉ ርክባት ንምጥንኻርን ዘላቒ ሰላም ክህሉን መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣባገዳ፣ ሃዳ ስንቄን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘሎ ንምግርግጋፅ 10 ሽሕ ኩንታል ሒዞም መቐለ ኣትዮም ፡፡

እቶም ኣባገዳታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሃዳ ስንቄን ካብ ዞባ ምዕራብ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናትን ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትትዮ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ በደልን መከራን ዝለዓለ ምዃኑ ብምግላፅ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ብሙሉኡነት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝሰርሑን ኣብ ህዝቢ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ሰብኣዊ ፣ሰነ ልቦናዊ ፣ማሕበራውን ቁጠባውን ሃሰያ ንምሕጋዝ ድማ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ከም ዝብሉን ድጋፎም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉሉን ሓቢሮም ፡፡ ዝለኣኾም ህዝብን መንግስትን ኦሮምያ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ብወገኖም ነቲ ዘለዎም ከበድቲ ፀገማት ዝፍታሕ ፋይናንሳዉን ንዋታዉን ሓገዝ ብምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ መረበቱ ክምለስ ምስራሕ ምዃኑ ብምግላፅ እቶም ልኡዃት ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ክሕግዙ ፀዊዖም።

ንግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ወኪሎም ሓገዝ ዝተረኸቡ ኣካላት ድማ ብብሄራዊ ክልልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዝተገበረሉ ሓገዝ ብምምስጋን ደገፎም ክቕፅል ተላብዮም፡፡

ካብ ህዝቢ ኦሮምያ ንህዝቢ ትግራይ ዝተሰደደ ሓገዝ ዝሓዛ መኻይን መቐለ ኣትየን።
26/04/2023

ካብ ህዝቢ ኦሮምያ ንህዝቢ ትግራይ ዝተሰደደ ሓገዝ ዝሓዛ መኻይን መቐለ ኣትየን።

26/04/2023
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሀመር ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘትዮም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስቲ  ልኡኽ ጉጅለ ዘካየድዎ ዘተ ዕውት ከምዝነበረ ኣብ ዕላዊ ...
26/04/2023

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሀመር ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘትዮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስቲ ልኡኽ ጉጅለ ዘካየድዎ ዘተ ዕውት ከምዝነበረ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፆም ጠቒዖም።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሓዊሱ፣ ምንጋስ ፍትሕን ተሓታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ከምኡ እውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ግደ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ዝብሉ ዛዕባታት ዕውት ዘተ ምስላጦም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝገብሮ ዘሎ መትከል መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ንኢዶም።

18/04/2023

"ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ናብ ትምህርቲ ኣይተመለሱን።"ትካል ኣድሕን ህፃናት the children.
-------
ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንምቁራፅ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም እኳ እንተተኸተመ፡ ዛጊድ "ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ትግራይ ናብ ትምህርቲ ኣይተመልሱን"። ክብል " ትካል ኣድሕን ህጻናት the children ዕላዊ ገይሩ።

ሓላፊት ክፍሊ ኮምዩኒኬሽን፣ ሚድያን ኣድቮኬሲን ሴቭ ዘ ቺልድረን ኢትዮጵያ ህይወት እምሻው ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኩናትን ጎንፅን ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህፃናት ካብ ቤት ትምህርቲ ከምዝተመዛበሉ ሓቢራ ።

ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉሽ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝሓበርዎ ፣ ኣብ ትግራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ ዝፅበዩ 2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ተምሃሮ ከምዘለዉን፣ ነዞም ህፃናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ትምህርቲ ንምጅማር ይሰርሑ ከምዘለዉን ጠቒሱ ።

ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ሙሉእ ብምሉእ ምዕናዎም፣ዝተረፉ ዉሑዳት ድማ መዕቖቢ ትመዛበልቲ ኮይኖም ብምህላዎምን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሰብ ትምህርቲ እዉን ልዑል ኪሳራ ብምስዓቡን ከም ትግራይ ደጊምካ ትምህርቲ ንምጅማር ዘሎ ብድሆ ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሮም ።

ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ቀፂሉ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጅኖሳይዳዊ ወራር ስዒቡ ህፃናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ወፂኦም ከም ዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣብ ትግራይ 46 ሽሕን 500 መምህራን ብዘይ ደሞዝ ኣብ ከርፋሕ ናብራ ይነብሩ ምህላዎም ቪኦኤ ፀብፂቡ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ክልልና ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ዝበኡ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ንዕውትነት እዚ ትልሚ ድማ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዘድሊ ደገፍ ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዳይረክተር ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣብ ኢትዮጵያ ዛቪየር ጆበርት ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝዝከር እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ኩናት፣ ጎንፂ ፣ጥምየትን ፅልዋ ቅልውላው ክሊማን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ገዝኦም ክስደዱ ብምግዳድ፡ ማእለያ ዘይብሎም ህጻናት ትምህርቲ ከቋርጹ ተገዲዶም ኢዮም ይብሉ ።

ብሰንኪ እቲ ኩናት ዝተበላሸዉ ወይ ዝዓነዉ ህንፃታት ኣብያተ ትምህርቲ ክዕረዩ፣ ደሞዝ ዘይተኸፈሎም መምህራን ድማ ንስራሖም መተባብዒ ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ ዝበሉ ዛቪየር ጆበርት በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ህጻናት ትምህርቲ ንኽቕፅሉ ንድግፍ ኣለና፡ እንተኾነ ግን ነፍሲ ወከፍ ናይ መወዳእታ ብሰብኣዊ ቅልውላው ዝተሃስየ ህፃን ትምህርቲ ንኽረክብ ዝያዳ ክግበር ኣለዎ ክብሉ ኣገንዚቦም።
____________________
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ !!!
___________
Website: www.tigraitv.com
Facebook: https://www.facebook.com/tigrai.tv1/
Telegram: https://t.me/Tigrai_Ttv
Email: [email protected]
Twitter: https://twitter.com/Tigrai_TV
Instagram: https://www.instagram.com/tigrai.tv
YouTube: https://www.youtube.com/c/TigraiTv

Tigrai tv / Tigray tv or,ቴሌቪዥን ትግራይ -Tigrai Television is a national television of Tigrai broadcasting from Mekelle.

Address

Tigray
Wukro
WUKRO

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Wukro post posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Wukro post:

Share