18/04/2023
"ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ናብ ትምህርቲ ኣይተመለሱን።"ትካል ኣድሕን ህፃናት the children.
-------
ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንምቁራፅ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም እኳ እንተተኸተመ፡ ዛጊድ "ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ትግራይ ናብ ትምህርቲ ኣይተመልሱን"። ክብል " ትካል ኣድሕን ህጻናት the children ዕላዊ ገይሩ።
ሓላፊት ክፍሊ ኮምዩኒኬሽን፣ ሚድያን ኣድቮኬሲን ሴቭ ዘ ቺልድረን ኢትዮጵያ ህይወት እምሻው ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኩናትን ጎንፅን ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህፃናት ካብ ቤት ትምህርቲ ከምዝተመዛበሉ ሓቢራ ።
ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉሽ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝሓበርዎ ፣ ኣብ ትግራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ ዝፅበዩ 2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ተምሃሮ ከምዘለዉን፣ ነዞም ህፃናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ትምህርቲ ንምጅማር ይሰርሑ ከምዘለዉን ጠቒሱ ።
ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ሙሉእ ብምሉእ ምዕናዎም፣ዝተረፉ ዉሑዳት ድማ መዕቖቢ ትመዛበልቲ ኮይኖም ብምህላዎምን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሰብ ትምህርቲ እዉን ልዑል ኪሳራ ብምስዓቡን ከም ትግራይ ደጊምካ ትምህርቲ ንምጅማር ዘሎ ብድሆ ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሮም ።
ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ቀፂሉ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጅኖሳይዳዊ ወራር ስዒቡ ህፃናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ወፂኦም ከም ዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣብ ትግራይ 46 ሽሕን 500 መምህራን ብዘይ ደሞዝ ኣብ ከርፋሕ ናብራ ይነብሩ ምህላዎም ቪኦኤ ፀብፂቡ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ክልልና ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ዝበኡ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ንዕውትነት እዚ ትልሚ ድማ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዘድሊ ደገፍ ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዳይረክተር ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣብ ኢትዮጵያ ዛቪየር ጆበርት ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝዝከር እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ኩናት፣ ጎንፂ ፣ጥምየትን ፅልዋ ቅልውላው ክሊማን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ገዝኦም ክስደዱ ብምግዳድ፡ ማእለያ ዘይብሎም ህጻናት ትምህርቲ ከቋርጹ ተገዲዶም ኢዮም ይብሉ ።
ብሰንኪ እቲ ኩናት ዝተበላሸዉ ወይ ዝዓነዉ ህንፃታት ኣብያተ ትምህርቲ ክዕረዩ፣ ደሞዝ ዘይተኸፈሎም መምህራን ድማ ንስራሖም መተባብዒ ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ ዝበሉ ዛቪየር ጆበርት በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ህጻናት ትምህርቲ ንኽቕፅሉ ንድግፍ ኣለና፡ እንተኾነ ግን ነፍሲ ወከፍ ናይ መወዳእታ ብሰብኣዊ ቅልውላው ዝተሃስየ ህፃን ትምህርቲ ንኽረክብ ዝያዳ ክግበር ኣለዎ ክብሉ ኣገንዚቦም።
____________________
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ !!!
___________
Website: www.tigraitv.com
Facebook: https://www.facebook.com/tigrai.tv1/
Telegram: https://t.me/Tigrai_Ttv
Email: [email protected]
Twitter: https://twitter.com/Tigrai_TV
Instagram: https://www.instagram.com/tigrai.tv
YouTube: https://www.youtube.com/c/TigraiTv
Tigrai tv / Tigray tv or,ቴሌቪዥን ትግራይ -Tigrai Television is a national television of Tigrai broadcasting from Mekelle.