20/09/2026
ሰራዊተይ ንእገዳ በዲሁ፡ ብጽንዓት ሰጊሩዎ!
ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላቶ፡፡እቲ እገዳ ግን፡ ንሰራዊትና ኣይዓገቶን፣ ኣይሰበሮን፣ ኣይድኸሞን! ካብ ሃገሩን ህዝቡን ምክልኻል ድማ ንሓንቲ ሰከንድ እውን ኣየቋረጾን፡፡ ብኣንጻሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸቕጢ፡ ጽንዓቱ ኣወሲኹ፣ ሓድነቱ ኣሐይሉ፣ ወኑን ሞራሉን ኣበሪኹዎ እዩ! ሰራዊትና ኣይምብርከኽን፣ ኣይስዓርን፣ ሃገሩ ኣሕሊፉ ኣይህብን! እገዳ ሎሚ ተላዒሉ፤ ሰራዊተይ ግን ቀደም ብጽንዓቱ ስዒሩዎ እዩ!