ረመፅ ታይምስ - 𝐑𝐄𝐌𝐄𝐓𝐒 𝐓𝐈𝐌𝐄𝐒

ረመፅ ታይምስ - 𝐑𝐄𝐌𝐄𝐓𝐒 𝐓𝐈𝐌𝐄𝐒 እዋናዊ ሓበሬታታትን ትንታነታትን ንምርካብ ረመፅ 𝐓𝐈𝐌𝐄S ይከታተሉ

12/09/2025

በዓል ሓዱሽ ዓመት ብመንእሰይ በዓል ሃፍቲ ኣንገሶም ተኽላይ ንተመዛበልቲ ወገናት ናይ ምሳሕ እንግዶትን ተሃድሶን ብድሙቅ ኩነታት ሓሊፉ።መተሓባበሪ ናይዙይ መደብ ከያኒ ማክእዝራ እንትኸውን ፉሉይ ፕሮግራም እዩ ሓሊፉ።

በዓል ሃፍቲ ኣንገሶም ተኽላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛትን ማሕበራዊ ስራሕትን ዝፍለጥ መንእሰይ እንትኸውን ነቶም ተመዛበልቲ ወገናትን መላእ ህዝብን ናይ እንኳዕ ኣብፅሕኩም መልእኽቲ ብምሕላፍ ኩልግዘ ድማ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ኰይኑ ሓገዝ ከምዝቅፅል ገሊፁ እዩ።

ተመዛበልቲ ወገናት እውን ንዝተገበረሎም እንግዶት ብምምስጋን ንበዓል ሃፍቲ ኣንገሶም ተኽላይ እውን ምስጋና ኣቅሪቦም እዮም። ካልኦት ሰብ ሃፍቲ እውን ኣሰር ክስዕቡ ፃውዒት ተገይሩ እዩ።በዓል ሃፍቲ ኣንገሶም ኣብ ሓዱሽ ዓመት ብጠቕላላ ልዕሊ 7 ሚልዮን ወፃኢ ብምግባር ንዝተፈላለዩ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ሓገዝ ከምዝገበረ ተፈሊጡ።

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት!

[ረመፅ ታይምስ]

ባንኪ ኣንበሳ ዕውት ዝኾነ ዓመታዊ ኣፈጻጸም ብምስራሕ ዘመዝገቦ ዓወት ከም ባንኪ ዕላዊ መብርሂ ሂቡ። ላዕለዎት ማናጅመንት እቲ ባንኪ ሓዊሱ ብፍላይ መሪሕነት ፕረዚዳንት ዳንኤል ተከስተ እውን ...
21/08/2025

ባንኪ ኣንበሳ ዕውት ዝኾነ ዓመታዊ ኣፈጻጸም ብምስራሕ ዘመዝገቦ ዓወት ከም ባንኪ ዕላዊ መብርሂ ሂቡ።

ላዕለዎት ማናጅመንት እቲ ባንኪ ሓዊሱ ብፍላይ መሪሕነት ፕረዚዳንት ዳንኤል ተከስተ እውን ልዑል ክብሪ ይግብኦ።

ልሐሸ ዓመታዊ ትርፊ ሓዊሱ ንሰራሕተኛታቱ እውን ደመወዝ ወሰኽን መበረታትዒ ዕብየትን ሂቡ ኣሎ።
እንኳዕ ደስ በለኩም!

ሓበሬታ ባንኪ ኣንበሳ።
[ረመፅ ታይምስ]

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ ሎሚ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።ካብዙይ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ ምጅማር ባንኪ'ውን ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተን ፅንዓትን ብምግባር ናብ...
24/07/2025

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ ሎሚ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።ካብዙይ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ ምጅማር ባንኪ'ውን ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተን ፅንዓትን ብምግባር ናብ ዘላቒ ዝተማእኸለ ትካል ንምስግጋር ዘኽእሎ ፈለግ እናሓንፀፀ እዩ።

እቲ ሎሚ 'AdoPay' ብዝብል ስያመ ዕላዊ ዝገበሮ ፕሮጀክት ኣብ Playstore ብምእታው ግልጋሎት ምርካብ ከምዝከኣል ኣብቲ መድረክ ተገሊፁ እዩ። ደደቢት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ኩለመዳይ ዘበናዊ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ዝነኣድ እዩ።ላዕለዋይ ፈፃሚ ስራሕ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ክቡር ኣይተ ሙልጌታ ሓዊሱ መላእ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ልዑል ክብሪ ይግባእ። ትካላውነት ብተግባር እናርኣዩ ይርከቡ።

ኣብ ትግራይ ምጅማር ምዝገባ ትምህርቲ ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ስዒቡ ብፍላይ ምስ ወሰኽ ክፍሊት ተተሓሒዙ ኤልሻዳይ ቤት ትምህርቲ ምንም ወሰኽ ከምዘይገብር ብደብዳቤ ኣፍሊጡ ኣሎ።ናይ ብሓቂ...
12/07/2025

ኣብ ትግራይ ምጅማር ምዝገባ ትምህርቲ ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ስዒቡ ብፍላይ ምስ ወሰኽ ክፍሊት ተተሓሒዙ ኤልሻዳይ ቤት ትምህርቲ ምንም ወሰኽ ከምዘይገብር ብደብዳቤ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ናይ ብሓቂ ተገዳስነት ዘለዎ ትካልን ብፍላይ ህፃናትን ፅጉማትን ሓብሒቡ ኣብ ልዑል ብርኪ ዘብፅሕ እዚ ትካል ምስጋና ይግብኦ።ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣሰር ክስዕቡ ይግባእ።ኤልሻዳይ የቐንየልና።

[ረመፅ ታይምስ]

መስራትን ማኔጂንግ ዳይሬክተርን ዛምራ ኮንስትራክሽን ዝኾኑ ኣይተ ስባጋድስ ኣባይ ናይ ብሓቂ ህዝብን መላእ መንእሰይን ዝፈትዎም ምዃኑ ብግልጺ ተራእዩ እዩ። ብፍላይ ግዙፍ ህንጻ ባንኪ ወጋገን ...
06/07/2025

መስራትን ማኔጂንግ ዳይሬክተርን ዛምራ ኮንስትራክሽን ዝኾኑ ኣይተ ስባጋድስ ኣባይ ናይ ብሓቂ ህዝብን መላእ መንእሰይን ዝፈትዎም ምዃኑ ብግልጺ ተራእዩ እዩ። ብፍላይ ግዙፍ ህንጻ ባንኪ ወጋገን ኣብ መቐለ ንክስራሕ ዛምራ ኮንስትራክሽን ስዒሩ ዕላዊ እንትኸውን: ኩሉ ብተግባር ድጋፍን ሓጎስን ገሊጹ እዩ። ደስ ይብል!

ኣይተ ስባጋድስ: ብህዝቦምን ዓዶምን ተፈታዊ: ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ንጥፈት ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ ግዱስ በዓል ሃፍቲ እዮም።ብፍላይ ቅድሚ ኩናት ኣቢሉ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ማእኸል ሳይንስን ምርምርን ንምህናጽ ዕዙዝ ስራሕ ዝሰርሑ: ንመናእሰይ ብምብርትታዕን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ብዙሕ ስራሕ ዘመዝገቡ በዓል ሃፍቲ እዮም።

መላእ ህዝብን መንእሰይን ሐዚለ ከም እኒ ኣይተ ስባጋድስ ዝኣመሰሉ ግዱሳት ሰብ ሃፍቲ ኣጆኹም ብምባል ድጋፍ ከቀጽል ኣለዎ። መንግስቲ ንከምዚኦም ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን ኢኮኖሚ ዓዲ ዘንቀሳቅሱን ሰብ ሃፍቲ ካብ ኢንቨስትመንት ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ዕድላት ከመቻችወሎም ኣለዎ።

መላእ ህዝቢ ብሓፈሻ ንትካል ዛምራን ንኣይተ ስባጋድስን እንኳዕ መጻኹምልና ብምባል ድጋፉ ይገልጽ ኣሎ። ደስ ይብል።

ሕውየት ትግራይ ብዘላቕነት ዘረጋግጽን ውሑስ ኢኮኖምያዊ ጉዕዞ ዝገሃድን ብፍላይ ኣብ ሓቀኛ ልምዓታዊ ስራሕን ህዝባዊ ዕዮን ዝነጥፉ ዘለዉ ሰብ ጸጋ ዓንዲ ትግራይና ክበረታትዑን ግቡእ ክብሪ ክወ...
23/04/2025

ሕውየት ትግራይ ብዘላቕነት ዘረጋግጽን ውሑስ ኢኮኖምያዊ ጉዕዞ ዝገሃድን ብፍላይ ኣብ ሓቀኛ ልምዓታዊ ስራሕን ህዝባዊ ዕዮን ዝነጥፉ ዘለዉ ሰብ ጸጋ ዓንዲ ትግራይና ክበረታትዑን ግቡእ ክብሪ ክወሃቦምን ይግባእ።

ብጥበብ ቤተ ክህነት ጸጋ ዝተዓደሉ: ተወሊዶም ካብ ዝዓበዩላ ሰሜን ምዕራብ ካብ ንእስነቶም ለይትን ቀትርን ብስራሕ ተጸሚዶም ዝሰርሑ እሞ ድማ ረኣዩኒ ዘይብሉ ብትሕትና እውን ዝበሰሉ መርጌታ ተኽላይ ኣረፈ ዳርጋ ዘይፈልጥ የለን ምባል ይከኣል።መርጌታ ተኽላይ ወናኒ ሆስፒታል ዶክመር-ሽረ: ኢምፖርት ኤክስፖርት ስራሕቲ ኢሉ ድማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝሰርሑ በዓል ሃፍቲ እዮም።

ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀዲሞም ዝመጹ፤ ንመናእሰይ ተሞኩሮ ብምሃብ ሃይማኖቶምን ዓዶምን ክፈትዉ ዘስተምህሩ: ልዕሊ ኩሉ ድማ መዋእለ ንዋዮም ምስ ከቢድ ኪሳሩኡ ሓዊሱ ይትረፈኒ ብምባል ኣብ ዓዶም ዝገበሩ: ካብ ውቅብቲ ከተማ ሽረ ዝበረቑ መላእ መንእሰይን ህዝቢ ትግራይን እውን ኣጸቢቑ ክፈልጦም ዘለዉ ናይ ስራሕ ሰብ ሊቅ ቃለ እግዚአብሔር እዮም።

መርጌታ ከም ሃገሮም ኣብ እዋን መኸተ ከቢድ ንዋታዊ ኪሳራ ዝበጽሖም: ድሕሪ ፕሪቶሪያ ግና ተስፋ ብዘይምቑራጽ ኣብ ዓዶም ሆስፒታል ከፊቶም ንህዝቦም ቀዲሞም ዝበጽሑ ውሩይ በዓል ሃፍቲ እዮም።ዛጊድ ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ንህንጸት ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ስራሕቲ ዘወፈዩ: ንመናእሰይ ዘበረታትዑ: ረኣዩኒ ዘይብሉ ብሃይማኖት እውን ዝበቕዑ ትግራዋይ በዓል ሃፍቲ እዮም።

ብሓፈሻ ትግራይ ኢሉ ድማ ባንክታትን ቁጠባዊ ትካላትን ንከም መርጌታ ዝኣመሰሉ ንህዝቦም ዘቐድሙ ናይ ስራሕ ሰባት ልቓሕን ኢንቨስትመንትን ክመቻቸወሎም: ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ መንእሰይ እውን ብዝግባእ ግንዛበ ወሲዱ ኣብ ጎድኖም ክኸውንን ይግባእ እብል።

ክብሪ ንስለ ህዝቦምን ዓዶምን ዝሰርሑ ዘለዉ ክቡር በዓል ሃፍቲ መርጌታ ተኽላይ።ትግራይ ብዕሊ ተመስገኖም እዋን ቀረባ እዩ። ''እስመ በትሕትና ተረክበ ልዕልና'' ከምዝብሎ መጽሓፍ።

ረመፅ ታይምስ!

ትካላት ትግራይ ብመናእሰይ ኢንጂነራትን ምሁራትን ክምርሓ ዝግባእ እዩ። ብፍላይ ኩባንያ ልምዓትን መዓድን ኢዛና ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ፀላእቲ ካብ ዜሮ ተላዒሉ ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ ስራሕ ብምእታ...
25/02/2025

ትካላት ትግራይ ብመናእሰይ ኢንጂነራትን ምሁራትን ክምርሓ ዝግባእ እዩ። ብፍላይ ኩባንያ ልምዓትን መዓድን ኢዛና ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ፀላእቲ ካብ ዜሮ ተላዒሉ ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ ስራሕ ብምእታው ርኡይ ስራሕ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።ኣመራርሓ ትካል ኢዛና እውን ክብሪ ይግብኦም።

ብፍላይ መንእሰይ መካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ዝኾነ ኢንጂነር ተስፋፅዮን እውን ጠንካራ መሪሕነት ብምሃብ እቲ ትካል ናብ ምህርቲ ንክኣትው ዘይሕለል ስራሕ እናፈፀመ ይርከብ።ካልኦት ትካላት እውን ኣሰር ክስዕቡ ይግባእ።

'' ትእምትን ትካላቱን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ወጺአን ዝጀመርኦ ሕውየትን ዳግመ ህንጸትን ማእኸል ብምግባር ስግግር ትግራይ ጋህዲ ኣብ ምግባር ክሰርሓ እየን።''[ኣይተ በየ...
31/01/2025

'' ትእምትን ትካላቱን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ወጺአን ዝጀመርኦ ሕውየትን ዳግመ ህንጸትን ማእኸል ብምግባር ስግግር ትግራይ ጋህዲ ኣብ ምግባር ክሰርሓ እየን።''

[ኣይተ በየነ መክሩ- ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትእምት]

 ክቡር በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር)፤'' ናይ ህዝቢ ፀገም ዘይርእይ መራሒ መራሒና ኣይኮነን፤ መራሕትና ባዕሎም ይዕንዝሩ ኣለው፤ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኩላትና ዋና ኣጀንዳና ነዚ ህዝቢ ...
08/01/2025



ክቡር በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር)፤

'' ናይ ህዝቢ ፀገም ዘይርእይ መራሒ መራሒና ኣይኮነን፤ መራሕትና ባዕሎም ይዕንዝሩ ኣለው፤ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኩላትና ዋና ኣጀንዳና ነዚ ህዝቢ እዙይ ናብ ቦትኡ ምምላስ ጥራሕ ክኾን ይግባእ።"

በዓል ልደት ምስ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ዘኽብሩሉ እዋን ኣብ መድረኽ ካብ ዝተዛረብዎ ታሪኻዊ ዘረባ።

ኩሉ ህዝብና ክመርጽ ንግበር። እቲ ሽልማት ንክቡር ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ጥራይ ኣይኮነን።ንትግራይ እዩ። እቲ ዝሰርሖ ስራሕ መሰረቱ ኣብ ትግራይ እዩ። ሰብና ነኽብር። ንትግራይ ክሳብ ሐዚ ...
22/12/2024

ኩሉ ህዝብና ክመርጽ ንግበር። እቲ ሽልማት ንክቡር ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ጥራይ ኣይኮነን።ንትግራይ እዩ። እቲ ዝሰርሖ ስራሕ መሰረቱ ኣብ ትግራይ እዩ። ሰብና ነኽብር። ንትግራይ ክሳብ ሐዚ ለይትን ቀትርን ዝሕግዝ ዘሎ በዓል ሃፍትና ንሓግዝ።

ናብ 9355
BIW05 ኢልና ንልኣኽ።

ውሩይ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ(ክቡር ዶ/ር) ንሽልማት ብሉፅ ፀለውቲ ስራሕ(BIWs prize) ብዘፈር ቁጠባ ኣድሂቡ 20 ሚልዮን ንምሽላም ብብርኪ ሃገር ተሓፅዮም ካብ ዝነበሩ ብርክት ዝ...
20/12/2024

ውሩይ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ(ክቡር ዶ/ር) ንሽልማት ብሉፅ ፀለውቲ ስራሕ(BIWs prize) ብዘፈር ቁጠባ ኣድሂቡ 20 ሚልዮን ንምሽላም ብብርኪ ሃገር ተሓፅዮም ካብ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ፀለውቲ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ካብ ሞንጎ ዝሓለፉ 5 ሑፁያት ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዕውት ናይ ቢዝነስ ሰብ ካብ ምዃኖም ሓሊፉ: ብፉሉይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብቀዳምነት ዝጽርሑ: ኣብ መዳይ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ መስኖ ጎዳጉዲ፣ ሰብኣዊ ሓገዛትን ሓዊሱ ብተግባር ብምህናጽን ብምሕጋዝን ፅልዋ ፈጣራይነቶም ክብ ዘበሉ በዓል ሃፍቲ እዮም።ብፍላይ ኣብ ከይዲ ምምራቕ ዝርከባ ኣብ መላእ ከተማታት ትግራይ ዝህነጻ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ብፉሉይ ኣብ ልቢ ህዝቢ ዝኣተዉሉ ኩነታት እዩ ኮይኑ።

በዙይ መሰረት ድማ ካብ ዘለዎም ጽልዋ ፈጣራይነት ብብርኪ ሃገር ክሳብ ጥቅምቲ 11/2017 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ናይ ሕጹያት ጥቆማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክእከብ ድሕሪ ምጽንሑ: በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ክቡር ዶ/ር) ኣብቶም ብሉጻት ሓሙሽተ ተወዳደርቲ ብምእታው ናይ ናይ መወዳእታ ናይ ህዝቢ ድምጺ ዝፈልየሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ።እዙይ ድማ 20 ሚልዮን ቅርሺ ዘሸልም ምዃኑ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

እቲ ድምጺ መውሃቢ ብቀጥታ መልእኽቲ ስልኪ(SMS) ዝወሃብ ኰይኑ: በቶም መዳለውቲ እውን ብዕሊ ተገሊጹ ብቀጥታ ናብ መወዳእታ ውድድር ክእተው እዩ ተብሂሉ ኣሎ።ወዲ ትግራይ ዝኾኑ ክቡር ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሰናይ ዕድል!

17/12/2024

ዶ/ር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብ #ራያ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ :-

"ቅድሚ ሐዚ 1 ሚልዮን ሂበኩም እየ ሐዚ'ዉን መተባቢዒ ከኾነኩም 1ሚልዮን ክዉስኸኩም እየ። ኣብ ወረዳኹም 5 ዝተወደቡ ማሕበራት ቃል ዝኣተኹሎሞ 7. 5 ሚልዮን ብተወሳኺ 3 ጎዳጉዲ ኣፅኒዕኹም እንተሂብኩምኒ ከባቢ 37 ሚልየን ዝውድእ ምሉእ ብሙ
ምሉእ ወፃኢአን ከሸፍነልኹም ቃል ይኣቱ'ለኹ።" ኢሎም።

ካብዙይ ብተወሳኺ፦
* ህንፀት ቤት ትምህርቲ ኣብ ራያ ተዛዚሙ ንጥምቀት በዓል ክምረቕ እዩ።

* ንመናእሰይ ራያ እውን ኣብ ዓዶም ከልምዑ ብማሕበር ተተወዲቦም ከምዝሕግዙ ቃል ኣትዮም እናሰርሑሉ ይርከቡ።

* ራያ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐት ክትኸውን ክሳብ ሐዚ ኩለመዳይ ሓገዝ ይገብሩ ኣለዉ።

ክፍለጥ ዘለዎ፤
ሓደ በዓል ሃፍቲ ኣብ ዓዱ ሃፍቱ እናፍሰሰን እናሓገዘን ንምንታይ ናይ ባዕልና ዝሰርሕ ሰብ ክብሪ ዘይንህብ።ናይ ኢንቨስትመንት ሕጊ ድማ ሓደ በዓል ሃፍቲ ኣብ ዓዱ እንተልምዕ መሰረተ ልምዓት ነቲ ማሕበረሰብ ይሽፍን ዝብል ዋላ እንተኾነ፤ ዶ/ር ዘርኡ ግና ካብ ዝግባእ ንላዕሊ መላእ ትግራይ ይትረፈኒ እናበለ ዝሕግዝ ዘሎ እዩ።ቤላ በሎ ንትግራይ ኣይጠቅምን። ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሰብ ሃፍትና ምድሃል ኣይግባእን።

Address

London

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ረመፅ ታይምስ - 𝐑𝐄𝐌𝐄𝐓𝐒 𝐓𝐈𝐌𝐄𝐒 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category