Lilay tv

Lilay tv Professional journalism and reliable source of information.

ጽላሎት ደብረጽዮን ዘንጸላለዎ ጌታቸው ዕላማ ህወሓት ከቐጽል ድዩስ ኣንጻር ህወሓት እዩ ክገጥም? ን17 ዓመት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ልዕሊ 30 ዓመት ድማ ብመንግስትነት ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝዓበየ ...
30/04/2025

ጽላሎት ደብረጽዮን ዘንጸላለዎ ጌታቸው ዕላማ ህወሓት ከቐጽል ድዩስ ኣንጻር ህወሓት እዩ ክገጥም?

ን17 ዓመት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ልዕሊ 30 ዓመት ድማ ብመንግስትነት ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝዓበየ ፅልዋን ፀቕጥን ዘሕደረ ውድብ ህወሓት መበል 50 ዓመቱ እንትደፍን ህልውንኡን ህልውና ትግራይን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣውዲቑ ዓብዪ ምስንጣቕ ገጢሙዎ ይርከብ።

ካብ ተሓታትነት ኲናት ትግራይን መዘዛቱን ንምህዳም ዝተገበረ ሓያል ውጥጥ መሪሕነት ህወሓት ብደረጃ ፍንጫል ካብ ዝፈጠሮም ዓበይቲ ጕጅለታት ብተወሳኺ ዘይገንገኑ ንኡሳን ጕጅለታት እውን ኣብ ውሽጡ ሒዙ ሓንሳብ ንሰሜን ሓንሳብ ንደቡብ ኣብ ዘይመልአ ድማ ናብ ምዕራብ እናተነነወ ቀዋሚ መሓዛ ከየፍረየ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን "ኣነ እየ ህወሓት፣ ኣነ እባ" ዝብል ውጥጥ ግን መዕለቢ ዝረኸበ ይመስል።

ድሕሪ ምስረታ ጊዝያዊ መንግስቲ ነቲ ውድብ ወኪሉ ፕሬዝደንት ዝዀነ ጌታቸውን ኣቦ ወንበርነት እቲ ውድብ ሒዙ ዝቐፀለ ደብረጽዮንን ኣብ እዋን ፕሬዝደንትነት ጌታቸው ዝፈጠሩዎ ቅርሕንቲ ዴሞክራሲያዊ ዝመስል ከይዲ ክሓልፍ ቀንዩ ኣብ መወዳእታ ብሻንበቆ ብረት ተዓጂቡ ብዓወት ደብረጽዮንን ጕጅልኡን ተዛዚሙ እንትበሃል ጌታቸው ዳግም ካልእ ገፅ ሒዙ መጽዩ 'ሎ።

ንትግራይ ኣኬልዳማ (Blood bath) ካብ ምግባር ፖለቲካዊ ቃልሱ ትሕቲ ተዅሲ ብዘለው ኣማራጽታት ክገብር ከም ዝመረጸ ዝገልጽ ጌታቸው ካብቲ ኣብ ጊዜ ፕሬዘደንትነቱ ዘበርከቶ ንላዕሊ ስልጣኑ ብሓይሊ ንምዕቃብ ብዘይምጽዓር ዘትረፎ ደም ምፍሳስ ዝበለጸ ስርሑ ምዃኑ ብደገፍቱ ይውደስ።

ነቲ ነበር ፕሬዝደንት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኣትሒዙ ነበር ፕሬዝደንት ክብሎ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ባህጉ ሰሚሩሉ ዝደለዮ ስልጣንን ብኣገላልጻ ጌታቸው "እኽለማይ ዝርከበለን ቢሮታትን" ተቖጻጺሩ 'ሎ።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሓሸ ጨና ዴሞክራስን ናጽነት ፕረስን ዘርኣየ ጌታቸው ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብስም እቲ ዝመርሖ ክፋል ህወሓት መግለጽታት ከውጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ካብቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንኽዝረዝ ሰሙናት ተሪፉዎ ዘሎ ህወሓት ብምውጻእ ሓዱሽ ውድብ ይምስርት ምህላውን ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ዕላማ ህወሓት ኣብ ኢድ በዓል ደብረጽዮን ከይሓቅቕ ብምስጋእ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ። እንተዀነ ብስነ ሓሳብ ይዅን ብተግባር ኣንፃር ህወሓት ክገጥም ክግደድ እዩ።

ደብረጽዮን ምስ ጕጅልኡ ኣንጻር ጌታቸው ካብ ዝሰርሖ ፖለቲካዊ ወፍርታት ንላዕሊ እቲ ፕሬዝደንት ትግራይ ኰይኑ ዝሰርሖ እዩ ኣንጻር ጌታቸው ብዙሕ ፖለቲካዊ ከስቢ ክረክብ ሓጊዙዎ።

ኣብ መንጐ ኣለም ገብረዋህድን ኣባይ ወልዱን ንዝነበረ ምልሕሓጽ ኔትዎርክታት ተበሊጹ ወዲ መንጎ ኰይኑ ንኣቦወንበርነት ህወሓትን ፕሬዝደንትነት ትግራይን ዝሓዘ ደብረጽዮን ብዙሓት ተስፋ ዝገበሩሉ ለውጢ ክመርሕ ዝተሓጸየን ብደገፍትን ተቓወምትን ህወሓት ማዕረ ዝተደገፈን ብምንባሩ ወኪል ብሄርተኝነት ትግራይ ንምዃን ጊዜ ኣይወሰደሉን።

ደገፍ ኣብ ኩሉ ጫፍ ዓለም ዝነበረ ትግራዋይ ዘይተፈለዮ ደብረጽዮን ንኹሎም ዕድላት ብምሕንሻሽ ተስፋ ለውጢ ብዙሓት ንውልቃውን ጉጅላውን ድሌታቱ ዘሀገረ መራሒ ብምዃኑ ለውጢ ማለት ከም ናቱ መሪሕነት ተገይሩ ክሕሰብ ብምግባሩ ንጌታቸው ኣቐዲሙ ተስፋ ለውጢ ብምሕንሻሽ እዩ ስዒሩዎ።

ምስ ደብረጽዮን ኰይኑ ተስፋ ለውጢ እንትሕንሸሽ ኣባል ፈጻሚት ዝነበረ ጌታቸው እምበኣር ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኰይንካ ለውጢ ምምጻእ ይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ከሰጕም ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ብግልጺ ናይ ባዕሉ ውድብ ሒዙ ከም ዝመጽእ ይገልጽ ኣሎ።

ምስራዝ ህወሓት ዘስዕቦም መዘዛት ንምትራፍ ንዓመታ ኣብ ዝግበር መረጻ ንቦታ ህወሓት ተኪኡ ክመጽእ ዝሸባሸብ ዘሎ ጌታቸው ንሊበራል ዴሞክራሲ ኣብ ስያመ እቲ ሓዱሽ ውድብ ብምእታው ኣንፃር እቲ ንወያናይ ዴሞክራሲ ዝተወቀጠ ነባር ውድቡ ህወሓት ክገጥም እዩ።

ብጽላሎት ደብረጽዮን ብዙሕ ክሳራታት ዝገጠሞ ጌታቸው በዚ ሒዝዎ ዘሎ መገዲ ከምቲ ኩሉሻዕ ዝብሎ ቀጥታዊ ኣጀንድኡ ትግራይ ብምግባር ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ለውጢ የምጽእ ዶ ይኸውን? ወይስ ከም ደብረጽዮን ኣብ መጻወድያ እቲ ኣማኻሪ ጕዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ስልጣን ዝሃቦ ኣብዪ ኣትዩ ዝተጸሓፈሉ ገጸ ባህሪ ይዋሳእ? ቀጸልቲ መዓልትታት ምናልባት ምሉእ መልሲ እንተዘይሃባ ኣንፈት ግን ክሕብራ እየን።

ንታደሰ ወረደ ፕሬዝደንት ገይሩ ንስያመ ህወሓት ምስ ጊዝያዊ ኣፍልጦ ዝወነነ ደብረጽዮን ዝመርሖ ድሌት ብዙሓት ርእስታት ዝሓዘ ጕጅለ ብኣንጻሩ ድሕሪ እቲ ንጌታቸው ካብ መዝነት ዝኣለየሉ ወፍሪ ኣብ ውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ከይተጸመደ ኣይተረፈን።

ንመዝነት ወዲ ወረደ ብቐረባ እናተኸታተለ፣ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዘመን ፕሬዝደንትነት ጌታቸው ዝበሎ ንዕማማት ግምት ክንድግፍ ኢና ዋላ እንተበለ ብሓቂ ክድግፎ ድዩ ክጸርፎ ግና ቅዋሙ ከይነፀረ ንጌታቸውን ኣብዪን እናሓለወ ንሻዕብያ እናማዕደወ "እኽለ ማይ" ዝርከበለን ትካላት እናተቖጻጸረ መዓልትታት ይቖጽር ኣሎ።

ብድሌቱን ረብሓ ህዝቡን ምጕዓዝ ደው ዘበለ ፖለቲካ ትግራይ ዝሓየለን ዝጐርሐን ደጋዊ ሓይሊ ዝገንሖ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ። መዓልታዊ ይረኣዩ ዘለው ምዕባለታት ኣብቲ ዘይተርፍ ዝመስል ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ በሰላ ኲናት ንዘይሓወየት ትግራይ ጐቲቱ ዘእትው ዕድላት ከይህሉ ኣብ ክንዲ ምክልኻል ባዕሉ ደፊኡ የእትዋ ዘሎ ምግጋይ ዘይርብርብ መሪሕነት ህወሓት ሎሚ እውን ካልእ ጽንታ ይጽውዕ ኣሎ።

ብዅሉ ወገን ይግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣንጻር ትግራይ ናይ ምዃን ዕድሉ ልዑል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓዱሽ ውድብ ጌታቸው መሊኡ ዘይተቐንጠጠ ደበና ኲናት ንዘንጸላለዎ ሰማይ ትግራይ ሰላም ከዝንብ ትምኒት ብዙሕ ትግራዋይ እዩ።

ሓለፎም'የ

ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምቃል ህወሓት ትግራይ ሊበራል ዴሚክራስያዊ ፓርቲ ብዝብል ፖለቲካዊ ውዳበ ይምስርት ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ፓርቲ ገና ንምዝገባ ዘድልይዎ ረቛሕታት ኣብ ምምላእ ዝርከብ...
29/04/2025

ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምቃል ህወሓት ትግራይ ሊበራል ዴሚክራስያዊ ፓርቲ ብዝብል ፖለቲካዊ ውዳበ ይምስርት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ፓርቲ ገና ንምዝገባ ዘድልይዎ ረቛሕታት ኣብ ምምላእ ዝርከብ ኮይኑ ‘ሊበራል ዴሞክራሲ’ ከም ናይ ፖለቲካ ስነ ሓሳብ ክኽተል ወሲኑ’ሎ።

ካብ ጌታቸው ረዳ ክሳዕ በየነ መክሩ ኣባላት ዘለውዎ ትግራይ ሊበራል ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ቀጻሊ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ክልላዊ መረጻ ክሳተፍ ምዃኑ ሓደ ሽሙ ዘይተጠቐሰ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓት ነበርን መስራቲ እቲ ውድብን ንቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።

ህወሓት ከም ፓርቲ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ዘንጸላለዎ ኮይኑ፡ ዝስረዝ እንተኾይኑ ግን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ፦ ዘፍረሰ ዲያቆን ዝእዝዞም ገበዛት ገበዝ፦ ቤተ መቕደስ ምስ ታቦቱ ብሓላፍነት ዝቕበል ማዕርግ ክህነቱ ቀሺ እዩ። ቀንዲ ስርሑ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተመቕደስ ዝቕድስን ዝው...
27/04/2025

ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ፦ ዘፍረሰ ዲያቆን ዝእዝዞም ገበዛት

ገበዝ፦ ቤተ መቕደስ ምስ ታቦቱ ብሓላፍነት ዝቕበል ማዕርግ ክህነቱ ቀሺ እዩ። ቀንዲ ስርሑ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተመቕደስ ዝቕድስን ዝውድስን ካህን፣ ዝዕጠንን ዝምርኰስን በብመዓልቱን በዓላቱን ምምሕዳር እዩ። ኩሉ ኣገልጋሊ ከከም ዝተመደበሉ ሳምንቲ ይኣቱ። ገበዝ ግን ሕድሕድ መዓልቲ ኣይተርፍን።

እዞም ሎሚ ኣብ ዕድመ ሽምግልና በፂሖም ዘለው ኣብ ሓላፍነት ኮርን ልዕሊኡን ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ከም ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ዝቖፅርዎ ፍልጠቶም ዝቕዳሕ ኣብ ምግዳል ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝቐሰሙዎ እዩ። (እዚ ነቲ ሎሚ ዘሎ ህወሓት ቦቕቧቕ ከብዲ ክህልዎም ምግባሩ ግሁድ ሓቂ እዩ።)

እዞም ድሕሪ 1983 ዓ/ም ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎታት ጸኒሖም ገሊኦም ብዕድመ ገሊኦም ብምምሕዳራዊ ስጉምትታት ካብ ስራሕ ተኣልዮም ዝጸንሑን ብልክዕ ውዕለቶም ዘይተኸበሩን ወታሃደራት ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዳግም ናብ ውግእ ኣትዮም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ደቆም ገቢሮም ናይ ቀደም መሓዙቶም ዘድሓኑ ወታሃደራት ናብ ቀምሽ ማሌሊት ክምለሱ እዮም ኢሉ ዝገመተ ብዙሕ ኣይነበረን።

ድሕሪ እቲ ንመቐለ ሓዊሱ ንዝበዝሕ መሬት ትግራይ ካብ ወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓራ ዝገበረ ወፍሪ ኣሉላ፣ መናእሰይ ፖለቲከኛታት ትግራይ ንዘቕረብዎ መማረፂ ሓሳብ ኣብ ክንዲ እቲ መልሲ ክህብ ዘይደፈረ መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተወኪሎም ንህወሓት ምስ ሓወልቲ ኣኽሱም ብምንፅፃር ከይትትንክፉልና ዘስምዕ መደረ ገይሮም። እዚ ሓደገኛ ዘረባ ብዙሕ ዲፕሎሚሲያዊ ክሳራታት ዘስዓበ ነይሩ።

ናብ ፖለቲካ ብዝኣተዉ ቁፅሪ ብፖለቲከኛ ክዕረዩ ዘይኽእሉ ከበድቲ ፀገማት ምፍጣር ዝለመዱ ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ተሞኩሮኦም ዝድነቕ ፖለቲካዊ ስራሕ ዘይብሎም ግን ኣይኮኑን።

ድሕሪ 17 ዓመት ዝወድአ ደማዊ ውግእ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ተጋሩ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ህወሓት ብደንጐላን ሽመልን ካብ ኣዲስ ኣበባ ተሰጒጐም ምስ ተመልሱ፣ ምስ መንግስቲ ፌደራል ይግበር ዝነበረ ውግእ ቃላት፣ ተዂሲ ምስ ኣስዓበ ዝተርኣየ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝቕይር ስራሕ እዞም ወታሃደራውያን መራሕቲ ዝነበሮም ግደ እዩ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ውግእ ቃላት መራሕቲ ህወሓት ኲናት ምስ ተወልዐ ግን ካብ ሰለስተ ሰሙን ንላዕሊ ተኺሉ ክዋጋእ ዝኽእል ቁመና ኣይነበሮን። እዚ ድማ ሚልዮናት ኣጥፊኡ፣ ኣሽሓት ሰንኪሉ፣ በሰላ ኣማኢት ዓመታት ተኺሉ። ሓይሊ ትግራይ ኣብ ኣዋርሕ ካብ ተሃዳናይ ናብ ኣጥቃዓይ፣ ካብ ቆላ ተምቤን ናብ ደጉዓታት ኣምሓራን ሜዳታት ዓፋርን ክወፅእ ኣብ ምግባር ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝነበሮም ግደ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተኸተመ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምስ በለ እዩ ፀገም እዞም ኣዘዝቲ ክግንግን ዝጀመረ እምበኣር። "ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ንዓና ኣይምልከትን" ኢሎም ከብቅዑ ውሽጢ ውሽጢ ግን ንጉጅለ ፈትለ ጐስጓስ ክገብሩ ጀሚሮም።

መስመር ወርቂ፣ ማእኸል ዕዳጋን ማሕበራትን ብዝብል ምስምስ ዝጀመረ ማኖ ምትንካፍ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ከይዱ ብስም ሓድነት ከፋፋሊ ኣጀንዳታት ከሳውር ዝቐነየ ቲም ፈትለ ነዊሕ ከይፀንሐ ነቲ ሰራዊት ብምውናን 15 ጥሪ 2017 ዓ/ም ብዕሊ በትረ መንግስትነት ክሕዘሉ ምዃኑ ብኣፈኛታት እቲ ሰራዊት ኣአዊጁ።

ብዙሓት ዓዲ ዝልውጥ ኣእምሮን ትምህርትን ዝወነኑ መናእሰይ መስዋእቲ እንትኸፍሉ መሪሖም ዘዋግኡ ኣዘዝቲ፣ ፊደል ዝቖጸረ ክጽየፉን ምምሃር ማለት ዓድኻ ምኽሓድ ዝብል ኣምር ዘለዎ ክሳብ ዝመስል ብዘይካ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝባረኾ "ምሁርን ተጋዳላይን" ካልእ ሰብ ክኹንኑ ምጅማሮም ኣይተፈተወሎምን።

ኩነታት እንትኸፍእ ገዲፎምዎም ንዝሃድሙ ሰባት እናወደሱ ክሳብ መወዳእታ ምስኦም ተኺሎም ንዝተዋግኡ ብፆቶም ከም ከሓድቲ ክቖፅሩ ገጥ ኣይበሉን።

ካብ ስርሑን ትምህርቱን ተኣጓጒሉ ከብቅዕ በረኻ ወፊሩ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለን ንነብሱ በጃ ገይሩ ክባታቶም ዝፈንፅሐን መንእሰይ እውን እንተኾነ ብረት ዝትኩስ ኣእዳዉን ንዕኦም ዝስከም ማእገሩን እምበር ሓሳባቱ ክንጸጉ ምጅማሮም እዞም ኣዘዝቲ ምንጪ ስልጣኖም ካብ ዘይምልከቶ ዓይኒ ማይ ክቕዳሕ ዝገበሩ ምዃኖም ካልእ ዝንቀፍ ባህሪኦም ኮይኑ ኣሎ።

እዞም ካብ ተዅሲ ወጻኢ ዘሎ ኣማራፅታት ኩሉ ናይ ፈራሕ ገይሮም ክቖጽሩ ዝጀመሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ፀላኢ ኣብ ምልላይ ዘለዎም ፀገም ጽቡቓት መሳርሒ ቲም ፈትለ ክኾኑ ገይሩዎም እዩ።

በብእዋኑ ብፖሊት ቢሮ ንዝቕመጠሎም ጸላኢ ምውቃዕ ጥራሕ ሓላፍነቶም ዝገበሩ "ኮርን ካብ ኮር ንላዕልን" ዓመታት ዝሰገረ ዝተነጸረልካ ጸላኢ ናይ ምውቃዕ ልምዶም መወዳእትኡ ናብ ትግራዋይ በጺሑ ኣሎ።

እቶም ሓደ እዋን ምልክት ናፅነትን ሓርነትን ከምኡ እውን ኣርማ ጅግንነትን ኮይኖም ስሞም እንትፅዋዕ ፍናን ዝውከለሎም ተጋደልቲ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝመረጽዎም ግጉያት መገድታት ብዝተወደሱሉ ኣፍ ክነኣኣሱ ጀሚሮም ኣለው።

ንዝፈትዎምን ዘኽበሮምን ኣንደበት ገዲፎም ንዘጓጥጠሎምን ብዘይክኡ ትርጉም ከም ዘይብሎም ዘእመኖምን ቲም ፈትለ ዝእዘዙ ኣዘዝቲ "ቀጻሊ ንመን ይእዘዙ ይኾኑ?" ሕቶ ህልውና ህዝብን ዓድን ዘንጠልጠለ ሓሳብ ኮይኑ ኣሎ።

ንተጋደልቲ ህወሓት "ወይን ጐማ እግራ" እናበለ ዝውድስ ሻዕብያ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኣብ ዝባን ታንኪ ተሰቒሉ ሰበርቲ ድፋዕ ንዝገበሮም ናይ ሽዑ መናእሰይ ሎሚ ድማ ደቅኹም ሃቡኒ ብዘስምዕ ኣጀንዳ ጉልባብ ሓድነት ህዝብታት መሊሱ ናብ ፖለቲካ ትግራይ ይቕልቀል ኣሎ።

ነዞም ኣዘዝቲ ሰራዊት ጐይታ ጐይተቶም ኮይኑ ናይ ምምጻእ ዕድሉ ልዑል ምዃኑ ካብ ዘረባ ዘይወግዓውያን ኣፈኛታት ህወሓትን ሻዕብያን ምርዳእ ይከኣል።

ሓደ መፍትሕ ቤተ ክርስትያን ተቐቢሉ ንሓደ ዓመት ዘገልግል ቀሺ ገበዝ ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትው ቀሺ ይኹን ዲያቆን ሕገ ሃይማኖት ዘኽበረን ክህነቱ ዝዓቀበን ምዃኑ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናቱ እዩ።

ኣብዚ እዋን ብታሪኻዊ ኣጋጣሚ መፍትሕ ህልውና ህዝቢ ዝወነኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ንኩሎም መጽብዓታት ስዒሩ፣ ክብርታት ሓድነት ሸርሺሩ፣ ሕልሚ ሃገርነት ጨውዩ ስውኣት ንረብሕኡ ብዘውዓለ ፍራስ ዲያቆን ዝእዘዙ ገበዛት ኮይኖም ናብ ገዝኦም ኲናት ዝጸውዑ ፈላሞት ኣዘዝቲ እዮም።

ንጸላኢ ምንኣስን ንነብሱ ምቑላልን ባህሉ ካብ ዝገበረ ውድብ ህወሓት ዝተፈጠረ ቲም ፈትለ ንዓመታት ዘነኣኣሶም ሻዕብያን ብልጽግናን ጽምዶ ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድሕሪ ዘውረዱዎ ክሳራ ተዳኺሙ ብስም "ጽምዶ" ኣብ ጓጓ ሻዕብያ ኣትዩ ኣብ ግጥም ሓራምዝ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንእሽተይ ኩርባ ሒዙ ክገታገት ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ሕቶ እዞም ብኣባላቶም እምነቶም መዓልታዊ እናጐደለ ተቐባልነቶም እናንቆልቆለ ይኸይድ ዘሎ ንቲም ፈትለ ክእዘዙ ዝወሰኑ "ኮርን ልዕሊ ኮርን" ንዓመታት ብስም ትግራይ ኣብ ዝተገበሩ ወፍርታት ተሳቲፎም ሎሚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝእለም ዘሎ ወፍሪ ብዘይሕቶ ድዮም ክወፍሩሉ? ኮይኑ ኣሎ።

ሰላም

እዚ ፅሑፍ "ካብ ውርደት ሞት’ዩ ክብረት" ኢሉ ዝተጋደለ መንእሰይ ምሁር ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ ናብ ሊላይ ቲቪ ዝተለኣኸ’ዩ።

ናይዚ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ጽሑፋት ብተኸታታሊ ክነቕርበልኩም ኢና።

ሓሳባቱ ድፍረት ብዝተመልኦ ዝሙግት ኣባል ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ታደለ መንግስቱ ሎሚ ኣብ መቐለ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ተገሊጹ። እቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተምሃረ ላዕለዋይ...
23/04/2025

ሓሳባቱ ድፍረት ብዝተመልኦ ዝሙግት ኣባል ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ታደለ መንግስቱ ሎሚ ኣብ መቐለ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተምሃረ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ዝኾነ መንእሰይ ፖለቲከኛ ኣብቲ ሕሊፍ ኵናት ተጋዲሉ ካብ ኣካላቱ ዘይወጽኡ ጠያይቲ ከምዘለውዎ ይፍለጥ።

ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ትግራይ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ኣቶ ታደለ መንግስቲ ቅድሚ ሕይ ምስ ሊላይ ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ህዝቢ ሽረ ብኬሚከላት ይጸንት ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብምሃቡ መራሕቲ ህወሓት ሕጉሳት ከምዘይነበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

“ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓይነ ብርኩ ዝጠለሞ መንግስቲ’ዩ” ሓላፊ መገድን መጓዓዝያን ትግራይ ታደለ መንግስቱ Interview with Tadele Mengistuካብ ግዜኹም ሓንቲ ደቂቕ ወሲድኩም ንዩቱብ ቻናል ሊላ....

ጽምዶ ትግራይ ምስ ሻዕብያ ዶ ምስ ብልጽግና? ኣወል ስዒድ ዝተብሃለ ናይ ህግደፍ ዘይወግዓዊ ነጋሪ ወረ፡ ምስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾኑ ደገፍቲ ህወሓት ብኣካል ተ...
23/04/2025

ጽምዶ ትግራይ ምስ ሻዕብያ ዶ ምስ ብልጽግና?

ኣወል ስዒድ ዝተብሃለ ናይ ህግደፍ ዘይወግዓዊ ነጋሪ ወረ፡ ምስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾኑ ደገፍቲ ህወሓት ብኣካል ተራኺቡ ምውግዑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ።

ርግጽ’ዩ እቲ ናይ ህግደፍ ናይ ዓውዓውታ ፕሮፖጋንዲስት ኣብታ ሻዕብያ ደጋጊሙ ዘዕነዋ ዛላምበሳ ተራኺቦም ሓጺር ጻኒሒት ገይሮም’ዮም።

እቲ ‘ዓድግራት ዓድግራት’ ዝብል ናይ ኣይታንቲ ድምጺ ንመደባቱ ቅመም ክኾኖ ዘእትዎ እምበር ካብታ ዳርጋ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላምበሳ ናብ ትግራይ ገጹ ኣይኣተወን።

ቁጽሩ ዘይንዓቕ ተወላዲ ትግራይን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ህግደፍን፡ ነቲ ጽምዶ ኢሎም ዘንቀድዎ ዘይቅዱስ ጽምዶኣቶም ብሓደ ድምጺ ኮኒንምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ሕሉፍ ኵናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ዝፈጸምዎ ግፍዒ መመሊሱ ክዝንቶ ብምግባር ብክሳራ ተዓጂቡ ዝቕጽል ዘሎ ሓሸውየ’ዩ።

እቲ ብየማነ ሞንኪ ዝተጻሕፈ ፖለቲካዊ ተረኻት እናተገማድሐ ዘንብብ ከያኒ ኣወል ስዒድ ምናልባት ኣብ ቀረባ እዋናት ዱባይ ተረኺቡ ምስ ሓደ ወናኒ ተደናጋጺ ሚድያ ቲም ፈትለ ዘካይዶ ዘይቅዱስ ጽምዶ ዘርጊሑ ሰርፕራይዝ ክገብረኩም ስለዝኽእል ብዙሕ ኣይተቕልብሉ ኢኹም።

ብኣብይ ኣሕመድ ገጽ ዝተኸልአ ቲም ፈትለ ኣብ ኣለሻ ግዝያውያን ሓይልታት ተጸሚዱ እንከሎ፡ ሻዕብያ ብብርሃን ፍጥነት’ዩ ተቐቢልዎ።

ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሰንኪ ‘ተኾሊፍና’ ኢሉ ዝጸውዖ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝነበሮ ዝምድና የመና ዘንቆልቆለ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብመገዲ ናይ ፖለቲካ ኣማኻሪኡ የማነ ማንኪ ኣቢሉ ምስ ጌታቸው ረዳ ክራኸብ ግዜ ኣይወሰደሉን ዝነበረ።

ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢሳይያስ፡ ኣቶ የማነ ማንኪ ፈለማ ንጌታቸው ረዳ ብዋትሳኣፕ ክረኽቦ እንከሎ “ዓሙና እኮ ክረኽበካ ይደሊ’ዩ” ብዝበሎ መሰረት ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝወከሎም ፖለቲከኛታት ክልተ ግዜ ኣብ ዛላምበሳን ሰርሓን ተራኺቡ እዩ።

ኣብ ዱባይ ድማ ብኣፍልጦ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም ከምዝነበሩ ድማ ባዕሉ ጌታቸው ረዳ ብተደጋጋሚ ዝገለጾ ጉዳይ እዩ።
ድልየት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንጌታቸው ረዳ ኣቕሪብካ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ካብ ኣብይ ኣሕመድ ከጋጥሞ ካብ ዝኽእል ወራር እንተወሓደ ብወገን ትግራይ ዘሎ ቂምታ ከፋኹስ’ዩ።

እቲ ብዓጃብነት እኒ ሜጀር ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ዝተሰላሰለ ርክባት ጌታቸው ረዳን ወኪላት ኢሳይያስን ብምስጢር ተታሒዙ ክጸንሕ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብዘይ ፈልጦ ኩነት ክቕጽል ተደልዩ’ኳ እንተነበረ ጌታቸው ረዳ ግን ንኣብይ ኣሕመድ ብእሩይ ቁጽር ኣብጺሕሉ’ዩ።

ብተግባር ጌታቸው ረዳ ዝጉሃዩ መራሕቲ ሻዕብያ ነቲ ‘ሚሔ’ዩ’ እዩ ዝበልዎ ጌታቸው ረዳ ሓዲጎም ርክባቶም ምስ እቲ ሓደ ብውሳነታት ኣብይ ዝኾረየ ቲም ፈትለ ክገብሩ ወሲኖም።

ብርግጽ ብተግባር ጌታቸው ረዳ ዝኾረዩ ሻዕብያ ጥራይ ዘይኮኑስ እንተላይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ከምዝኾኑ ሓደ ናብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝቀራረብ ናይ ሚድያ በዓል ሞያ ይገልጽ።

ከም ሓበሬታ እቲ ጋዜጠኛ ብፍላይ ንቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሜጀር ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ብተግባር ጌታቸው ረዳ ኣዝዩ ከምዝተቖጥዐን “መራሒ’ዩ ኢልና ሒዝናዮ ኬድና ኣዋሪዱና” ከምዝበለ ይጠቅስ።

ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ድሓረ ኣብ ልዕሊ ጌታቸው ረዳ ዝወሰድዎም ስጉምታት መበገሲኡ ካብዚ ክኸውን ዝኽእል ኮይኑ ኣብይ’ውን ኣብታ ቁርጺ እዋን ኣብ ገኒ ጌታቸው ረዳ ደው ኢሉ ክሳዕ ናይ ሚኒስተርነት ሽመት ክህቦ ዝኸኣለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊኡ ዝኣልሞ ዝነበረ ውዲት ኣሕሊፉ ስለዝሃቦ’ዩ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በቲ ምዕባይ ሓው ንፈትለ ወርቅ ገረዝጊሄር ዝኾነ ኣቶ ዳዊት ገረዝጊሄር ኣቢሉ ምስ ቲም ፈትለ ከምዝራኸብ ምንጭታትና ይሕብሩ። ዳዊት በዓል ሃብቲ ስለዝኾነ ንእቶም ኣብዚ እዋን ጽምዶ ዝብል ፖለቲካዊ ዲስኩር ጀሚሮም ዘለዉ ልኡኻት ሻዕብያን ህወሓትን መዋሊኦም ከምዝኾነ ይንገር’ዩ።

ጽምዶ ዝብል ሓሸውየታት ምስበዝሐ ገለ የዋሃት ሰባት “ሰናይ ጉርብትና ዶ ይጽላእ’ዩ?” ዝብሉ ኣለዉ። ኣሽንኳይ እቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ግርህነት ሃጸይ የውሃንስን ፖለቲካዊ ጥበባት ሃጸይ ሚኒሊክን ኣብ ክልተ ተመቒሉ መዋእሉ ዝዳመ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ፡ ትግራዋይ ምስ ቻይናውን ኣንታርቲካውን ተራኺቡ እንተጸመደ ከስቢ እምበር ሓጥያት የብሉን።

እንተኾነ ናይ ሃጸይ ሚኒሊክ ክፍኣትን ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተረኽን ተቐቢሉ ብዝያዳ ምስ ዝሰርሐን ዘፈጸመን ሻዕብያ ምስ ዝተብሃለ ኩሉ ነገሩ ኣብ ጥፍኣት ትግራይ ምስ ዝነብር ጉጅለ ክጸምድ እየ ምባል ግን ብሄራዊ ክሕደትን ታሪኻዊ ገበንን እዩ።

ጸረ ረብሓታት ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጽልኢ ትግራይ ዝተመስረተ ኤርትራዊ ሃገራውነት ሰረት ከትሕዝ ላዕልን ታሕትን ምስ ዝብል ሻዕብያ ሓቢረ ክሰርሕ እየ ምባል ግን ብቑስሊ ኣማኢት ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ቁማር ምጽዋት እዩ።

ኢሳይያስ ምስ ቲም ፈትለ ክጸምድ ዝደሊ ዘሎ ካብ ወራር ኣብይ ኣሕመድ ንምድሓን እዩ። ቲም ፈትለ ምስ ሻዕብያ ጽምዶ ዝምስርት ዘሎ’ውን ብኣብይ ኣሕመድ ዝስኣኖ ስልጣን ክመልስ እዩ።

ከምቲ ወለዲ ክምስሉ “ኣብዘይ ዳስካ ኣይትልሀ” ዝበልዎ ሚስኪናይ ተወላዲ ትግራይን ኤርትራን ህወሓትን ሻዕብያን ዝፈጥርዎ ጽምዶ ኮነ ዝውልዕዎ ኵናት ዘይዳስካ ስለዝኾነ ንነብስኻ ካብዚ ሓሸውየ ኣልጊስካ ኣንጻር እቶም ንኣብይ ኣሕመድ ዘርዮም ምፍጣርካ ክሳዕ ትጸልእ ዝጨፍጨፉኻ ሻዕብያን መገልገልቶም ወተሃደራት ኤርትራን ክትስለፍ’ዩ ዘዋጽአካ።

እዚ ማለት ግን ምስ እቲ ትማሊ ኣብ ክባን ዕጽዋን ኣእትዩ ብጥሜት ክትረግፍ ዝገበረካ ኣብይ ኣሕመድ’ውን ተሰሊፍካ ባህጊ ወደብ ኣብይ ኣሕመድ ኣዐውት ማለት ኣይኮነን።

ጽምዶኻ ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ምስ እቶም ትማሊ ዝጨፍጨፉኻ ሻዕብያን ብልጽግናን ተሓሽኪሮም ነንሓድሕድካ ከዋግኡኻ ምስዘንቀዱ ህወሓታውያን ዘይኮነስ ማእከሉ ረብሓታት ትግራይ ምስ ዝገበረ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ክትገብር ይምረጽ።

ሓለፎም’የ!

ኤርትራ ኣብ ኵናት ትግራይ 40 ሽሕ ወተሃደራት ሞይቶማ- ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ።ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኵናት ትግራይ ከምዝተጸምበረት እትገልጽ ኤርትራ፡ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት...
21/04/2025

ኤርትራ ኣብ ኵናት ትግራይ 40 ሽሕ ወተሃደራት ሞይቶማ- ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ።

ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኵናት ትግራይ ከምዝተጸምበረት እትገልጽ ኤርትራ፡ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኵናት 40 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝሞትዋ ሓደ ሽሙ ክንዕቀበሉ ዝመረጸ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ንሊላይ ቲቪ ገሊጹ።

ኣብተ ፈለማ ኵናት ዝተወልዐሉ ህሞት ሰራዊቱ ኣብ ኵናት ትግራይ ይሳተፉ ከምዘለዉ ክሒዱ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሓረ ግን “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረበልና ዕድመ መሰረት ኢና ተሳቲፍና” ክብል ሱታፌኡ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ኣብቲ ብሰለስተ ዙርያ ተኸፈሉ ዝተኻየደ ኵናት ምሉእ ዓቕሙ ኣኽቲቱ ዝተዋግአ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፈላፍል፣ ዓዲ ዳዕሮ፥ ጸሊሞይን ከባቢ ቀርሰበርን ሰራዊቱ ብብዝሒ ዝሞተለን ዓድታት ትግራይ ከምዝኾና ምንጭታትና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዓድግራት ዘጋጠመ ክስተት ብፍሉይ ዘዘንተወ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ፡ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ወተሃደራት ኤርትራ ዝኾነ ብርጋድየር ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም ካብ ሞት ንሕንጢጥ ዘምለጠላ ኩነት ከምዝነበረ ጠቒሱ።

“ስለያ ሰራዊትና [ሰራዊት ትግራይ] ወተሃደራት ኤርትራ ብወገን ዛላምበዛ ብድሩዓት መካይኖም ተጻዒኖም ናብ ማእከል ትግራይ ይግስግሱ ከምዝነበሩ ሓበሬታ በጺሕዎም፤ ካብኡ ንድሓር ብዘይ ገለ ሓበሬታ ሰራዊትና ኣበጊስና ኣብ ከባቢ ዓድግራት ኣድቢና ተጸቢናዮም።

ናዮም ስለያ [ሰራዊት ኤርትራ] ብዛዕባና ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ከምዘይበጽሖም ዝተረድኣና ኣብ ኮብራ ዝተሰቐለ መራሒኦም ንቕድሚት ገይሮም ጉዕዞም ቀጺሎም” ብምባል ምዝንታዉ ቀጺሉ።

ሰራዊት ትግራይ ነታ ኮብራ ሓዲጎም ኣብ ልዕሊ ነተን ንዕኣ ስዒበን ዝመጽኣ ወተሃደራት ኤርትራ ዝጸዓና መካይን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ዝገልጽ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ዝተሸከመሉ ዓውደ ውግእ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ሓቢሩ።

ምንጭና ብምቕጻል “ኣቐዲሙ ምስ ዓጀብቱ ክሓልፍ እንከሎ ነቲ ድሓር ስዒቡ ዝመጽእ ሰራዊት ኤርትራ ከየንቀሐልና ኢልና ብዘይ ተኹሲ ዘሕለፍናዮ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ብ/ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም ምዃኑ ድሓር ኢና ፈሊጥና” ኢሉ።

ወተሃደራት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ቤኒዓሚር ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ትግራይ ዘብጽሕዎ ጭካነ ዝተመልኦ ጽንተት ግዜ ዘይርስዖ ከምዝኾነ ግዳያት ኵናት ይገልጽዎ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣኽሱም ማርያም ደንገላትን ማርያም ሸዊቶን ድማ ብፍሉይ ሕብረተሰባዊ ጭፍጨፋ ዘካየድሉ ከባቢታት ትግራይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ብወተሃደራት ኤርትራ ዝተጨፍጨፉ ሕብረተሰባት ትግራይ ማሕበር ግዳያት ጭፍጨፋ ወተሃደራት ኤርትራ [ማግጭወኤ] ኣጣይሾም ኣብ ልዕሊ እቲ ናብዚ ዝኸፍአ ናይ ድሕነት ጸገም ዘእተዎም መሪሕነት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር] ክሲ መስሪቶም ፍትሒ ዝረኽበሉ ኩነታት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ግዱሳት ሰብ ሞያ ሕጊ ይምዕዱ።

ወተሃደራት ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጨፍጫፍ ሰለማውያን ሰባትን ጾታዊ ዓመጻትን ከምዘካየዱ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ደብረ ኣባይ፣ ማሕበረ ዴጎ፣ ቦራን ሳምራን’ውን ሰለማውያን ሰባት ብኣልማሚት ከምዝጨፍጨፈ ዝዝከር’ዩ።

ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን ተሓጽዩ!ኣብ ሓወልቲ ዝማእኸሉ ቤት ጽሕፈት ህወሓት፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ክሽወመሉ ንጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዘቕረበሉ ምንጭ...
17/04/2025

ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን ተሓጽዩ!

ኣብ ሓወልቲ ዝማእኸሉ ቤት ጽሕፈት ህወሓት፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ክሽወመሉ ንጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዘቕረበሉ ምንጭታት ሊላይ ቲቪ ሓቢሮም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብኣብይ ኣሕመድ ናይ ፕረዚደንትነት ሽመቱ ዝተቐበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሓድሽ ካቤኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ የዋቕር ከምዘሎ ዝገለጹ ምንጭታትና: ካብቲ 21 ኣባላት ዝሓቖፈ ካቤኔ ትግራይ እቲ 8 ንቤት ጽሕፈት ህወሓት ከምዝተውሃቦም ጠቒሶም።

በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ህወሓት ብፕረዚደንት ታደሰ ኣቢሉ ክጸድቀሉ ካብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት፣ ተወልደ ገብረጻድቃን ማይ ሃፍቲ: ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ቢሮ ትምህርቲ፣ ኪሮስ ሓጎስ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተጽዮን መርየት፣ ከምኡ’ውን ኤልሳ ውዳበ ቴክኒክን ሞያን ክጸድቀሎም ሓቲቶም ኣለዉ።

እቶም ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ክሽወሙ ዝተሓጸዩ ሓለፍቲ ናይ ዓቕሚ ድሩትነት ከምዘለዎምን ቅድሚ ሕይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ሰሪሖም ለውጢ ከምጽኡ ዘይተርኣዩን ምዃኖም ምንጭታት ቤት ጽሕፈት ደጀን ገሊጾም።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ብሄራዊ ዕርቂ ተገይሩ ኣሳዳድን ተሰዳድን ዘይብላ ትግራይ ክትፍጠር ባህግን ድልየትን’ኳ እንተለዎ እንተኾነ እቲ ብሰንኪ ምግደራ ህወሓት ዝተፈጠረ ነቓዕ ሓኪሙ ብሄራዊ ዕርቂ ከረጋግጽ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ? ዝብል ግን ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ።

ሊላይ ቲቪ ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ 12 ኣባላት ካቢኔ ከጻሪ’ኳ ፈቲኑ እንተነበረ ዛጊድ ዝተረኸበ ሓበሬታ የለን።

ጀነራል ታደሰ ካብቶም ብጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ኣባላት ማእኸላይ ኮሙቴ ህወሓት ኣብቲ ካቢኔ ከሳትፍ ድልየት ከምዘለዎን ሓቛፋይ ግዝያዊ መንግስቲ ከቕውም ይሰርሕ ከምዘሎን እቶም ምንጭታትና ወሲኾም ገሊጾም።

በዚ ዘይተሓጎሱን ንታደሰ ወረደ ንሕና ኢና ኣምሪጽናካ ኢሎም ዝሓስቡን ቤት ጽሕፈት ህወሓት ድማ ኣቐዲሞም ኣብ ስራሕቲ ምልመላ እቲ ጀነራል 'ሳቦታጅ' ይሰርሑ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ብዝቕመጡ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ሚድያታት ኣቢሎም ጀነራል ታደሰ ወረደ ሽመት ክህቦም ይኽእል’ዩ ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ሓለፍቲ ናይ ምንቁሻሽ ወፍርታት ከካይዱ ተራእዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብውሳነ ኮርን ካብ ኮር ንላዕልን ዝተብሃሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝኾረዩ ቁጽሮም ዘይንዓቕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ማእከሉ ብንጹር ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ዘንቀሳቕስዎ ኣካላት ግን ሓራ መርየት ኢሎም ናብ ዝጽውዕዎ ከባቢታት ይጽምበሩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቶም ነዚ ዘተሓባብሩ ዘለዉ ውልቀሰባት ንኣባላቶም መሃያ ምኽፋል ከምዝጀመሩ ኣብቲ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብቪድዮ ኣሰንዮም ዝዘርግሕዎ መረዳእታ ተዛሪቦም። እንተኾነ ምንጪ ፋይናንሶም እንታይ ከምዝኾነ ብጭቡጥ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብይ ኣሕመድ ሰብ ውዕለታይ’ዮም ንዝበሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳን ፕሮፌሰር ክንደያ ግብረህይወትን ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ሚኒስተራት ገይሩ ሽመት ከምዝሃቦም ዝዝከር እዩ።

ኣብይ ኣሕመድ ብሽመት ጌታቸው ረዳ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ክሓፍሶ ዝደልዮ ዘሎ መኽሰብ እንታይ’ዩ?ጌታቸው ረዳ ድሕሪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ ኵናት ትግራይ ብኣብይ ኣሕመድ ወግዓዊ ሽመ...
12/04/2025

ኣብይ ኣሕመድ ብሽመት ጌታቸው ረዳ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ክሓፍሶ ዝደልዮ ዘሎ መኽሰብ እንታይ’ዩ?

ጌታቸው ረዳ ድሕሪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ ኵናት ትግራይ ብኣብይ ኣሕመድ ወግዓዊ ሽመት ዝተውሃቦ ፈለማይ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓት ኮይኑ’ሎ።

ንምዃኑ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ህይወቱ ፈትዩ ክሳዕ ዝጸልእ ዝዘለፎን ዘዋረዶን ጌታቸው ረዳ ብተደጋጋሚ ንሽመት ዝሓረየሉ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ፈለማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንትቐውም ምርጫ ኣብይ ደብረጽዮን ወይ ድማ ፈትለ ኣይነበረን። ምርጫኡ ጌታቸው እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድማ ኣብይ ኣብ ክንዲ ምስ እቶም ‘ቆሞ ቀሮች’ ኢሉ ዝጽውዖም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት፤ ምስ እቲ [ፍሌክሲቢል] ናይ ምትዕጽጻፍ ክእለት ዝተላበሰ ጌታቸው ረዳ ዝያዳ ክረዳዳእ ከምዝኽእል ስለዝተረድአ’ዩ።

ኣብይ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰራዊት ኣዋፊሩ ዘይረኸቦ ዓወት ሎሚ ሳላ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተኸተሎ ፖለቲካዊ ኮንስፓይረሲ፡ እታ ትማሊ ዕሾኽ መርገም ኮይና መርገጺ ኣስኢናቶ ዝነበረት ዓዲ ሎሚ ኣብ መንኮራርዕቱ ተሸጕጣ ‘እንታይ ኮኾነልካ?’ ክትብሎ ጀሚራ ኣላ።

ኣብይ ንጌታቸው ረዳ ናይ ፕረዚደንት ቦታ ኣጽዲቑ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምክፍፋል ክፍጠርን ንዘበናት ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ተዓብዒቡ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሕማቕ ጨና ክፍንድእ’ዩ ገይሩ።

እቶም ነቲ ውድብ ዝመርሑ ሰባት ድማ ከም እኒ መለስን ስብሓትን ዝኣመሰሉ ዝፈጠርሎም ሓሳባት ዝትግብሩ እምበር ዘስተንትኑ ኮይኖም ስለዘይተፈጠሩ ናብቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝተጻወደሎም መጋርያ ሰተት ኢሎም ክኣትዉ ጌዜ ኣይወሰደሎሙን።

ህወሓት ኣብ ክልተ ተኸፊላ ገሊኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊኣ ድማ ኣብ መቐለ ኮይና ነንባዕላ ክትባቖስ ትውዕል ናይ እድር ፓርቲ ኮይና ኣላ። እታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ምርግጋዕን ተምሳሌት ኮይና ቀልቢ ሓያላን ሃገራት ትስሕብ ዝነበረት ውድብ ሎሚ መጻወቲ ኣብይ ኣሕመድ ኮይና ቀንፈዘው ክትብል ትርአ። ቀንዲ ምንጪ ውደቀታ ድማ መራሕታ ዝተኸተልዎ ክፉእ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ፖለቲካ እዩ።

ኣብይ ንትግራይ ኣብ ክልተ ከፊልዋ’ሎ። ብጀነራል ታደሰ ኣቢሉ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸራ እዩ። ንጌታቸው ረዳ ስልጣን ዝሃቦ’ውን ስለዝፈተዎ ዘይኮነስ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ከባቢያዊ መልክዕ ዝሓዘ ናይ ፖለቲካ ድጋፍ መዝሚዙ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ስለዝደለየ’ዩ።

ብሓጺሩ ጌታቸው ረዳ በትረ ስልጣን ተዋሂብዎ ከብቅዕ ሰኣን ስልጣኑ ብዝግባእ ምጥቃሙ ብዘጋጠሞ ‘በደል’ ዝረኸቦ ፖለቲካዊ ድጋፍ’ሎ። ኣብይ ብጌታቸው ኣቢሉ ነዚ ሓይሊ እዚ ናብ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ‘ቋት’ ከእትዎ ስለዝደለየ’ዩ።

ጌታቸው ብናይ ቀደም ‘ብጾተይ’ ኢሉ ዝምከሓሎም ዝነበረ መሓዝቱ እዩ ተደፊኡ። ንጌታቸው ረዳ ዝድግፉ ዘለዉ ተጋሩ ድማ ካብ ንቲም ፈትለ ኣምሪርም ምቅዋም ዝተበገሰ እምበር ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘመነ መሪሕነቱ ብዘዐወቶም ዕማማት መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን።

ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ እማ ደገፍቲ ኮነ ተቓወምቲ ጌታቸው ረዳ ፈለማ ፕረዚደንት ኮይኑ እንትሽወም ‘ከፈጽመን እየ’ ኢሉ መጽብዓ ዝኣተወለን ሓሳባት መሰረት ገይሮም ክቃወምዎን ክድግፍዎን ምኽኣሉ ነይሮም።

ጌታቸው ረዳ ከም ተደራዳሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሓንትን ኣገዳሲትን እቲ ውዕሊ “ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ይምለስ” ዝብል ሓሳብ ተሰማሚዑ’ዩ።
ጌታቸው ምስ እቲ ናይቲ ሽዑ ተደራዳሪኡ ናይ ሎሚ ሸዋሚኡ ካብ ዝፈራረም ክልተ ዓመታት ኣሕሊፉ’ሎ። እንተኾነ ዝተመለሰ ግዝኣት ትግራይ የለን፤ ናብ መረበቱ ዝተመለሰ ተመዛባላይ ብዘይካ ራያን ጸለምትን የለን።

ጌታቸው ቀንዲ ዕማመይ ዝበለን ዳርጋ ኩለን ኣይተፈጸማን። ርግጽ’ዩ “ስርሐይ ከይሰርሕ የዐንቅፉኒ ኣለዉ” ኢሉ ንቲም ፈትለ ከሲስዎም ነይሩ’ዩ። ብመሰረቱ ናይ ፕረዚደንት ቦታ ተረኪብካ ስልጣን ዘይነበሮም ሰባት ‘ምስራሕ ከሊኦሙኒ’ ኢልካ ምምኽናይ ምኽኑይ ኣይኮነን።

እቶም ብሽም ‘መኸተን ተጋድሎን’ ዝበሃል ናይ ቅድሚ 500 ዓመታት ፖለቲካዊ መገዲ ተኸቲሎም ህይወት መናእሰይ ናብ ኵናት ረቝሪቖም ኣብ ስልጣን ክጽንሑ ዝደልዩ ቲም ፈትለ “ቅድሚ ተመዛባላይ ናብ መረበቱ ምምላሱ ውድብና ትድሓን” ዝብል መርገጺ ነይርዎም’ዩ። ይኹን እምበር እዚ መርገጺ ንጌታቸው ረዳ ስራሑ ንዘይምስራሑ ከም መምልጢ ክጥቀመሉ ኣይኽእልን።

ኣብቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ዝርከብ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ቅድሚ ሰሙናት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ “ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይተመለሰሉ ምኽንያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ድልየት ስለዘይብሉ’ዩ” ኢሉ ነይሩ። ካብዚ ተበገሲና ኣብ ጉዳይ ዘይምፍጻም ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብቶም “ቅድሚ ተመዛባላይ ምምላሱ ውድብና ትድሓን” ዝበሉ ቲም ፈትለ ንላዕሊ ኣብይ ኣሕመድ ተሓታቲ ይገብሮ።

ጌታቸው ረዳ ፈራሚ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክንሱ ነቲ ውዕሊ ከይፍጸም ሓኒቑ ናይ ዝሓዘ መራሒ ሽመት ተቐቢሉ ደገፍቱ ከሰራስር ቀንዩ። ጌታቸው ረዳ ናይ መርህ ሰብ እንተዝኸውን ነይሩ እቲ ሽመት ክቐርበሉ እንከሎ “ፈለማ ዝፈርምናዮ ውዕሊ ኣተግብር እሞ ሓቢርና ክንሰርሕ” ክብሎ ምኽኣለ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ዕላማኡ ሃገሩ ካብ ኤርትራ ዓሰብ ብሓይሊ ቆሪጻ ብምውሳድ ኣፍደገ ባሕሪ እትውንን ጎብለል ምብራቕ ኣፍሪቃ ምግባር እዩ።

እዚ ንኸይገብር እቲ ሓደ ዓንቃፊ ሓይሊ ተገይሩ ዝውሰድ እቲ ኣብ ግዜ ኵናት ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረን ብመራሕቱ ዝተኽሓደ ቲዲኤፍ’ዩ። ኣብይ እንተኾይንሉ ነዚ ሓይሊ እዚ ኣንጻር እቲ ምስ ኤርትራ ከካይዶ ዝወጠኖ ኵናት ክጥቀመሉ ዘይኾነሉ እንተኾይኑ ድማ ቀልጢፉ ብዲዲኣር በቲኑ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ክትኣቱ ምግባር’ዩ።

ጌታቸው ረዳ ንኣብይ ብዛዕባ ዕደጋ ቆጽሊ ሻሂ ኬንያ ወይ ከዓ ወደባት ጁቡቲን ሶማልያን ከማኽሮ ኣይኮነን ተሸይሙ ዘሎ። ስልጣን ጌታቸው ብቐንዱ ብሽም ኣማኻርነት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ህወሓትን ሻዕብያን መሊኢኻ ንምቅባጽ ኣብ ዝተወጠነ ስትራቴጂ ኣብይ ምሕጋዝ’ዩ።

ሰላም!

ትግራይ ሓሽከር ዘጽነትዋ ሓይልታት ኮይና ክትዋጋኣ ግድን ድዩ? ርእይቶኹም ሃብሉ።
06/04/2025

ትግራይ ሓሽከር ዘጽነትዋ ሓይልታት ኮይና ክትዋጋኣ ግድን ድዩ?

ርእይቶኹም ሃብሉ።

ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ኣብዚ ሕይ እዋን ድማ ኣቦ መንበር ዓረና ንዴምክራስን ንልኡላዊነትን ትግራይ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲከኛ እዩ። ምስ .....

ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ዝዘለቐ ‘ብጻይነት’ ኣቶ ስብሓትን ኣቶ ኢሳይያስን! ሓደ ካብ ነበራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝኾነ ‘መንጋግ’ ብዝብል ሳጓኡ ዝልለ ሌተናል ጀነራል የውሀንስ ገብረመስቀል ኣ...
06/04/2025

ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ዝዘለቐ ‘ብጻይነት’ ኣቶ ስብሓትን ኣቶ ኢሳይያስን!

ሓደ ካብ ነበራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝኾነ ‘መንጋግ’ ብዝብል ሳጓኡ ዝልለ ሌተናል ጀነራል የውሀንስ ገብረመስቀል ኣብ ማእኸል ሃገር ምስ ዝርከብ ማዕከን ዜና ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ብፍሉይ ብዛዕባ እቲ ኣዘራራቢ ፖለቲከኛ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዘድሃቡ ሓሳባቱን ትዕዝብቱን ኣካፊሉ።

ጀነራል የውሃንስ ኣብ ዘረባኡ “ሰራዊት ህወሓት ብትእዛዝ ስብሓት ነጋ ኣብ መርየት ኤርትራ ተዓሲብና ተዋጊእና ኢና” እዩ ዝብል። ኣብቲ ንሱ መራሒ በርጌድ ኮይኑ ዝተዋግአሉ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ብናይ ሻዕብያ ኣጸዋውዓ ድማ መኸተ 6ይ ወራር፡ ካብ ላዕሊ ወሪዱ ብዝተብሃለ ትእዛዝ ካብ ሕግን ስሪትን ህወሓት ወጻእ ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ተሓኒፊጾም ከምዝተወጋኡ ይጠቅስ።

ኣብቲ ግዜ ይብል ጀነራል የውሃንስ ስብሓት ነጋ ምስ መራሒ ህዝባዊ ግንባር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐጥታ ተራኺቡ ነቲ ካብ ትግራይ ዝኸደ ሰራዊት ህወሓት ይመርሕ ከምዝነበረ ይገልጽ እሞ እቶም መምርሕታት ካብ ስብሓት ተቐቢሉ ናብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ህወሓት ዘቐብል ድማ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ሓላፊ ሓይሊ ሰብ ወይ ድማ ‘ፐርሶኔል’ ስብሓት ነጋ ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኣቶ ኣርከበ ዕቑባይ’ዩ።

በቲ ናይቲ ጀነራል ትንታነ ሰራዊት ህወሓት ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ ኣብ መርየት ኤርትራ ንህዝባዊ ግንባር ደጊፉ ዝተዋግአ እቲ ንሱ ዝኸደሉ መበል 6ይ ወራር ጥራይ ዘይኮነስ ብምስጢር ቅድሜኡ ናብ ኤርትራ ከይዶም ዝተዋግኡ ብዙሓት መናእሰይ ሰራዊት ህወሓት ምንባሮም ድሕሩ ከምዝተረድአ ይገልጽ።

ሻዕብያ ንሃገራት ኣዕራብ “ኤርትራ ዓረባዊት ሃገር ክገብራ እየ” ብዝብል መጽብዓ ካብተን ሃገራት ኣዕራብ መጠን ዘይነበሮ ገንዘብ ይረክብ ስለዝነበሮ ኣዝዩ ሃብታም ውድብ ከምዝነበረ’ዩ ዝትንትን።

ብናቱ ኣገላልጻ ድማ ሻዕብያ ንኣቶ ስብሓት ነጋ ብምሲጥር ገንዘብ እንዳኸፈለ ከምቲ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ ዋግነር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገንዘብ ተኸፊልዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተንቀሳቒሱ ዝዋጋእ ዕሱብ ሰራዊት ብተመሳሳሊ ሰራዊት ህወሓት ኣብ መርየት ኤርትራ ተዓሲቦም ይዋግኡ ከምዝነበሩ ኣብ መጽሓፉ ጠቒሱ’ሎ።

እዚ ጀነራል “ናብ ኤርትራ ዝተጉዓዘ መንእሰይ ትግራይ ረጊፉ’ዩ” ዝብል ቀዳማዋይ ናይ ምስክርነት ዓይኒ ምሃቡ ጥራይ ዘይኮነ ንትንታነኡ የራጉዱለይ’ዮም ዝበሎም ሓቅታት’ውን ኣቐሚጡ’ዩ።

ኣብነት ሰራዊት ህወሓት ናብ ኤርትራ ክጉዓዙ እንከለዉ ካብቲ ውድብ “ነየናኡ ዕላማ እዮም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ዘለዉ? ዝብል ሕቶ ይቐርብ ከምዝነበረን “ንስልጠና’ዮም” ዝብል ሓጺር መብርሂ ይወሃቦም ከምዝነበረን’ዩ ዝጠቅስ።

እዚ ድማ ካብ ገሊኦም ምስ ስብሓት ነጋ ኮይኖም ኣብ ሓደ ክልተ ኣኼባታት ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተሳተፉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣረጋጊጸዮ እየ ዝበሎ መረዳእታ የቕርብ።

ንሱ’ውን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንመራሕቲ ህወሓት ብፍላይ ንኣቶ ስብሓት ነጋ “ሰራዊት ህወሓት ናብ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ምኽንያት ንህዝባዊ ግንባር ክድግፍ ዘይኮነስ ንስልጠና ከምዝተልኣኸ ክንገር ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ ሞራል ህዝቢ ኤርትራ ክትንከፍ ስለዘይብሉ’ዩ” ዝብል’ዩ።

እንተኾነ ካብ 1971 ዓ/ም ንድሓር ህወሓት መሰልጠኒ ማእከላት ከምዝነበሮን ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈለየ ታዕሊም ኣብ ዘየድልዮ ኩነታት ከምዝነበረን ዘዘኻኽር ጀነራል የውሀንስ ዕላማኡ መንእሰይ ትግራይ ብኣቶ ስብሓት ነጋ ተሸይጡ ኣብ መርየት ኤርትራ ምውጋእ ከምዝነበረ’ዩ ዝኣምን።

ኣብቲ ንሱ መራሒ በርጌድ ኮይኑ ዝተዋግአሉ ኵናት ብትዕቢት መራሕቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓደ ክልተ ግዜ ተባኢሱ ከምዝነበረን ሰራዊት ህወሓት ብሰንኪ ናይ ጊላ ኣረኣእያ ኣቶ ስብሓት ነጋ ተናዒቑ ናይቶም ዝንዕቕዎ ፖለቲካውያን መራሕቲ ሻዕብያ ዕላማ ከፈጽም ከምዝተገደደን ብስምዒት የሰተንትን።

ብርግጽ ኣብዚ ናይ ሻዕብያን ህወሓትን ዝምድና ኣመልኪቶም ዝተዛረቡን ዝጸሓፉን ካብቲ ውድብ ተነጺሎም ዝወጽኡን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ዝነበሩ ሰባት “ርክባቶም ናይ ጎይታን ጊላን እምበር ከም ክልተ ብረት ኣልዕሎም ንናይ ባዕሎም ዝዋግኡ ሓይልታት ኣብ እንካን ሃባን ዝተመስረተ ዝምድና ከምዘይነበረ ይገልጽዎ’ዮም።

ብርግጽ ህወሓት ኣብ ሰነዳቱ “ናብ ኤርትራ ኬድና ዝተቓለስና ንናይ ሓባር ረብሓ’ዩ” ዝብል ሓሳባት የቐምጥ’ዩ። እንተኾነ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ናይ ዕላማ ንጹርነት ዝጎደሎን ኣብ ተኣዛዝን መምርሒ ኣፈጻምን ዝተሞርኮሰ ርክባት ምንባሮም ግን ዝኾነ ኣብቲ ኣንጻር ደርግ ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ዝተሳተፈ ኣባል ሰራዊት ህወሓት ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ሓደ ኤርትራዊ ቅድሚ ሕይ ንዓይ ዘረጋገጸለ ሓደ ሓቂ’ሎ። “ኢሳይያስ ሰራዊት ህወሓት ናብ ኤርትራ ዝመጽእሉ ምኽንያት ንታዕሊም እምበር ንህዝባዊ ግንባር ወተሃደራዊ ደገፍ ከምዝኾነ ክንገር የብሉን” ምስ ዝብል ሓሳብ ጀነራል የውሀንስ ዝቃዶ ማለት እዩ።

ሻዕብያ ኣስመራ ኣብ ዝኣትውሉ ግዜ ብስነዳ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ መኸተ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ዝተቐረጸ ተጋድሎ ሰራዊት ህወሓት ዘርኢ ካሴት ብትእዛዝ ኢሳይያስ መሊኡ ክቃጸል ከምዝተገበረ እዩ እዚ ኤርትራዊ ዝነገረኒ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ናይ ዝሓለፈ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዝበልዐ ኵናት ትግራይ ኣቶ ስብሓት ነጋ ሓደ ዘደንጹ ሓሳብ ደርጕሑ ነበረ። ንሱ’ውን “ከምቲ ብጻይ ኢሳይያስ ዝበሎ” ዝብል ሓረግ ዝርከቦ ምሉእ ፖለቲካዊ ሓሳብ’ዩ። ብርግጽ ብዙሕ ሰብ ዘየስተውዐለሉ “ናይ እርጋን’ዩ እምበር ከመይ ኢሉ ብጻይ ኢሉ ክጽውዖ?” ካብ ዝብል ፖለቲካዊ ግርህነት ዘንቀዶ’ዩ ዝመስለኒ።

ኣብ ሰራዊት ትግራይ ኣዛዚ ኣርሚ 13 ኮለኔል ጸጋይ ተካ [ማርክስ] ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሊላይ ቲቪ ብፍሉይ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት “ኢሳይያስ ስብሓት ነጋ ከምዝተማረኸ ምስ ሰምዐ ረኺቡ ኣዘራሪብዎ’ዩ” ትብል መረዳእታ ወሲድኩም ምስ እቲ ኣብ መንጎ ክልተኣቶም ዝጸንሐ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ዝተሳገረ ምስጢራዊ ዝምድናታት ክተረኻኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብርግጽ እቲ ጀነራል ነቲ ክልተ ወለዶ ትግራይ ከምዝበልዐ ዝኸሶ ወዲ 91 ዓመት ሽማግለን ኣብዚ ሕይ እዋን ናብራኡ ኣብ ኣሜሪካ ዝደፍእ ዘሎን ኣቶ ስብሓት ነጋ ነቲ ሕይ’ውን ኣብ ትግራይ ደሚኑ ዝርአ ዘሎ ካልእ ሓደገኛ ኵናት ንሱ ከምዝመርሖን ምስ ‘ብጻዩ’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መኺሩ ዝሃነደሶ ከምዝኾነን ይድምድም።

ናይ ቅድሚ ሕይስ ዝኾነ ምኾነ እንተ ሎሚ’ውን መንእሰይ ትግራይ ተዓሲቡ ክዋጋእ ድዩ ዝድለ ዘሎ? ምስ እቲ ዝገማዳሕ ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ረጽምታት ኣዛሚድኩም ክተስተንትንዎ ንዓኹም ክሓድጎ።

ሰላም!

03/04/2025

ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝነበረ ሰራዊት ትግራይ መን’ዩ ዘፍርሶ ዘሎ?

ኣብዚ ቕነ “ሓደ ሰራዊትን ሓንቲ ትግራይን” ዝብላ ጭርሖታት በዚሔን ቀንየን። ስለምንታይ’ከ እዩ ከምኡ ዝብል ኣጀንዳ ተላዒሉ? እንተይልና ምናልባት ብውሳነ ናይቶም ንገዛእ ርእሶም “ካብ ኮር ንላዕሊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ” ኢሎም ዝሰየሙ ሓይሊ ዝኾረየ ኣካል ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ብብዝሒ መናእሰይ ዝርከብዎ ሓይሊ ምትእኽኻብ ስለዝጀመረ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣባል ሰራዊት ትግራይ ዝኾነን ኣባል ማእከላይ ኮሙቴ ውድብ ናጽነት ትግራይ ኮይኑ ዝጸንሐን ሸዊት ቢተው በላይ ኣብ ናይ ውልቀ ፌስቡክ ገጹ ‘ፖለቲካዊ ስልጣን ሓደ ህዝቢ ብብረት ንዝመንጠለካ ሓይሊ ብብረት ኢኻ እትርከቦ’ ዘስምዕ መልእኽቲ ኣካፊሉ ነይሩ። ድሕሪ እዚ ተመሳሳሊ መርገጺ ዝሓዙ መናእሰይ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ’ውን ከላሽን ተሓንጊጦም “ካብ ሓራ መርየት” ዝብል ስእልታት ክልጥፉ ጀሚሮም ኣለዉ።

“ብሓይሊ ካብ ፖለቲካዊ ስልጣንና ተደፊእና ኢና” ዝበሉ ነባራት ሰበ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን እንተኾነ ነቲ ካብ ሓራ መርየት ዝብል ናይ ዝተዓጠቑ ምንቅስቓስ ከምዝድግፍዎ ብተናጸል ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ምንቅስቓስ እዚ ዘስግኦም ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንእታ “ሓንቲ ትግራይ ሓደ ሰራዊት” ዝብል ጭርሖ ሒዞም ደበኽ ኢሎም። እቲ ድሕሪ ምውላዕ ኵናት ትግራይ ብዝፈተላለዩ ምኽንያታት ከካብ ቤቱ ናብ በረኻታት ትግራይ ዝተጸምበረ መንእሰይ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ “ካብዚ ባርነት ሞት ይሕሸኒ” ኢሉ ዝተጋደለ’ዩ። ቁጽሩ ዘይንዓቕ ኣባል ሰራዊት ትግራይ’ውን ብግዴታ ብዘይፍቓዱ ናብ ብረኻ ከምዝወረደ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ሰራዊት ብኣዘዝቱ ኮነ ፖለቲካዊ መራሕቱ ብዙሕ ክሕደት ገጢምዎ’ዩ። እቲ ናይ ፈለማ ክሕደት ሰራዊት ትግራይ ብኦፕሬሽን ኣሉላ ኣባነጋ ንመቐለ ምስተቖጻጸረ ኣብ ክንዲ ነቲ ሰራዊት ዋጋ ዝኸፈለሉ ብሄራዊ ሓርነት ዝምጥንን ረብሓታቱ ከረጋግጽ ዝኽእል ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ዝግበር፡ እቲ ኣቐዲሙ’ውን ዝወደቐን ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ኣእትዩ ነብሱ ዘድሓነን ህወሓት ፖለቲካዊ ስልጣን ተመሊሱ ክርከብ ገይሩ።

እዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብሄራዊ ሓደጋታት ትግራይ ብዝግባእ ተረዲኡ ቅድመ ምክልኻል ብዘይምግባሩ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ጽንተት ክኸውን ባይታ መድሚዱ ዘረከበ እንከሎ ነቲ ሰራዊት መሪሖም ናብ መቐለ ዝኣተዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ገና መፈጸምታኡ ዘይተረኸበ ግዝያዊ ዓወት ሰራዊት ትግራይ ነዚ ዝመሽመሸ ሓይሊ ኣሕሊፉ ምሃቡ ካልእ ክሕደት እዩ ነይሩ።

ካብ ዓለም ለኸ ሚድያታት ክሳዕ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንሰራዊት ትግራይ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ወይ ከዓ ‘ቲዲኤፍ’ ኢለን ምጽዋዕ ኣብ ዝጀመራሉ ኩነታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብቐጥታ ናብቶም ኣብ ወጻእ ዝቕመጡ ካድረታት ህወሓት ደዊሎም “መጸዊዒ ሰራዊትና ‘ሰራዊት ትግራይ’ እምበር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ወይ ድማ ቲዲኤፍ ኣይኮነን ዝብል ትእዛዝ ሂቦም።

ጸለውቲ ካድረታት ህወሓት’ውን ብቐጥታ ንሰዓብቶም ሰራዊት ትግራይ ወይ ድማ ትግራይ ኣርሚ ዝብል ሽም ከላልዩ ብዙሕ ጽዒሮም። ካብ መቐለ ዝወሃቡ መግለጽታት’ውን ሰራዊት ትግራይ ብዝብል ኣጸዋውዓ ቀጺሉ። እዚ ዝገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ቲዲኤፍ ዝብል ብራንድ ንህወሓት ዓብሊሉ ሓደ ሓይሊ ኮይኑ ይወጽእ ምንባሩ ዘሻቐሎም መራሕቲ ህወሓትን ብናይ ህወሓት ፖለቲካዊ ህንጸት ስኖም ዝሸረፉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝወሰንዎ’ዮም።

እቲ ካልእ ምኽንያቶም ድማ እኒ ጀነራል ጻድቃን ምስ እኒ ጫልቱ ብዝፈጠርዎ ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ብሽም ቲዲኤፍ ነቲ ናይ ህወሓት ሓይሊ የህስሶ ኣሎ ካብ ዝብል ስግኣት’ዩ።

ብርግጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ንኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺበን ዝንቀሳቐሳ ዓለም ለኸ ሚድያታት “ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር’ዩ ዘሎ፤ ካብዚ ወጻኢ ንዕጡቓት ህወሓት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢልካ ምጽዋዕ ልኡላዊነት ከም ምጥሓስ ስለዝቑጸር ቲዲኤፍ ኢልኩም ምጽዋዕ ሕጋውነትኩም ክንስርዝ ኢና” ዝብል ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤ ጽሒፉሎም ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ንጉዳይ ትግራይ ዝከታተሉ ዝነበሩ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ትግራይ ድሕሪ እዚ ኩሉ ህልቂት ከም ሃገር ኮይና ከምእትወጽእ’ዮም ዝኣምኑ ነይሮም። እንተኾነ እቲ ካብ ዝምሰረት ጀሚሩ ኢትዮጵያዊ ስነ ሓሳብ ኣስሪጹ ዝንቀሳቐስ ህወሓት ንእቶም መናእሰይ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ‘ቃልስኹም ንሃገረ ትግራይ’ዩ’ ይብሎም፤ ውሽጣ ውሽጢ ግን ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ብፌደሬሽን ትነብረሉ መገዲ እዩ ዘናዲ ነይሩ።

ናይዚ ሓደ መርትዖ ‘ሰራዊት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ክቆጻጸር ቀሪቡ’ዩ’ ተባሂሉ ብሲኤንኤን ምስተጸብጸበ ብኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝምራሕ ናይ ዋሽንግቶን ህወሓት ወከልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኣኪቡ ብዛዕባ ምሕያል ስርዓተ ፌደሬሽን ዘትዩ።

ኵናት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያ ደው ምስበለ ድማ ኣብ ዓውደ ውግኣት ኣካሎም ዝጎደሉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ “እኹል ሕክምናዊ ናብዮትን ዝተመጣጠነ መግብን ይጎድለና’ሎ” ዝብል ጥርዓን ካብ ምቕራብ ክሳዕ ተደጋጋሚ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም። እንተኾነ እቲ መልሲ ንእታ ዝተጎድአት ኣካል በትሪ እዩ ተወሲኹዋ። ገሊኦም ኣዘዝቲ እቲ ሰራዊት ድማ ብመጉዳእቶም ክሓዝኑ ዘግብሩ ጸያፍ ቃላት ተጠቒሞም ድሂሎሞም።

እቲ ነዚ ጸያፍ ቃላት ተጠቒሙ ሰራዊት ዝድሃለ መራሒ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን መቐለ ምስተቖጻጸሩ ካብ በረኻታት ትግራይ “ንዑ ሓቢርና ነጻነትና ነውሕስ” ኢሉ መጸዋዕታ ዝገበረ ሰብ ንናቱ ዕድመ ተቐቢሎም ኣካሎም ንዝጎደሉ ሰራዊቱ ብጉድኣቶም ከናሹ ዝረኣዩ መናእሰይ ቑጥዐኦም ገሊጾም ነይሮም።

ሰራዊት ትግራይ ናብ መኸተ ካብ ዝተኣኻኸበሉ ዕላማታት ሓደ ብጎበጣ ሓይልታት ኣምሓራ ዝተትሓዘ ግዝኣት ትግራይ ከውሕስ ዝግብኦ’ኳ እንተነበረ ብሰንኪ ካብ ዕላማታት እቲ ሰራዊት ዘይምንጩ ስሑት ወተሃደራዊ ቀመር ኣሽንኳይ ምዕራብ ትግራይ ከምልስ መወዳእታኡ ጽግዕተኛ ናይቲ ዝዋግኦ ዝነበረ መንግስቲ ክኸውን ገይርምዎ።

ህወሓት ብናይ ባዕሉ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ናብ ክልተ ምስተቐለ ድማ ንነብሶም ካብ ኮር ንላዕሊ ኢሎም ዝሰየሙ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብቕሉዕ ነቲ ሓደ ምቃል ህወሓት ኢና ንግድፍ ኢሉ መግለጺ ምውጽኡን ነቲ ካልእ ምቃል ህወሓት ብሓይሊ ካብ ትግራይ ሰጕጉ ማሕተማት ንቲም ፈትለ ምርካቡን ድማ ሰራዊት ትግራይ ጠቕሊሉ እግሩ ቆሪጹ ዝደርበየሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

እዚ ኩሉ ክሕደት ዘጋጠሞ መንእሰይ ሓይሊ ኣባል ሰራዊት ትግራይ እዩ እምበኣር ብሽም “ሓንቲ ትግራይ ሓደ ሰራዊት” ዝብል ጭርሖ ንሓደ ትግራይ ናይ ምድርዳር ዓቕማ ሓንሺሹ ኣብ ጸቢብ ጉጀሊኣዊ ረብሓ ንዝተጸመደ ሓይሊ ክሕሽከር ዝድለ ዘሎ።

እዚ ጭርሖ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል እቶም ናይ ኮር ኣዘዝቲ ኢና ኢሎም ሰራዊት ትግራይ ንሓደ ምቃል ህወሓት ኢና እንድግፍ ኢሎም ዘውጽእዎ መግለጺ ጌጋ ምንባሩ ጠቒሶም ንህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዕላዊ ይቕሬታ እንተሂቦም። ከምኡ’ውን ነቲ ካብ ጌጋ ውሳነ ዝተበገሰ ምንጠላ ማሕተም ነውሪ ከምዝነበረ ገሊጾም ይቕሬታ ምስ ዝሓቱን ንገዛእ ርእሶም ዳግማይ ናብ ፖለቲካዊ ምትፍናን ህወሓት ከምዘይትኣትዉ ምስዘረጋግጹን ይኸውን።

ካብዚ ብተወሳኺ መናእሰይ ሓደሽቲ መናእሰይ ሰራዊት ትግራይ ናብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ክመጽኡ ጌርካ ዝበዝሑ ኣዘዝቲ እቲ ሰራዊትን ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ብጥሮታ ክወጽኡ ባይታ ምንጻፍን ድማ ባህግን ድልየትን ሓድሽ ወለዶ ትግራይ ክገሃድ ስለዝሕግዝ ተግባራዊ ምግባር።

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ መሓውር ኣትዩ ዝተጣየሸሉ ዕላማታት ተነጺሩ ንኣወዳድባኡ ዝምጥን መሪሕነትን ባጀትን ተገይርሉ እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ድማ ምስጋና ተዋሂብዎም ኣብ ዝደለይዎ ዓዲ ድሕነቶም ተሓልይሎም ክነብሩ መረጋገጺ ምሃብ ነቲ ሰራዊት ካብ ምፍራስ ኣድሒኑ ዕላማታቱ ከዐውት ተኽእሎ ይህልዎ።

ሰላም!

ሓለፎም እየ

02/04/2025

ፖለቲካዊ ዕጥራን ዘንቀዶ ኮሸምሸም ደገፍቲ ህወሓትን ሻዕብያን!

ኣብቲ ንትግራይ ናብ ጀቕጀቕ ደልሃመት ዘእትወ ናይ ኵናት ነጋሪት ናይ ጽንተት መለኸት ብምንፋሕ ዒፍ ዘይትቕድሞም ዝነበረት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፉ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ቅነ ብዘይተለምደ “ተጋሩ ኣሕዋትና፣ ህወሓት ጅግና ዓርሓ ወያናይ” ዝብላ ቃላት ሒዞም ተቐልቂሎም ኣለዉ።

ብፍላይ ሓደ ዘይወግዓዊ ወሃቢ ቃል ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሓሎም ብዓውታን ገልጠምጠምን ፕሮፖጋንዳ ክሰርሕ ዝፍትን ናይ ገረወይናይ ግደ ዝጻወት ኤርትራዊ ንገለ ሰብ ዋና ሚድያታት ደገፍቲ ህወሓት ብሽም ጠቒሱ ናብ ኣስመራ ምስዓደሞም ሽዑ ንሽዑ ብታሕጓስ እወንታዊ መልሲ ክህብሉ ተዓዚብና።

እቲ ጸገም እቶም ዕድመ ዝተገበረሎም ዋናታት ሚድያ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ፡ ናብ ኣስመራ ኣትዮም ማክያቶ ክሰትዩ ምድላዮም ዘይኮነ ንዕድመ ዘብቀዖም ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ’ዩ። እምበር ናብታ ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተመስረተት ከተማ ኣስመራ ከይዶም ምስ ወገናቶም እንተተራኸቡ ዋላ ሓንቲ ሓጥያት ኣይነበሮን።

ሓደ ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 300 ሽሕ ተኸታሊ ዘለዎ ‘ኤሪትራን ፕረስ’ ዝተብሃለ ናይ ፌስቡክ ገጽ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ናይ ፌስቡክ ንጥፈታቱ ጠቒልሉ ዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብይ ኣሕመድ ‘ጉዳይ ባሕሪ ይግብኣና’ዩ’ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ናብ ተግባር ክቕይሮ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሕ ክሰርሕ ተመሊሱ’ሎ።

እዚ ኤርትራን ፕረስን ካልኦት ንህግደፍ ደጊፎም ዝሰርሑ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብቲ ሕሉፍ ናይ ጽንተት ኵናት ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ክመርርን ከየብቅዕን ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ናይ ሕሶት ተረኽ ዝተመስረተ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ዝተጸመዱ’ዮም ነይሮም።

እቲ ሕቶ ስለምንታይ’ዮም እቶም እኒ ስዩም መስፍንን ኣባይ ጸሃየን ጠያይቲ ኣብ ግንባሮም ኣትይዎም ዘርኢ ስእሊ እናተቓባበሉ ብሞራል ተወላዲ ትግራይ ዘባጨው ዝነበሩን ኣቶ ስብሓት ነጋ [ናይ ሎሚ ብጻይ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ] ምስ ምንኣስ ሓፍቶም ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ ካቲና ኣቲይዎም ብኣንቶኖቭ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ‘ናይ ኢድኩም’ዩ’ ኢሎም ዝተመክሑን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ደገፍቲ ህግደፍ ንህወሓትን መራሕታን ብፍላይ ቲም ፈትለ ከተዓባብዩ ዝውዕሉ ዘለዉ? እዩ።

ደገፍቲ ህግደፍን ብፈትለ ዝምራሕ ናይ ሓወልቲ ህወሓትን ሓደ ዘራኽብ ናይ ፖለቲካ ዕዮ ገጢምዎም’ሎ። ንሱ’ውን ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ኣብይ ኣሕመድ ንዓመታት ኣብኵዑ ክስንክቶ ዝደልዮ ዘሎ ጉዳይ ዓሰብ ይግብኣኒ’ዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ኢሳይያስ ናይ ህልውና ሓደጋ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስግኣት ሓዲርዎ’ሎ።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያ ነንባዕሉ ዝናኸስ ዘሎ ህወሓት ብፍላይ እቲ ናይ እኒ ፈትለ ቲም ብኣብይ ኣሕመድ ገጽ ተኸሊኡ ኣብ ትግራይ ከም ናይ ፖለቲካ ኢንቲቲ ከይቕጽል እሾኽ መርገም ኮይኑ መርገጺ የስእኖ ስለዘሎ’ዩ።

እዞም ክልተ ካብ ዝፋለጡ 50 ዓመታት ዝደፈኑ መራሕቲ ህግደፍን ህወሓትን [ኢሳይያስን ስብሓትን ነጋን] ነንባዕሎም ክደጋገፉን ክበላልዑን ህይወት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቶም ወይ ድማ ደቂ ማርያም ኵሊዖ ብዘይ ምኹኑይ ፖለቲካዊ ሞገት ረጊፉ’ዩ።

ትማሊ ትማሊ ኣይከሰርናን ኢሉ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ጸሚዱ ምሉእ ዓቕሚ ወተሃደራት ኤርትራ ኣኽቲቱ ኣብ ትግራይ ሰለማውያን ሰባት ካብ ምቕታል ክሳዕ ጾታዊ ዓመጽ ህጻውንትን ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮን፤ ካብ ዝምታ ንብረት ውልቀ ሰባት ክሳዕ ዕንወት ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ዝፈጸመ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ግልብጥ ኢሉ ንእቶም ተሓሽኪሮም ከቶ ዘይምነዎም መራሕቲ ህወሓት “ሰሚርና ንኣብይ ነጥፍኣዮ” ዝብል ነጸላ ሒዙሎም ደበኽ ኢሉ።

እቲ ሰብኣይ ዕድለኛ’ዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ መሪሕነት “መጺኻለይ ዶ ክጽበየካ” ዝዓይነቱ ፕሮፖጋንዳ ኣጽዒቑ’ሎ። ናይዚ ውጽኢት ድማ ኣብ መቐለ ዝቕመጡ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ነቲ ብዘይ ምሕረት ንትግራይ ዝጨፍጨፈ ኢሳይያስ ሓንጎሉን ፖለቲካዊ ዓቕሙን ካብ ዓለም ተወዳዳሪ ከምዘይብሉ ክሰብኩና ጀሚሮም። ሰማዒ ዝረኸቡ ድኣ ኣይመስልን እምበር ካልኦት ስብከታት’ውን ከስዕቡ ይኾኑ’ዮም።

ስለዚ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ሰብ ዋና መይን ስትሪም ሚድያታትን ዝኾኑ ደገፍቲ ህወሓት[ቲም ፈትለ] ን ህግደፍን ዘራኸቦም ናይ ዓሚልን ኮማሪትን ዝምድና እምበኣር ካብዚ ዝብገስ’ዩ። ደርሆ ምስ ደርሆ ተማኺረንስ “ኣይንታሓረድ” ይብላ ዝብል ምስላ ወለዲ ኣሎ። ናይዞም ሰባት ኮሸምሸም’ውን ኣብ ስልጣኖም ክቕንዩ ናይ ዝወሰኑ መራሕቶም ውጽኢት እምበር እዚ ዝበሃል ዕላማ ኮነ ዕዮ የብሎሙን።

ሽጣራታት ኮምብሽታቶ ዘይተርድኦም ካብ ትግራይ ዝውለዱ ሰብ ዋና ሚድያታት ድማ እቲ መጸዋዕታን ዕድመን ናይ እማን መሲልዋቶም ልቦም ክትፍንጻሕ ኢላ ምስእትዕዘብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ መድረኽ ሓሪቑ ንተኣከብቲ ‘ሃየ’ ዝብል ግብረ መልሱ ክእንግዶም።

ሓለፎም እየ እንኪ ፃውር

ሊላይ ቲቪ መልእኽተይ ንሰዓብትኹም ስለእተካፍሉለይ የመስግን!

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Lilay tv posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Lilay tv:

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share