14/08/2025
[እዋናዊ መግለፂ ኣመራርሓ ኣርሚ 15]
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይን ቀፃሊ አንፈታትን መዋፅኦን ህዝብና ኣድሂብና ብዕለት 07/12/2017ዓ.ም ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባ ናይ ኣርሚ 15
ኣመራርሓ እዞም ዝስዕቡ ናይ ቅዋም መግለፅን ውሳነን ሓሳብን አነፂርና ንህዝብና ዕላዊ ገይርና ኣለና።
1. ንሕና ኣመራርሓ ኣርሚ 15 ዝኾና ብዛዕባ ዋና ኣዛዚ ኣርሚ 15 ተጋዳላይ ጉዕሽ ገብረ ቅድም ክብል ብዝነበሮ ናይ ሓሳብ አፈላላይ ካብ ስርሑን ሓላፍነቱን ተኣጊዱ እዩ። ይኹን ድኣምበር ብናይ ሓሳብ አፈላላይ ስራሕ ዘአግድ ምክንያት አይነበሮን። ንሕና ኣመራርሓ አርሚ 15 ጠጠው መበሊኡ ምኽንያት ብዝርዝር ብዝምልከቶ ኣካል ወይ ኣመራርሓ ብኣካል ኣብ ኣሃድኡ ቀሪቡ ክንገረና ብተደጋጋሚ ኣብ እንገብሮም መድረኻት እናሓተትና መፂኢና ኢና፤ ይኩን እምበር ክሳብ ሕዚ እኹል መልሲ ዝህበና ኣካል ብዘይምርካብና ባዕልና ናይኣርሚ 15 ኣመራርሓ ፃውዒት ብዝገበርናሉ መሰረት ናብ ኣሃድኡ ኣትዩ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።
2. ህዝቢ ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይ ብዘይፈልጦን ግልፅነትን ትካላዊን ብዘይኮነ ርክብ ብሽም ፅምዶ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ሸበድበድ ህዝቢና ናብ ሓደጋ ዘእቱን ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዝሃበና ዕድላት ዘፍርስን ስለዝኮነ እዚ ዘይሕጋዊ ርክብ እዚ ደዉ ክብልን ነዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ዝመርሑን ዝፍፅሙን ዘለዉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱን ንፅዉዕ።
3. ብዝተፈጠረ ናይ ሓሳብ አፈላላይ ኣብ መንጎ ተጋሩ ምድፍፋእ፣ምፅልላም ጠጠው ይበል። አፈላላያትና ስልጡን ብዝኾነ መንገዲ ብምእላይ አብ ናይ ትግራይና መሰረታዊ ክብርታትን ረብሓታትን መዋፀኦን ዕማማትን ክንዓስል ፃዊዕትና ነቅርብ።
4. ኣብ ሓራ መሬት ዘለዉ ነበር ኣባላት ሰራዊት ትግራይ (TDF) ተጋደልቲ ብፆትና አፈላላዮም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብድርድር ክፈትሑ ብሽማግለ ዓዲ፣ መራሓቲ ሃይማኖት፣ ፖለቲከኛታት ፣ ብመንግስቲ ፃዊዒት ንኽግበረሎም ምስ TDF ዝግበር ዘሎ ጎንፂ ጠጠው ኢሉ ናብ ዓዶም ብሰላማዊ መንገዲ መፂኦም ንክቃለሱ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ንክወስድን ምችዉ ባይታ ንክፈጥረሎምን እናፀዋዕና ዝኮነ ይኩን ትግራዋይ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ንዝገብሮ ናይ ተኩሲ ልዉዉጥ ድማ ብትሪ ከምንቃወም እናገለፅና ብሰላም ዓዶም ንክኣትው ፃዊዒትና ነቅርብ።
5. ብግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ናይ ሕጊ ምኽባር ምክንያት ብምግባር ኣብ ህዝብና ብመሳሪያን ብሓይሊ ሰራዊትን ገይርካ ዝግበር ናይ ስልጣን ርክክብ ኣብ ክንዲ ሰላምን ፍቅርን ናብ ሓደጋ ጎንፅን ምክፍፋልን ስለ ዘእትው ብፍላይ አብ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ዝገበር ዘሎ ናይ ሓይሊመልቲ አካይዳ እናተቃወምና ህዝብና ኣብ ሰራዊቱ እምነት ክስእን ዝገብርን ኣብ ሰራዊትና ዘይተደለየ ምክፍፋል ዝፈጥርን ስለዝኮነ ሓደግኡ ብምርዳእ ብህፁፅ ደው ክብልን ትካላዊን ሕጋዊን ኣካይዳ ንክግበር ፃዊዒትና ነቅርብ።
6. ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝኮነ ፖለቲካዊ ውግንና ነፃ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ደጋፊ ክኸውን ኣይግብኣን። ናይ ሰራዊት ልኡኹ ፣ አወዳድባኡ ፣ ናብርኡ መሰረታዊ ሕቶታትን መሰሉን ኣብ ክንዲ ግቡእ መልሲ ምሃብ መፍትሒ ንዘይብሉ መፅብዓ ካብ ምእታው ዝሓለፈ ዝተፈትሐ ሕቶ ከምዘየለ ብምርዳእ ብፍላይ ላዕለዎት አመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውግንና ነፃ ክትኾኑን ፀገም ዉግኣት ብፆትናን ተጋደልቲናን ኣብ ምፍታሕ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ፃዊዒትና ነቅርብ።
7. ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ብምርድዳእ ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ናብ ንቡሩ ክምለስ፣ ነቲ ውዕሊ ዝፃብኡ ተግባራት ምኹናን ንናይ ሰላምን ልምዓትን መስርሕ ቀዳምነት ብምሃብ አብ መከራን ስቃይን ዘሎ ዝተመዛበለ ህዝብና ብህፁፅ ናብ መረበቱ ንክምለስ ብዘይወዓል ሕደር ንክሰርሕ ፃዊዒትና ነቅርብ።
8. ነቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ አጋጢሙ ዘሎ አፈላላይ እንኮ መፍትሒን መማረፂን ብሄራዊ ዕርቂ ተጋሩ እዩ። ውግእን ወረ ውግእን ጠጠው ይበል ኩሎም ሕቶታትና ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ንፍታሕ። ሕግን ስርዓትን ይከበር። ኩሎም ዝተበተኑ ዓቅምታት ትግራይ ናብ ሓደ ብምጥማር ዓቅምታት ትግራይ ብምውዳብ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ሓድነትና ነሐይል። ስለዝኮነ ድማ ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ንክግበር ፃዊዒትና ነቅርብ።
ፃዊዒት ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፣ ድያስፖራ፣ ፖለቲካዊ ዉድባት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ሚድያታትን ትግራይ ኣብ ህዝቢና ኣንፀላልዩ ካብ ዘሎ ሓደጋ ንክንወፅእ በቢዉዳበኩም ኣብ ክብርታትን ረብሓታትን ህዝቢ ትግራይ ቀደምትነት ሂብኩም ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ሓደጋ ንክትወፅእ ክትሰርሑ እናፀዋዕና ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ እቲ ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ብሄራዊ ሓደጋ ስደትን ብተናን ብትረት ተቃሊስካ ደዉ ክተብሎን መፃኢ ዕድል ትግራይ ክትዉንኖን ክንፅዉዕ ንፈቱ።
ኣብ መወዳእታ ፃዊዒት ንኩልኩም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት መፍትሒኡ ሓይሊ ብረት ከምዘይኮነ ተረዲእና ብረትና ኣብ ፀጥታን ድሕንነትን ህዝብና ኣብ ምሕላዉ ሓላፍነትና ክንዋፃእ እናተገበኣና ካብ ተልእኮናን ሓላፍነትናን ወፃኢ ኣብ ዝኮኑ ተግባራት ከይንሳተፍን ነዚ ተግባር ክንፍፅም ንዘገድዱና ኣካላት ድማ ብሓደ ኮይንና ብፅንዓት ክንቃለሶም ከምዝግባእ ፃዊዒትና ነቀርብ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!
ኣመራርሓ ኣርሚ 15
ነሓሰ 07/ 2017ዓ.ም
ዓዲ ግራት