TBS TV

TBS TV Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from TBS TV, TV Channel, UK, London.

ልኡኽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ #ዜናብ ኣፈ ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣይተ ሞገስ ታፈረን፡ ብምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ...
04/04/2025

ልኡኽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ
#ዜና
ብ ኣፈ ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣይተ ሞገስ ታፈረን፡ ብምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዶክተር ደጀን መዝገበን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ዕለት 26 ወርሒ መጋቢት 2017 ኣ/ግ ምስ ኣምባሳደር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ማሲንጋ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

እቲ ዘተ ኣብ ህሉው ኩነታትን ቁመና ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ፣ ኣብ ኣፈጻጽማ ስምምዕነት ፕሪቶሪያን ምምላስ ተመዛበልቲን፣ ኣብ ተኽእሎ ቀጻሊ መረጻ ትግራይን ተዛመድቲ ጉዳያትን ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ እቲ “ዕውት” ምንባሩ ንምፍላጥ ተኺኢሉ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ምስ ኣፍሪካ ሕብረት፣ ምስ ኣውሮፓ ሕብረትን ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ርክባቱ ክቕጽል ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ቲቢኤስ
ወርቃዊ

“ውርደት” ዘይምነዎ መሪሕነት!——————— #ሓተታ ሕዚ ኩሉ ትግራዋይ ብማዕረ ድምጸት ዝብለን ቃላት፣ ብማዕረ ሚዛን ዝወስደን ቅዋማት፣ ብማዕረ ስግኣት ዝርእየን ሓደጋታት ኣለዋ። ዋላ ደንበ ሒ...
04/04/2025

“ውርደት” ዘይምነዎ መሪሕነት!
———————
#ሓተታ
ሕዚ ኩሉ ትግራዋይ ብማዕረ ድምጸት ዝብለን ቃላት፣ ብማዕረ ሚዛን ዝወስደን ቅዋማት፣ ብማዕረ ስግኣት ዝርእየን ሓደጋታት ኣለዋ። ዋላ ደንበ ሒዙ ይጋጮ፣ ዋላ ሓደ ሓደ ፍንጫል ሒዙ ይገታገት፣ ዋላ ኣብ “ኣነን ንስኻን” ዝብል ኣብ ምድሪ ትግራይ ክርአ ዘይነበሮ “ውርደት” ይተዓመም ብማዕረ ዝካፈለን ርእሰ ጉዳያት ኣለዋ። ካብዚኤን እታ ሓንቲ ንወድቕና ኣለና፡ ከም ህዝቢ ናብ ሓደጋ ህላወ ንኣቱ ኣለና እትብል እያ።

ትግራይን ተጋሩን ኣብ በቢመዋእሉ ዝተፈጠሩ ናይ መሪሕነት ብስርውናን ናይ ፀላእቲ ተኸታታሊ ሽርሕን ውሽጣውን ግዳማውን ሓደጋታት እንዳወለዱ፣ ህዝብታት ትግራይ በቢመዋእሉ ቑፅሮም እናጎደለ ንባዕሎም ናብ ዘጥፍእ መትረብ ይኣትዉ ከምዘለዉ ዘይትንትን ኮነ ኣብ ዝተተንተነ ዘይረዳዳእ የለን። ይኹን እምበር “ውርደት ይኣኽለና” ዝብል ግን ዛጊድ ኣይተረኸበን። “ብሕመቕ ውሽጥን ተጻቦኦ ደገን መሬትና እንዳተቆረሰ፣ ታሪኽና እንዳሃስስ፣ ቐዲምና ኣብ ዝነበርናሉ ቦታ ውሑዳትን ድኹማትን ክንኸውን ተፈሪዱና ሕዚ እውን ኣብ ዓፀቦ ኣለና።” ኣብ ዝብል መደምደምታ ዘይሰማማዕ ኮነ፡ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ዝፈጥሮ ሕማቕ ውጺኢት ዘይረዳዳእ ትግራዋይ ኣሎ ምባል ይኸብድ እዩ:: እንተኾነ “ውርደት ይኣኽለና” ዝብል ግን ዛጊድ ኣይተረኸበን። ትግራዋይ ካብ ሓደ መልክዕ ኲናትን ፅንተትን ናብ ካልእ መልክዕ ሓደጋ ህልውና እናተሰጋገረ ዕድምኡ ክደፍእ ዝተገደደ ህዝቢ ምዃኑ ዘይሰማማዕ የለን እንተይኮነስ ትግራዋይ ማዕረ ስሙ ዝሸምደዶ ገያጽ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር “ውርደት ይኣኽለና” ዝብል ግን ዛጊድ ኣይተረኸበን።

“ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ብስነ-ሓሳብ ኢትዮጵያኒዝም እናተመርሐት ዘንአሰቶ ክብሪ ትግራይን ዝቖረሰቶ መሬት ዓዲ ኣቦናን ይስመዓና እዩ” ዝብል ደምበ ናጽነትን ሓርነትን፡ ኩናት ጽንታ ተወሲኽዎ ሰማይ ዝተሰቐለ፡ ዝበሰለን ዝተረረን ስሚዒት መናእሰይ ኮይኑ ካብ ዝዘልቕ ቀሊል ግዜ ኣይኮነን። ሰረትን መቦቆልን ኢትዮጵያ ዝኾነት ትግራይ ከም ዓዲ ክትቕጽል ዘየግብር ሽርሒ ሸዋውያን በዲሉና በሃላይ ቀለም ቀመስ ትግራዋይ ዉሑድ ኣይኮነን። ትግራይን ትግራዋይነትን ኣምበርኪኽካን ኣድቂቕካን ምግዛእ ከም መስርሕ ወሲዶም፣ ህዝቢ ትግራይ ታሪኹ፣ ክብሩን ትማሊኡን ናይ ባዕሎም ንምግባር እቲ ህዝቢ ድማ ንባርነት፣ ሕማምን ድንቁርናን ክቃላዕ ዝገበሩ ጸላእቲ ሕዚ እውን ሰይፊ ጽንተኦም ኣየዕረፈን ዝብል መደምደምታ ዘለዎ ሓይሊ ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ “ውርደት ይኣኽለና” ዝብል ግን ዛጊድ ኣይተረኸበን።

ወዕሎ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራትን ሓሰብትን ትግራይ እቲ ዘይዛሪ ኣርዑት መከራ ዝዝክር ዘሎ ኣይመስልን። እዚ ምሁርን መሪሕነትን ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተዳዕኒኖሞ ዝቐጸሉ በደላት ዝደግስሉ ዘለዉ ናህሪ ዝርዳእ ዘሎ ኣይመስልን። እዚ ሓይሊ እዚ ዝነበረ ብሄራዊ ተጻቦኦ እንዳቐፀለን መልክዑ እንዳቐየረን ይኸይድ ምህላዉ ዘስተዋዓለ ኣይመስልን። ካብ ታሪኻዊ መበገሲ፣ ካብ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ካብ ውሽጣዊ ብስርውናን ዝብገሱ ተኸታተልትን ቐፀልትን ሓደጋታት ትግራይ ዝስሞዖ ዘሎ ኣይመስልን። ትግራይ ከም ብሄር እንትንእስ ናይ ምድኻምን እንትዓቢ ድማ ናይ ምጥፋእ ሃቐነ ዝተገለጸሎም ኣይመስልን። እዚ ኩሉ ፖለቲከኛ፣ ምሁር፣ ሓሳብን ካልእን እዚ ኩነታት እዚ እንተዝርዳእ፣ እንተዘስትወዕል፣ እንተዝስሞዖን እንተዝግለጸሉን፡ “ውርደት ይኣኽለና” ኢሉ ኮፍ ኢሉ ምዝታይ ዶ ምጀመረን ናብ ዝብል ሞጎት ዝወስድ ኮይኑ ኣሎ።


ሕዚ፡ “ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት፣ ታሪኽ ትግራይ ካብ ሰነዳት ታሪኽ፣ ትግራይ ድማ ካብ ካርታ ንምሕኻኽ ኩነታት ክሳብ ዝመዓራረየሎም ውሽጢ ውሽጢ እንዳሰርሑ መፂኦም” ኢልካ እትኸሶም ጸላእቲ ሕዚ ንሳቶም ብቐጥታ ኣብ ዘየባላሽውዎ ኣጀንዳ እናሃለኻ “ውርደት ይኣኽለና” ዘይምባል እቲ ኩነታት ብካልእ ሸነኹ ኽትርእዮ ዝገብር ኮይኑ ኣሎ።

ሕዚ፡ “ኩነታት ምስ ፈቐደሎም ፣ ውሽጣዊ ተቓላዕነትና ሰፊሑን ገዚፉን፣ ሕመቕ መሪሕነትና ናብ ኣደባባይ ምስወፀ ድሌቶም ሰሚሩ ኲናት ፅንተት ኣዊጆምልና።” ኢልካ እንተቆዘምካን “ጸሓይ እትብርቕ ብምብራቕ እዩ” ዝዓይነቱ ትንታነ እንተሃብካን ትርጉም የብሉን። እዚ ትርጉም ዝህልዎ “ውርደት ይኣኽለና” ብዝብል ነብሰ-ምትዕራቕ ክትቅይሮ እንተለኻ እዩ።

ሕዚ “መረበትና ተጎቢጡ፣ ህዝብና ተፈናቒሉ፣ ሃፍትና ዓንዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ኢልካ ክትገልፆ ዘይትኽእል ከርፋሕ ህይወት፣ መልክዕ ዘየብሉ ናብራ፣ ተስፋ ዘይብሉ መፃኢ የሕልፍ ኣሎ።” እንተበልካ ማይ ንህይወት ጠቓሚ እዩ ካብ ዝብል ሓተታ ዘይፍለ ትንታነ ይኸውን እሞ ትርጉም እዚ ትርጉም ዝህልዎ “ውርደት ይኣኽለና” ብዝብል ነብሰ-ምትዕራቕ ክትቅይሮ እንተለኻ እዩ።

እማን እዩ ህዝቢ ትግራይ ዝተዓደለ ኣይኮነን። ከይበደለ ጽንታ ተኣዊጅዎ። ተጋዲሉ ቤቱ ብዘይ ቆልዓ ዓዱ ብዘይ ዘርዓ ተሪፍዎ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ውርደትን ሓሳረ መከራን ተሰኪሙ ሕዚ እውን መሪሕነቱ ክዕርዩ ስኑ ነኺሱ መኺሩን ምዒዱን። በቲ ዘጋጠመ ኩነታት እውን ፍፁም ውርደት ዘይስምዖ፡ ሕዚ ብብዕለት ይፍጠር ብዘሎ ሓዱሽ መስግኢ ኩነታት እውን ድምብርጽ ዘይብሎ መሪሕነት፡ እቲ መስረታዊ ናብ ኲናት ዘእተወና ጉዳይ መልክዕ እንተይሓዘ “ናብ’ዚ ናብ’ቲ ክብል ኣይብለይን” ክብል ኣይተርኣየን። “እቲ ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ መረበቱ እንተይተመለስ፣ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ሓራ እንተይወፀ፣ ሰራዊትና ቁስሉ እንተይሓወየ ብሓፈሻ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገዛ ትግራይ ዘይነቐፀ ደም ኮልኮል እናበለ፣ እቶም ህዝቢ ከጽንቱ ዝወፈሩ ሓይልታት ንትግራይ ከቢቦምዋ እንዳሃለው “ዓቕመይ ክንኪ፡ ብሄረይ ከፍርስ፣ ውድበይ ክብትን ኣይግባኣንን” ክብል ኣይከኣለን። “ውርደት ኣያባዝሕን፡ ሕመቕ ኣያራብሕን” ክብል ኣይከኣለን።

እዚ ኩነታት እዚ መልክዕ ከትሕዝ፡ “ውርደት ይኾኖ” ኢሉ ኣብ መኣዲ ዓዲ ብመንፈስ ሕውነት ኮፍ ኢሉ ክዝቲ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝተወሃቦ እቲ ሊሂቅ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር መራሕቲ ዝተፈላለያ ውድባትን ትካላትን፣ ልሂቃን ትግራይ ፣ ሕ/ሰብ ትግራይ ድማ ብሓፈሻ ዓይነ-መርፍኡ ናብ ዝጠፍኦ ዕንክሊል ኣትዩ: ብሄራዊ ሓይሊ ትግራይ፡ ወዲ ክቡር ህዝቢ እንከሎ ዉልዶ ሕሱር ክመስል ፈቒዱ ሕዚ እውን ኣብ ኩርባ ሰዓርን ተሳዓርን ኮይኑ “እምቧሕ” ይብል ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፎ ናይ ጽንታ ግዜ ኹነታት ትግራይ ኣዕርዩ ኣዛቢዕዎ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ በሰላ ኲናት ጥራሕ እንተይኮነስ ናብ ሓዱሽ እቲ ሊሂቅ ዘይተዳለወሉ ምዕራፍ ክሸጋገር ጌሩ ምዃኑ እውን ርዱእ እዩ። ኮይኑ ግን ክንድዙይ ዝኣክል ብስርውና ቕቡልነት የብሉን። ቕቡልነት እኳ እንተሃልይዎ ጸኒሕኻ ቕንዕ ክትብልን ብናይ ውርደት ስሚዒት ብመንገዲ ጭውነት ክትከይድን ብምውሳን ክተከሓሕሶ ኣለካ። እዚ እንትኸውን ግን ኣይርአን ዘሎ።

እንዳስሓቕካን፣ እንዳቐለድካን ምጥፋእ ኣመኽንዮ እንተሃልይዎ፣ እናተመናጨትካን እናተጠላለፍካን ህዝቢ ሒዝካ ምጥፋእ መልክዕ እንተሃልይዎ፡ መልክዑ መልክዕ ሊብያን ኢራቕን ግርማ ሶርያን ሶማልያን ካብ ምዃን ኣይሓልፍን። እዚ ናይ ውርደት መድረኽ እዚ “ይኣኽለና” ዝብል ለባም፣ ካብዚ ንላዕሊ ምውራድን ም’ውራድን “ይኾነና” ዝብል ማይ ዝሰተየ እንተተረኺቡ ሕዚ እውን እቲ ፈትሊ ድሕነት ቀረባ ክውኸን ይኽእል እዩ።

ሕዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኣብ ዓለም፣ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክቕልበስ ዘይኽእል ሓዱሽ ዓለማዊ ኣሰላልፋ ማለት እውን New world order ዝግሃደሉ ናይ ስግግር መድረኽ ይመስል። እዚ ናይ ሽግግር መድረኽ ሓደጋ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ሓደ ሻብ ጥራሕ ክርከብ ዝኽእል ዕድል ሒዙ ዝመፀ እውን ይመስል። ለውጢ ወይ እውን ሽግግር ወይ ኣጥፊኡካ ወይ ከዓ ሓዱሽ ዕዱል ሂብካ ናይ ምሕላፍ ተኽእልኡ ዓብይ ምዃኑ መረባ ታሪኽና ዝነግረና ግሁድ ሓቂ እዩ። እቲ ቀንዲ ነገር፡ ነዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ከመይ ትርደኦን ትጥቀመሉን እዩ። እዚ ኩነታት እዚ ውርደት ይኣኽለና ብዝብል ሕሩር ስሚዒት ዶ ሓፍ ኢልካ ትሳፈሮ ወይስ ምስ ኣድገ በቕሉ መጺኡ ቸቸ ይብለካ እሞ ካልእ ምዕራፍ ውርደት ክተዋልድ ትውዕል እዩ፡ እቲ መማረጺ።

እዛ ዓዲ እዚኣ ኣይጠዓማን። “ትግራይ ናይ ኩሎም ተጋሩ እያ።” ካብ ዝብል ሰናይ መደምደምታ ክሳብ ትግራይ በብቁሸት ክኸፍል ዝጎይ ዘሎ ጽግዕተኛ ሓይሊ ዝተሳተፈሩላ መርከብ ኮይና ኣላ። እዛ መርከብ ሕዚ እንተስ ክትሰግር እንተስ ክትጥሕል ኣብ ነቀይ ነቀይ ኣላ። “ኣብዚ ፀቢብን ፈታንን መድረኽ ንጎኒ ዝግደፍ ዝኾነ ዓቕሚ ክህሉ ኣይግባእን” ንዝብል ምኽሪ ዓበይቲ፡ ዝመርሕ ብርኪ፣ ዘተግብር ቀልቢ፣ ዝሰምዕ እዝኒ ይጠልብ ይድለ ኣሎ።

ከም ህዝቢ ንምድሓን ካብ ተፀባይነት ምውጻእን ካብ ኣለሻ ኣያ ምንጻህን ጥራይ ዘይኮነስ “ተዋሪድና” ካብ ዝብል ስምዒት ተበጊስካ ምውሳን ምጅማር ግዜ ዝጠልቦ ሕርያ ወለዶ ኮይኑ ኣሎ። ሰለማዊ ምዃን፣ ብሔራዊ ሕውነት ምዕንባብ፣ ዘይምድህሃል፣ ዘይምጥፍፋእ፣ ዘይምስዳድ፣ ዘይም’ስዳድ፣ ወዘተ ኣብቲ “ውርደት ይኣኽለና” ዝበለ ንጹህ ትግራዋይ ዝንበቡ ፊደላት ድሕነት ክኾኑ ኣለዎም።

ሕዚ ዘሎ ናይ ትግራይ ሕቶ፡ ኣብ ማእገር እቲ መንእሰይ ምዃኑ ምእማን ካብቶም መንገዲ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ነዊሕን መሪርን ከይኸውን ዝገብሩ ስልትታት፡ እቲ ሓደ እዩ። ሓቂ እውን እዩ። “ነዚ ህዝቢ ዳግም ናብ ፅንተትን መስዋእትን ከይነቃለዖ ሓላፍነት ክንውስድ ይግባእ።” ኢሉ ኣብዛ ኣያታቱ እንትራግሑ ናይታ እትራጋሕ እግሪ ሳእኒ ንዘይምዃን ዝመረጸ መንእሰይ፡ ሕቶ ህልውና ህዝቡ ንምምላስ ናብ ቅድሚት ቃልሲ ክመጸእ ምሕጽንታታት ይቐርቡ ኣለዉ። “ንኽውንነት ዘንበበ፣ ነዛ ጠጠው ዝበልናላ መሬት ዝፈለጠ፣ ታሪኽ ትማሊ ብኣግባቡ ዝተረደአ፣ ኣብ ዙርያና ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታት ብዝግባእ ዝተንተነ፣ ሐዚ ይኽሰት ዘሎ ሓዱሽ ኣሰላልፋ ዓለም ማለት እውን New world order ብልክዑ ዝተገንዘበ፣ ኣብ ምዕቃብ ጭቡጥ ዓቕምታት ህዝቢ ዘትኮረን ዘለናሉ ነባራዊ ኩነታት ብዝግባእ ዝተረድአን መፍትሒ ሓሳብ ምምፃእ እዋኑ ሐዚ እዩ” ዝብል ምሕጽንታ ትኽክል እንተኮይኑ እዋኑ ሕዚ እዩ። “ውርደት ይኣኽለና ኮፍ ኢልና ንሕሰብ ንወስን” ዝብል መበገሲ፡ ሕዚ እንተዘይኮይኑ መጠን ውርደት ህዝቢ ምስ ገወደ፣ ጌጋ ትማሊ ሓዱሽ ጌጋ ምስ ወለደ፣ ሓደጋ ምብትታን ባይታ ምስ ሓዘ ትርጉም ዝህልዎ ኣይኸውንን።

ሰላም ንትግራይ!

ቲቢኤስ
ወርቃዊ

26 መጋቢት 2017

13/11/2024

አብ ትሕቲ ከተማ ዓድግራት ዝርከቡ ተመዛበልቲ
""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""'''''''"""" ጆኖሳይድ ይፍፀም አሎ
""""""""""""''''""""""""""
ስራሕ መካየዲ ማሕበር ረዲአት ትግራይ /Rest
ዝኮነ አቶ ግደይ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ናይቲ ትካል አሰራርሓ ንጎኒ ብምግዳፍ ንተመዛበልቲ ተባሂሉ ዝመፀ ሰብአዊ ሓገዝ ናብ ውልቀ ጥቅሙ ንምውዓል ክብል ነብሰፁራት÷ ሓራሳት÷ አረጋውያንና ሓብሓቢ ዘይብሎም ህፃናት ነባር ታሴራ የብልኩምን ወይ ኳዓ ታሴራኩም ትክክል አይኮነን ናይ መጉዚት የብልኩምን ካልኦትን ዒባራ ምክንያታት እናፈጠሩ ሰብ ከርተት አቢሎም ተስፍ ቆሪፁ ክገድፎ ብምግባር እቲ ዝተረፈ ከም ልማዶም ናብ ውልቀ ጥቅሞም ከውዕልዎ ላዕልን ታሕትን ይብሉ አለው

ስለዚ መቀፀልታ ናይቲ ጆኖሳይድ አብዚ ናይ ሐዚ ሰሙን ብፈላይ አብ ናይ ማ/ይ ዞባ ተመዛበልቲ ዝኮኑ ናይ ፖለቲካ ልእክቶ ዝሓዘ ከቢድ ወፅዓ እናተፈፀመሉ
ቀኒዩ አሎ
አብ ዓለም ዘለካ ትግራዋይ ኩልካ ቃልካ አስመዐልና!! ሓደራ እዚ ጉዳይ ብቀሊሉ ዝሕለፍ አይኮነን ሓደራ
እቲ ጉዳይ ከምዚ እዩ
"""""""""""""""""""""""""""""""""
እቲ ካብ ህዝብን መንግስትን አሜሪካ ዝላአኮ ሰብአዊ ሓገዝ ብኬር ኢ/ያ አቢሉ ናብ ተመዛበልቲ ዞባ ምብራቅ ዝባፃሕ ዝነበረ ሓገዝ ካብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ማረት / Rest ከም ዝሓዞ ዝፍለጥ ኮይኑ አብ
ወርሒ ሓምለ ዝስረቅ ሰሪቁ ስርናይ ዓዲሉ
ቀፂሉ ድማ ወርሒ ነሓሰ ብዝበለፀ ንክሰርቅ ዕፉን/ምሻሕሪ ገዚኡ ፍርቃ ፍርቂ ዓዲሉ ዳርጋ እቲ ርብዒ መካዚኖ አብኡ አትሪፉዎ እዩ
ሐዚ ናይ ወርሒ መስከረም ድማ ገንዘብ እዩ ኢሉ አብ ደቢት ማይኩሮ ፍይናንስ ቡክ ክፈቱ ኢሉ ከም ዞባ ማእከል ሰለስተ ናይ ማረት /Rest ግዚያዊ ሰራሕተኛታት መዲቡ ናይ ፖለቲካ ትሕዝቶ ዘለዎ ዝመስል ሰብ ቡክ ብስነ ስርዓት አውፂኡ ተጠቃሚ ከይከውን ብስም ነፃሪ አለና ዝብል ሽፋን ትክክትክክልለኛ ታሴራ ሒዙ እናሃለወ
ሰሙን ሙሉእ ከርተት ከብሉዎ ቀኒዮም ሐዚ ሎማዓንቲ ዕለት 09/01/2017 ዓ/ም እቶም መፃረይቲ ተባሂሎም ዝተመደቡ ሰባት ተሲኦም ከይዶም አለው
ነገሩ ግን ካብ ናይ ወርሒ ነሓሰ ተጠቃማይ ዝነበረ ዳርጋ ናብ ከባቢ 300 መራሒ ስድራ ዝኮነ ተመዛባሊ ቡክ ከይከፍት ዓፅዮምዎ ከይዶም አለው
ብጬቡጥ መረዳእታ አብ ኢድና አሎ
ንሕና ክሳብ ናይ መወዳእታ ክንቃለሶም ኢና
ግን ነቲ ትካል ዝመርሕ ዘሎ ውልቀ ሰብ ብሕጊ ክታሓዘልና ንሕና ድማ መረዳእታ ናይቶም ተከልኪሎም ዘለው ተመዘበልቲ ኮነ ንሱን መሳርሕቱን ዘጣፍእዎ ናይ ህዝብን መንግስትን ሃፍቲ ሓበሬታ ክነቅርብ ኢና
ሼር ሼር ተሓበሩና💀💀
~~ናብ ኩለን ናይ ግልን መንግስትን ሚድያታት

ብውሽጢ ዝመፀኒ መልኣኽቲ

18/04/2024

ነዚ ፔጅ ሓደስቲ ዝኾንኩም እንኳዕ ደሓን መፃእኹም።

Welcome to the new to this page

Address

UK
London

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TBS TV posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category