
04/04/2025
ልኡኽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ
#ዜና
ብ ኣፈ ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣይተ ሞገስ ታፈረን፡ ብምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዶክተር ደጀን መዝገበን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ዕለት 26 ወርሒ መጋቢት 2017 ኣ/ግ ምስ ኣምባሳደር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ማሲንጋ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
እቲ ዘተ ኣብ ህሉው ኩነታትን ቁመና ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ፣ ኣብ ኣፈጻጽማ ስምምዕነት ፕሪቶሪያን ምምላስ ተመዛበልቲን፣ ኣብ ተኽእሎ ቀጻሊ መረጻ ትግራይን ተዛመድቲ ጉዳያትን ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ እቲ “ዕውት” ምንባሩ ንምፍላጥ ተኺኢሉ ኣሎ።
እቲ ልኡኽ ምስ ኣፍሪካ ሕብረት፣ ምስ ኣውሮፓ ሕብረትን ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ርክባቱ ክቕጽል ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
ቲቢኤስ
ወርቃዊ