Tigray News

Tigray News We are working on the reality of the Tigray Genocide. https://t.me/tigraynews24

ፃውዒት ሓገዝ============    መምህር ምሕረቱ ካሕሳይ ደስታ ይበሃሉ።ኣብ ከተማ ዓዲግራት መሰናድኦ ቤት ት/ቲ ኣግኣዚ ንብዙሕ ዓመታት ብቆራፅነት ዘገልገሉን እናገልገሉ ዝፀንሑን ኣዝዮም...
12/07/2025

ፃውዒት ሓገዝ

============
መምህር ምሕረቱ ካሕሳይ ደስታ ይበሃሉ።ኣብ ከተማ ዓዲግራት መሰናድኦ ቤት ት/ቲ ኣግኣዚ ንብዙሕ ዓመታት ብቆራፅነት ዘገልገሉን እናገልገሉ ዝፀንሑን ኣዝዮም ብሱል መምህር እዮም።መም ምሕረቱ ብብቅዓት ኣስተምህረኦምን ቆራፅ መሪሕነቶምን ዝፍለጡ ብዝሓት ሰብ ሞያ ንክፈርዩ ኣኽኢሎም እዮም።ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩናት እዉን ከም ኩሉ ትግራዋይ ምስ ዕሸል ዉላዶም ናብ ምግዳል ዝወረዱ ኮይኖም ከም ዕድል ኮይኑ ንሶም ብሂወት እንትተርፉ እቲ ዕሸል ዉላዶም ግን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።
ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ናብቲ ዝፈትዉዎ ሞያ መምህርነት ዝተመለሱ ኮይኖም ነገር ግን ኣብ መጋጥምቲ ዓንዲ ሕቆኦም ከባቢ ብዘጋጠሞም ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገም ዝፀንሑ ኮይኖም ብተወሳኽነት ድማ ሕማም ፀቕጢ ደም ከምዘለዎም ብሰብ ሞያ ሕክምና ተነጊርዎም እዩ ።ስለዝኾነ እዉን ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኣገልግሎት እናረኸቡ ዋላ ተፀንሑ ለዉጢ ክረኽቡ ስለዘይከኣሉን ሕማሞም ናኸበደ ብምምፅኡን ብዉሳነ ቦርድ ሓኻይም ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ደገ ክሕከሙ ከምዘለዎም ተነጊርዎም እዩ።
ይኹን እምበር እዚ ልዕሊ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሞም ስለዝኾኖም ናይ ወገናቶም ሓገዝ ክጠልቡ ግድን ኮይኑዎም ኣሎ።ስለዝኾነ እዉን ሂወት መምህር ምድሓን ማለት ሂወት ወለዶታት ምድሓን እዩ እሞ ኩልና ወገናት ብዝከኣለና ሓገዝ ብምግባር ሂወት መም ምሕረቱ ናብ ንቡር ንክምለስ እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ።
#ንግድ ባንክ ሒሳብ ቁፅሪ =1000182335472
#ቴሌፎን=0933192198
"ኩሉኹም ወገናት እዚ ፃዉዒት ንክባፃሕ ሼር ብምግባር ንተሓባበር።"

Congratulations Girmay Berhe. Tigray expects a lot from you.
21/06/2025

Congratulations Girmay Berhe. Tigray expects a lot from you.

ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ ተመዛበልቲን ነበርቲ ከተማ መቐለን  ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዘመሓላልፍዎም  ዘሎ መልእኽታታት ይኣክል !!★   ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙልእነት ይተግበር !★    ...
20/06/2025

ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ

ተመዛበልቲን ነበርቲ ከተማ መቐለን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዘመሓላልፍዎም ዘሎ መልእኽታታት

ይኣክል !!

★ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙልእነት ይተግበር !

★ ብሰንኪ ሕቱኽቱኽ በብመዓልቱ ወገናት ይሞቱ ኣለዉ !

★ ኣመራርሓ ትግራይ ኣፈላላይኹም ኣፅቢብኹም ፀገምና ፍትሑልና !

★ ስራሕኹም ክትሰርሑ ናብ መረበትና መልሱና !

★ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ወገናት ሓራ ይዉፃእ !

★ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ሰብ ድምፅና ይስማዕ !

★ ኣብ ቁራስ መሬት ኮይንና ድቃስ ኣይክህልዉን !

★ እዚ ናይ መወዳእታ ሰልፊ እዩ !

★ ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ቴንዳ እንተደኣ ኣሕሊፍናዮ እቲ ሓደጋ ዝኸበደ እዩ!

★ ህዝቢ ከተማ መቐለ ክሳብ ሐዚ ዝገበርኩምልና ድጋፍ እናመስገንና ናብ መረበትና ክንምለስ ሓግዙና!

★ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይከበር !

★ ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ !

★ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ የብቅዕ !

★ ብመታወቅያ ዝቕየር መንነት የለን! ዝብሉ ካልኦት መልእክትታትን እናጋውሑ ድምፆም የስምዑ ኣለው ።

# ኣዲስኣለም ሓጎስ

"ይኣክል! 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ።"Dawit Solomon
16/06/2025

"ይኣክል! 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ።"

Dawit Solomon

15/06/2025

ድኩም መራሒ። ኩሉ ግዜ ኣብ ምክንያት።
ከምዚ ክገብሩ ኢልና ኣይሓሰብናን፣ በዚ ክመፁ ኢልና ኣይሓሰብናን፣ ዓቕሚ ክህልዎ ኢልና ኣይሓስብናን፣ ኤርትራ ክትውቕዐና እያ ኢልና ኣይሓሰብናን፣ ቃሉ ከፍርስ እዩ ኢልና ኣይሓሰብናን፣ ወዘተ. በቓ ምሕሳብ ዝብሃል ዘይፈጠረሎም። ሕጂ ድማ መፅዩ ቓሉ ኣየክበረን ይብለና ኣሎ፣ ኩሉ ዘፈልጦ መዓዝ ኣክቢሩ ይፈልጥ? ኣብ ደስ ዝበሎ ይከፍት፤ ኣብ ደስ ዝበሎ ድማ ይዓፅዎ ፍሉጥ። እዚ ምስ ሻዕብያ ዘሎ ጉምብሕ ጥልዕ ከለማምደና እዩ ብናቱ ሓሳብ። ብሃም ዝኮነ ሰብኣይ። እንድሕር ምሕሳብ ዘይትክእሉ በጃኹም እንዶ ግደፉና። መዓዝ ኢኹም ክትሕተቱ? ወይስ ኩላትና ምስ ረገፍና? ገፅካ ይከወል!!

14/06/2025

ናይ ሮፍናን ኮንሰርት ሓዲግኹም ናይ ፈትለ ንግግር ተትቃወሙ እዚሃር ምተዓረቐና!

ስለ Rophnanወዮ ብሰንኪ ኩናትይ ድኽነትይ ፣ ሓዘንይ ፀገምይ ካብ  ነንባዕልትና ሓሊፍና ምስ ባዕልትና ለ ምርድዳእ ካብ ንስእን ብዙሕ ገይርና ኢና።ኣብ ትግራይ ኣጀንዳ ለይኾን ነገር የለይ...
13/06/2025

ስለ Rophnan
ወዮ ብሰንኪ ኩናትይ ድኽነትይ ፣ ሓዘንይ ፀገምይ ካብ ነንባዕልትና ሓሊፍና ምስ ባዕልትና ለ ምርድዳእ ካብ ንስእን ብዙሕ ገይርና ኢና።

ኣብ ትግራይ ኣጀንዳ ለይኾን ነገር የለይ። ካብ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ ክሳብ እንዳ ስዋ። ካብ ኣከፋፈት እናተጫወትኻ እካብ ቡን እናሰተኻ። ካብ እንዳ ካራንቡላ ክሳብ ቀብርን ተስካርን። ኣብ ኹሉ ቦታ መከራኸሪ ኣጀንዳ ኣይሰኣንይ።

እቲ ሰብ ብቐሊሉ እዩ ልናደድ። ካብ ናይ ሓንቲ ጓል ገዓት ፕሮግራም ጀሚሩ ክሳብ ናይ መራሕቲ ፎቶ ፣ ካብ ናይ ሓደደ ቆልዓ ኢንተርቪው ክሳብ ናይ ሓደ መራሒ ውድብ ሕብሪ መኪና።

ምርድዳእ የለይ። ታይኸ ገደሸኒ? ኢልኻ ምሕላፍ የለይ። ምክብባር እሞ መኣዝ ልቐረየ። ብስሩለ ሓደ ሓዲኡ ልዓደይ ይቃለስለኹ እናበለ ነታ ዓዱ ብሕልኮ ልቃለሳሎ እዩ ልመስለካ።

ገለ ገሊኡ ተይተረድኦ ነፀልኡ ዓጢቑ ፀላእቲን መባእስትን እናጫጭሐ ውዒሉ ይሓድር። ውልቃዊ ናብርኡ ብዘንፀርፀሮ እናዘረ ንሰባት የንፀርፅር።

ናኸዚ ጉዳየይ...

እዚ ወዲ እንታይ ኣቢሱ? ታይኸ በዲሉ? ደሪፉ እንተኸደ መን ታይ ይጉዳእ? ብቕንዕና ማለተይ እየ።

እታ ሓንቲ ናትግራይ ቀያሕ መስመር እልትበሃል እቲ እልተፈፀመትልና "ጂኖሳይዳል ኩናት" እያ። ኣሽዑ ለ ተይተሰከፈ ድምፂ ተጋሩ ኾይኑ እዩ።

ክንደይ ጨፍጫፊ መፂኡ እናውደልደለ ፣ ካብ ኣራት ኪሎ ክሳብ ዓዲ ሃሎ ለለው ዘረግቲ እኳ እቲ ልገበሩና ኹሉ ተረሲዑ (ወይ ክርሳዕ ተደልዩ) ብዓብዩ ሽሞም እናተፀባበቐን ቅዱሳትና እናተብሃሉን.... ኣብዚ ሓደ ደራፊ ሓዙኒ ስደዱኒ ታይ ኣምፅኦ?

እሞ ለለ መብዛሕትኡ እቲ ዳሽን ቢራ እናሰተየ ፣ ናይ ፋሲል ደሞዝን ኣምሳል ምትኬን ደርፊ እናሳዕስዐ ዝርህፅ ሰብ እዩኮ....

"ኣብቅድሚ ዓይነየ" ከይተስምዑኒ ልብልሎ።

ሓፋሸይ ንቀተልትኻ እናሰገድኻ ፤ ንደቅኻን ፈተውትኻን ኣይተሳድድ።

Gecho Mekellê

የትግራይ መጪው ትውልድ ኢትዮጵያ በምትባል ከሃዲ ኣገር  የደረሰበት ክህደት እንዲህ ሊያውቀው ይገባል። የዛሬ ትውልድ የሆኑ ታዳጊዎች የደረሰባቸው ክህደት በደምብ እንዲያውቁት እና እንዲማሩት ...
13/06/2025

የትግራይ መጪው ትውልድ ኢትዮጵያ በምትባል ከሃዲ ኣገር የደረሰበት ክህደት እንዲህ ሊያውቀው ይገባል። የዛሬ ትውልድ የሆኑ ታዳጊዎች የደረሰባቸው ክህደት በደምብ እንዲያውቁት እና እንዲማሩት እንደዚህ ኣድርጎ ማቅረብ ተገቢ ነው።

በ21 ክፍለ ዘመን ጎሮቤት ኣገር በመጋበዝ በራሷ ህዝብ ላይ Genocide እንዲፈፀም ያደረገች ብቸኛዋ ኣገር "ኢትዮጵያ" ናት።

የትግራይ ተማሪዎች እንዲህ ዓይነት ፈተና እንዲፈተኑ በማድረጋቹ እጅግ እሚያበረታታ እና እሚያስመሰግን ነው። በተለያዩ መፅሓፍቶችም ሊካተቱ ይገባል።

ቅድሚ ሕጂ መራሕቲ ኣለውና ኢልና ተሸዊድና ደቂስና ኢና፣ ደጊም ግን ኣይንሽወድን። ዋላ ይብሉዑና ኣብዚ ሞት ኣብኡ ሞት እዩ፣ ክሳብ ተከዘ ኣብፅሑና ካብኡ ኣይተድልዩናን ባዕልትና ምስ ዝምልከቶ...
12/06/2025

ቅድሚ ሕጂ መራሕቲ ኣለውና ኢልና ተሸዊድና ደቂስና ኢና፣ ደጊም ግን ኣይንሽወድን። ዋላ ይብሉዑና ኣብዚ ሞት ኣብኡ ሞት እዩ፣ ክሳብ ተከዘ ኣብፅሑና ካብኡ ኣይተድልዩናን ባዕልትና ምስ ዝምልከቶም ብሰላማዊ ዝርርብ ተመሳሲልና ናብ ገዛና ክንምለስ ኢና። ደሕሪ ደጊም ኲናት ኣይንደልን ዝሓለፈ ይኽለና፣ ብሰንክኹም ዝጠፍአ መንእሰይን ሙሁርን ይኣኽለና።

12/06/2025

ሓንቲ ለይቲ!

ኣነ እርግፀኛ ኮይነ ክንገረኩም ዶ?

ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሑ ዘለው ኩሎም ሰበ ሰልጣናትን ኣብቲን ኣብዚን ዘለዉ ኩሎም ፖለቲከኛታት ብድሌት ይኹን ብግዲ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ንሓንቲ ለይቲ ኣብ ኬንዳ ሓዲሮም ተዘይሞኪሮምዋ መቸም ስቓይ እዚ ህዝቢ ኣይርድኦምን። ሓንቲ ለይቲ እስኪ ሞክርዋ ንበሎም።

#ሓንቲለይቲሞክርዋ

በረኸት!

Cím

Budapest

Telefonszám

+251983836505

Weboldal

Értesítések

Ha szeretnél elsőként tudomást szerezni Tigray News új bejegyzéseiről és akcióiról, kérjük, engedélyezd, hogy e-mailen keresztül értesítsünk. E-mail címed máshol nem kerül felhasználásra, valamint bármikor leiratkozhatsz levelezési listánkról.

A Vállalkozás Elérése

Üzenet küldése Tigray News számára:

Megosztás