
12/07/2025
ፃውዒት ሓገዝ
============
መምህር ምሕረቱ ካሕሳይ ደስታ ይበሃሉ።ኣብ ከተማ ዓዲግራት መሰናድኦ ቤት ት/ቲ ኣግኣዚ ንብዙሕ ዓመታት ብቆራፅነት ዘገልገሉን እናገልገሉ ዝፀንሑን ኣዝዮም ብሱል መምህር እዮም።መም ምሕረቱ ብብቅዓት ኣስተምህረኦምን ቆራፅ መሪሕነቶምን ዝፍለጡ ብዝሓት ሰብ ሞያ ንክፈርዩ ኣኽኢሎም እዮም።ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩናት እዉን ከም ኩሉ ትግራዋይ ምስ ዕሸል ዉላዶም ናብ ምግዳል ዝወረዱ ኮይኖም ከም ዕድል ኮይኑ ንሶም ብሂወት እንትተርፉ እቲ ዕሸል ዉላዶም ግን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።
ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ናብቲ ዝፈትዉዎ ሞያ መምህርነት ዝተመለሱ ኮይኖም ነገር ግን ኣብ መጋጥምቲ ዓንዲ ሕቆኦም ከባቢ ብዘጋጠሞም ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገም ዝፀንሑ ኮይኖም ብተወሳኽነት ድማ ሕማም ፀቕጢ ደም ከምዘለዎም ብሰብ ሞያ ሕክምና ተነጊርዎም እዩ ።ስለዝኾነ እዉን ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኣገልግሎት እናረኸቡ ዋላ ተፀንሑ ለዉጢ ክረኽቡ ስለዘይከኣሉን ሕማሞም ናኸበደ ብምምፅኡን ብዉሳነ ቦርድ ሓኻይም ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ደገ ክሕከሙ ከምዘለዎም ተነጊርዎም እዩ።
ይኹን እምበር እዚ ልዕሊ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሞም ስለዝኾኖም ናይ ወገናቶም ሓገዝ ክጠልቡ ግድን ኮይኑዎም ኣሎ።ስለዝኾነ እዉን ሂወት መምህር ምድሓን ማለት ሂወት ወለዶታት ምድሓን እዩ እሞ ኩልና ወገናት ብዝከኣለና ሓገዝ ብምግባር ሂወት መም ምሕረቱ ናብ ንቡር ንክምለስ እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ።
#ንግድ ባንክ ሒሳብ ቁፅሪ =1000182335472
#ቴሌፎን=0933192198
"ኩሉኹም ወገናት እዚ ፃዉዒት ንክባፃሕ ሼር ብምግባር ንተሓባበር።"