ASER MEDIA

ASER MEDIA ASER MEDIA is a news and current affairs channel. follow us on Facebook, tiktok, and YouTube.

''ኤርትራ እና  ህወሓት ጦርነት ሊከፍቱብኝ ነው'' ኢትዮጵያ-----ህወሐመት ለ2 ቀናት የቆየ ብሔራዊ የአንድነት ኮንፈረንስ ማካሄዱ ይታወሳል። በኮንፈረንሱም የተጋረጡበትን ችግሮች ለመፍታት ...
07/10/2025

''ኤርትራ እና ህወሓት ጦርነት ሊከፍቱብኝ ነው''
ኢትዮጵያ
-----
ህወሐመት ለ2 ቀናት የቆየ ብሔራዊ የአንድነት ኮንፈረንስ ማካሄዱ ይታወሳል። በኮንፈረንሱም የተጋረጡበትን ችግሮች ለመፍታት አቅጣጫ አስቀምጧል። ከፍተኛ የህወሓትና የጦር ጀነራሎች የተሳተፉበት ጉባኤ ለኤርትራ ህዝብ ጨምሮ ለተለያዩ አካላት ጥሪ ቀርቧል።

በወልዲያ በተፈጸመው ጥቃት ተሳትፈዋል አለች።

የኢትዮጵያ ውጭ ጉዳይ ሚኒስቴር የኤርትራ መንግሥትና ህወሓት “ፅምዶ” በተሰኘ አዲስ ጥምረት ኢትዮጵያን ለመውጋት እየሰሩ ነው ሲል ከሷል። በቅርቡ በሰሜን ወሎ በነበረው የመከላከያና ፋኖ ውግያ መሳተፋቸውም ገልጿል።

በቅርቡ በአማራ ክልል ወልዲያ ከተማን ለመያዝ በፋኖ ታጣቂዎች በተፈጸመ ጥቃት ውስጥ ሁለቱ ተዋናዮች ተሳትፈዋል ያሉት የውጭ ጉዳይ ሚኒስትሩ ጌዲዎን ጤሞቲዎስ የተባበሩት መንግሥታት ድርጅት ዋና ጸሐፊ ለሆኑት አንቶኒዮ ጉተሬዝ መስከረም 22 ቀን 2018 በጻፉት ደብዳቤ፤ “በኤርትራ መንግሥትና በህወሓት አንጃ መካከል ያለው ቅንጅት ባለፉት ጥቂት ወራት ይበልጥ ግልጽ ሆኗል” ብለዋል።

ሚኒስትሩ በደብዳቤው ቅንጅቱ “በኢትዮጵያ ላይ ጦርነት ለመክፈት በንቃት እየተዘጋጀ ነው” ሲሉ ገልጸው፤ ሁለቱንም ተዋናዮች “የግጭቱን አድማስ ለማስፋት እንደ ፋኖ ያሉ ታጣቂ ቡድኖችን በገንዘብ በመደገፍ፣ በማሰባሰብ እና በመምራት” ከሰዋል።

ደብዳቤው በወልድያ ከተፈጸመው ጥቃት በተጨማሪ በራያና ወልቃይት ግጭቶች መከሰታቸውንም ጠቁሟል። እነዚህም ድርጊቶች፣ በፌዴራል መንግሥትና በህወሓት መካከል የተደረሰውን የፕሪቶሪያ ስምምነት መጣሳቸውን ገልጿል።

ደብዳቤው ኤርትራን “የእነዚህ አስከፊ ድርጊቶች ዋነኛ ነዳፊ” በማለት የወቀሰ ሲሆን፣ “በፋይናንስ፣ ቁሳዊና ፖለቲካዊ ድጋፍ” አማካኝነት ግጭቶችን እያካሄደች ነው ብሏል።

የኤርትራ መንግስት በበኩሉ ከዚህ ቀደም የኢትዮጵያ መንግሥት ጠብአጫሪ ድርጊቶችን እየፈፀመ ነው በማለት ከሶ ነበር።

የህወሓት ቡድንም እንዲሁ የኢትዮጵያ መንግስት የፕሪቶሪያ ስምምነት አልተገበረም በማለት ስሞታ አቅርቦ ነበር።

''ብሽም ብሔራዊ ሓድነት ህወሓት ዝተፃወተቶ ድራማ...'' መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ--------ብሽም ብሄራዊ ሓድነት ብኣሳሳይነት ሰበ-ህወሓት ዝግበሩ ዘለው ተግባራት ምድንጋር ተጠናኺሮም...
07/10/2025

''ብሽም ብሔራዊ ሓድነት ህወሓት ዝተፃወተቶ ድራማ...''
መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
--------

ብሽም ብሄራዊ ሓድነት ብኣሳሳይነት ሰበ-ህወሓት ዝግበሩ ዘለው ተግባራት ምድንጋር ተጠናኺሮም ቐፂሎም ኣለው። ነዞም ብዓውታ ዝስጎሙ ዘለው ስሑት ኣካይዳታትን ሓሳባትን ሰበ-ህወሓት ኣብ ከይዲ ይኹን ኣብ ውሳነ ብሄራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ህዝቢ ከምዝተሳተፉ ኣምሲልካ ምቕራብ ቅጥፈት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ንትግራይ ናብ ዝገደደ ሓደጋ ዘቃልዕ ስለ ዝኾነ፡ ምልኣተ ህዝብና ነቲ መድረኻት ከምዝነፀጎ ሐዚ እውን ነቲ ውሳነታት ብትሪ ክነፅጎ ግቡእ ከምዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።

እዚ ድራማ ሰበ-ህወሓት፡ ማሕበራዊ መሰረት ብዘለዎም፣ ትኽክለኛ ብሄራዊ ሕቶታት ብዝውክሉ ከምኡ ድማ ኣብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብዝነጥፉ ሓይልታት ዝተነፅገ እኳ እንተኾነ፡ ብሓይለ መልጢ ህዝቢ ዓፊኖም ሒዞም ዘለዉ ኣካላት ኣዳራሻት ዓፅዮም ዝነጥፍሉ ድራማ ምዃኑ ግን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ።

እዚ ዝገብር ዘሎ ሓይሊ፡ ከይበሃል ሓይሊ ሰብን ሃፍትን ትግራይ ጉጅለታት ዝዕመም እከይ ስራሕ ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሒዝዎ ዝመፅእ መዘዝ ቀሊል ኣይክኸውንን። ስለዚ ድማ ነዚ ክሳብ ኹናት ዝኣክል ሕሰም ክፅውዕ ዝኽእል መዘዝ ንምትራፍ፡ ሐዚ እውን ዝተጀመረ እምቢታ ህዝቢ ተጠናኺሩ ክቕፅል ግድን ከም ዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።

ሓቀኛን መትከላውን ብሄራዊ ሓድነት ዝህሉ ኣብ ፅላል ህዝባውን ቅቡልን መንግስቲ ጥራሕ ምዃኑ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እዚ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ሞንጎ ኩሎም ተጋሩ ዝግበር ብሄራዊ ጉባኤ (ዘተ) እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ተኣሚኑ ሕድሕድ ንብሄረ ትግራይ ዝሓስብ ትግራዋይ ቃልሱን ድምፁን ከበርትዕ ደጊሙ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ትግራይ፡ መቐለ

ንመንግስቲ ኤርትራ ዘየሐጎሰ - መግለጺ ሚኒስትር ዑስማን ሳልሕ----------ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት...
07/10/2025

ንመንግስቲ ኤርትራ ዘየሐጎሰ - መግለጺ ሚኒስትር ዑስማን ሳልሕ
----------
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ዘሐጐሰ ኣይመስልን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ መራሕቲ ሃገራት ኣይተሳተፈን።
ኣብቲ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ'ውን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ እዩ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል መደረ ኣስሚዑ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገር ዝኾነ ሚኒስተር ዑስማን ዝሃቦ መግለጺ ንኣስመራ ባህ ከምዘየበለ ጸብጻባት የመልክቱ። ዳርጋ ኩሎም ማዕከናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ንመግለጺ እቲ ሚኒስተር ሸፈነ ሂቦሞ እዮም። እቲ ብድምጺን ብጽሑፍን ዝወጸ ጸብጻባት ኩሉ ግን ንገለ ኣገደስቲ መልእኽቲ ጎስይዎ ይርከብ። ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ብቐጥታ ዝሓለፈን ተሰኒዱ ዝርከብን መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል እቲ ሚኒስተር ጸዊዑ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዝተነብረ "ዘይፈትሓዊ" እገዳታት'ውን ብተመሳሳሊ ክለዓል ሓቲቱ። "ኣብ ከም ኤርትራን ኩባን ዝበላ ሃገራት ዝተነብረ ኣስገዳዲ ባይናዊ ስጉምቲታትን እገዳታትን ኩሉ ብዘይውዓል ሕደር ክለዓል ንጽውዕ"። "እንኮላይ እቲ ኣንጻር ኩባ ዝተገብረ ን60 ዓመት ዝቐጸለ ዘይፍትሓዊ ማዕቀብን ዘይሕጋዊን ሓቅነት ዘይብሉን ዝርዝር ሃገራት ሽበራ ምምዝጋብን" ክለዓል እቲ ሚኒስተር ይሓትት።
መንግስቲ ኤርትራ: ምስ ኣመሪካ ዘለዎ ዝምድና ንምምሕያሽ ምስ ሰበስልጣን ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጽምዶ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን'ዩ መግለጺ ሚኒስተር ዑስማን ተዋሂቡ። ዲፕሎማሰኛ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ዘርኣስላሰ ረድኢ ሽከር ከምዝብሎ፡ "እቲ በቲ ሚኒስተር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መግለጺ ኣጸጋሚ ዝገብሮ፡ ኢሳይያስ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝምድናኡ ከመሓይሽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን ንኣመሪካ ከቐይማ ስለዝኽእል'ዩ"። "እዚ ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝርአ'ዩ፡ ምኽንያቱ ብኩራት ትካላዊ ኣሰራርሓ ይኹን ትካላዊ ቅኒት ስለዘየሎ፡ እቲ መራሒን ሚኒስተራቱን ኣብ ዓለማዊን ዞባዊን መድረኻት ክብልዎ ዝኽእሉን ዘይክእሉን እንታይ ምዃኑ ምንባብ የለን" ይብል እቲ ክኢላ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት።
ብሓፈሻ መግለጺ ዑስማን ሳልሕ "ምስ ኣጠማምታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዓለማዊ ጉዳያት" ዝሳነ እዩ ዝብል እቲ ተንታኒ፡ "ስርዓት ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝገጠሞ ዶባዊ ኲናት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ዓለምለኻዊ እገዳታት ንምዕራባውያንን ሕቡራት ሃገራት ብኣሉታዊ ዓይኒ'ዩ ዝጥምተን" ይብል።
ስለዚ ድማ ብናይ "ብዱልነት" መንፈስ ነተን ተበዲላን ዝብለን ሃገራት ክጣበቕ ከምዝስማዕ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ፍልስጤምን ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝወሰዶ መርገጺ "ተጋራጫዊ" ምዃኑ የመልክት። "ብሓደ ወገን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከም ኤርትራን ኩባን ዝተነብረ እገዳታት ክለዓል ይምሕጸን፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ንመደረኻት ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሙ ንስቓይ ናኣሽቱን ዘይማዕበላን ሃገራት ዘናውሕ ድምጺ ክህብ ይርአ" ይብል ዘርኣስላሰ። ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኩባ ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ'ዩ ዝፍለጥ። ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ንገለ ናይቲ እገዳታት ብምልዓል ንኩባ ካብ ዝነበረቶ ተነጽሎን እገዳን ከውጽኣ ዝኽእል ውሳነታት'ኳ ወሲዱ እንተነበረ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ግን ናብ ዝነበሮ'ዩ መሊስዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ኣመሪካውያን በጻሕቲ ናብ ኩባ ዝገሽሉ ቅጥዕታት ከምዘትረሮ ኣፍሊጡ ነይሩ። ባይደን ንኩባ ካብ መዝገብ ሽበራ ሃገራት ክትወጽእ ዘሕለፎ ውሳነ'ውን ትራምፕ ምስተመልሰ ብኡንብኡ'ዩ ናብቲ መዝገብ መሊሱዋ። ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ብሰንኪ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝግበር ግፍዕታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ትካላቶምን እገዳ ከምዘንበሩ ይዝከር። ትካላት ንግዲ ህግደፍ'ውን ግዳያት እገዳ ኣመሪካ ምዃነን ይፍለጥ። ምኒስተር ዑስማን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ማሳድ ፋረስ ቡሎስ ተራኺቡ ነይሩ'ዩ። እቲ ርክብ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት 'ንምሕዳስ ዘኽእል መንገዲ ዝጸርግ' ምዃኑ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ምግላጹ ይዝከር። ቅድሚ ብ29 መስከረም ዘቕረቦ መግለጺ፡ እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር ምስ ኩባዊ መዘናኡ ብሩኖ ፓሪላ ብምርኻብ ተዘራሪቡ ነይሩ። "ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ንምኽባር ጥቡቕ ምውህሃድ" ክገብሩ'ውን ተሰማሚዖም ነይሮም። መደረ ኤርትራ ንጉዳይ ፍልስጤምን እስራኤልን ከይጠቐሰ ምሕላፉ'ውን ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ መበል 79 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ "ንሕቶ [ህዝቢ] ፍልስጤም ንምድራትን ካብ መሬቶም ንምግዓዝን ሓደገኛ ኲናት ተኸፊቱ'ዩ" ክብል ሚኒስተር ዑስማን ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ነሓሰ 2011ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "መንግስቲ ኤርትራ ንፍታሕ-ክልተ-ሃገራት ኣይድግፎን'ዩ፡ ውሁብ ኩነት ዝብል ሓሳብ'ውን ኣይቅበሎን'ዩ" ኢሉ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ዝተኻየደ መበል 66 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ ሃገረ ፍልስጤም ከምዝድግፍ ተዛሪቡ።
"ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ፍልስጤም፡ ከምኡ'ውን ምምስራት ናጻን ልኡላዊትን ሃገረ [ፍልስጤም] ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ደገፍ ደጊማ ተረጋግጽ" ኢሉ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሓፈሻዊ ኣኼባ እቲ ውድብ፡ ሃገረ-ፍልስጤም ኣፍልጦ ሓያለ ሃገራት ዝረኸበሉ ብምንባሩ'ዩ ዝያዳ ዝዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝርከብአን ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃበን ንሕቶ ፍልስጤማውያን ዓቢ ድፊት ፈጢሩ ይርከብ። ዛጊት 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብአን 150 ሃገራት ዓለም ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኤርትራን ካሜሩን ጥራይ እየን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ ድሉዋት ዘይኮና። ምኒስተር ዑስማን፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ይኹን ኣብ መንጎ ሃገሩን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ብንጹር ዘይምጥቃሱ'ውን ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝነበረ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ'ውን ንኣብነት ኣብዚ ናይ ትማሊ መደረኡ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሰምዖ እንከለኹ፡ ደስ ዘየብል እዩ። "ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ኲናት ከይጠቐሰ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ታህዲድ ከይጠቐሰ ብዛዕባ'ዚ ቅሬታኡ ከይገለጸ... ፤ ምኽንያቱ ዝምድና ሃገራት ኣብዚ ዘሎ ኣህጉራዊ ስርዓት ኣብ ምፍላጥ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራት ዝተመርኰሰ እዩ . . . ነዚ ንምቅላዕ ዕድል ነይርዎ። ነዚ ከይተጠቕመ ምሕላፉ ብሓቂ ዝባኸነ ዕድል ኰይኑ ይስምዓኒ" ክብል ይነቅፍ።
ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ክራኸብ'ውን ዕድል ዝረኸበ ሚኒስተር ዑስማን፡ ብዛዕባ "ሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ" ተዘራሪቡ ምንባሩ'ውን ሓበሬታ እቲ ውድብ ይጠቅስ። ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት ዝተዛረበ ሚኒስተር ዑስማን "ተልእኾ ደቂሰባት ኣብዚ ሓድሽ ክፍለ-ዘመን ኣይተዓወተን" ብምባል "ሕላገት ናይዚ ዘሎ ቅርጺ ምሕደራ ዓለም ዕብለላ፡ ዝምታ፡ ዓሎቚን ጭቆናን" ብምዃኑ "ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት" ክህሉ ኣለዎ ኢሉ። "ኣብ ስልጣን ዘለዉ ስርዓታት [ኣፍሪቃ] ዝተለቅሕዎ ብብዝሒ ገንዘብ እናባኸኑ፡ ዕዳ ተጻዒኖም እንከለዉ፡ ምስሊ ገስጋስ ከርእዩ ይፍትኑ"። እቶም ብስም ዘይጠቐሶም ስርዓታት "ብብልሽውና ዝተቛማጥዑን ንሓይልታት ወጻኢ ዘገልግሉን" ምዃኖም ብምውቃስ ድማ ሃገራቶም "በሰንኪ ምትፍናንን ዘየቋርጽ ቅልውላዋትን ዘይምርግጋእ፡ ኣጋጢሙወን ከምዘሎ ተዛሪቡ። "ቁጽሪ ህዝበን ብቕልጡፍ ይዓብን፡ ብድሆታትን ሓደጋታትን" የንጸላልወን ከምዘሎ'ውን እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር የመልክት።

BBC

የህዝብ ተወካዮች ምክር ቤት የ2018 ዓ.ም የሥራ ጅማሬ ላይ ምን ተባለ-------------------የኢፌዲሪ ፕሬዚዳንት አቶ ታዬ አጽቀስላሴ በተወካዮች ምክር ቤት ተገኝተው የ2018 በጀት ...
06/10/2025

የህዝብ ተወካዮች ምክር ቤት የ2018 ዓ.ም የሥራ ጅማሬ ላይ ምን ተባለ
-------------------
የኢፌዲሪ ፕሬዚዳንት አቶ ታዬ አጽቀስላሴ በተወካዮች ምክር ቤት ተገኝተው የ2018 በጀት ዓመት የመንግሥትን የትኩረት አቅጣጫ ይፋ አድርገዋል፡፡ ከፕሬዚዳንቱ ንግግር የተጨመቁ አንኳር ሃሳቦች እንደሚከተለው ቀርበዋል፡፡
→ ገለልተኛና ነጻ ፍትሃዊ ተቋማትን ለመመስረት መንግሥት ጽኑ አቋም አለው፣ ብሔራዊ የሰላምና የፀጥታ ተቋማትን የሀገርን ቀጣይነት የሚያረጋግጡ ብርቱ ተቋማት እንዲሆኑ መንግስት እንደሚሰራ ጠቁመዋል፡፡
• በየቦታው የሚታዩ ግጭቶችን በኃይል ማረቅ፣ ማስተካከል የሚቻል ቢሆንም፣መንግስት ዘላቂ ሠላም የሚረጋገጠው በሰላማዊ መንገድ ነው የሚል ጽኑ እምነት አለው፡፡ በዚህም የእርቅና የሰላም አማራጮችን በመከተል የሀገሪቱን ሰላም አስተማማኝ ለማድረግ፤ ዘላቂ ሰላም የሚገኝበትን መንገድ በመምረጥና ዘላቂ ሰላምን በመፈለጉ በሀገራዊ ምክክር ተሳትፎ ማድረግ
• መንግሥት የአስተዳደር ማዕቀፎችን በማሻሻል፣ የተቋማትን ቅንጅት በማሻሻል፣ በ2030 የዲጂታል ስትራቴጂ ውጤትን ወደ ተሻለ ለማሸጋገር እንደሚሰራ እቅድ ተቀምጧል፡፡ የመንግስት ተቋማት የብዙሃነት ማዕከል እንዲሆኑ እንደሚሰራ ፕሬዝዳንቱ ጠቁመዋል፡፡
• መንግሥት የዜጎችን ዋስትና የሚያስጠብቅ የፍትህ ስርዐት ለመዘርጋት በ2018 በጀት ዓመት በትጋት ይሰራል፡፡ ባህላዊ የፍትህ አሰራሮችም በተሻለ መንገድ እንዲቀጥሉ በዚሁ ይበረታታል፡፡
• በ2018 ዓ.ም በጀት ዓመት 9 በመቶ የሀገር ውስጥ ምርት እድገትን ለማረጋገጥ መንግስት እንደሚተጋ ተቀምጧል፡፡ ለስኬቱም መረጋገጥ ምርትን በብዛትና በጥራት ለማሳደግ ታቅዷል፡፡
• በተያዘው በጀት ዓመት ግብርናው ከባህላዊ የግብርና ሂደት በማውጣት በቴክኖሎጂ ታግዞ ለውጦችን እንዲያመጣ፣ እና የተጀመረው የማዳበርያ ፋብሪካ በፍጥነት አልቆ ተጠቃሚነት እንዲመጣ እንደሚሰራበት ተጠቁሟል፡፡
• የኢንዱስትሪ ዘርፍ ማነቆዎችን በመፍታት ፈጣንና ጥራት ያለው የኢንዱስትሪ ልማት ለማረጋገጥ ይሰራል፣ ለግሉ ዘርፍም ምቹ ሁኔታን በመፍጠር የግሉ ዘርፍ ተሳትፎ እንዲኖረው ይደረጋል፡፡ የሀገር ውስጥ ባለሃበቶች በዘርፉ እንዲሳተፉ የኢንቨስትመንት፣ የምርት ማሳደግ፣ የገበያ ማፈላለግና የቴክኖሎጂ ድጋፎች በስፋት እንዲቀርቡ ይደረጋል፡፡
• በዚህ ዓመት የከተማ ልማት ስራ በድህነት ቅነሳ ላይ እንድሚፈጠር ይጠበቃል፡፡ የይዞታ ማረጋገጫ ስርዓትን በማረጋገጥና የመሬት አቅርቦትን በማረጋገጥ፣ የይዞታ መብት እንዲረጋገጥ በትኩረት ይሰራል፡፡
• በመግስት በኩል የቤት አቅርቦት በከፍተኛ ሁኔታ እንዲቃለል ይደረጋል፡፡ በአገሪቱ የተለያዩ አካባቢዎችም የመኖርያ ቤቶች ሁኔታ እንዲሻሻል ይደረጋል፡፡ ስራዎች ይከናወናሉ፡፡ የመብራት የውሃና የመንገድ ስራዎች እንዲሻሻሉ ይሰራል፡፡
• የቱሪዝም መዳረሻዎችን በማልማት፣ የመሰረት ልማት አቅርቦትን በማሻሻል በቱሪዝም አገልግሎት ሀገራዊ ሀብትን ለመፍጠር ይሰራል፡፡
• በ2018 አጠቃላይ የመንገድ አውታርን ሽፋን ለማሳደግ፣ የአየር ትራንስፖርት መዳረሻዎችን ለማስፋት፣ የባህር ትራንስፖርት ሎጂስቲክስ ዘርፍም ጉልህ ሚና እንዲኖረው፣ የታዳሽ ኃይል መሰረተ ልማቶች በቀጣይ ይገነባሉ፡፡
• የትምህርት ጥራትን ለማስጠበቅ መንግስት ደረጃቸውን የጠበቁ ቅድመ መደበኛና መደበኛ ትምህርት ቤቶች ግንባታን ያስፋፋል፡፡ የከፍተኛ ትምህርት ተቋማት የአካዳሚክ ነጻነታቸው ተጠብቆ እንዲሰሩ የአስተዳደርና የሰው ኃይል ልማታቸው የተሻሻለ እንዲሆን ይደረጋል፡፡
• ወደ ከተማ የሚደረገውን ፍልሰት ለመግታት በጥናት ላይ የተመሰረቱ መፍትሄዎች ተግባራዊ ይሆናሉ፡፡ አረጋውያን የሚጦሩባቸውን ማእከላት በማዘጋጀት ዘላቂ ድጋፍ እንዲያገኙ ይደረጋል፡፡
• ህገወጥ ፍልሰትን መከላከል፣ በሀጋዊ መንገድ ከሀገር የወጡ ህጋዊ መብታቸው እንዲከበርላቸው ማድረግ፣ ባልተመቻቸ ሁኔታ ውስጥ የሚሰሩትንም ወደ ሃገራቸው መመለስ፡፡
• ቀይ ባህርና አባይን የተመለከቱ ዲፕሎማሲያዊ እንቅስቃሴዎች ይደረጋሉ፣ መንግሥት የባህር በር ለማግኘት ከቀጠናው ሀገራት ጋር በዲፕሎማሲያዊ መንገድ ይሰራል፡፡

ክልል ትግራይ መግለፂ የውጽእ - ክልል ኣምሓራ ሥርሑ ይሰርሕ--------እነሆ ንክንደይይይይ ጊዜ … ዝወፀ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ  ኣምሓራ ክልልን ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽን...
06/10/2025

ክልል ትግራይ መግለፂ የውጽእ - ክልል ኣምሓራ ሥርሑ ይሰርሕ
--------
እነሆ ንክንደይይይይ ጊዜ … ዝወፀ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

ኣምሓራ ክልልን ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ዝተፈላለየ ሽማ ሹም እናሃቡ ምዕራብ ትግራይ ከም ዝፅውዕዎ ዝዝከር እዩ። ናይዚ መቐፀልታ ድማ ሚኒስተር ሕርሻ ኢትዮጵያ መስከረም 23/2018 ዓ/ም ኣብ ፌስቡክ ገፁ "በአማራ ክልል የሰብል አሠባሠብ ቅድመ-ዝግጅት እየተደረገ ነው" ናይ እኽሊ ምእራም ቅድመ ድልውነት ብዝብል ርእሲ ሒዝዎ ኣብ ዝወፀ ፀብፃብ ዜና ኣካል ግዝኣት ትግራይ ዝኾነ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከም ዝኾነ ገይሩ "የወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን" ኢሉ ብዕሊ ገሊፅዎ ኣሎ። እዚ ድማ ተራ ፀብፃብ ዜና ዘይኮነስ ኮነ ተባሂሉ ብውሽጣዊ መዋቕራዊን ትካላዊን ስልቲ ተጠቒምኻ ስውር ናይ ፖሎቲካዊ ፀወታ ምክያድን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ንኻሊእ ኣካል ኣሕሊፍኻ ብምሃብ ኣብ ስርዓት እቲ ዓዲ ትግራይ ናይ ምጉናይን ምንፃልን ሸርሒ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ዘርኢ እዩ። እዚ ብተደጋጋሚ ብመንግስታዊን ኻልኦትን መሓውራት ዝግበር ትግራይ እናሸራረፍካ ንኻልኦት ምዕዳል ሸርሒ: ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ እተን መንግስታዊ ትካላት ይኹና ኾልኦት ቀስ ብቀስ እናተኣታተይኦ ዘለዋ ኢፍትሓዊነት ሱር እናሰደደ ምኻዱ ዘመላኽት እዩ። እዙይ ዘመላኽቶ ድማ እተን ትካላት ገለልተኛ ዘይምዃነንን ንኹሉ ዜጋ እታ ዓዲ ማዕረ ከምዘይኾናን እዩ።
ኻሊእ እቲ ዜና ሓደገኛ ዝገብሮ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ትካላት ብሚኒስተር ሕርሻ ዝተሰርሐ ዓብይ ስሕተት ምዃኑ እዩ። እዚ ብምዃኑ ድማ ሚዲያታት ከም ፍልፍል ክጥቀማሉን እቲ ጉዳይ ቀስ ብቀስ ሓቂ ንምግባር ዝዓለመን ኾነ ተባሂሉ ንምግፋሕ ዝተሃቀነን እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ሚኒስተር ሕርሻ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘገባ ክእርሞን ትግራይ ናይ ምጉናይን ምሽርራፍን ተግባሩ ክቑጠብን እናሓበርና ኣብ ልዕሊ ነዚ ዘገባ ዘዳለዉ ኣካላት ድማ ስጉምቲ ክወስድ ንፅውዕ። እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝግደድ ምዃኑ ክነፍልጥ ንደሊ።
ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ፊደራል ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ዝጎደሎ ስሕተት ዝፍፅሙ ስጉምቲ ክወስድን ንሕገ መንግስቲ ፊ.ደ.ር.ኢ: ውዕል ፕሪቶርያን ሰላምን ተገዛኢ ክኾንን ንፅውዕ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
መስከረም 26/ 2018 ዓ/ም
መቐለ

የደቡብ ኢትዮጵያ ክልል ምክር ቤት አስቸኳይ ጉባኤ ጠራ-------በአስቸኳይ በተጠራው የደቡብ ኢትዮጵያ ክልል ምክር ቤት ጉባኤ ያለመከሰስ መብታቸው የሚነሳ ሲሆን: ይህ ማለት ከኃላፊነት መነሳ...
06/10/2025

የደቡብ ኢትዮጵያ ክልል ምክር ቤት አስቸኳይ ጉባኤ ጠራ
-------

በአስቸኳይ በተጠራው የደቡብ ኢትዮጵያ ክልል ምክር ቤት ጉባኤ ያለመከሰስ መብታቸው የሚነሳ ሲሆን: ይህ ማለት ከኃላፊነት መነሳት ብቻ ሳይሆን በሕግ የሚጠየቁ መኖራቸውን ያሳያል።

ASER MEDIA ምስ አሰር ሚድያ ስለዘለኹም ክነመስግን ንፎቱ። ኣብ ውሽጢ ዓዲን ደገን ዘለው ምኩራት ጋዜጠኛታት (አባላት) አሰር ሚድያ ብዝተኽኣለ መጠን እሙንን ወቅታዊን ሓበሬታ እናቅረቡ ...
05/10/2025

ASER MEDIA ምስ አሰር ሚድያ ስለዘለኹም ክነመስግን ንፎቱ። ኣብ ውሽጢ ዓዲን ደገን ዘለው ምኩራት ጋዜጠኛታት (አባላት) አሰር ሚድያ ብዝተኽኣለ መጠን እሙንን ወቅታዊን ሓበሬታ እናቅረቡ ይርከቡ። ካብ ሓበሬታ ብተወሳኺ ንመፅናዕቲ መወከሲ ዝኾኑ ቃለጠይቃት ኣብ ኣሰር ሚድያ እናቀረቡ ይርከቡ። ተኸታታሊ ቃለመጠይቅ ኢያሱ በርሀ : ሳይንቲስት ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሔር ወዘተ። ንሚድያና follow ብምግባር ጠቃሚ መረዳእታ ክትረኽቡ ንዕድም። ንዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብኢሜይል [email protected] ክትረኽቡና ትኽእሉ።
ካብ ፌስቡክ ብተወሳኺ ኣብ YouTubeን TikTokን
ብምባል ክትከታተሉና ትኽእሉ።
ሠሠናዩ ንዓኹም!

ሰበር ሓበሬታኣበ ብሔራዊ ኮንፈረንስ ህወሓት ዝተኣወጀ ኣዋጅ---------ደምዳሚ  ኣዋጅ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ!!ዋሓስ ድሕንነትን ህላወን ትግራይና - ፅኑዕ ሓድነትና!!ሀ...
05/10/2025

ሰበር ሓበሬታ
ኣበ ብሔራዊ ኮንፈረንስ ህወሓት ዝተኣወጀ ኣዋጅ
---------

ደምዳሚ ኣዋጅ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ!!
ዋሓስ ድሕንነትን ህላወን ትግራይና - ፅኑዕ ሓድነትና!!

ሀ.መእተዊ
======
ንሕና ብሄረሰባት ኲናማን ኢሮብን ሓዊስካ ካብ ኩሎም ወረዳታት፣ ጣብያታትን ከተማታትን ትግራይ፣በቢከባቢና ብህዝብና ዝተመረፅና ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ፣ከምኡ እውን ኩሎም ብሄራዊ ትካላት ትግራይና ማለት እውንብሄራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፣ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ፣ ትካላት ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝወከልና ብድምር 3067 ደቂ ትግራይ፣ “ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ” ብዝብል ዝተሰየመ መድረኽ ቃልሲን “ብሄራዊ ሓድነት - ንምውሓሰ ብሄራዊ ህላወን ድሕንነትን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ፣ብጥምረት ጊ/ም/ትግራይን ውድብ ህወሓትን ካብ መስከረም 24-25/2018 ዓ/ም፣ ዝተመርሐ ኣኼባ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ መላእ ትግራይ ወፍሪ ብሄራዊ ሓድነት ብዝብል ናይ ዝተኻየዱ መድረኻት መዛዘሚ ዝኾነ ኣኼባና፣ብሓዱሽ መንፈስን ወነን ውዑይ ምይይጥ ኣብዘካየድናዮ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይና፣ ብሄራዊ ሓድነትና ብዝበለፀ ከምሓፂንብዘጠናኽር ኣገባብ ደምዲምና ፃንሒትና ብዓወት ዛዚምና ኣለና።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቀዳማይ ሚልንዮም መዋዓልትን መወዳደርትን ብስልጣነ ቀዳሞትን ጠንካራ ወታደራዊ ዓቅምን ካብ ዝነበሮም ኣርባዕተ ሃገራትከምኡ እውን ብሄራዊ መንነቶምን ክብሮምን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣቕሪቦም ዘይደራደሩ ሽዱሽተ (6) ብሄራዊ ህዝብታት ዓለምና ሓደ ከምዝኾነን ትግራይና ድማ ማህፀን ጀጋኑ ከምዝኾነትን ዓለም ብዓለሙ ደጋጊሙ ዘዘንትዎ ዘሎ ህያው ሓቂ እዩ። ማለት እውን ወናኒ ረዚን ታሪኽ፣ ዓሚቕ ባህሊ፣ ነዊሕ ዕድመ ዘሎዎም ቋንቋታት (ኲናማ፣ ሳሆ፣ ግእዝን ትግርኛን)፣ ብዓል ቤት ምዕቡል ስልጣነ ይሓ፣ፑንት፣ ድኣማት፣ ማይ ኣዳራሽ፣ኣኽሱም ወዘተ ከምኡ እውን ፈጣራይ፣ኣርባሓይን ፈላማይ ተጠቃማይን ስነ-ዘራእቲ፣ ዓዲ ቀዳሞት ፈላስፋታትን ብዙሕ ዘይተዘረበሉተመራመርቲስነ-ከዋኽብቲን ዝፈጠረ ህዝቢ ከምዝኾነፅሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርትን ዘረጋግፅዎ ጉዳይ እዩ።
ይኹን ድኣ እምበር ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ወረርቲ ሓይልታት ካብ መበል 4ይ ክ/ዘበን ጀሚሮም መቋረፂ ዘይብሉ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለዘካየዱ፣ትግራይና ግዳይ ድኽነት፣ ድሕረትን ድንቁርናን ገይሮምዋ እዮም። እዞም ወረርቲ ስልጣነ፣ታሪኽን ባህሊን ትግራይ ንምጥፋእ ዝፈፀምዎ ስርቅን ዘመተን ከምኡ እውን ብቃላት ንምግላፅ ዘፀግሙ ዘካየድዎም ባርባራዊ ግፍዕታት፣ ማለት እውን ካብ ደቂቀ ስጢፋኖስ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ኣረሜናዊ ጆኖሳይድ፣ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዋላ እኳ ሓደ (1) ሺሕ ዓመት ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ክጉተት እንተገበርዎ፣ ኣብ ብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ግና ኣብ ኩሎም ዘበናትን መዋእላትን ንፃት እውን ከምዘይደራደርን ከምዘይምብርከኽን ናይ ቀዳሞት ወለድና ታሪክ ጅግንነት ብምዝንታው ዝግለፅ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ሕዚ ዘሎ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይና ዝፀሓፎን ይፅሕፎን ዘሎ ተደማሪ ቅያን እንነብረሉ ዘለና ህያው ኩነታት ንኩሉ ግሁድ እዩ።
እንተኾነ ናይ ቀደም ወለዶም ድሑር ኣተሓሳስባታትን ኣረመኔዊ ተግባራትን ዝወረሱ ብመንግስቲ ብልፅግና ዝምርሑ ናይ ሎሚ ዘበናዎት ጆኖሳይዳዊ ወረርቲ ሓይልታት፣ንህዝቢ ትግራይ ከምቲ ወለዶምኣብ ኩርምቶምቀርቂሮም ስለዝሓዝዎ፣ ሎሚ እውንመሊኡ ሓራ ከይወፅእ ኩሉ ዓይነት መናውራን ግፍዕታትን ይፍፅሙ ኣለው። ብምዃኑ እንተኽኢሎም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ ምድሪ፣ ትግራይና ድማ ካብ ካርታ ዓለም ንምጥፋእ፣እንተዘይኪኢሎምእውን ብዕፅዋን ክባን ሰንሰን ኣቢሎም፣ 100 ዓመት ንድሕሪት ክንመልሶ ኢና ዝበልዎ እከይ ትምኒቶም ተግባራዊ ብምግባር፣ ህዝብና ከም ጓል ዛግራ ፋሕ ብትን ንክንብል ዝሓልሙ ኣረመኔታት፣ ዘካይድዎን የካይድዎን ካብ ዘለው ፅዕፁዕስነ ልቦናዊ ኩናት ሓሊፎም ኣብዚ እዋን ክሳድካ ክንቅንጥበካ መፃእናካ ዋሓጥናካ ብምባል ወግሐ ፀብሐ ምውጥዋጥ ነጋሪት ኲናት እናስማዑ፣ ህዝብና ቀሲኑዕለታዊ ጣጥኡ ከይውግን ኩሉ ዓይነት መናውራታት ይፍፅሙ ኣለው።ኣብዚ እዋን እዚ ፀገም ኣዕርዩ ተሓላሊኹ ዘሎ ብናይ ደገ ወረርቲ እከይ ተግባር ጥራሕ ከይኮነስ፣ ካብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሮም፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀሙ ተጐጅሎም ዝሰለሙ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት እውን እዩ።
ብምዃኑ ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይና ብሓባር ዘውፅእዎ ትልሚ መሰረት ብምግባር፣ ብጊ/ም/ትግራይን ህወሓትን እናተመርሑ ቅድም ኢሎም ናይ ዝተኻየዱ መድረኻት መዛዘሚ ኣብ ዝኾነ ክልላዊ ብሄራዊ ኮንፈረንስ እንሳተፍ ዘለና ተወከልቲህዝብን ኣካላትንዘለናሉ ወድዓዊ ኩነታትናድሕሪ ምግምጋም እቲ ዘይተገማታይ መድረኽ ንምስጋር እንኮ መማረፂ ብሄራዊ ሓድነት ምጥንኻር ምዃኑ ደምዲምና ኣለና። ስለዙይ ሕዚ ኣብ ግንባርና ተገቲሩ ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወ ከቢስና፣ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወጣወጥ ዘሎ ነጋሪት ኲናት፣ ብርሕቁ ንምትራፍ ዘኽእሉ፣ መደምደምታ ዝበፃሕናሎምን ዝወሰናዮምን 13 ዓበይቲ ጉዳያት ብመልክዕ ደምዳሚ ኣዋጅ፣ከም ዝስዕብ ዕላዊ ገይርና ኣለና።

ለ. መደምደምታታት፣ ውሳኔታትን ፃውዒታትን ደምዳሚ ኣዋጅ
======================================
1) ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ፣ ብረት ኣፈሙዝ ኣልዒሉ ዝወግኦ ህዝብን ወሪሩ ዝገበቶ ናይ እማቱ መሬትን ከምዘየለ ታሪኽ ምስክር እዩ። ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ፣ ባህጊን መትከላዊ እምነትን ህዝቢ ትግራይን ተሳተፍቲ እዚ ብሄራዊ ኮንፈረንስን ሰላም ጥራሕን ጥራሕን እዩ። ሕዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎዎ ፖለቲካዊ ኣፈላላያትን ፀገማትን ድማ፣ ዘላቂ ፍታሕ ዝረኽቡ፣ ብመሰረትስምምዕ ፕሪቶርያ ምኳኑ ንኣምን።ስለዝኾነ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ፣ ቀንዲ ዝዘተናሉ ጉዳይን ዝበፃሕናዮ መደምደምታን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኲናት ምትራፍ ምዃኑ፣ ንኩሉ ደላይ ሰላምን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብዕሊ እንትነፍልጥ፣ እዚ ፅኑዕ መትከላዊ እምነትና ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንምቅያር ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ንምግባር ድልዋት ምዃና ነረጋግፅ።

2) ጥቅምቲ 23/2015 ዓ/ም፣ ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሰለስተ ዓመት ከቑፅር ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ መዓልቲታት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ።ይኹን ዳኣምበር ዓበይትን መሰረታዊን ጉዳያት እቲ ስምምዕ ኣይተፈፀሙን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብኣንፃሩ፣ መንግሰቲ ኢትዮጵያ፣ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፣ ክፍለ ኣህጉራዊ ትካላትን ደላይ ሰላም መድረግቲ ኣካላትንኣብዝተረኸብሉ፣ ነቲ ስምምዕ ዝፈረመን ልዕሊ 50 ዓመታት ዘቑፀረን ውድብ ህወሓት ኣፍልጦሕጋዊ ሰርትፊኬት ከልኪሉን ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ክስረዝ ገይሩን እቲ ስምምዕ ከምድልየቱ ብተደጋጋሚ እናጣሓሶ ይርከብ። ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንጎኒ ገዲፉ፣ ንህወሓት ኣግሊሉን ሰሪዙን የካይዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ብጥብቂ ከም እንቃወም ነፍልጥ። ዋላ እኳ ህወሓትቕድሚ 50 ዓመታትሕጋዊ ኣፍልጦዝረኸበብወረቐት ከይኮነስ ብምልኣተ ህዝብናንሕዚ እውን ካብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ምፍሓቕ ከም ዘይከኣል ብተግባር ዝተመስከረሉ እንተኾነ፣ ኣፍልጦ ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ንፅውዕ።

3) ኣብዚ እዋን ቀንዲ ውራይ ህዝቢ ትግራይ፣ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ብፀሓይ፣ ንፋስ፣ ቁሪ፣ ሓያል ዝናብ ክራማት፣ ኣብ ዝተበጣጠሰ ኣረጊት ቴንዳ ክነብር ተገዲዱ ዘሎ ልዕሊ 1 ሚልዮን ተመዛባላይ ህዝብና፣ ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ከርፋሕ ናብራ ዝደፍእ ዘሎ ብ10ታትኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ከምኡ እውን ወረርቲ ገቢቶምኣብዝሓዝዎም ልዕሊ 40% (ኣርብዓ ምኢታዊ) ላዕላዊግዝኣት መሬትና፣ ብምሒር ብሄራዊ ዕብለላ ይሳቀይዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ሓራ ክወፅእን ምግባር እዩ። ነዚ ስቃይ ህዝብና ዝሽከም እንግድዓን፣ ሰነ-ልቦናን ድሕሪ ሕዚ ፈፂሙ ክህልወና ኣይግባእን። ብምኳኑ፣ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመዛበለን ኣብ ስደት ይሳቀይ ዘሎን ህዝብና፣ ድሕንነቱ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ተጎቢጡ ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ዕብለላ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ላኣላውነትና ንክኽበር ብሄራዊ ሓድነትና ኣደንፊዕና ከም እንረባረብቃል ንኣቱ። ኣብዙይ ካብ ኣፍልጦ ጊ/ም/ትግራይ ወፃኢ፣ዝተፀገመን ዝተመዛበለንህዝብና ብምድንጋርን ብሽርሕን ንምምላስ ዝግበር እከይ ምንቕስቓሳት ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ እናፍለጥና፣ ኣብዚ መናውራ ኢዶም ዘእተው ሓይልታትን ኣካላትን ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባሮም ክቑጠቡ ብጥብቒ ነተሓሳስብ።

4) ንሕና ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብን ኣካላትን ዝወከልና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ፣ ዘለና ፖለቲካዊ ኣፈላላይ፣ ትሕቲ ትግራይናን ህዝቢ ትግራይን ምዃኑ ኣሚና፣ ሕዚ ዘለናሉ ናይ ምህላውን ዘይምህላውንተኳሳሓይን ዘይተገማታይን ንኡስመድረኽ ምስጋር ዝከኣል፣ብሄራዊ ሓድነትናኣጠናኺርናን ከም ኣርቓይ ረቢብናን ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ደምዲምና ኣለና። በዚ መሰረት ብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምድልዳል ብውነን ወነን ንምፍፃም ከም እንረባረብ ቃል ንኣቱ።

5) ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይና፣ ቅድም ክብል ዝወስንዎም ውሳኔታት ዓቕምና ዘጠናኽሩን ወቅታውን ብምዃኖም ብህፁፅ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንምቅያር ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃምና ከም እነወፊ ቃል ንኣቱ።

6) ካብዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይናን ህዝቢ ትግራይን፣ ዝተኻየደን ሎሚ እውን ብዘይድምፂ ጥይት ብሰላሕታ ዝካየድ ዘሎ ህዝብና መሊኡ ዘጥፍእ ጆኖሳይዳዊ ኲናት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሖን የብፅሖን ዘሎ ፣ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ፣ ስነ-ኣእምራዊ ስምብራትን፣ ዓሚቅ ኩሉ መዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው፣ ህዝብና ወዲብናዓቕሚ ብዘፍቐዶ ናብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ንምእታው ኣድላይ ኩሉ ዓይነት ፃዕርታት ከምእንገብር ነረጋግፅ።

7) ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥና ዝነበረ ሕማቕ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ብዋናነት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት፣ ብዝፈፀሞ ጥልመትምኽንያት፣ ተፈጢሩ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት፣ ኣንሳእሪሮም ዘሎው ኣካብነት ኪራይ፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ከምኡ እውን ፍትሕን ምምሕዳራዊ ውሳኔን ብብላዕ ኣብ እንዕድገሉ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ኩነታት በፂሕና ኣለና። ብሓፂሩ ሎሚ ይረኣይ ዘሎ ዓሚቅ ምሽርሻር ክብርታትትግራይ ሓዊስካ እዞም ኩሎም ፀገማትህዝብና ኣንፀርፂሩን ተስፋ ቆሪዑን፣ ውዕይ ቃልሲ ከይገብር ዝሑል ማይ ብምኽዓው ሓደጋ ብሄራዊ ህልውናና ጫፍ ገደል ክበፅሕ ገይሮም ኣለው። ስለዚ እዞም ፀገማት መሊኦም ሕድሕድና ክንባላዕ ዝገብሩ ምዃኖም ተረዲእና፣ በብኣካልና ውዳባታትና ብምጥንኻር፣ ኣብ መንበሪና እውን ብመልክዕ ኮሚኒቲ ፖሊሲንግ ተወዲብና ህዝብና ቀሲኑ ብሰላም ክኣቱን ክወፅእን እጃምና ብምውፋይ፣ ትግራይና ንናይ ውሽጢ ዘመቲ ይኹኑ ንናይ ደገ ወረርቲ ዓዲ እምቢታ ንምግባር ወሲና ኣለና። ብፍላይ ኣብዙይ እዋን ዘሎ ተሓዋዊስካ ናይ ምዃድ ጉዕዞ በቢ ኣካልና ብገምጋምን ተግባርን ንምፅራይ ከም እንረባረብ ነፍልጥ። ኣብዙይ ጊ/ም/ትግራይን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ብሓፈሻ ምስ ህዝብና ብፍላይ ምስ መናእሰይ ትግራይናተዋዲዶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለዩ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ዝፍፅሙ ዝነበሩ ገበነኛታት ካብ ዝተሓብእዎ ሽጓጦ እናውፅኡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምውዓል ምጅማሮም ተነፃፃሪ ለውጢ ይርአይ ኣሎ። ስለዚ እዙይ እዎንታዊ ቅዱስ ተግባር ንምብራኽ እጃምና ንምውፋይ ቃል ንኣቱ።

8) ኣብዚ እዋን ብሓፈሻ ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይን ብሄራዊ ትካላትን፣ ብፍላይ ዋልታን ማእገርን ህዝብና ዝዀነ ሰራዊት ትግራይናንምብታን፣ ብዋናነት ከቢድ ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ዝተኸፈሎን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ከይጠፍእ ዝገበሩን ዓወታት ህዝባዊ መኸተና ዘመራስሑ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወታደራዊን ፖለቲካዊን መራሕቲ ትግራይና ዝግበር መፀለምታ ሓሶት ፣ ትግራይ ብዘይኣመራርሓ ጥራሕ ኢዳ ኣትሪፍካ፣ ትግራይ ትበሃልን ህዝብን ነበረያ ነበረ ንምግባር፣ ወረርቲ ሓይልታትን ሓሽኪሮምን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን መሻርኽቱንዝኣለምዎ እከይ ውዲት ብጥብቒ እናኰነንና፣ ጊ/ም/ትግራይ እውን፣ እዞም ነውርን ንቡርን ዘይፈልጡ ኣካላት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ትካላትና፣ብዋናነት ኣብ ስትራተጂክ ኣመራርሓ ትግራይናን ብፍላይ ባዕለን በቢመድረኹ መስደመም ቅያ ሰሪሐን ጀጋኑ ዋዕሮታትን ሓየታትን ዝፈጠራ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይና ብቀንዱ ኣብ ልምዓት ጉጅለና ዝፈፀምዎ መሕፈራይ ግፍዕታት፣ሕዚ እውን ብውልቀ፣ብውዳበ፣ብሚድያንስውር ኔትዎርክን ዝነዝሕዎ ዘለው መዕነዋይ ናይ ጥፍኣት ፀለመ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ስርዓት ንምትሓዝ ዝወስዶም ስጉምትታት ብምድጋፍ እጃምና ከም እነወፊ ቃል ንኣቱ።

9) ቅድሚ ኣዋርሕ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩዎ ዘሎ ርክብ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ድሌትን እንኮ ሕርያን ሰላም ምዃኑ ንፈታውን ፀላእን ብግልፂ ኣርእዩ እዩ። ስለዙይ እዚ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ሕውነት፣ ምሕዝነትን ሓቢርካ ምዕባይን ዘጠናኽር ዝተቐደሰ ተግባር ዘለና ናእዳን ድጋፍን እናገለፅና፣ ተጠናኺሩ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ከም እነወፊ ነፍልጥ።ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ምስ ህዝቢ ኤርትራጥራሕ ከይኮነስብሓፈሻ ምስ ኩሎም ብሄር ፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ምስ ጎራብቲ ህዝብታት ዓፋር፣ ኣገው፣ ኣምሓራ፣ከምኡ እውን ካብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ጀሚሩ መዕቆብን ሓብሓቢን ህዝብና ዝኰነ ፣ ርህሩህ ህዝቢ ሱዳን ርክብና ብዝበለፀ ንምሕያል ዓቅምና ዘፍቀዶ ኩሉ ንምግባር ወሲና ኣለና።

10) ላዕላዊነት ምርግጋፅ፣ እንትብሃል ግዝኣታዊ ሓድነት ብምምላስ ጥራሕ ዝግለፅ ኣይኮነን። ናይ ህዝቢ ናይ ምውሳን ስልጣን ህያው ንምግባር፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ህዝቢ ትግራይ ብምግቢ ባዕሉ ክኽእል ኣለዎ።ስለዙይ፣ ሕዚ ብዝናብ ክረምቲ በቂሉ ዘሎ ዝራእቲ፣ ኣብ ቆፎ ሓረስታይ ክሳብ ዝኣትው ዘሎ ከይዲ ብፍላይ፣ ብዝተፈላለዩ ባልዓትን ሓሳኹን ከይጥቃዕ፣ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊኮንፈረንስ፣ በብኣካሉ ዘሎ ኣባልና ወዲብና ኣድላይ ሓገዝ ከምእንገብርን ሓረስታይና ቀልጢፉ ናይ መስኖ ስራሕቲ ክኣቱእናዘኻኸርና ሰብሃብቲ ትግራይ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን፣ ግቡእ ሓገዝ ክገብሩ ንፅውዕ።
11) ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ሕማቅ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኣብ ልዕሊ ዲያስፖራ ትግራይና እውን ኣሉታዊ ፅልዋ ብምሕዳር ፣ ውዳበታቱ ክፈርስን፣ ሕድሕዱተኸፋፋሉ ብዓይኒ ማዕዶ ክረኣኣይን ገይሩ እዩ። እንተኰነ ሕዚ እቲ በታናይ ኣረኣእያ ተሰይሩ፣ ብሄራዊ ሓድነትና እናጠጠዐ ዝጉልብተሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።ስለዙይ ዲያስፖራ ትግራይና እውን ዘሎውዎብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑኣፈላላያት፣ ሕዚ ንጎኒ ኣወንዚፉ፣ ከም ወትሩ ብሄራዊ ሓድነቱ ኣጠናኪሩ፣ ብሓዱሽ ቅኒት ዝገብሮ ዲፕሎማሲያዊምንቅስቓስ፣ ዓለም ዝመስከረሉ ስጡም ሓድነቱ ዓቒቡ፣ኣብ ምውሓስንምርግጋፅ ህልውና ትግራይናን ክረባረብ ፃውዒትና ነቕርብ።

12) ኣብ ትግራይ ናይ ሓሳብን ፖለቲካዊን ኣፈላላይ ምህላው ንቡርን ቕቡልን እዩ። እንተኾነ እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ሕገ መንግስቲ፣ ካልኦት ሕግታትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሩ ብዝሰልጠነን ሰላማዊን ኣገባብ ክፍፀም ይግባእ። ካብዚ ወፃኢ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣለኒ ብዝብል ጉልባብ ድሌትኻ ብሓይለ መልጢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓንብረት ኣፈሙዝ ናብ ህዝብናን ሰራዊት ትግራይናን ምቅናዕ ቀይሕ መስመር ምሕላፍ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ።ስለዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብገርሂ ይኹን ብጉርሒ፣ ስውአን ብጡጠን ብዝብል ብሂልን ብመትከል ከፋፊልካ ግዝኣን፣ መሳርሒ፣ ወረርትን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን ኮይንኩም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ጥቕዓት ንምፍፃም ትገብርዎ እኩይ ምንቅስቃስ ብጥብቂ ንኩንን። ብኣንፃሩ ብረት ኣፈሙዝ ኣልዒልኩም ዝነበርኩም ደቂ ትግራይ፣ ስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይና ዘቅረብልኩም ፃውዒት ተቀቢልኩምን እቶም እከይ ድሌቶም ንምርዋይ ክብሉ፣ ኣደናጊሮም ኣዋፊሮምኩምዝነበሩ ከዳዓትን ጠላማትንሽርሒ ተረዲእኩም ናብ ዓድኩም ትግራይ ምምላስኩም እናነኣድና፣ ኣብኡ ዝተረፍኩም ድማ ፀሊም ታሪኽ ፅሒፍኩም ካብ እትሓልፉ፣ ሕዚ እውን ኣይረፈደን ኢልኩም ናብ ህዝብኹም ክትምለሱ፣ ንሕና፣ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ብስም ህዝቢ ትግራይደጊምና ፃውዒትና እንትነቕርብ ውዲት ፀላኢን ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን በጣጢስኩም ከም እትምለሱ ተስፋ ብምግባር እዩ።

13) ብደምን ኣፅምትን ህዝቢ ትግራይ፣ ዝተጠረያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ሚድያታት ትግራይ፣ ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ብሳተላይትዘመሓላልፉ ሚድያታት፣ ብውልቀን ብጉጅለን ተወዲቦም፣ ህዝባዊ መኸተና ኣብ ምዕዋት ዝተረባረብኩም ዩቲበራትን ነጠፍት ኦን ላይን ሚድያ ደቂ ትግራይ ፣ ከምኡ እውን ሰብ ሙያ ስነ-ጥበብን ስነ-ኪነትን ትግራይዝተፃወትክምዎን ትፃዎትዎን ዘለኩም መተካእታ ዘይብሉ ተራ፣ ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ወለዶታት እናተቀባበልዎ ዝነብር ህያው ተግባር እዩ። ሕዚ እውን ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወ ንምክባስ፣ ዕዙዝ ተራ ከም እትፃወቱ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ንተኣማመን ኢና። ብኣንፃሩ ፣ ካብ ፅባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ፣ ኣንፃር ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጠጠው ኢልኩም፣ ህዝቢ ትግራይ ብከባብያዊነት ተከፋፊሉ ሕድሕዱ ክጨፋጨፍን ብሄራዊ ትካላትና ንክፈርሱ ብቐንዱ ዓወታት ህዝባዊ መኸተና ፀለሎ እናለኸኹም ብምንሻውመርዛም ዘረባ ፅልኢት ትነዝሑ ሚድያታት ታሪኽ ይቅረ ዘይብሎ በሰላ ተዕርፉ ከም ዘለኹም ተገንዚብኩም ካብዚ ተግባርኩም ክትቑጠቡ ንፅውዕ። ጊ/ም/ትግራይ ድማ ኣብተን እንኮ ጥሪት ህዝቢ ትግራይ ዝዀና፣ ሚድያታት ፣ ቅልጡፍ ምትዕርራይ ንኽግበር ግቡእ ኣመራርሓ ብምሃብ፣ እዘን ሚድያታት ኣብ ጎኒ ዘይተዛዘመ ህዝባዊ መከተናክስለፋን ሙያዊ ስነ ምግባር ጥራሕን ጥራሕንተኸቲለን ክሰርሓን ኣድላይ ዘበለ ፃዕሪ ክገብር፣ብኣንፃሩ ኣብ ናይ ጥፍኣት እከይ ተግባርተሸኺሎም ብስም ነፃነት ሚድያ፣ መዕነዋይ ተግባሮም ንምቅፃል፣ ኣብ ልዕሊ ዝወሰኑ ኣካላት ሚድያ፣ ጊ/ም/ትግራይና ዝወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምድጋፍ፣ እጃምና ከምእነወፊ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ቃል ንኣቱ።

ሐ. ፃውዒት ንዝተፈላለዩ ኣካላት !!
======================
ፃውዒት ንህዝቢ ትግራይ !!
=================
ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን እትነብር ህዝብና፣ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ሞትን ሕውየትን፣ ልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት (7)፣ ዘጋጠሙኻ ብቃላት ንምግላፅ ዘፀግሙ ማእለያ ዘይብሎም ፀገማት፣ ተፃዊርካ ፣ ንፃት እውን ከይተንበርከኻ ምዝላቕካ፣ ሕዚ እውን ንሕናተሳተፍቲ እዚ ብሄራዊ ኮንፈረንስ፣ ደጊምና እንኳዕ ካብዚ ህዝቢ እዙይ ተፈጠርና እንትንብል ሐበን ይስመዓና።ብምኳኑ ንዓኻ ወኪልና ዝወሰናዮም ውሳኔታት ዓትዒትካ ሒዝካ፣ ከይውዓሉ ከይሓደሩ ከምወትሩ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ከም እትቅይሮም ኣየጠራጥርን። ኣብ እትገብሮ ርብርብ ድማ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ግንባር ቀደም ኮይንና እጃምና ከምእነወፊ ነረጋግፀልካ ንፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ብጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ጅሆተታሒዝካ ዝነበርካ ነባራይ ዞባ ደቡብ ትግራይ ህዝብና ካብ መስመርካ ፈተኽ ከይበልካንብዝገበርካዮ መሪር ቃልሲ ሓራ ብምውፃእኻ ከምኡ እውን ኣብ ስደትን ኣብ ትሕቲ ወረርትን ኮይንካ ብፅንዓት ትቃለስ ዘለኻ ነባራይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ህዝብና ንእትገብሮ ዘለኻ ተጋድሎ ዘለና ኽብሪ እንትንገልፅ ሓበን ይስመዐና።

ፃውዒት ንሰራዊት ትግራይ !!
==================
ብሓፈሻ ዋልታን ማእገርን ትግራይናን ህዝብናን ዝኰንካ ሰራዊት ትግራይና፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት (5)ቁሪ፣ ሃሩር፣ ንፋስ፣ ጥምየት፣ ዕርቃን፣ ብሓፂሩ ተፈጥራዊን ሰራሕ ሰብንፀገማትከይፈትሑኻ፣ ዕማማት ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ከይተኸምበቱ፣ ወይከ ፈተኽ ኢልካ፣ እትጥውሮም ስድራቤት ገዲፍካ መርዓን ደርዓንድሕሪ ዓወትኢልኩም ኣብ መስርዕኩምን ዘለኩም ወለድና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትና ዋዕሮታትናን ሓየታትን ደቂ ትግራይና፣ መዘና ኣልቦ ፅንዓትኩምን ጅግንነትኩምን ብኣግባቡ ብዝምጥን ቃላት ንምግላፅ ዋላ ዘፀግም እንተኰነ፣ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብኣኹም ከም እንተኣማመን እንትንገልፅ ክብሪ ይስመዓና።ስለዙይ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ትግራይ፣ኣብ ጎንኩም ተሰሊፍና፣ ዓቕሚ ብዘፍቀዶ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምእንገብር ቃል እንትንኣቱ፣ በብደረጅኡ ዘሎኹምኣመራርሓ፣ ዋዕሮታትን ሓየታትን ሰራዊት ትግራይና ድማ ውሳኔታትና፣ ብግቡእ ተረዲእኹም ተግባራዊ ከም እትገብርዎ ንተኣማመን።

ፃውዒት ንጊ/ም/ትግራይ !!
================
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሄራዊ ትካላትና ማለት እውን ከም በዓል ትእምትን ቲዲኤን ሓዊስካ ብስትራተጂክ ዓቅምታት ትግራይናዝተወሰኑ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጉዳያት ብእዋኑ ስለዘይተፈፀሙ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወና ንኽጋደድ ምኽንያት ይኾኑ ኣለው። ስለዙይ ጊ/ም/ትግራይ እቶም ውሳኔታት ብጊዜ የለን መንፈስ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክቕይሮም ንፅውዕ።
ፃውዒት ንውድብ ህወሓት !!
ኣብ ዝሓለፉ 50 ናይ ፅንዓት፣ ቃልሲን ዓወትን ዓመታት፣ ህወሓት ምልኣተ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ታሪኽ ንዘላለም እናዘንተወ ዝነብር ኩለ መዳያዊ መስተንክር ቅያ ከም ዝሰርሐ ህያው ምስክር እዩ።እንተዀነ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ካብ ፅባሕ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ውሽጡ ተሸጕጡ ብዝነበረ ከዳዕ ሓይሊ ኣብ ጫፍ ምብትታን በፂሑ ነይሩ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ህዝባዊ መስመሩ ዓትዒቱ ሒዙን ወናኒ እቲ ውድብ ዝኾነ ካብ መትከሉ ፈተኽ ዘይብል ፅኑዕ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉን ናይ ሞትን ሕየትን መሪር ቃልሲ ገይሩ ኣብመበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ ህልውንኡ ኣረጋጊፁ ካብ ጠቕላልካ ምፍራስ ድሒኑ እዩ። እንተኾነ ሕዚ እውን ኣብ ኣመራርሕኡን ኣባላቱን ዝረኣዩ ማለት እውን ኣካብነት ኪራይ ሓዊስካ ኩሎም ዓይነት ሕመቓት ብዘይምሕረት ተቃሊሱ እዚ ታሪኻዊ ውድብ ክልተ ስጉሚ ንቅድሚት ንክምርሽ ውሽጣዊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ንፅውዕ።
ፃውዒት ንብሄራዊ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራትን ዲያስፖራ ትግራይን !!
ኣብ ህዝባዊ መኸተና ግቡእኹም ዝፈፀምኩም ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፣ ዲያስፖራ ትግራይ፣ ትካላት ሃይማኖትን ስቪክ ማሕበራትን ከምቲ ትማሊ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ትግራይና ካብ ሙሉእ ጥፍኣት ዘድሐና፣ ሕዚ እውን ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህላወ ንምኽባስ ንሕና ተሳተፍቲ “ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ” ዝበፅሓናዮም መደምደምታታትን ውሳኔታትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንፀላልዩ ዘሎ ኲናት ንምትራፍ ምዃኑ ተረዲእኹም እጃምኩም ክተወፍዩ ንፅውዕ።
ፃውዒት፣ ንብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ !!
መትከላዊ እምነት ህዝቢ ትግራይን፣ ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ሰላም እዩ። እንተኰነ፣ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ሰላም ስለዝበለ ሰላም ኣይነግስን። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ፣ ልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት፣ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ሰላም ሓሪምዎም፣ ኣብ ዝኸፍአ ሕሱም ናብራ ጥሒሎም ከም ዘሎው፣ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ንፈልጥ ኢና። ብሓፂሩ ኣብዚ እዋን ብሄር ፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ግዳይ ሞት፣ ስደት፣ ጥምየትን ሕማምን ኮይኖም ሓሰራ መከራክበልዑ ተገዲዶም ዘሎውሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እታ ሃገር መሰሉ ዝሓተተ ሰብ“እምቢ ላለ ሰው ጥይት ኣጉርስዎ” ዝብል ብሂል ተኸቲሉ፣ ብወታደራዊ ግጥም ህዝቢ ንምንብርካኽ መሪፁ፣ መዕለቢኡ ዘይፍለጥ ባርዕ ሓዊ ወሊዑ ይቅፅል ስለዘሎ እዩ። ብምዃኑ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኢትዮጵያ የካይዶ ዘሎ ኲናት ብህፁፅ ጠጠው ኣቢሉ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ጥጡዕ ባይታ ንከመቻቹ ድምፅኹም ክተስምዑ ንፅውዕ።

ፃውዒት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ !!
====================
ህዝቢ ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተፈራረመ ውድብ ህወሓት፣ ኣብ መኸተ ዝተሳተፉ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ትካላት ሃይማኖት ሓዊስካ ኩሎም ናይ ስቪክ ማሕበራትን፣ ዲያስፖራ ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ክትግበር እዩ ብምባል፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን መሻርኽቱን ዝበፅሖምንይቕፅል ዘሎን ማእለያ ዘይብሉ፣ ዕፅዋን ክባን፣ ዝተነዝሐ ፀለመን ዝተፈተነ ቶኽታኽ ኲናትን ተፃዊሮም ዓመታት ዘሊቆም ኣለው። እንተዀነነዚ ብትዕግስትን ፀዋርነትን ዝሓልፍዎ ዘለው ፀገም ከም ድኽመት ብምቁፃር፣ ፀሊም ደበና ክረምቲ ዝመስል ነጋሪት ኲናት ኣብ ልዕሊኦም ብምንፅልላይ፣ ህዝብና ናብ ሻቅሎት ክኣትው ተገይሩ ኣሎ። እንተዀነ ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ፣ ኲናት ብርሑቑ ንምትራፍ ምኳኑ ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ እንትንገልፅ ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን፣ ኣፈሙዝ ብረቱ ንቑልቑል ኣፉ ደፊኡ ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ፣ ንፖለቲካዊ ዘተ ቅሩብ ክኸውን ንፅውዕ።

ፃውዒት ንህዝቢ ኤርትራ !!
=================
ኣብዚ እዋን እዙይ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ተጠናኺሩ ንክቅፅልን ናብ ዝለዓለብራኸ ንክሰጋገርን ንሕና ተሳተፍቲ ብሄራዊ ኮንፈረንስ እጃምና ከምእነወፊ እንትንገልፀልካ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣንፀላሊዩ ዘሎን ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ሕምስምስ፣ ዘእቱ ፣ ሓደጋ ጥፍኣት ኲናት ብርሕቑ ንምትራፍ ብወገና ዝከኣለና ፃዕሪ ከምእንገብር እንተነረጋገፀልካ፣ ብወገንካእውን ዋዕ ኢልካ ድምፅኻ ብምስማዕ እጃምካ ክተወፍን ንሰላም ሓቢርና ክንሰርሕን ፃውዒትና ነቅርብ።

ፃውዒት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ክፍለ ኣህጉራውያን ትካላትን !!
ስምምዕፕሪቶርያ ንክፍረም ዝገበርክምዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ታሪኽ ንዘልኣለም እናዘንተዎ ዝነብር ዓብይ ፍፃመ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ምፍርራም እቲ ስምምዕ ዘርኣኽምዎ ሓላፍነትዝተመልኦ ተበግሶን ተወፋይነትን፣ ኣብ ኣተገባብርኡ ክትደግምዎ ኣይከኣልኩምን። ብምዃኑ ህዝብና ግዳይ ሞት፣ ሕማም፣ ጥምየት፣ ማእሰርትን ማግረፍትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣደዳ ዝብኢ ዝኾነሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዙይ መንግስቲ ዩ.ኤስ.ኣሜሪካ ፣ ትካላት ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድን ዝምልከተኩም ኩሎኹም ደለይቲ ሰላም መድረግቲ ኣካላትን ተዓዘብትን ዓሰራ መከራ ህዝብና ንከብቕዕ፣ሰለስተ ዓመት ከቑፅር ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ መዓልትታት ተሪፍዎ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ንክትግበር፣ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ ሰብኣዊንሞራላዊን ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ፃውዒት እንትነቅርብ፣ ናይ ቃል ከይኮነስ ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ፣ ካብ ብታሪኽ ተሓታትነት ንምድሓን ከምእትንቀሳቀስ ተስፋ ንገብር።
ኣብ መወዳእታ፣ ብሄራዊ ኮንፈረንስና ደሚቑ ብዕውት ኣገባብ ንክዛዘም ከየንቲ ትግራይ፣ ኣካላት ሚድያን ዝሓገዝኩምና ኩሎኹምመድረግቲ ኣካላትን ዘለና ናእዳ እናገለፅና፣ንሕና ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስን ንብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ፣ሕዚ ኣብ ትግራይና ዝፍጠር ዘሎ ሓድነት ኣበሪኽና፣ዝወሰናዮም ኩሎም ውሳኔታት፣ ቆፂርና ሒዝና፣ተግባራዊ ንክኰኑ እጃምና ብምውፋይ ትግራይናን ህዝቢ ትግራይን ናብ ምዕራፍ ደግመ ሕውየትን ህንፀትን ከምዝሰጋገር ዘለና እምነት ዝለዓለ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትንዝነብር ህዝብና ድማ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ብዝለዓለ ናይ ቃልሲ መንፈስ ፣ ብወነን ብውነን ተረባሪቡ ተወሳኺ ሓዱሽ ታሪኽ ከምዝፅሕፍ ብምትእምማን እዩ። ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ሰናይ ናይ ቃልስን ዓወትን ዓመትክኾነልና ድማ ንምነይ።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንኩሎም ስውኣት ደቂ ትግራይ!!
ብሄራዊ ሓድነት - ንምውሓስ ብሄራዊ ህላወን ድሕንነትን ትግራይና !!
ትግራይ ትስዕር!!
ተሳተፍቲ “ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንብሄራዊ ሓድነትህዝቢ ትግራይ”
መስከረም 25/2018 ዓ/ም
መቐለ

05/10/2025

ኢያሱ በርሀ #ብዛዕባ ውዳበ #ትምህርቲ ሙዚቃ ኣብ በረኻ

05/10/2025
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፤ ንታሪኻዊ ፣ ጂኦግራፊያዊን ሕጋዊ መንነትን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣብያተ ዕዮን ኣካላትን ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ከብልን ፡ ናብ ተሓታትነ...
05/10/2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፤ ንታሪኻዊ ፣ ጂኦግራፊያዊን ሕጋዊ መንነትን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣብያተ ዕዮን ኣካላትን ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ከብልን ፡ ናብ ተሓታትነት ከሰጋግርን ፃውዒት ቀሪቡ ።
--_-_

ኣብዚ ቐረባ መዕልታት ብሚኒስቴር ሕርሻ ኢትዮጵያ ንሕገመንግስታዊ ሉኣላውነት ምዕራብ ትግራይ ዝጠሓሰ ዝተወዘዐ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ፅላል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነዚ ፃውዒት ዝቐረበ ።

ብዛዕባ ዘይሕጋዊን ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ዙርያ ምዕራብ ትግራይ ዝወፀ ሓበሬታ ንኹንን ዝበለ እቲ ማሕበር ፤ 23 መስከረም 2018 ዓ/ም ብሚኒስቴር ሕርሻ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምድላዋት ምእካብ ፍርያት ሕርሻ ኣመልኪቱ ኣብ ዝወዘዖ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ድማ ንመሬት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከም ናይ ክልል ኣምሓራ ገይሩ ምቕራቡ ፣ ህጋዊ መሰረት ዘይብሉን ተቐባልነት ዘይብሉን ብምዃኑ ከም ፅላል-ስቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ብትረት ንኹንን ኢሉ ኣሎ እቲ ማሕበር ።

እዚ ተግባር እዚ ንታሪኻዊ ፣ ጂኦግራፊያዊን ሕጋዊ መንነት ናይቲ ከባቢ ጌጋ ርድኢት ዝፈጥርን፣ ንሉኣላውነት ክልል ትግራይ ብግልፂ ዝጥሕስን ስለዝኾነ፣ ብጥብቂ ንኹንኖ ዝበለ ፅላል-ስቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሕገ-መንግስታዊን ኣተሓሕዛዊን መልክዑ ናይ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ክፋል ምዃኑ ብንፁር ዝፍለጥ ሓቂ እዩ ኢሉ ።

ዝኾነ ይኹን ካብዚ ወፃኢ ዝቐርብ ሓበሬታ፣ ሓቂ ዘይብሉ፣ ፖለቲካዊ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ፣ ንህዝቢ ንምድንጋርን ንምብዳልን ዝዓለመ ምዃኑ ክስመርሉ ይግባእ ድማ ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ግጉይ መግለፂታት፣ ንክልላዊ ሰላምን ምትእስሳርን ብርቱዕ ሓደጋ ዝፈጥር ምዃኑ፣ ብጥንቃቐ ክርአን ክሕሰብን ዝግባእ ጉዳይ እዩ ዝበለ እቲ ማሕበር
እዚ ዓይነት ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን ተግባር፣ ንሰላም፣ ንምርግጋእ ከምኡ እውን ንማሕበራዊ ምትእስሳር ክልቲኡ ህዝብታት ዓብዪ ፅልዋ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ከብልን፣ ናይ ምዕራብ ትግራይ ሕጋዊ መንነት ከኽብር ከምዘለዎን፣ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባር ዘሰጉሙ ኣካላት ናብ ተሓታትነት ከሰጋግርን ብሕጊ ክሓትት ከምዘለዎን ንሓትት ክብል ፅላል-ስቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ፀዊዑ ።

ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) ከተማ በኢሬቻ ዋዜማ
04/10/2025

ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) ከተማ በኢሬቻ ዋዜማ

Address

Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ASER MEDIA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ASER MEDIA:

Share