YPFDJ Israel

YPFDJ Israel ሲቪክ ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል (ደቂ ሓደ ልቢ) Eritrean civic society in Israel ( ECSI)

07/07/2025

ቢኒ ማርያም ኣስመረይቲ ምሳኻ ትኹን !!

05/07/2025

ዓወት ቀዳማይ መድርኽ ንመን?

01/07/2025

!! እቲ ሓዘን ሓዘናዩ ሃይለ ደደቢት ነዚ ስላም ክልቲኡ ህዝቢ ነገር እናፍሓርካ ስላሙ ኣይትዝረገሉ!!
ጽምዶ ስላም 9

ርእሰ ዓንቀጽ፡ ጭጒራፍሲ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ  “ዓሻ ንነገር የተዓባብዮ፡ ይሓላልኾ፡ ዝያዳ ጎነጻዊ ይገብሮ፣ ብልሂ ግን ብትብዓት ናብ ዝሓሸ ማእዝን የቕንዖ”፥ ኣልበርት ኣይነስታይንጉጅለ ‘ፕሮ...
01/07/2025

ርእሰ ዓንቀጽ፡ ጭጒራፍሲ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ

“ዓሻ ንነገር የተዓባብዮ፡ ይሓላልኾ፡ ዝያዳ ጎነጻዊ ይገብሮ፣ ብልሂ ግን ብትብዓት ናብ ዝሓሸ ማእዝን የቕንዖ”፥ ኣልበርት ኣይነስታይን

ጉጅለ ‘ፕሮስፐሪቲ’ ብዘቤታዊ መዋጥር ምሒር ተጨኒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ህድማ ንቕድሚት መሪጹ ኣሎ። ብቅብጸተ ተስፋ፡ ጉዳያት ንምትሕልላኽ ከባርዖ ዝሕልን ዘሎ ኲናታት ንምምኽናይ፡ ብሰልበጣ፡ ሓሶትን ጠቐነን፡ ንኤርትራ ዝኸስስ ደብዳበታት፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ናብ ዝተፈላለየ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ክልእኽ ቀንዩ። ከምቲ ምስላ ዓረብ ዝብሎ፡ “ሃሪሙኒ በኽዩ፡ ቀዲሙኒ ጠሪዑ” እዩ ነገሩ።

እዚ ስልቲ’ዚ ሓድሽ ክስተት ኣይኰነን። ናይ ሕጂ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቕ፡ “ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998፡ መጥቃዕቲ ባዕልና ጀሚርናዮ ከለና፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣጥቂዑና ክበሃል ሰሚዕና ‘መንግስቲ’ኸ ይሕሱ ድዩ ኢልና ኣብ ክንድኡ ሓፊርና” ኢሉ ነይሩ።

ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተዂታዂ ዘመተ ‘ፕሮስፐሪቲ’ መን ይርስዖ?

“ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ’ዩ፣ እንተስ ብሰላማዊ መገዲ እንተስ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወና ኣለዎ፣ ኣብ ግዜ ምኒልክ፡ ብመጠኑ ደርግን ኢህወደግን ኣፍደገ ባሕሪ ከንውሕስ ኣይከኣልናን፣ እቲ ምቹእ ግዜ ሕጂ እዩ፣ ናይ ጂኦግራፍ እሱራት ኴንና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ባሕሪ እንተ ዘይሃብኩምና ውሕጅ ኴንና ክንጸርገኩም ኢና፣ ብዙሓት ስለዝኾንና ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣህጉራዊ ሕጊ ይፈቕደልና እዩ፣ ዓባይ ሃገር ባሕሪ ዘይብላ ርትዓዊ ኣይኮነን፣ ናጽነት ኤርትራ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ኣብ ረፈረንደም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድምጹ ኣይሃበን፣ ወደብ ዓሰብ ናትና እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ከነምልሶ ኢና፣ ኣብ ዓሰብ ኮሪደር ልምዓት ከነተግብር ኢና፣. . .” ሃለፍታ ናይቲ ጽላለ መወዳእታ የብሉን።

እዚ ኩሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን፡ ንረዚን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘቋናጽብ፡ ንኲናት ዝተዃቱዂ ቁዘማን ታህዲዳትን እናሃገገ፡ ኤርትራ፡ ካብ ሕሱር ዜናዊን ዲፕሎማስያውን ዘመተ ተሓዪባ ምንጻሓ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተራእየ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ብቅኑዕን ወድዓውን መገዲ ሽግራቶም ኣብ ክንዲ ዝፈትሑ፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ንግዳም ንምቕናዕ፡ ንኤርትራ ክኸሱ እዮም ዝጓየዩ። የግዳስ ሎሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ በዚ ብሉይን ፍሹልን ሜላ’ዚ ኣደናጊርካ፡ ናብ ሓዊ ክትጠብሶ ዝከኣል ኣይኮነን። ክፍለጥ ዘለዎ ሓቅታት፦

ኤርትራ ካብቲ ብብይን ኮምሽን ዶብ ዝተሓንጸጸን ዝተመልከተን ኣብ ካርታ ዓለም ዝሰፈረን ኣህጉራዊ ዶብ ወጻኢ፡ ዝሓዘቶ ስድሪ መሬት የለን። እዚ ሓቂ’ዚ ኩሉ ኣብ ፍትሕን ርትዕን ዝኣምን ኣማእዝዩ ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ። በዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ድማ ዘወላውል የብሉን መመሳመሲ ንኲናት’ውን ክኸውን ኣይክእልን።

እቲ ዝቐረበ ጠቐነ፡ “ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ፡ እቲ ንግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዕድል ንምድኻም ኢትዮጵያ ዝረኣዮ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ተጻባኢ መገዲ’ዩ ክኽተል መሪጹ።” ይብል። እዚ ፍጹም ሓሶት’ዩ። ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝኽሰት ውጹእ ውሽጣዊ ሽግር ብዝምልከት፡ መርገጺ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ – ንጹርን ዘየሻሙን እዩ። ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ ምእህጓርን ካብ ዘየድሊ ምትእትታውን ተሓዪብካ፡ ሰብ ጉዳይ ዘላቒ ፍታሕ ንኸምጽኡ ምትብባዕን ምድጋፍን እያ ትኣምን።

በዚ መትከላዊ እምነት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ከውሕስ ዝኽእል ርእይቶኡን መትከላቱን ኣነጺሩ እናገለጸ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ሕውነት፡ ማዕርነትን ምትሕብባርን ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር፡ ብሃናጺ ጽምዶን ብግብርን ውፉይ ጻዕሪ ከካይድ ምጽንሑ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ኣብቲ ፈለማ ብልጽግና ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ምስ መጸ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘይተቘጠበ ደገፍ ዝሃቦ እውን ካብዚ መትከላዊን ቅዱስን ዕላማ ብምንቃል እዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ህዝብታት ጽልኢ ብምስዋር፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ንግዳም ብምቕናዕ፡ ኣብ ገዛእ ህዝብኻ መትሓዚ ዘይብሉ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣባሪዕካ ንቕድሚት ብምህዳም፡ ክፍታሕ ዝኽእል ግድላት የለን። ኣብ ክንድኡ፡ ብሰፊሕ ኣእምሮ፡ ቀይሕ መስመር ከይሰገርካ፡ ንሰላምን ምትሕብባርን ህዝብታት ምውፋይን ምትባዕን የድሊ። ከምቲ ኣሪስቶትል ዝብሎ፡ “ውግእ ካብ ምስዓር ንላዕሊ፡ ሰላም ምህናጽ እቲ ዝበለጸ ዓወት እዩ።”

https://shabait.com/2025/07/01

29/06/2025

ኣብ ጽምዶ 9 እቲ ዓቢ ብስራት ስላም
ነዚ ሰላም ክልተ ህዝቢ ዝጸልእ ገመድ ምለስ
ዓወት ንጽምዶ ሰላም !!

WINNER
29/06/2025

WINNER

ጋዜጣዊ መግለጺኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብልኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘመተ’ዚ...
26/06/2025

ጋዜጣዊ መግለጺ
ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘመተ’ዚ፡ ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ምስዳድ ዘጠቓለለ እዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መልእኽቲ፡ ንኤርትራ ብ“ተደጋጋሚ ምትዂታዂን ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ብሓሶት ዝጥቅንን ዝኸስስን እዩ።

እዚ መደናገሪ መልእኽቲ’ዚ፡ ያኢ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምትላል፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ነጋሪት ክድስቐሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኲናት ደገፍ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። “ጭጉራፍስ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ” ከም ዝበሃል።

እቲ ሓቂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብቓላቱ “እንተተኻኢሉ ብሕጋዊ መገዲ፣ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ብሓይሊ” ወደባት ኤርትራ ንምሓዝ ዝዓለመ፡ ዓንዳሪን ዘይምኽኑይን ጽዑቕ መርዛም ዘመተን ተዂታዂ ተግባራትን ከካይድ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ክንዮ ቃላት ብምኻድ’ውን፡ ኣብ ዕድጊ ኣጽዋርን እልቢ ዘይብሉ ኣነዓዓቢ ተግባራትን ተጸሚዱ’ዩ ሓግዩ።

እዚ ተዂታዂ ተግባራት’ዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ከቢድ ናይ ሓደጋ ደወል’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራ ልዑል ነፍሰ-ግትኣት ክትክተል’ያ መሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ኲናት ኣጀንዳኡ ምስ ኣወጀ’ውን እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብ16 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኩነታት ብኣርምሞ ብምግንዛብ፡ “ከም ወትሩ - ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ” ምምሕጻኑ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ነዚ ዘይስገር ጭብጢታትን ፍሉጥ ፍጻመታትን ብምጥምዛዝ፡ ንኤርትራ ብ“ግህሰት ልኡላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን” ከሲሱ ኣሎ። እዚ ዓይኒ ዘይብሉ መርመም ሓሶት’ዩ።

ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቅሉዕ ግሂሶም፡ ንክልተ ዕቑድ ዝኣክል ሰፊሕ ክፋል ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሒዞም ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ዘይሕጋዊ ጐበጣ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፡ ብቐንዲ ትሕዝቶን ምኽንያትን ናይ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ደንጒዩ ተመዓራርዩ እዩ። ኤርትራ በቲ ብዘይምኹኑይ ምድንጓይ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዕቑድ ዝተቐበለቶ ውሳነ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጽኑዕ ቅይድቲ እያ።

ንምድምዳም፡ እዚ ዘየድሊ ወጥሪ’ዚ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጉባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ’ዩ።

ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
26 ሰነ 2025

21/06/2025

!! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስማእታትና!!

14/06/2025

!! ንኽልቲኡ ህዝቢ ሰላምን ሕውነትን ራህዋ ዝስፍነሉ እዋን ክኾነሉ ንምነ ።
ንሕና ድማ ነዚ ጽምዶ ሰላም ዓሽራና ከነቀምጠሉ ንጽውዕ ።
ብፍላይ ድማ እዞም ብስም ብርጊድ ንሓመዱ ትብሉ ድቅዚ ጽምኢ ስላም ሓሪምዎ ዝጸነሐ ህዝቢ ብፍላይ ነዚ ጽምዶ ስላም ክስዕብዎን ንዘለኩም ኩርያ ውሽጡኹም ምስ ነብስኹም ተዓሪኩም ምስ ህዝብኹም ንሰላም ክልቲኡ ህዝቢ ክትስርሑ ንጽውዕ ። ሎሚ ብፍላይ ኣብዚ ስዓት እዚ ንጽምዶ ስላም ክንስርሕ ውሽጣዊ ቅርሕንትና ጊሕፍና ንጽምዶ ስላም ንስዓቦ ናይ ሰላም ሃዋርያ ይኹን መንእስይ !! ዓወት ንሓሽ !!
ብስራት ሰላም
👇👇👇
https://youtu.be/FFdxmLOrN1M?si=lGOU9xcpcFUJ2P9t

11/06/2025

!! ጽምዶ ሰላም ኣብ ዝልዓለን ዘታኣማምንን ከም ዝኸውን ጥርጥር የልቦን !!
ጽምብል መበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣምበሰተ ገለባ- ህዝቢን ሰራዊትን

ምስ ተጋሩ ዘላምበሳን ከባቢአን
01/06/2025
#መስመርናድርዕና #ጽምዶ ንሰላም

youtu.be/LvWbsDtix-E?si…

እዞም ኣብ ደገ ዘለና  ዜጋታት  ፈተውቲ  ሃገርናን ህዝብናን መንግስትናን  ድኣበር  ልዕሊቲ ኣብ ወሽጢ  ሃገር  ዘሎ ህዝብን ህዝባዊ  ስራዊትን  በሊጽና ክንርእ  ኣይንኽእልን ።   ስለዚ ...
11/06/2025

እዞም ኣብ ደገ ዘለና ዜጋታት ፈተውቲ ሃገርናን ህዝብናን መንግስትናን ድኣበር ልዕሊቲ ኣብ ወሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ህዝባዊ ስራዊትን በሊጽና ክንርእ ኣይንኽእልን ።
ስለዚ እዚ ን6ይ ክፋል በጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ጩራ ህዝብናን ህዝባዊ ስራዊትናን ዓሽርኡ ዘቀመጠሉ ስለዝኾነ ንሕና እዞም ኣብ ድያስፖራ እንነብር ዜጋታት ድማ ከም ፈተውቲ ሃገርናን ህዝብናን ህዝባዊ ስራዊትናን ንቅቦሎን ንስርሓሉን ንግስጉስሉን።
ጽምዶ ስላም
ጽምዶ ምዕባለ
ጽምዶ ኲናትን ወረ ኲናትን ዘይ ንስምዓሉ ናብ ልምዓትን ህንጸት ሃገርን ንስምዓሉ ዘመን ኩኾነልና ንምነ ።

Address

Tel Aivi Sedrot Har Teyone 12

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when YPFDJ Israel posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share