15/08/2026
መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኬንያ ንክዛተዩ ቆጾሮ ሒዞም ኣለው እናተባህለ ይግለፅ ኣሎ።
መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ዳግም ንምዝታይ ቆጸራ ከምዝሓዙን ነዚ መስርሕ ዘተ ዝመርሑዎ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ፉምዚሌ ምላምቦ-ንጉካን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመርን ምዃኖም ንሃልኪ ማሕበራዊ ሚድያ ይውዕል ኣሎ።
እንድሕር ኣሚንኩም Let me tell U something 💁♂️
ኣብይ ንክቐትለካ ደላይ ሰላም መሲሉ ኣምባሳደራት ይሰደልካ፤ ተራእዮም ዘይፈልጡ ኣጋይሽ ናብ መቐለ ክገሹ ይገብር፤ ንህውሓት ዝኹንን መግለፂታት ብኢምባሲታትን ኣምባሳደራትን ኣቢሉ የውፅአልካ። ተናዲድን ሓሪንካን ተሪኡካ, ድርድር ይግበር ኣሎ: ዕርቂ ይጅመር ኣሎ ኢሉ ክትዝሕልን ቃልስኻ ክትገድፎን የወናውነካ: ንዓኻ መቐነዪ ኣጀንዳ ካብ ኣሚኮ ናብ OBN, ካብ ፋና ናብ CGTN ናዘረ ኮለል የብለካ። ተደልዩ ምዕራብ ትግራይ ተደልዩ ቀይሕ ባሕሪ ወርሓዊ ወይ ሰሙናዊ ኣጀንዳ ይመዘልካ።
ሽዑ ድሮን ሰዲዱ ደብዲቡ የባህርረካ፤,ይቐትለካ፤ ሸረሪና መጥቃዕቲ ይኸፍተልካ፤ ምስ ኣምሓሩ የባእሰካ። ኣላማጣ TDF ይቐትለልካ: ዕጡቓት ሓራ መሬት ኣዕጢቑ ይሰደልካ።TDF ኩናት ክጅምር ወሲኑ ኢሉ ብ እኒ ደስየ ኣሸናፊን ካልኦት ደሞዝተኛታትን ኣቢሉ ይእውጀልካ😃
እዚ ዝበሃል ዘሎ ድርድር ፈፂሙ ሓሶትን ዘይተረጋገፀ ቀፃሊ እቲ ፀማዲ ኣጀንዳ ብልፅግናን መሻርኽቱን ዝዓሙዎ ዘለው ሰሙናዊ ኣጀንዳ እዩ።
ሰላም ወሳኒን ንፅባሕ ዘይብሃል ውራይ እዩ።
ግን ድማ ስረኻ ክሳብ ዘፍትሑኻ ውን ከምዝፈትውኻን ከምዝሓልዩልካን ክነግሩኻ ግድን እዩ። ተሃሚልካ ምትራፍ ግን ምርጫኻ እዩ።
ዝተጀመረ ድርድር ኮነ ዕርቂ የለን። ክህሉ ውን ኣይኽእልን።
Tigray Phoenix -TP