02/07/2026
እዞም ሃገር ዝቐየሩ ክልተ ቈልዑ 60ታት!!
ብ1961 ዓ.ም እዩ እቲ ግዜ። ተማሃሮ 6ይ ክፍሊ ከተማ ድባርዋ። 6ይ ክፍሊ ማእከላይ ደረጃ እዩ ነይሩ ኣብቲ ግዜ። እዞም ጥቓ ንጥቓ ኣብ ማእከል ደው ኢሎም ዘለዉ ክልተ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ንኤርትራ ኣብ ምልዋጣ ዝለዓለ እጃም ክህሉዎም ምዃኑ ይርድኡ ኣይነበሩን። ካብ 11-12 ዓመት ዕድመ ዝሓልፍ ዕድመ'ውን ኣይነበሮምን።
ላዕለዋይ
ተማሃራይ መብራህቱ ተኽለኣብ እዩ። ምስ ግዜ "ቫይናክ" ትብል ሳጓ ለጊባቶ። መብራህቱ ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድባርዋ ዝተሰኣሉሉ ግዜ ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ ብ1969 ዓ.ም ናብ ገድሊ ተሰሊፉ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ። ኣውራ በቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ስርሒታት ከተማ (ፈዳይን) ኮይኑ ብልዑል ጅግንነትን ተወፋይነትን ዝተጋደሎ ዝዝከር ሓርበኛ እዩ።
ድሕሪ ናጽነት ናይ ብሪጋዴር ጀነራልነት ማዕርግ ተቐቢሉ ኣዛዚ ስታፍ ኢንስፐክሽን ሓይልታት ምክልኻል ኮይኑ እናሰርሐ ብመጋቢት 2014 ብሓደጋ መኪና ተሰዊኡ።
ታሕተዋይ
ተመሃራይ የማነ ርእሶም እዩ። 12 ክፍሊ ምስ ወድአ ኣብ 1966 ማህደረ-ትምህርቲ ንኣመሪካ ብምኻድ ተማሂሩ። እቲ ትምህርቲ ኢንጂነሪግ ዝቐሰመ የማነ ብ1984 ፊደላት ግእዝ ፈለማ ኣብ ኮምፒተር ከስፍር ብምብቃዑ ንቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝጥቀሙ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኮምፒተር ብቛንቋኦም ከም ዝጽሕፉን ከምዝምዕብሉን ዝገበረ ምሁር እዩ።
ሶፍትዌር ኢንጂነር የማነ ርእሶም ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ቋንቋ ግእዝ ዝተኣሳሰር ዝተፈላለየ ምርምራት ብምክያድ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ዝማዕበለ ኣሰራርሓ ከተኣታቱ ዝጸንሐ ዕዉት ዜጋ እዩ።
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ዜጋታት ዛ ቅድስቲ ሃገር ኤርትራና🫡🇪🇷