29/07/2025
ኣብ ልዕሊ ስድራ በዓል ሃፍቲ ሰሎሞን ኣያሌው ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መቐፀልታ እቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ኣላማጣ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ዕጡቓት ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣይተ ዝናቡ ደስታ ገሊፆም
ኣብ ከተማ ኣላማጣ ንበዓል ሃፍቲ ሰሎሞን ኣያሌው ክልተ ደቁ ኣጥፊኡ ንባዕሉን ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ህልውና ዘውደቐ መጥቃዕቲ መቐፀልታ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ኣላማጣ ዝፍፀም ዘሎ ገበናት ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣይተ ዝናቡ ደስታ ገሊፆም።
ናብ ሎሚ ኣብዘዉግሕ ለይቲ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ መንእሰይ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ሰሎሞን ኣያሌው ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓፁር ጥሒሶም ብዝኣተዉን ሃፍትን ንብረትን ክዘምቱ ብዝሓሰቡን ዕጡቓት ዝተፈፀመ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ዝናቡ ንልዕሊ 30 ደቒቕ ዝፀንሐ ልውውጥ ተዅሲ ዋላ እንተነበረ ነዚ ሰሚዑ ዝሕግዝ ናይ ፀጥታ ኣካል ብዘይምንባሩ እቲ ማህሰይቲ ዝገደደ ክኸውን ከም ዝገበሮ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ኣላማጣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌደራልን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ዋላ እንተሃለው ሰብ ብምጭዋይ ካብ ስድርኡ ገንዘብ ዝሓቱ ዕጡቓት ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ይሰርሑዎ ዘለዉ ገበናት ሎሚ እውን ይፍፅሙዎ ምህላዎም እዚ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ሰሎሞንን ስድርኡን ዝተፈፀመ ሓደ መረጋገፂ ምዃኑ ገሊፆም።
እዚ ድማ ዝኾነ ዜጋ ውሕስና ፀጥታ ከም ዘይብሉን ቀሲኑ ክሓድር ከም ዘይኽእልን ዘርኣየ ዘሕዝን ፍፃመ ምዃኑ ኣይተ ዝናቡ ንቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሓቢሮም።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብዝተደርበዩ ክልተ ቡምባታት ጓል 16 ዓመት ጓሉን ወዲ 12 ዓመት ወዱን ዝተቐተሉዎ ኣይተ ሰሎሞን ንሱን በዓልቲ ቤቱን እውን ብዝበፅሖም ማህሰይቲ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ጥዕና ዝርከቡ እንትኾኑ ተዓጊቱ ዝተወሰደ ወዲ 8 ዓመት ወዱ ድሒሩ በቶም ዕጡቓት ዋላ እንተተለቐቐ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብዝረኣዮ ኣስካሕኻሒ ኩነታት ክሳብ ሕዚ ደንዚዙ ከም ዘሎ ኣይተ ዝናቡ ሓቢሮም።
DW