25/12/2025
¶ ኣብ ሂወት ካልኦት ሰባት ጣልቃ ኣይትእቶ ናይ ሂወትካ ጣልቃ ይኣኽለካ ።
¶ ፈተና በዚሑኒ ኢልካ ዓቅልኻ አይ ተጽብብ ዓለም መፈተኒት እንበር መንበሪት ኣይ ኮነትን።
¶ ኣብ ገዛእ ነብስኻ እመን ካልኦት ሰባት ዓወት ጨቢጦም ክቡኻ ኣይትጸበ ምንጪ ዓወት ነብስኻ ንስኻ ኢኻ።
¶ ዕድል ስለ ዝረኸብካ ሰብ ኣይ ትበድል ግዜ ምእንቲ ርእሱ
ከም ዝቀያየር ዘክር።
¶ ሲኢነ ኢልካ ኣይተማርርዋላ ዝረኸበ ዕግበት የብሉን ድኻ ብጨርቁ ሃብታም ብወርቁ ኩሎም እዮም ዝጭነቁ።
¶ ከምቲ ረኺብካ ትሕጎስ ክትስእን ውን ተዓገስ።
¶ እቶም ሽም ሰብ ረቂሖም ዘጸልሙ ናይ ዓለምና ዓያሹ እዮም
ለባማት እንተ ዝኾኑ ነቲ ዘጸልምዎ ዘለው ሰብ ምመዓድዎ ኔሮም። ስለዚ እቲ ዝሕመ ዘሎ ዘይኮነስ እቲ ዘጸልም ዘሎ እዩ ዝምዘን።
¶ ንዘይ ብሉ ሰብ ምሕጋዝ ውሽጣዊ ዕግበት ይፈጥር እዩ እሞ ፈትኖ።
¶ ንሰብ ከማኻ ንበለጽ ኢልካ ኣይ ትቅረቦ ምክንያቱ በለጽ ቃል ብቃሉ ውሕልና ዘለዎ ስርቂ እዩ።
¶ ካብ በዳሊ ተበዳሊ ምኻን ይሕሸካ ምክንያቱ በዳሊ ውሽጣዊ ቅሳነት የብሉን።
¶ ዝደለክዎ ዘይረኸብኩ ኣይትበል ፈጣሪ ዘድሌካ እንበር ትደልዮ ኣይኮነን ዝህበካ።
¶ ኦሮማይ ጸልሚቱ ኢልካ ኣይትረበሽ ኣብ ጸልማት ኮንካ እዩ
ብርሃን ዝርአ። ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ከም ዝወግሕ ርአ።
¶ ጸሓይ ጸሊእካያ ምብራቅ ኣይትገድፎን እያ። ሂወት ጸሊእካያ ምንበር ኣይተቃርጾን እያ። ንዝገጠመካ ብዓቅሊ ክትፈትሖ ሃቅን።
¶ ተመነ እንበር ግዙእ ናይ ምንዮትካ ኣይትኹን ምናልባት ዘይክትረኽቦ ስለ ትክእል።
¶ ሰባት ሓምዮምኒ ኢልካ ኣይትሰከፍ እቲ ዝተባህለ ኣብ ግንባርካ ስለ ዘይጸሓፍ።
Adimo Media