𝐒𝐄𝐁 𝐇𝐋𝐍𝐀

𝐒𝐄𝐁 𝐇𝐋𝐍𝐀 𝐖𝐞𝐥𝐜𝐨𝐦𝐞 𝐓𝐨 𝙰𝚋𝚒𝚜𝚝𝚊𝚛 𝐎𝐟𝐟𝐢𝐜𝐢𝐚𝐥 𝐏𝐚𝐠𝐞 ☜︎︎︎ https://linktr.ee/sebhlna4

 #ማሃሪት  #ዛንታ!!---------------------     🙏 ካብ ግዝያት ሓደ ማዓልቲ እታ በይና ትቅመጥ ዝነበረት መልከዐኛ ጓል ብድቁሳ; ሎሚ ገዛኺ ክመጽእ'የ ድራር ድማ ሓቢረ ምሳኺ ...
13/08/2025

#ማሃሪት #ዛንታ!!
---------------------
🙏 ካብ ግዝያት ሓደ ማዓልቲ እታ በይና ትቅመጥ ዝነበረት መልከዐኛ ጓል ብድቁሳ; ሎሚ ገዛኺ ክመጽእ'የ ድራር ድማ ሓቢረ ምሳኺ ክበልዕ'የ ዝብል ናይ ክርስቶስ ናዝራዊ ድምጺ ሰመዐት::ንእለት ብምትንሳእ ገጻ ኣማዕተበት።በቲ ዝሰማዓቶ ድምጺ ሕልሚ ከይከውን ደጋጊማ ሓሰበት፣ግን
ሕልም'ስ ኣይነበረን።

💕 ሻንጣኣ ብምልዓል ንዝነበራ ገንዘብ ኣኻኺባ ንድራር ዝኸውን ኣስቤዜ ክትገብር ዕዳጋ ከደት።ገለ ዝብላዕ ስጋን ልስሉስ መስተ ምስ ሕብስቲ ብምሽማት ድማ ንገዝኣ ጉዕዞ ጀመረት፡፣

ብብርቱዕ ድምጺ ከብድኻ ዝበልዕ ህጻን ቆልዓ
ንኸርሱ መዕንገሊ ዝኾና ዝብላዕ ክልምን ኣብ መንገዳ ጎፍ በላ፣ረጊጻቶ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን። ካብ'ቲ ንድራር ዕድመ ዝሓሰበቶ ሕብስቲ ብምውጻእ ድማ ሃበቶ።

🙏በቲ ዝነበረ ቀዝሒ ቁሪ ሓንቲ ኣደ ከናፍረን ዳንቀጥቀጠ ተጨባቢጠን ኣብ ጽርግያ ደጊማ ተዓዘበት።ነዘን ኣደ ውን ረጊጻተን ክትሓልፍ
ባሕሪ ከብዳ ኣይገበረላን:ካብ ኣብ ዝባና ተወንዚፋቶ ዝነበረት ነጸለኣ ብምቅንጣጥ ነተን ኣደ ከዲና ካብ ሒዛቶ ዝነበረት ሕብስትን ልሱሉስ መስተን ሃበተን።ኮምኡ ዳበለት ነቲ ድራር ዝሓሰበቶ እስቤዛ ኣብ ቅድሚኣ ዘዝጸንሑዋ ለማኖ ሂባ ወደኣቶ።

👉🙏 ምድረ-ሰማይ ዋግዋጎ ሕብሪ ብምሓዝ ጸልመተ።ታ'ጓል ድማ ብውሽጣ ፍርሕ-ፍርሕ በለት።ምኽንያቱ ክርስቶስ ምሽት ገዝኣ ብምምጻእ ምስኣ ክድረር ምዃኑ ነጊርዋ ስለ ዝነበረ፣
ክርስቶስ ኣብ ሞንጎ ህሩግ በላ።የዕንታ እንዳኣቅባሕበሐት ድማ ከምዚ በለቶ፡ ጎይታይ ልክዕ ከም ዝበልካኒ ምሳይ ክትድረር ንዓይ ጸጋ'ዩ ፡ነገር ግን ዝብላዕ ይኹን ዝስተ የብለይን በለቶ።ክርስቶስ ድማ ብድሙቅ ፍሽኽታ ከምዚ በላ፡ኣይፈለጥክን እንበር ንኸርሰይ ብመግብኺ:ንዝባነይ ብኽዳንኪ:ንጎሮሮይ ድማ ብልስሉስ መስተኺ ኣብሊዕኽኒ: ከዲንክኒ: ኣጥሊልክኒ እኺ፣በቲ ኹሉ ዝገበርክዬ ሰናይ ዘበለ
በቶም ምስኪን ዝልምኑ ዓስቢ ረኺብኪ እኺ))ኢልዋ ተዓዝረ።

ጽቡቅ ንኽትገብር ግድን ኣይኮነን ማዕዶ ንዘሎ ክትጥምት መጀመርታ ንኣብ ከባቢኻ ዘለው ሓግዝ፣ንሰብ ምሕጋዝ ሰብ ምዃን እኹል'ዩ!!! ኣሜን🙏💕

👉If you like it share to your friends
💫💞 ❤

post credit @ካብ ዘንበብኩዎ Fb

ዛንታ ሎሚነዛ ዛንታ 4 ግዜ  ኣንቢበያ ኣይጸገብኩዋሓደ ምሸት ናይ ስነ-ልቦና መምህር ናብ ናይ ምሸታዊ ተማሃሮኡ ክፍሊ ኣትዩ፡ "ሎሚ ሓደ ፈታኒን ወሳንን ጸወታ ክንጻወት ኢና" ሓበሬታ ሃበ።ካ...
04/08/2025

ዛንታ ሎሚ
ነዛ ዛንታ 4 ግዜ ኣንቢበያ ኣይጸገብኩዋ

ሓደ ምሸት ናይ ስነ-ልቦና መምህር ናብ ናይ ምሸታዊ ተማሃሮኡ ክፍሊ ኣትዩ፡ "ሎሚ ሓደ ፈታኒን ወሳንን ጸወታ ክንጻወት ኢና" ሓበሬታ ሃበ።
ካብ ተማሃሮ ሓደ ህውኽ ኢሉ "እንታይ ዓይነት ጸወታ፧" ሓተተ።
መምህር "ብድሌቱ ክወጽእ ዝኽእል ኣሎ ዶ፧" ሓተተ።
ኤሊዛ ትብሃል ተማሃሪት ብድሌታ ኣብ ቅድሚት ወጺኣ ንሕቶ መምህር ድልውቲ ኮነት።

መምህር ኣብ ህይወታ ወሰንቲ ናይ ዝኾኑን መሪሕ ተራ ናይ ዝተጻወቱን ዝጻወቱ ዘለዉን ኣስማት 30 ሰባት ኣብ ሰሌዳ ክትጽሕፍ ሓበራ። ኤሊዛ ኣስማት ስድራኣ፡ ቤተ-ዘመዳ፡ መሓዙታ፡ መሳትሕታን ጎረባብታን ዘርዘረት።

መምህር ካብቶም ሳላሳ ብዙሕ ዘየገድስዋ ናይ ሰለስተ ሰባት ኣስማት ክትድምስስ ሓበራ። ኤሊዛ ኣስማት መሳርሕታ ደምሰሰት።

መምህር ከም እንደገና ናይ ሓሙሽተ ሰባት ክትድምስስ ሓበራ። ኤሊዛ ኣስማት ጎረባብታ ደምሰሰት። እዚ መስርሕ ክሳብ ናይ ኣርባዕተ ኣስማት ዝተርፍ ቀጸለ። እዚ ከኣ ኣስማት ኣቡኣ፡ ኣዲኣ፡ ሰብኣያን ወዳን ነበረ።

ድሕሪ'ዚ ጸጥታ ሰፊኑ፡ ኩሎም ተማሃሮ በዚ ኩነት ተገሪሞም ሓድሕዶም ክጠማመቱ ጀመሩ።

ሕጂ'ውን መምህር ክልተ ኣስማት ክትድምስስ ሓበራ። ኤሊዛ ሽዓ ቢላ ክትውስን ኣይከኣለትን፡ ፍቓደኛ ውን ኣይነበረትን፡ ግዴታ ስለ ዝነበረ ግን ኣስማት ወለዳ ክትድምስስ ተቐሰበት።

መምህር "ኤሊዛ ሕጂ ውን ሓደ ደምስሲ!" ዓይኒ ዓይና 'ናጠመተ ተዛረባ። ኤሊዛ ስምዒታ ክትቆጻጸሮ ኣይከኣለትን፡ ኣዝያ'ውን ተጨነቐት። ኣጻብዕታ ቆራዕራዕ ኣበለት፡ ኣዒንታ ከም ሕሱም ንብዓት ተሓልቡ። ከይፈተወት ከኣ ስም ውላዳ ደምሰሰት። ኤሊዛ ትብሎን ትገብሮን ስለ ዝጠፍኣ ኣምሪራ በኸየት፡ ተቐንዘወት። ብኩነታት ዝራህርሀ መምህር ኣብ ኮፍ መበሊኣ ክትቅመጥ ሓበራ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ "ስለምንታይ ንሰብኣይኪ ዘይደምሰስክዮ፧ ወለድኺ ኮስኲሶም ኣዕቤሙኺ፡ ኣብዚ ደረጃ እዚ ውን ኣብጺሐሙኺ። ወድኺ ውን ብገዛእ ፍቃድክን ድሌትክን ካብ ከርሲ ማህጸንኪ ዝወጸ እዩ። ንወለድኺ ይኹኑ ውሉድኪ ክትረኽብዮም ኣይትኽእልን ኢኺ፡ ካልእ ሰብኣይ ግን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ" መምህር ብሕቶ ኣዋጠራ።

ኣብታ ክፍሊ ድምጺታት ሃጢሙ ከቢድ ጸጥታ ሰፈነ። ኩሎም ተማሃሮ ንመልሳ ክሰምዑ ተሃንጠዩ። ኤሊዛ ነብሳ ድሕሪ ምርግጋእ፡ ብህድኣት፡-
"ሓደ መዓልቲ ወለደይ ናብ ዓዲ ኩልና {ሞት} ቀዲሞሙኒ ክሓልፉ እዮም፡ ወደይ እንተኮነ 'ውን ከምቲ ኣነ ንወለደይ ገዲፈ ናብራይ ዝመርሕ ዘለኹ፡ ንሱ'ውን ምስ ጎበዘን በጽሒ ምስ ኣኸለን ንዝልዓለ ትምህርቲ፡ ንስራሕ ንግዲ፡ ወይ ውን ብካልእ ንጥፈታት ገዲፉኒ ክከይድ ይኽእል እዩ። እቲ እንኮ ክሳብ መወዳእታን ንመዋእል ህይወተይን ንኩሉ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ተረኽቦታት ህይወት ኣብ ጎድነይ ደው ኢሉ ኣለኹልኪ ዝብለኒ ግን ብዓል ቤተይ እዩ።

ኩሎም ተማሃሮ ካብቲ ጥሒለምሉ ዝነበሩ ናይ ፍርሕን ርቡጽነትን ተገላጊሊም ተንሲኦም ደገፎምን ኣድናቐቶምን ብጨብጨባ ገለጹ። ስለቲ ሓቀኛን ልቢ ዝትንክፍ መልእኽታን ዘካፈለቶም ኣመስገኑ።

እዚ ሓቅን ርትዒ ህይወትን እዩ። ኣምላኽ ወለድና፡ መጻምድትና፡ ውሉዳትና ክነኽብርን ክነፍቅርን፡ ልብታትና ተወሃሂብና ብቃል-ኪዳን ተቖሪንና ዕድሜና ምሉእ ህይወትና ብሓጎስ ክንመርሕ ዝገበረ ነዚ ጸጋ'ዚ ንኽንነብሮ እዩ።

ስለዚ ንወለድና ዝግባእ ክብርን ፍቅርን ኣገልግሎትን ንሃብ። ንዉሉዳትና ብፍቅርን ስነ ምግባርን ብፍቅሪ ክልተ ወለዲ ንክዓብዩ ኣብ ኪዳንና ጸኒዕና ፍቅሪ ንሃሮም። ንብዓ ቤትና/ንብዓልቲ ቤትና እኹል ግዜ፡ እኹል ፍቅሪ፡ እኹል ክብሪ ንሃብ። ኣምላኽ ልዕሊ ወለድና፡ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ልዕሊ ቤተ-ዘመድ፡ ልዕሊ መዛኑና፡ ልዕሊ መሳርሕትና፡ ልዕሊ መማህርትና ብመርዓ ህዋሳትና ኣሕቢሩ ሓደ ኣካል-ሓደ ልቢ ዝገበረና ንኹሉ ተረኽቦታት ጸጋ ህይወት ብዘይ ብቅን ገደብን ክነስተማቕሮ፡ ክንነብሮ፡ ክንረብሖ ኢሉ'ዩ።

ቅድሚ መርዓ፡ ቀዳምነት ፍርሃትን ፍቕርን ኣምላኽ፡ ብካልኣይ ደረጃ ወለዲ ነኽብርን ነፍቅርን።

ድሕሪ መርዓ ግን ቀዳምነት ፍርሃትን ፍቅርን ኣምላኽ፡ ብካልኣይ ደረጃ ድማ ብዓል ቤትና/ብዓልቲ ቤትና።

ስለዚ እቶም ሰብ ሓዳርን ሰብ ኪዳንን ንሓዳርና ብፍቕሪ ንንበሮ፡ ህይወት ነልብሶ፡ እሙናትን ሓቀኛታትን ንኹን፡ ፈቃራትን ተመላላእትን-ጸዋራትን ትዕግስተኛታትን፡ ሓዳጋትን እቕረ ብሃልትን ንኹን።

ኣምላኽ ኪዳንና ይባርኽ፡ መዋእል ዕድሜና ፍቅርን ስኒትን፡ ሓጎስን ስሓቕን ይግበረልና።

ትርጉም፡- ፍሻለ ተስፋይ
12-10-2016
ምንጪ:-
ምንጪ ስእሊ፡ካብ Love Matters ረኺበ መሰነይታ ዝሓረኽዎ እዩ

"ብምርባሕ ጀሚርኩም ዝጎደለ ቦታ ምልኡ፣
04/08/2025

"ብምርባሕ ጀሚርኩም ዝጎደለ ቦታ ምልኡ፣

"ኣገዲሳትኒ ኣላ እዛ ስእሊ ተንኪፍኩም መልሱለይ😊
20/07/2025

"ኣገዲሳትኒ ኣላ እዛ ስእሊ ተንኪፍኩም መልሱለይ😊

ተመስገን ፈጣሪ 🙏💘!!!
16/07/2025

ተመስገን ፈጣሪ 🙏💘!!!

'ነዛ ስእሊ ተንክፍዋ!!!
14/07/2025

'ነዛ ስእሊ ተንክፍዋ!!!

11/07/2025

ዛንታ ሓደ ወዲ

"ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ ነገርካ ዝርዳእ ሰብ እንተ ረኺብካዕድለኛ ኢኻ፣ ወላ ትዓንቂፍካ ተመስገን በል፣ መኽንያቱ እንተ ወዲቅካ ዘተንስእ እሙን ዓርኪ ስለ ዘለካ!!!  fans
10/07/2025

"ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ ነገርካ ዝርዳእ ሰብ እንተ ረኺብካ
ዕድለኛ ኢኻ፣ ወላ ትዓንቂፍካ ተመስገን በል፣ መኽንያቱ እንተ ወዲቅካ ዘተንስእ እሙን ዓርኪ ስለ ዘለካ!!! fans

"ነዛ ስእሊ ተንክፍዋ!!!
10/07/2025

"ነዛ ስእሊ ተንክፍዋ!!!

11/06/2025

"ኣብ ማዓልታዊ ሂወትና ከነማዕብሎም ዘለና ነገራት!!!

28/01/2025

"ደስ ዝብል ዘረባ'ዩ ይርጋ...

Adress

Stockholm

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när 𝐒𝐄𝐁 𝐇𝐋𝐍𝐀 postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till 𝐒𝐄𝐁 𝐇𝐋𝐍𝐀:

Dela