
06/10/2025
#ክንበብ #ዘለዎ
ንዓኻ ጸሊኡ ገዲፍካ ንዝኸደ ሰብ ንስኻ ዘይኮንካ ክትጉሂ
ንሱ'ዩ ክሓዝን ዘለዎ፣እቲ ጉዳይ ከምዚ ይመስል.....
ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ጓል ብልቡ የፍቅራ'ሞ ፍቅሩ ክገልጸላ ልዕሊ ዓቐን ይኸብዶ፣ንዘለዎ ፍርሒ ተቆጻጺሩ ፍቅሩ ክገልጸላ ድማ የዕርኹቱ እንተማኸርዎ ንሱ ግን ፍቅራ ኣብ ልቡ ዓቂሩ ብዛዕብኣ ክሓስብ ትምህርቱ ሓሚቑ ሳሓቅ ጸወታ ጸሊኡ በይኑ ክኸውን መረጸ።
የዕርኹቱ ግን በይኑ ክገድፍዎ ኣይካኣሉን:
ብዝነበሮ ፍቅሪ ንኽሓታ የእሚኖም ብልቡ ከም ዘፍቅራ ከተንብሃላ ሓበርዎ፣
ዓቅሙ ኣኻኺቡ ንውሽጡ የእሚኑ ድማ ፍቅሩ እርይ-ቁጽር ኣቢሉ ሓበራ፣ ጓልያት ትዕንን እንዳበለት ((ይቅሪታ ይትረፍ ናይ
ፍቅሪ ሕቶኻ ክቅበል ኣብ ዓለም ትጸልእዬ ሰብ መን'ዩ ኢሎም እንተዝሓቱኒ ንስኻ ምስ ኮንካ))በለቶ።
እቲ መንእሰይ ብድሙቅ ፍሽኽታ ተሰንዩ ናብ የዕሩኹቱ ኣምርሐ የዕርኹቱ ፍሽኽትኡ ርእዬም "ሕራይ ኢላትካ" ዳበሉ ሓተትዎ፡ ንሱ ድማ
ተረጋጊኡ ((ኣብያትኒ እንበር፣ከማን ካብ ዓለም እቲ ትጸልኦ ሰብ ኣነ ምኻነይ ነጊራትኒ)) ይብሎም የዕርኹቱ ድንግርግር ኢልዎም ክርድኦም ኣይከኣለን" እም ታይ ደኣ ዘይሓዘንካ"ድማ
በልዎ፣ብዝተረጋገአ ስሚዒት ከምዚ በሎም ((ንምንታይ ይሓዝን ንምንታይ ይጉሂ ኣነ'ኮ ካብ ዓለም ምሉእ እታ ትጸልኣኒ ጓል'የ ሲኢነያ፣
ንሳ ግን ካብ ዓለም እቲ ዝፈትዋ ሰብ'ያ ንፍቅሪ ዝሓተታ ተሓሲማ ሲኢና፣ስለዚ ኣነ ዘይኮንኩ ንሳ እያ ክትጉህን ክትሓዝንን ዘለዋ በሎም !!
እዚ ታሪኽ ናይ ኩላትና እዩ፣ንፈትዎ ሰብ ብረብሓ ይኹን ብኻልእ ገዲፍና ክርሕቅ ከሎ ጓሂ ሓዘን ይስማዓና፣ግን ንሕና ዘይኮና እቲ ኪሒድና ሓልዬትና ተሓሲሙ ዝኸደ እዩ ክጉህን ክሓዝንን ዘለዎ፣እቲ ምንታይ ልዕሊና ዝፈትዎን ዝሓልየሉን ዝኽእል ሰብ ስለ ዘይረክብ።
Thank you.
Adimo Media