Nejashi Tigray Post

Nejashi Tigray Post ለትግራይ ሙስሊሞች ሃይማኖታዊ፡ ማህበራዊ፡ አገራዊና ኢኮኖምያዊ ጉዳዮች ላይ እንሰራለን።

17/04/2025
21/01/2025
አስቸኳይ የእርምጃ ጥሪ 📣 Share እናድርግ!🚨159 የአክሱም ሙስሊም ሴት ተማሪዎች በሒጃባቸው ምክንያት የመማር እና የ12ኛ ክፍል ፎርም የመሙላት እድል ተነፈገዋል🚨 በትግራይ ክልል በአክሱ...
12/01/2025

አስቸኳይ የእርምጃ ጥሪ 📣
Share እናድርግ!
🚨159 የአክሱም ሙስሊም ሴት ተማሪዎች በሒጃባቸው ምክንያት የመማር እና የ12ኛ ክፍል ፎርም የመሙላት እድል ተነፈገዋል🚨

በትግራይ ክልል በአክሱም ከተማ 159 ሙስሊም ሴት ተማሪዎች በሒጃባቸው ምክንያት የመማር እድል ተነፍገዋል። ዩኒቨርስቲ ለመግባት መሠረት የሚሆናቸው የ12ኛ ክፍል ፎርም እንዳይሞሉ ተከልክለዋል። ከትምህርት ገበታ ውጪ ከተደረጉ ከአንድወር በላይ ሆኗል። ሒጃባችንን ለብሰን ነው የምንማረው በማለታቸው ብቻ ተደጋጋሚ ማስፈራሪያ እና ጫናዎች እየደረሰባቸው ነው።

በመሆኑም ይህ ጉዳይ በቀጥታ የሚመለከታችሁ የፌደራል መንግስት ተቋማት በተለይ Ministry of Education Ethiopia እና የሴቶችና ማህበራዊ ጉዳይ ሚኒስቴር Ministry of Women and Social Affairs በእነዚህ 159 ሙስሊም ሴት ተማሪዎች ላይ እየደረሰ ያለውን የሰብአዊ መብት፣ የሴቶች መብት፣ የመማር መብት እና እምነትን በነፃነት የመግለፅ መብት ጥሰቶች በአስቸኳይ እንድትስቆሙ እንጠይቃለን.

ትግራይ ውሕስነት ፀጥታኣ  ዘላቂ ንምግባርን  ናብ ንቡር ሰላማ ንምምላስን ይስራሕ ከምዘሎን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ እውን  ለውጢ ንምምፃእ  ክስራሕ እዩ  ክብሉ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር...
17/08/2024

ትግራይ ውሕስነት ፀጥታኣ ዘላቂ ንምግባርን ናብ ንቡር ሰላማ ንምምላስን ይስራሕ ከምዘሎን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ እውን ለውጢ ንምምፃእ ክስራሕ እዩ ክብሉ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ዓለም-ለከ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ "ትግራይ ድሕሪ ፅንተታዊ ኩናት ናብ ዝሓሸ ብራከ ወይስ ዕንኪሊላዊ ጉዕዞ " ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ ።

ኣብ ኩነታት ፀጥታ ትግራይን ካልኦት ጉዳያትን ኣድሂቦም ንተሳተፍቲ መብርሂ ዝሃቡ ጀነራል ታደሰ ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቐደሙ ኣትሒዙ ደላይ ሰላም እዩ ፡ ተገዲዱ ናብ ኩናት ምስኣተወ እውን እንተኮነ እውን ንሰላም እናለመነ እዩ መፂኡ

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንክመፅእ ዓብይን ክባርን መስዋእቲ እዩ ተከፊልዎ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዓበይቲ ለውጢታት እንተለው እውን ገና ዘይተመልኡ ፀገማት ኣለው ነዚ ኣብ ዝሓፀረ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን ገሊፆም ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፡

★ ሐዚ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ከምዘየለ ዝሕሰበሉን ዝውረየሉይን ኩነታታት ኣሎ እዚ ፍፁም ጌጋ ኣመለካክታ እዩ

★ ምስ ጉባኤ ወዘተ ተኣሳሲሩ ኣብ ውሽጥና ዝተፈጠረ ውጥረት ኣሎ ግን እዚ ብፍፁም ፀገም ፀጥታ ከምፅእ ኣይክእልን

★ ኣብ ባይታ ብዙሓት ፀገማት ኣለውዋ ይኹን እምበር ትግራይ ከምቲ ብደገ ሲኦል ከምዘላ ዝውረ ኣይኮነትን እቶም ዘለውና ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ብዕቱብ ክስረሐሉ እዩ

★ ኣሸንዳ ሰለማዊ ብዝኮነ መንገዲ ክሓልፍ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪታት ኩነታት ፀጥታ ይምሓየሽ ምህላው ህያው ምስክር እዩ

★ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ለውጢ ንምምፃእ ድማ ይስራሕ ኣሎ ሓይልታት ፀጥታና ኩነታት ፀጥታና ንምሕላው ልዑል ሸኽሚ ኣለዎ

★ ትግራይ ናብ ንቡር ሰላማ ንምምላስ ዓብይ ፃዕሪታት ኣሎ ክትምለስ ድማ እያ

★ ተመዛበልቲ ዞባ ደቡብ ብምልኦም ተመዛበልቲ ፀለምቲ ድማ ብዙሓት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ኣለዉ

★ ምስ ተመለሱ ግን ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ፀገማት ሰለ ዘሎ ነዚ ብውሕሉል መንገዲ ክፍታሕ ልዑል ፃዕሪታት ይግበር ኣሎ።

★ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ውሕስነኦም ብዝተሓለወ መንገዲ ክምለሱን ምስተመለሱ ጥጡሕ ባይታ ክፍጠረሎምን ዝተዋደደ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

★ ዝበዝሕ ተመዛባሊ ህዝብና ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክምለሱ ድማ እዮም

★ ቁልፊ ምድላዋት እውን ይግበር ኣሎ(ዘይሕጋውያን ፀጥታን ምምሕዳርን ክፈርሱን ናብ ዓዶም ክወፁን)

★ ተመዛበልቲ ምምላስ ማለት ግዝኣታዊ መሬትና ተረጋጊፁ ውሕስናና ተሓልዩ ማለት ኣይኮነን ብዙሕ ይተርፈና እዩ ክንሰርሐሉ ይግባእ

★ ምስ ስረቂ ሓፂነ መፂን፣ኮንትሮባንድ ፣ዓመፅ፣ሃንግ ፣ዕደና ወርቂ ወዘተ ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምክባር ስራሕቲ ተጠናኪሩ ክቅፅል እዩ።

"ፕሪቶሪያ  ዝፈጠረልና ኣንፃራዊ ሰላም ዓቂብና፤ ተመዛበልትና ክንምልስን ሉኣላዊ መሬትና ክነረጋግፅን ዝጀመርናዮ ስራሕቲ ኣጠናኺርና  ክንቅፅለሉ ኢና።"         ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳፕረ...
17/08/2024

"ፕሪቶሪያ ዝፈጠረልና ኣንፃራዊ ሰላም ዓቂብና፤ ተመዛበልትና ክንምልስን ሉኣላዊ መሬትና ክነረጋግፅን ዝጀመርናዮ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና።"

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ 11 ነሓሰ 2016 ዓ/ም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ንመራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ዘልዓልዎም ነጥብታት፣

★ ግዝያዊ ምምሕዳር እናሃለወ ሪፈረንደም ዝብሃል ፍፁም የለን፣በቲ ሕጊ መሰረት ስሩዕ መንግስቲ ምስተመለሰ እዩ ዝግበር፣

★ ተመዛበልትና ኣብ ዝተመለስሉ ቦታ ብሕቡኡን ብርእዩን ምሕደርኦም ዘየፍረሱ ካብ ኣምሓራ እናመፁ ዘፈራርሑ ከምዘለው ንፈልጥ ኢና ፤

★ አብዚ ውሽጢ 4 መዓልታት ዝገበርናዮ ምርድዳእ እውን ጠቅሊሎም ክወፁ ንምግባር ተረዳዲእና ኣለና

★ ካብ ፀለምትን ራያን ዝተጀመረ ምርድዳእ ድማ እኹል ተሞክሮ ወሲድና ናብ ምዕራብን ክቅፅል እዩ፣

★ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ክወድቅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪታት ደው ክብል ኣለዎ፣እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሓጋዊ ኣይኮነን

★ እቲ ጉባኤ ፣ውድብ ንምድሓን ዘይኮነስ ውስናት ሰባት ኣብ ስልጣን ንክብሕቱን ካብ ተሓታትነን ንኸምልጡን ዝግበር ሽርሒ እዩ፣

★ ሐዚ እውን ህወሓት ምስቲ አብቲ ጉባኤ ብስሕተት ዝተሳተፉ ዘለውን ዘይተሳተፉን ኮይንና ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ህወሓት ብድርድር ንምምላስ ክንሰርሕ ኢና፣

★ ህዝቢ ትግራይ ብፍፁም ናብ ዕፅዋን ክባን ዝኣትወሉ ኩነታት የለን፣ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናይ ዝኮነ ይኩን ሰብ መሳርሒ ክኾኑ ኣይክእሉን፣

★ ሓይልታት ፀጥታና ናይቲ ዘካየድናዮ መከተ ትግራይ በሊሕ ጫፍ ኮይኖም ኣብ ጫፍ ዘብፅሑ ሰለ ዝኮኑ፣ ውሕስ ሰላምና ኣብ ምሕላው ልዑል እጃም ኣለዎም ንሕና እውን ኣለና

★ ተመዛበልትና ንምምላስ ፅቡቅ ምርድዳእ ኣለና ንሕና እውን ፅቡቅ ንቅፅል ኣለና፣ ሰለዚ ኩሉነገራት ንምፍፃም ብዕቱብ ክንሰርሕ ኢና

★ ሕጊ ናይ ምክባር ስራሕቲ'ውን ተጠናኪሩ ክቅፅል እዩ፣ ኣብ ኣተገባብራ ዝርኣዩ ሓላፍ ዘላፋት በቢግዚኡ እናገምገምና ንከይድ ኣለና

17/08/2024


ፍቕሪ ሃገርን ህዝብኻን ምዕቃን ብባህሪኡ ስብጀክቲቭን ዝተሓላለኸን እዩ። ካብ ብቑጽሪ ዝግመት መለክዒታት ንላዕሊ ብዛዕባ ጽሬትን ቅኑዕነትን ተግባራት እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ወይ ሕብረተሰብ ተወፋይነት ስምዒት ክህቡና ዝኽእሉ ዝተወሰኑ መርኣይታት ኣለዉ፤
• ሲቪካዊ ጽምዶ፡- ኣብ ጉዳያት ማሕበረሰብ ንጡፍ ተሳትፎ፡ ድምጺ ምሃብ፡ ወለንታዊ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባብያዊ ቦርድታት ወይ ኮሚተታት ምግልጋል።
• ሕግታትን ትካላትን ምኽባር፡- ሕጋዊ ቅርጺ ሃገርና ምኽባርን ንዲሞክራስያዊ ትካላታ ምኽባርን።
• ኣበርክቶ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ቁጠባዊ ኣፍራይነት፡ ምህዞ፡ ከምኡ’ውን ንኻልኦት ዕድላት ምፍጣር
• ምሕደራ ከባቢ፡- ምሕላው ሃፍቲ ተፈጥሮን ምዕቃብ ከባቢ ንመጻኢ ወለዶታትን።
• ማሕበራዊ ምትእስሳር፡- ምዕባይ ሓድነት፡ ምጽውዋርን ንብዙሕነት ምኽባርን።

• ንናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ምድጋፍ፦ ኣብ ቁጠባ ኣበርክቶ ምግባርን ስራሕ ምፍጣርን።
• ወለንታዊ ስራሕ፡- ብኣገልግሎት ንማሕበረሰብ ምምላስ።
• ምምራሕ፡ ፍልጠትን ተመኩሮን ንኻልኦት ምክፋል።
• ብዙሕነት ምኽባር፡ ፍልልያት ምጽንባልን ንኹሉ ዝሓቁፍ ምትእስሳር ምድንፋዕን።
• ምኽባር ክብርታት፦ ብመሰረት ቀንዲ ክብርታትን መትከላትን ሃገር ምንባር።
• ምሕላው ከባቢ፡ ኣብ ጻዕርታት ዘላቕነት ኣበርክቶ ምግባር።
• ንትምህርቲ ምድጋፍ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶ ወፍሪ ምግባር።
• ምድንፋዕ ሓድነት፦ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ድልድል ምህናጽ።
ፍቕሪ ሃገር ብዛዕባ ዕዉር ሃገራውነት ከምዘይኮነ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ሃናጺ ነቐፌታ፡ ናብ ምምሕያሽ ምስራሕ፡ ንመራሕቲ ምሕታት እዩ።

16/08/2024

በትግራይ ላይ የነበረው የTPLF ተጽዕኖ እና ቁጥጥር በተለያዩ ምክንያቶች የተነሳ ለውጥ እያሳየ መሆኑን መገመት ይቻላል። ይህ ለውጥ የተፈጠረው በአካባቢው የተከሰቱ ወታደራዊ ግጭቶች፣ የፖለቲካ ለውጦች እና ሌሎች ማህበራዊ ምክንያቶች ሳቢያ ነው።

22/07/2024

1000606362378

15/07/2024
15/07/2024
10/07/2024

Nejashi Halal Tourism & Travel- ነጃሺ ሐላል ቱሪዝም እና ትራቭል ገፃችንን like እና ሼር በማድረግ ይተባበሩን። እናመሰግናለን።

Adress

Stockholm

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Nejashi Tigray Post postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Dela