22/08/2026
ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ስትራቴጂካዊ ወተሃደራዊ ሽርክነት ንምምስራት ተሰማሚዐን።
ብሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ዝምራሕ ልኡኽ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ካብ 19–20 ነሓሰ 2026 ናብ ፔንታጎን ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ዘተ ኣካይዱ።
እቲ ምስ ምክትል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ምክልኻል ጉዳያት ኣፍሪቃ ብራያን ጀይ ኤሊስ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ወተሃደራዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንምብጻሕ ዝዓለመ’ዩ።
ቀንዲ ትኹረት ዝተዋህቦም መዳያት፤ ትካላዊ ምትሕብባር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ምክልኻል ዘሎ ምውህሃድ ምሕያል ፡ ክልተኣዊ ረብሓ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝተሰረተ ሽርክነት ፡ ዞባዊ ምርግጋእ፡ ምርግጋጽ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝብሉ እዮም።
ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ንምቕያር ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ምንጪ፡