
14/08/2025
መጠንቀቕታ
እዞም ብስእሊ ቐሪቦም ዘለዉ ዓይነታት ፎርማጆ፡ ሊስተሪያ ዝተሰምየ ባክቴርያ ክህልዎም ይኽእል ተባሂሉ ተጠርጢሮም ብምህላዎም፡ ከምዚ ዓይነት ፎርማጆ ዝዓደግኩም ሰባት ካብ ምህላኹ ክትቚጠቡ፡ ኣለኩም። እቲ ፎርማጆ፡ ብፈረንሳዊት ትካል ቻቨግራንድ ዝፈሪ ኮይኑ፡ ዛጊት ኣብታ ሃገር ብሰንኪ'ዚ ዝተገልጸ ዓይነት ባክቴርያ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 19 ኸኣ ብኡ ተለኺፎም ምህላዎም ይሕበር።
ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ትካል ቅድሚ 23 ሰነ ዝፈረየ ኣብ ሽወደን፡ ነርወይን ዴንማርክን ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ዝርከብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፎርማጆ፡ ካብ ዕዳጋ ከምዝእለ ጌሩ ኣሎ!
ናብ ኩሉ ክባጻሕ ሼር ንግበር
ሰላም ወሰናይ!