Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Kulu Media ኩሉ ሚድያ WELCOME TO KULU MEDIA & ENTERTAINMENT

We are here to deliver the truth to the people.
(2)

ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦምነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ የኑስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ...
01/01/2026

ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም

ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ የኑስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ‘ጊዚያዊ’ እናተባህለ ዝፅውዕ ምምሕዳር ጠጠው ክብል ከምዘለዎን ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ሕጋዊ መንግስቲ ክመሓደር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ጀነራል ሳሞራ የኑስ ኣብ መብርሂኦም፤ ህዝቢ ትግራይ መሰል ምርጫኡ ተረጋጊፁ ብዝመረፆ መራሒ ክመሓደር እምበር፤ “ጊዚያዊ መንግስቲ” እናተባህለ ክቕፅል ከምዘይብሉ ኣስሚሮምሉ። “እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ መሪፁ፣ ብዝመረፆ ኣመሓዳሪ ክምራሕ ኣለዎ” ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ኮመንት

28/12/2025

ገብረሂወት ናፊቑ ከይኽወን ምርኣይ የድሊ እዩ🤣🤣

ኣዶናይ ተኣሲሩ=========ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ተጠርጣሪ ኣዶናይ ብርሃነ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሉ ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡኣዲስ ኣበባ፣ ታሕሳስ 1፣ 2018 ዓ.ምቢሮ ምርመራ ገበን ፌደ...
10/12/2025

ኣዶናይ ተኣሲሩ
=========

ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ተጠርጣሪ ኣዶናይ ብርሃነ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሉ ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ ታሕሳስ 1፣ 2018 ዓ.ም

ቢሮ ምርመራ ገበን ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ኣዶናይ ብርሃነ ሃ/ሚካኤል ዝተባህለ ጽልዋ ፈጣሪ ማሕበራዊ ሚድያ (social media influencer) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሉ ኣድላዪ ሕጋዊ ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፖሊስ ኣብ መግለጺኡ ከምዘብርሆ፣ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕል ዝኸኣለ፡ ቅድሚ ሕዚ "ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፃረር ከምኡ’ውን ስነ-ምግባር ህዝቢ ዝደፍር፡ ተቀባልነት ዘይብሉ ኣከዳድና ለቢሶም ኣብ ኣደባባይን ብቐጥታ ፈነወ ተለቪዥንን ተራእዮም" ብዝብል ተጠርጠሮም ምስ ዝተታሕዙ ሓሙሽተ ሰባት መዝገብ ብዝተተሓሓዘ እዩ።

ገለ ወገናት ተፈላጥነትን ናይ ገንዘብ ረብሓን ንምርካብ ጥራይ ብምሕሳብ፡ መራኸቢ ብዙሓን ሓላፍነት ብዝጎደሎ መንገዲ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ዘመላከተ እቲ ፖሊስ፣ እዚ ድማ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ብጽቡቕ ስነ-ምግባር ተሃኒጹ ንሃገር ጠቓሚ ዜጋ ከይከውንን ብኣንጻሩ ባህሊ ዝብክሉ ተግባራት ክጫንዎ ዝገብር ብምዃኑ፡ እቲ ተግባር ንምክልኻል ዝጀመሮ ስራሕቲ ምኽባር ሕግን ምርመራን ኣጠናኺሩ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

ኩሉ ሚድያ

“ዘይቐትለካ የጠንክረካ!” - ድምፃዊት ማህሌት ገ/ጊዮርግስእንኳዕ እግዚኣብሄር ምሓረኪ ማሂ 🙏🙏🙏
01/12/2025

“ዘይቐትለካ የጠንክረካ!” - ድምፃዊት ማህሌት ገ/ጊዮርግስ

እንኳዕ እግዚኣብሄር ምሓረኪ ማሂ

🙏🙏🙏

⛪️እንኳዕ ንበዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ኣብፅሐና ⛪️
30/11/2025

⛪️እንኳዕ ንበዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ኣብፅሐና ⛪️

ኣዶናይ ተዓዊቱ Congratulations
29/11/2025

ኣዶናይ ተዓዊቱ Congratulations

28/11/2025

🤣ቤቲ ሃይላይ ጉድ ተሰሪሓ🤣 ዓውቾ ሰሪሑላ

ቃለ-መሕተት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዘለዓዓሎ ፖለቲካዊ ዛዕባን     ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ዝ...
26/11/2025

ቃለ-መሕተት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዘለዓዓሎ ፖለቲካዊ ዛዕባን

ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ዓለምለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ኣልጀዚራ (Al Jazeera) ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ዝሃቦም ምላሻት፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ (ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር) ኮይኑ እናሰርሐ፡ ኣብ ቅሉዕ ዓለምለኻዊ መድረኽ ቀሪቡ ኣብ ትግራይ ገበን ምጽናት ዓሌት (Genocide) ከምዝተፈጸመ ምግላፁ፡ ንትግራይ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ቃለ-መሕተት፡ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ከምዝተፈጸመ ብግልጺ ድሕሪ ምርጋግጽ፡ እቲ ኲናት ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ይምራሕ ከምዝነበረ እውን ኣይሓብአን። እዚ ማለት ድማ፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዘስዓበ ኲናት ብላዕለዋይነት ዝመርሐ ምንባሩ ብምምልካት፡ ተሓታቲነቱ ዘመላኽት ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት፡ “ዶ/ር ኣቢይ ገበን ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ድዩ?” ንዝብል ሕቶ ቀጥታዊ ምላሽ ይጽበዩ ነይሮም። …

ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ Comments የንብቡ።

23/11/2025

ኣያ ዘብርኣብሩኽ ሰርፕራይዝ ተገይሮም😮🤣

23/11/2025

"መንግስቲስ ታይ ዶ ሓዲጉልና ድዩ?🤣 ኣያ ዘብርኣብሩኽ

21/11/2025
16/11/2025

“ተላ” ኣያ ዘብርኣብሩኽ Vs. ተላ 😂 Part 27

Address

Istanbul
34664

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kulu Media ኩሉ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Kulu Media ኩሉ ሚድያ:

Share