ሃገር ሚድያ - Hager Media

ሃገር ሚድያ - Hager Media Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ሃገር ሚድያ - Hager Media, Media/News Company, Kampala.

'እዚ ፌስ ቡክ ገጽ እዚ ንማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ዝጭበጥን ዘተኣማምንን ሓበሬታ፡ መሃርን ኣዘናጋዕን ትሕዝቶታት ከም እንኮ ምንጪ ኮይኑ ዘገልግል'ዩ'
'This Page Serves as the ONLY source for RELIABLE Information, Educational resources, and Entertaining content for the Eritrean community in Uganda'

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ይግበረልናHappy Geez New Year!
11/09/2025

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ይግበረልና
Happy Geez New Year!

35 ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ሃገረ ኡጋንዳ ብዝተፈላለዩ ሞያዊ ስልጠና ተመሪቖምማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ምስ መሻርኽቱ The Uganda Industrial Research In...
20/08/2025

35 ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ሃገረ ኡጋንዳ ብዝተፈላለዩ ሞያዊ ስልጠና ተመሪቖም

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ምስ መሻርኽቱ The Uganda Industrial Research Institute ብምትሕብባር፣ ብኮስሞቲክ ምቅማም ሎሽንን ወይኒን (ዋይንን) ምስራሕን ምዕሻግን፣ ከምኡ’ውን ጽማቕ ፍረታት ምስራሕን ምዕሻግን ከሰልጥኖም ዝጸንሐ 35 ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ሃገረ ኡጋንዳ ትማሊ ዕለት 19/08/2025 ኣመሪቑ።

እዚ ተበግሶ’ዚ ኣካል ናይቲ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ነቶም ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምድጋፍን ንምሕያልን ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕርታት ኮይኑ፡ ነዞም መንእሰያት ኣብ ምምሕያሽ ክእለቶምን ቁጠባዊ መነባብርኦምን ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ እዩ።

ኣገዳሲ ሓበሬታማዕከናት ዜና ሃገርና፡ ኣብ ዓለማዊ፡ዞባዊ፡ ከምኡው'ን ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ቃለ-መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዝመጽእ ቀዳም  19 ሓምለ ከካይዳ ምዃነን...
18/07/2025

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ማዕከናት ዜና ሃገርና፡ ኣብ ዓለማዊ፡ዞባዊ፡ ከምኡው'ን ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ቃለ-መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዝመጽእ ቀዳም 19 ሓምለ ከካይዳ ምዃነን ንሕብር።

ሚኒስትሪ ዜና

ዜና መስዋእቲ!! ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽንዓት ይሃብ። ኣብ 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ መበል 71 ዓመቱ ካብዛ ...
16/07/2025

ዜና መስዋእቲ!!

ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽንዓት ይሃብ። ኣብ 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ መበል 71 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ብትሕትናን ሕያውነቱን ዝፍለጥ ስዉእ ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ምንቅስቓሳት ተማሃሮ ኤርትራ’ውን ንጡፍ ዝነበረ ኣምባሳደር መሓመድ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብዝለዓለ ተወፋይነት ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።

ካብዚኣቶም፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሃገራዊ ሕብረት ተመሃሮ ኤርትራውያን ካብ 1978-1984፡ ሓላፊ ተልእኾ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ ኣብ ሶርያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ህዝባዊ ግንባር፡ ከም ሓላፊ ምርምር ኮይኑ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ብተወፋይነት ኣገልጊሉ።

ድሕሪ ናጽነት ብጻይ መሓመድ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ብቕደም ተኸተል ቀዋሚ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብተወሳኺ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዖማን፡ ኩዌት፡ ባሕሬን፡ ቀጠር፡ ሞሮኮ፡ ኣልጀርያን ቱኒዝያን ከም ተንቀሳቃሲ ኣምባሳደር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

#ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብን ስድራቤቱን ጽንዓት ይሃብ!!
#ሓርበኛ ኣይነብርን'ዩ ታሪኹ'ዩ ዝውረስ!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!
ዓወት ንሓፋሽ!!
15/07/2025

ዜና ስፖርት ዙር ፈረንሳ፥05-07-2025ፈረንሳኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብቅጽበታዊ ውድድር ዓብሊሉ ወናኒ ጻዕዳ ማልያ ኮይኑ!ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለ...
06/07/2025

ዜና ስፖርት ዙር ፈረንሳ፥
05-07-2025
ፈረንሳ

ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብቅጽበታዊ ውድድር ዓብሊሉ ወናኒ ጻዕዳ ማልያ ኮይኑ!

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ናይ ሎሚ 1ይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ 2025 ሓያል ብቕዓት ኣርእዩ፡ ብሓፈሻ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ 45 ነጥቢ ብምውሕላል ንኤርትራን ኣፍሪቃዊ ቅድድም ብሽክለታ ዘኹርዕ ዓወት ኣመዝጊቡ! 🇪🇷🚴 ♂️

ንብሉጽ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ዝብል ክቡር ጻዕዳ ማልያ 🏳️ ተሸሊሙ፡ ንቀዳማይ ዙር ዘደንቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣቐዲሙ ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ፡ ቢንያም ኣብ ማእከላይ ቅጽበታዊ ውድድር 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ዘደንቕ ዓወት ከምዘመዝገበ ዝዝከር እዩ። ብራቮ ቢኒ!

ሓበሬታ፥🎉 ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ ኡጋንዳ 2025! 🎉“ጽባቐ፡ ርእሰ ምትእምማን፡ ብልሒ፡ ባህላዊ ኩርዓት ዝንጸባረቐሉ መድረኽ” 🇪🇷✨• ናይ መወዳእታ ዘውዲ ዝድፍኣሉ፥-      ዕለት፥ 13...
05/07/2025

ሓበሬታ፥
🎉 ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ ኡጋንዳ 2025! 🎉

“ጽባቐ፡ ርእሰ ምትእምማን፡ ብልሒ፡ ባህላዊ ኩርዓት ዝንጸባረቐሉ መድረኽ” 🇪🇷✨
• ናይ መወዳእታ ዘውዲ ዝድፍኣሉ፥- ዕለት፥ 13 ሓምለ 2025
• ቦታ፡- ቶሪኖ ቤት መግቢን መስተን ኮሎሎ/ Torino Restaurant & Bar
• ሰዓት:- ልክዕ ሰዓት 6:00 ድ/ቐ ይጅምር

👑 ብዛዕባ ውድድር ዝምልከት:
• ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ ኡጋንዳ 2025፡ ኣብ ኩሉ መዳየት ቁመት፡ ክብደት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓዳር ዘለዋ ተወዳደርቲ ተቐቢሉ ኣወዳዲሩ። ምዝገባ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ግንቦት 10 እዩ ተኻይዱ። ንኩሎም ተሳተፍቲ ብነጻ ስልጠና ቋንቋ እንግሊዝን ፈረንሳን፣ ከምኡ’ውን ናይ ሞዴሊንግ ቴክኒክ፣ ብክለ-ሓሳብን ግብርን ተዋሂቡ።

• ናይ መወዳእታ ዙርያ ዘጠቓልሎ፤
1. መእተዊ / ሌላ ምስ ተወዳደርቲ
2. ባህላዊ ክዳን
3. ናይ መሐንበሲ ክዳን
4. ባህላዊ ክዳን (ካልኣይ ምርኢት)
5. ናይ ምሸት ክዳን

• ኣብ መወዳእታ እተን 5 ተጻርየን ዝሓለፋ ተወዳደርቲ ናብ ቀጥታዊ ሕቶን መልስን ውድድር ክኣትዋ እየን።
• ኣብቲ ዝካየድ መደብ ፍትዋት ድምጻውያን ዮሃንስ ሃብተኣብ (ወዲ ቐሪን)፣ ምስ ሰምሃር ዮውሃንስ ነቲ መደብ ኣድሚቖሞ ከምስዩ እዮም።

ድምጺ ምሃብ ክሳብ 10 ሓምለ፣ ሰዓት 2:00 ድሕሪ ቀትሪ (ብኣቆጻጽራ ኡጋንዳ) ክፉት እዩ።
ንዝመረጽኩሞ ተወዳደርቲ ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ድምጽኹም ሃቡ
👉 https://misseritreauganda.flfl.tech/2025
🎟 ንትኬት ዝምልከት
ትኬት በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ደዊልኩም ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ፣ ኣብ መእተዊ መደብ ዝካየደሉ ቦታ እውን ክሽየጥ እዩ።
📞 ንትኬት & ሓበሬታ፤
📱 +256 751 649 200 (Uganda)
📱 WhatsApp: +44 7878 312242
📧 Email: [email protected]

05/07/2025

📰 እዋናዊ ዜና ስፖርት – ቱር ዲ ፍራንስ 2025 🇫🇷

እቲ ዝዓበየ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ቱር ዲ ፍራንስ 2025 ሎሚ ብወግዒ ተጀሚሩ። ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ድማ ድሮ ኣብ ኣርእስታት ዜናታት ዓለም ሽሙ ገኒኑ ይርከብ! 🌍🚴 ♂️

ኣብ መኽፈቲ መድረኽ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝተኻየደ ማእከላይ ቅጽበታዊ ውድድር 3ይ ደረጃ ብምሓዝ 15 ነጥቢ ብምምዝጋብ ነቲ ውድድር ሓያል ጅማሮ ብምግባር ዘሕብን ዓወት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

👏 ንኤርትራን ኣፍሪቃን ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዘኹርዕ ህሞት!

🏆 ውጽኢት 1ይ መድረኽ:
🥇 1ይ – ጆናታን ሚላኖ
🥈 2ይ – ብራያን ኮኳርድ
🥉 3ይ – ቢንያም ግርማይ

ብቕዓቱ ቢንያም ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሓያል ተቐዳዳማይ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ። ብራቮ ቢኒ!

ዜና ስፖርት፥29-06-2025ኣስመራሃገራዊ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2025 ተዛዚሙሎሚ ሓምለ 29 2025 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2025፡ 1...
29/06/2025

ዜና ስፖርት፥
29-06-2025
ኣስመራ

ሃገራዊ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2025 ተዛዚሙ

ሎሚ ሓምለ 29 2025 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2025፡ 17 ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ፡ ብጠቕላላ 168 ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም። እዚ ሎሚ ዝወዓለ ህልኽ ዝመልኦ ቅድድም፡ 185 km ዝሸፈነ እዩ ኔሩ።

ውጽኢት ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፥

ውጽኢት ውድድር ናይ ዓበይቲ፤
🥇 ናሆም ዘርኣይ (JCY UKYO)
🥈 ሜሮን ተሾመ (ናይ ውልቂ)
🥉 ናትናኤል ተስፋጽዮን (MOVISTAR)

ውጽኢት ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት፤
🥇 ዮኤል ሃብተኣብ (BIKE-AID)
🥈 ሮቤል ሃብተማርያም (ዞባ ደቡብ)
🥉 ዳንዮም ፍጹም (ኣስቤኮ)

እቲ ውድድር ብቐጥታ ብኤሪ-ቲቪን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ንፈነወ ቀሪቡ።

ጋዜጣዊ መግለጺ:ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብልኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘመተ’...
26/06/2025

ጋዜጣዊ መግለጺ:
ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘመተ’ዚ፡ ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ምስዳድ ዘጠቓለለ እዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መልእኽቲ፡ ንኤርትራ ብ“ተደጋጋሚ ምትዂታዂን ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ብሓሶት ዝጥቅንን ዝኸስስን እዩ።

እዚ መደናገሪ መልእኽቲ’ዚ፡ ያኢ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምትላል፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ነጋሪት ክድስቐሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኲናት ደገፍ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። “ጭጉራፍስ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ” ከም ዝበሃል።

እቲ ሓቂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብቓላቱ “እንተተኻኢሉ ብሕጋዊ መገዲ፣ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ብሓይሊ” ወደባት ኤርትራ ንምሓዝ ዝዓለመ፡ ዓንዳሪን ዘይምኽኑይን ጽዑቕ መርዛም ዘመተን ተዂታዂ ተግባራትን ከካይድ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ክንዮ ቃላት ብምኻድ’ውን፡ ኣብ ዕድጊ ኣጽዋርን እልቢ ዘይብሉ ኣነዓዓቢ ተግባራትን ተጸሚዱ’ዩ ሓግዩ።

እዚ ተዂታዂ ተግባራት’ዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ከቢድ ናይ ሓደጋ ደወል’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራ ልዑል ነፍሰ-ግትኣት ክትክተል’ያ መሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ኲናት ኣጀንዳኡ ምስ ኣወጀ’ውን እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብ16 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኩነታት ብኣርምሞ ብምግንዛብ፡ “ከም ወትሩ – ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ” ምምሕጻኑ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ነዚ ዘይስገር ጭብጢታትን ፍሉጥ ፍጻመታትን ብምጥምዛዝ፡ ንኤርትራ ብ“ግህሰት ልኡላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን” ከሲሱ ኣሎ። እዚ ዓይኒ ዘይብሉ መርመም ሓሶት’ዩ።
ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቅሉዕ ግሂሶም፡ ንክልተ ዕቑድ ዝኣክል ሰፊሕ ክፋል ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሒዞም ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ዘይሕጋዊ ጐበጣ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፡ ብቐንዲ ትሕዝቶን ምኽንያትን ናይ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ደንጒዩ ተመዓራርዩ እዩ። ኤርትራ በቲ ብዘይምኹኑይ ምድንጓይ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዕቑድ ዝተቐበለቶ ውሳነ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጽኑዕ ቅይድቲ እያ።

ንምድምዳም፡ እዚ ዘየድሊ ወጥሪ’ዚ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጉባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ’ዩ።

ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
26 ሰነ 2025

ዜና ሪፖርታጅ፥22-06-2025ካምፓላ - ኡጋንዳ20 ሰነ፣ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ብልዑ ሓበን ተዘኪራዝኽሪ 20 ሰነ፣ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ትማሊ 22 ሰነ፣ 2025 ብልዑ ...
23/06/2025

ዜና ሪፖርታጅ፥
22-06-2025
ካምፓላ - ኡጋንዳ

20 ሰነ፣ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ብልዑ ሓበን ተዘኪራ

ዝኽሪ 20 ሰነ፣ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ትማሊ 22 ሰነ፣ 2025 ብልዑ ሓበንን፣ ብክብ ዝበለ ስነስርዓትን ተዘኪራ። እቲ ብእግሪ ጉዕዞ ዝፈለመ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ኡጋንዳ ዝተሳተፍዎ መደብ፣ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ተበጊሱ፣ ብማርቺንግ ባንድ ተሰንዩ ናብ ኣፍሪካና ሆቴል ኣምሪሑ።

ኣብቲ ኣብ ኣፍሪካና ሆቴል ዝተኻየደ ወግዓዊ መደብ ዝኽሪ ሰማእታት፣ ብመደብ ምውላዕ ሽምዓ እዩ ፈሊሙ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣምባሳደር መሓመድ ሱሌማን፣ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለናዮ ንሃሉ፣ 20 ሰነ ንምኽባርን ስውኣትና ንምዝካርን ኣብ እንተኣኻኻበሉ ኣጋጣሚ ዝስምዓና ረዚን ስምዒት ኣሎ፣ ረዚን ዝገብሮ ድማ ንሓዘን ዝስዕር ሓበንን፣ ሓላፍነትን እንዝክረሉ ኣጋጣሚ ብምዃኑ እዩ ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ንኹሉ በዓል መብጽዓ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ኡጋንዳ መብጽዓ ከነሐድስ፣ ኣብ መትከል ስውኣትና ዘለና ጽንዓት መመሊስና ከነሕይል፣ ንስድራ ስውኣት ድማ ክንጥውርን ናይ ኩልና ሓላፍነት ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቶ ገብረ እዝራ፡ ኣቦወንበር ማሕበረኮም ኤርትርውያን ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ 20 ሰነ ኣብ እንዝክረሉ እዋን፣ ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑና ቅያኦምን ጅግንነቶምን ብምዝካር ኣሰሮም ክንክተል ሓለፍነትና ከም ዝኾነ ኣስሚርሉ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ፣ መደባቱ ሰሪዑ ኣብ ትግባረ ይበጋገስ ከም ዘሎን፣ ኣብ ምዕዋቱ ድማ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክትን ተላብዩ።

ከም ኣካል ናይቲ ዝተኻየደ መደብ፡ ንጅግንነትን ቅያን ሰማእታትና ዘንጸባርቕ ብርክት ዝበሉ ስነጥበባዊ ፍርያት፣ ከም ግጥምታትን ጣዕመ ዜማታትን ቐሪቦም።

ኣብቲ ብልዑል ሓበን ዝተኻየደ መደብ ዝኽሪ 20 ሰነ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኡጋንዳን ተሳቲፎም ኔሮም።

Address

Kampala
256

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሃገር ሚድያ - Hager Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share