22/09/2025
ዜና ስፖርት፥
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሻምፕዮን ብሽኽለታ ዓለም 2025 ንምስታፍ ርዋንዳ ኣትያ
ኣብ ሩዋንዳ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝካየድ ሻምፕዮን ብሽግለታ ዓለምና (Road World Championships 2025) ንምስታፍ፡ ሃገራዊት ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ ከተማ ኪጋሊ ሃገረ ርዋንዳ ኣብ ዝኣተወትሉ ብማሕበረኮም ኤርትራውያን ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብምኩራት ኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰሎሙን፡ ዮናስ ዘካርያስ፡ ከም'ኡ ዉን ከም ተሓጋጋዚ ኣሰልጠንቲ ኮይኑ ተረቒሑ ዘሎ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ተመሪሓ እያ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ።
ሻምፕዮን ዓለም 2025 ብኽልቲኡ ጾታታት ካብ 21 ክሳብ 23 መስከረም ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ 24 መስከረም ሪለይ( ሕውስዋስ ካብ ክልቲኡ ጺታ) ናይ ጋንታ ክሮኖ። ካብ 25 ክሳብ 28 ካኣ ናይ ጽርግያ ውድድራት ክሰላሰል ኢዩ።
ናይ ጽርግያ ውድድር ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ 267.5 ኪሜ ንውሓት ዝሽፍን ክኸውን እዩ።
ጽቡቕ ዕድል ንሃገራዊት ጋንታና!