ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna

ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna ሓደሽቲ ሓበሬታታት ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ፣
ፍልይ ዝበሉ ትንታነታት ብቋንቋ ትግርኛ ተኸሺኖም ዝቐርብሉ ናትኩም ኣማራፅን ተወሳኽን ሚድያ!
ላዛ ትግርኛ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንስን

በዓል ልደት ኣብ ከተማ ኣፅቢ ብድምቀት ከም ዝኽበር ማሕበር ምልማዕን ምዕቃብን ትውፊታትን ክብርታትን ኣፅቢ ወንበርታ ኣፍሊጡ።እዚ ዝተገልፀ ኣብ ከተማ ኣፅቢ እንዳሥላሴ ዝኽበር ዓመታዊ ክብሪ ...
01/01/2026

በዓል ልደት ኣብ ከተማ ኣፅቢ ብድምቀት ከም ዝኽበር ማሕበር ምልማዕን ምዕቃብን ትውፊታትን ክብርታትን ኣፅቢ ወንበርታ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝተገልፀ ኣብ ከተማ ኣፅቢ እንዳሥላሴ ዝኽበር ዓመታዊ ክብሪ በዓል ልደት ብሁራ ሰለስተ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን እዩ።

እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝበለ እቲ መግለፂ በዓል ልደት ኣብ ከተማ ኣፅቢ ብዱሙቕ ስነ-ሥርዓት ስለ ዝኽበር ኩሉ ህዝቢ መፂኡ ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ወሲኾም ድማ ዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ብዘይ ናይ እምነት ኣፈላላይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ባህላዊ ትሕዝቶኡ ብዝሓለወ መንገዲ ንከኽብር ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

ሁራ ሰለስተ ኣብ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ኮይኑ ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ ምስ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ይስራሕ ከም ዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ ኣብቲ መግለፂ ተወከልቲ መረሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ማሕበር ምልማዕን ምዕቃብን ትውፊታትን ክብርታትን ኣፅቢ ወንበርታ ተረኺቦም እዮም።

ሪፖርተር፦ ክብሮም ካልኣዩ

ላዛ ትግርኛ
23 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ!ቀዳሞት ወለድና ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ይኹን ኣብ መንጎ መንደራት ንዝፍጠሩ ምምሕዳራዊ ፀገማት ንምቕራፍ "ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ" ብምባል እቲ ጉዳይ ብዕርቅ...
01/01/2026

ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ!

ቀዳሞት ወለድና ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ይኹን ኣብ መንጎ መንደራት ንዝፍጠሩ ምምሕዳራዊ ፀገማት ንምቕራፍ "ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክርከብ" ብምባል እቲ ጉዳይ ብዕርቅን ካሕሳን ክዛዘም ብምግባር ንዘመናት ዝመፀ ጥንኩር ባህሊ ማሕበረሰብና እዩ - ጉዳይ ምክክር!

ደቂ ሓንቲ ኣዶ ዝኾኑ ውላዳት ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ክበኣሱ ከም ዝኽእሉ እሙን ሓቂ ዋላኳ እንተኾነ ነዞም ደቂ ሓንቲ ማህፀን ኣፈላላዮም ብዘተ እንትፈትሕዎ ርእያ እታ ወላዲት ክንደየናይ ዝኣክል ከም እትሕጎስ ምርዳእ ቀሊል እዩ።

ምክክር ኣብ ሓቀኝነት ዝተመስረተ ርክብ ኮይኑ ብፅሞና እናተደማመፁ ሓሳብ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ኢልና ንፅውዖ እንትንኸውን መኸንበቲ 'ቲ ዘተ ድማ ሓበራዊ ርድኢት ምፍጣርን ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ሰዓሪ ዝኾነሉ ኣገባብ ምፍጣር እዩ።

ሃገራዊ ምክክር ንድርድርን ሽምግልናን ዝትክእ ዘይኮነስ ካሊእ ዓርሱ ዝኸኣለ ናይ መፍትሒ መንገዲ ምዃኑ ሙሁራን ናይቲ ዓውዲ ዝገልፁ እንትኾኑ ካብ ካልኦት ፀገም እንፈትሐሎም መንገድታት ፍልይ ዘብሎ ድማ ካብ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ብበዝሒ ዘሳትፍን ሓቋፊ ብምዃኑን እዩ ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርአዩ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት መፍትሒ ክኸውን እዩ ተባሂሉ እምነት ዝተገበረሉ፥ ክሳብ ሐዚ ዳርጋ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተዘዋዊሩ ኣጀንዳታት ዝኣከበን ፀገማት ብሰለማዊ መንገዲ ንክፍትሑ ይፅዕር ከም ዘሎ እናገለፀ ዝርከብ ኮሚሽን ሃገራዊ ምክክር ኢትዮጵያ ቀፃሊ ጉዕዝኡ ናብ ትግራይ ከም ዝኾነ አእንፊቱ ኣሎ።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምክክር ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ዕላዊ ዘተ ማሕበረሰብ ዘይተጀመረላ ናብ ትግራይ ከም ዝመፅእ ኣንፈት ምቕማጡ ስዒቡ ሊሂቃን ትግራይ ኣብ ክልተ ፀግዒ ተቐሚጦም እናተኻትዑ ይርከቡ።

ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይተረጋገፀን ተመዛበልቲ ዘይተመለሱን እናሃለው ኣብ ትግራይ ዝግበር ሃገራዊ ምክክር ፖለቲካዊ ኸስቢ እምበር ህዝባዊ ጥቕሚ የቡሉን ዝብሉ ድምፅታት እናተሰምዑ እዮም።

ብኻሊእ ሸነኽ ዘለው ሊሂቃን ድማ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሠረት ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃናን ንሕገ መንግስቲ ተገዛኢት ንክትኸውን ፈሪማ ስለ ዝተቐበለት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ ጉባኤ ኣብ ትግራይ እውን ክካየድ ይግብኦ ይብሉ።

ብተወሳኺ ድማ: ተመዛበልቲ ዘይምምላሶምን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይተረጋገፀ ምዃኑን ነቲ ምክክር ንዝመርሑ ኣካላት ኣብቲ ዘተ ተረኺብካ ሓሳብኻ ብምግላፅን ከም ኣጀንዳ ተታሒዞም ክዝተየሎም ብምግባርን እቶም ፀገም ህዝብና ዝኾኑ ሕቶታት መልሲ ንክረኽቡ ምቅላስ እምበር ካብ ዘተ ብምህዳም ዝፍታሕ ፀገም ትግራይ የለን ብምባል እናሞጎቱ ይርከቡ።

ናትኹም ሓሳብን ሪኢቶን እንታይ እዩ?

ላዛ ትግርኛ
23 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጀኖሳይድ 76% ብሻዕብያ ፥ 24% ድማ ብፋኖ ከም ዝተፈጸመ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ውድብ ስምረትን...
12/31/2025

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጀኖሳይድ 76% ብሻዕብያ ፥ 24% ድማ ብፋኖ ከም ዝተፈጸመ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ውድብ ስምረትን ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝተገልፁ ኣብ NBC Ethiopia ቴሌቪዥን መደብ "ጊዜ ግስ" ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕተት እዩ።

ኣይተ ጌታቸው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ጽንተት ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ምንባሩ ድሕሪ ምዝኽኻር 'ቲ ሥርዓት ናይ ኩናት ገበናት ብምፍፃሙ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክዳነ ይግብኦ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጀኖሳይድ 76% ብሻዕብያ ዝተፈፀመ እንትኸውን 24% ድማ ብፋኖ ጽንተት ከም ዝተፈጸመ ኣብቲ ቃለመሕተት ገሊፆም ኣለው።

ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን "30 ዓመት ንድሕሪት መሊስኹሙና ኢኹም ፥ ንሕና ድማ 40 ዓመት ንድሕሪት ክንመልሰኩም ኢና" እናበለ ዝኸኣሎ ኹሉ ወሲዱ እቲ ዝተረፈ ድማ ኣውዲሙዎ ብምኻዱ ኣብ ኢንዳስትሪ ትግራይ ገዚፍ በደል ከም ዘብፀሐ ኣዘኻኺሮም።

ገለገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይቲ ጀኖሳይድ በዓል ዋና ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ተሓታትነት ሓራ ንምውፃእ ንመንግስቲ ኤርትራን ፋኖን ጥራሕ ጠቒሶም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝሃብዎ መብርሂ እናተቓወሙ ይርከቡ።

ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ ሐዚ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት እቲ ጀኖሳይድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከም ዝመርሖ ምግላፆም ዝዝከር ኮይኑ ሐዚ ብዘለዎም ናይ ኣማኻሪ ሚኒስተርነት ቦታ ተጠቒሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጽንተት ተጋሩ ንከይሕተት ከውሊ ንክኾኖ ምፍታኑ ጉጉይ መንገዲ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ላዛ ትግርኛ
22 ታሕሳስ 2018
መቐለ

TPLF Accuses Federal Government of "Deliberate Starvation," Demands Immediate AU Intervention​In a high - stakes escalat...
12/31/2025

TPLF Accuses Federal Government of "Deliberate Starvation," Demands Immediate AU Intervention

In a high - stakes escalation of political and humanitarian tensions, the Tigray People’s Liberation Front (TPLF) has issued an "urgent call for immediate humanitarian intervention," accusing the Ethiopian federal government of using "systematic starvation" as a weapon against internally displaced persons (IDPs).

​In a formal letter dated December 27, 2025, addressed to African Union Commission Chairperson Mahmoud Ali Youssouf, TPLF Chairman Debretsion Gebremichael warns that the mortality rate in Tigray has reached an "inflection point," now exceeding levels seen during active warfare.

Read the fill letter below.

Laza Tigrigna
31st Decemeber, 2025
Mekelle

ፋኖ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎንፂ ዝኣተወ ብሰንኪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምዃኑ ፕሬዚዳንት ውድብ ስምረት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ...
12/31/2025

ፋኖ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎንፂ ዝኣተወ ብሰንኪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምዃኑ ፕሬዚዳንት ውድብ ስምረት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝተገልፁ ኣብ NBC Ethiopia ቴሌቪዥን መደብ "ጊዜ ግስ" ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕተት እዩ።

ፋኖ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎንፂ ዝኣተወ ብሰንኪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ውድብ ስምረት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወሲኾም ድማ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣብ ጽንተት ትግራይ ብሰንኪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተኾሊፍና ክብል እናሰማዕኻዮ ምስዚ ሓይሊ ፀሚድኻ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክተውድቕ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን ኩናት ትግራይ ወንጀል ዝፈፀሙ ኣባላት ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ ዝተቐፅዑ ከም ዘለው ዘዘኻኸሩ ኣይተ ጌታቸው ፍርዲ ዘይተቐበሉ ወታደራት እንተሃልዮም ድማ ተሓታትነት ክህልው ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት ኣመራርሓ ህወሓት ናብ ኣዲስ አበባ ተዘይተመሊሱ ምሉእ ቁመና ከም ዘለዎ ኣይኣምንን ክብል ድሕሪ ምውቓስ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ንኣመራርሓነት ብምብቃዕ ዝፍለጥ ዝነበረ ውድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናቱ ሓሳብ ንዝቃወሙ ኣካላት ውሃብን ኸላእን ትግራዋይነት ክኸውን ይፍትን ኣሎ ብምባል ገሊፆም።

ላዛ ትግርኛ
22 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ሃገራዊ ምኽክር (National Dialogue) እንታይ ማለት እዩ?ሃገራዊ ምኽክር (National Dialogue) ማለት ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩን ጉዳይ ሃገሮም ዘገድሶምን ወሰንቲ ኣካላት (...
12/30/2025

ሃገራዊ ምኽክር (National Dialogue) እንታይ ማለት እዩ?

ሃገራዊ ምኽክር (National Dialogue) ማለት ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩን ጉዳይ ሃገሮም ዘገድሶምን ወሰንቲ ኣካላት (Stakeholders) ፣ ኣብ መንጎኦም ኣብ ዝተፈጥሩ መሰረታዊ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምዝርራብ ፣ ንሓባራዊ ፀገማቶም ሓባራዊ መፍትሒ ብምድላይ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ እዩ።

እዚ መስርሕ እዚ ዘምፅኦም ጭቡጥ ውፅኢታት ምስ ካልኦት ናይ ሰላም ህንፅት መስርሓት ኣነፃፂርካ ምርኣይ ጠቓሚ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ፣ ሃገራዊ ምይይጥ ከም ድርድር (Negotiation) ዜጋታት ንከረጋግፅዎም ዝሓስብዎም ውሱን ድሌታት ጥራሕ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ዝዓለመ ዘይኮነስ ፣ ዜጋታት ንሰብኣዊ ፣ ማሕበራዊ ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ፀገማቶም ብቐፃልነት ዝፈትሕሉ ባይታ ዝፈጥር እዩ።

ከም ዝፍለጥ ፣ ድርድር ዝርኣዩ ወይ ዘይርኣዩ ይግብአኒታት ብምክፍፋል ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ብምሕላው ፣ ንሓደ ወገን ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝግለፅ ናይ ሃብትን ስልጣንን ሕቶታት ብምምላእ ጎንፂ ንምዝሕሓል ዘገልግል መስርሕ እዩ። ብኣንፃሩ ግን ሃገራዊ ምኽክር (National Dialogue) ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ሰባት ርክብን ምትሕብባርን ብምህናፅ ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ናይ ምክብባር ፣ ናይ ምትእምማንን ናይ ምክልኻልን ባህሊ ብምምዕባል ንዝተፈጥሩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትኹረት ዝገበረ እዩ።
ክርክር (Debate) እውን ጭቡጥ ሓሳባት መሰረት ዝገበረ ካብቶም መንገድታት መፍትሒ ጎንፂ ሓደ እዩ። ይኹን እምበር ፣ ኣብ ክርክር ሓደ ወገን ናይቲ ካልኣይ ወገን ሓሳብ ውድቒ ብምግባር ዓብላላይነት ንምርኣይ ፃዕሪ ክገብር እንከሎ ሃገራዊ ምይይጥ ሓደ ወገን ናይቲ ካልኣይ ወገን ስቓይ ብምክፋል (Empathy) ንፀገም እቲ ካልኣይ ወገን ሓባራዊ መፍትሒ ብምድላይ ምርድዳእ ዘንግሰሉ መስርሕ እዩ።

ሃገራዊ ምኽክር (National Dialogue) ሓንቲ ሃገር ካብ ዝነበረትሉ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኲናትን ወፂኣ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር እትጥቀመሉ ናይ ሰላም መሳርሒ እዩ። ኣመፃፅኣ እዚ ሓሳብ እዚ "ሓይሊ ብረት መፍትሒ ኣይኮነን" ካብ ዝብል ዝነቐለ ኮይኑ ፤ ካብ ጥንታዊ ባህላዊ "ባይቶን ሸንጎን" ጀሚሩ ክሳብ እቲ ድሕሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተራእየ ዝሑል ኲናት "ዲሞክራሲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ" ዝብል ኣምር እናተተግበረ ዝመፀ እዩ።

እዚ መስርሕ እዚ ረብሓኡ ሰፊሕ እዩ፤ ፖለቲካዊ ውጥረታት ንምንካይ፣ ሓዱሽ ማሕበራዊ ውዕል (Social Contract) ንምንዳፍን ፣ ንዘመናት ዝፀንሑ ታሪኻዊ በደላት ብዘተ ንምፍዋስን ከም ዓብዪ ድልድል ኮይኑ የገልግል።

ናብ ኢትዮጵያ እንትንምለስ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1265/2014 ተመስሪቱ ናብ ስራሕ እንትኣትው ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን ሓሳብን መራሕቲ መንግስቲ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኣብ መሰረታዊ ዋኒናት ናይ ሓሳብ ፍልልይን ዘይምርድዳእን ከምዘሎ መበገሲ ብምግባር ኣብዛ ሃገር ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ምትፍናን ናብ ከቢድ ጎንፂ ምስ ኣመረሐ "ሃገር ብዘተ እንተዘይተደጊፋ ክትፈርስ እያ" ካብ ዝብል ስግኣት እዩ።

ነዚ ኮምሽን እዚ ሎሚ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታት ክንሪኦ እንተለና ዓበይቲ ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ። ብዝሓለፈ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስቶም ኮሚሽነራት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ከም ዝገለፅዎ ፤ ትግራይ ከም ካልኦት ክልላት ብተራ ዓይኒ ክትርአ ከም ዘይትኸእልን፣ እቲ መስርሕ ንበደል ትግራይ ዝሽፍን ክኸውን ከም ዘይብሉን ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም እዮም።

እቲ ቀንዲ ብድሆ ዝኾን እቲ ኮሚሽን ብመንግስቲ ዝተጣየሸን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተሾመን ብምዃኑ ገለልተኝነቱ ኣብ ዓብይ ሕቶ ኣትዩ ይርከብ። ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባትን ትግራይ እቲ ኮሚሽን ናይ መንግስቲ ፌደራል ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምፍፃም ዝተዳለወ መሳርሒ ከይኸውን ካብ ዝብል ጥርጣረ ብተወሳኺ "መሬት ትግራይ ገና ኣብ ኢድ ወረርቲ እናሃለወ፣ ህዝብና ናብ መረበቱ ከይምለስ ተኸልኪሉ ብጥምየት እናረገፈን ኣብ ስቓይ እናነበረን ብዛዕባ ኣጀንዳ ምእካብ ምዝራብ ንሕልና ዝኸብድ እዩ" ዝብል ፅኑዕ መርገፂ እናቕረበ ይርከብ።

ሃገራዊ ምኽክር ካብ ታሪኽ ከም እንምሃሮ ዕውት ዝኸውን ፤ ኩሎም ወገናት ብቅንዕና ክሳተፉን ዝሓለፈ በደላት ብፍትሒ ክሕከሙን እንተለዉ ጥራይ እዩ። ረብሓ እዚ ምኽክር ንትግራይ ክረጋገፅ እንተኾይኑ እቲ መስርሕ ካብቲ ተራ ኣጀንዳ ምእካብ ወፂኡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝኽበረሉ ዕድል ክፈጥር ይግባእ ንብል።

ላዛ ትግርኛ
21 ጥሪ 2018 ዓ.ም
መቐለ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ 250,000 ብር ብምምዳብ ልዕሊ 800 ቲሸርትን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ወዲቑ ንዘሎ ተመዛባሊ ንክውዕል ወሲኑ።ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ እዋን ድርቂ...
12/30/2025

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ 250,000 ብር ብምምዳብ ልዕሊ 800 ቲሸርትን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ወዲቑ ንዘሎ ተመዛባሊ ንክውዕል ወሲኑ።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ እዋን ድርቂ ያቄርን ፀለምትን ካልኦት ከባብታትን ካብ ናይ በዓል ኣሸንዳ ናይ ጉያ ቲሸርት ምሉእ መሸጣ ንዝተፀገሙ ወገናት ክውዕል ወሲንዎ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምዝኽኻር እቲ ገንዘብ ብእዋኑ ከይተኣከበ ፀኒሑ ሐዚ 197300 ብር ብምእካብ፥ ብተወሳኺ ድማ 52,700.00 ብር ካብ ማናጅመንት ሰራሕተኛታት ብምውፃእ ብድምሩ 250,000 ብርን ልዕሊ 800 ቲሸርት ድማ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ወዲቑ ዘሎ ተመዛባሊ ንክውዕል ብሽም መላእ ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮ ከም ዘበርከተ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ 'ቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።


ላዛ ትግርኛ
21 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ኣብ እዋን ኲናት ዝተታሕዘት ናይ ጳጳሳት መኪና ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ መሊሱ ኣረኪቡ።በዚ ዕለት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘረከባ ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ...
12/30/2025

ኣብ እዋን ኲናት ዝተታሕዘት ናይ ጳጳሳት መኪና ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ መሊሱ ኣረኪቡ።

በዚ ዕለት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘረከባ ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ መኪና ዝነበረት ንመንፈሳውን ማሕበራውን ግልጋሎት ትህብ ዝነበረት መኪና ቶዮታ ፕራዶ መሊሱ ከም ዘረከበ ተገሊፁ።

እታ መኪና ኣብ መንጎ ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ዝነበረ ኲናት ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዛ እኳ እንተነበረት ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሠረት ናብ በዓልዋና ዝኾነ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ ክትርከብ ኪኢላ እያ ተባሂሉ።

ብፁዕ አቡነ ቄርሎስን ብፁዕ አቡነ ኤርምያስን ብተወከልቲ ኣቢሎም ቁልፊ መኪና ድሕሪ ምርካቦም እታ መኪና ናብ በዓል ዋና ክትምለስ ምኽኣላ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምሓራን ህዝቢ ትግራይን ሰናይ ርክብ ንኽህሉ በሪ ዝኸፍትን ዓብዪ ትርጉም ዘለዎን እዩ ኢሎም።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፕረዚደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ምምላስ እታ መኪና ኣወንታዊ ኣበርክቶ ስለ ዝገበሩ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ተበርኪትሎም ክብል EOTC Tv ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ እዋን ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትና ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዘረፋ መኪናታትን ካልኦት ንዋያትን ናብ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክምለሳ ትጽቢት ይግበር።

ላዛ ትግርኛ
21 ታሕሳስ 2018
መቐለ

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይካብ ምውቕን ምችውን ቤቱን መረበቱን ተፈናቒሉ ኣብ 'መዕቖቢ ጣብያታት' ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዝበፅሖ ዘሎ ስቓይን ሞትን ብዝለዓለ መጠን ተጋፊሑ ህይወት ደቂ ብሄ...
12/29/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ካብ ምውቕን ምችውን ቤቱን መረበቱን ተፈናቒሉ ኣብ 'መዕቖቢ ጣብያታት' ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዝበፅሖ ዘሎ ስቓይን ሞትን ብዝለዓለ መጠን ተጋፊሑ ህይወት ደቂ ብሄረ ትግራይ ከም ብዋዛ እናበለዐ ይቕፅል ኣሎ።

ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ርብርብ ዝንእድ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ብዓብይኡ ናብ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ዝጥምት ውሕስናን ክብርን ህዝብና ብዘረጋግፅ መንገዲ ተፈናቐልትና ናብ ቤቶም ኣብ ዝምለስሉን ግዝኣት ትግራይ ኣብ ዝኽበረሉን ዕማም፡ ኹሉ ሰሚሩ ፅዕንትኡ ከበርኽ ግቡእን ግድንን ከምዝኾነ ድማ ይኣምን።

ብተበግሶ ወለንታውያን ዝተገበረ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ስዒቡ፡ እከይ ኽልከላ ንዝፈፀመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኹንን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እዚ እከይ ግብሪ ሐዚ እውን ትግራይ ብጥሜት ናይ ምቕፃዕን ምድቃቕን ፖሊሲ 'ኣራት ኪሎ' ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዘረጋግፅ ምዃኑ ይኣምን።

ህዝብና ንጥሜትን ሞትን፣ ዓድና ንጥፍኣት፣ ብሄርና ንውርደት ዘቃለዐ ስርዓት ህወሓት ብምልዋጥ ኣብ ክንድኡ ንድሕነት ብሄረ ትግራይ በሪ ዝኸፈት ምስረታ ሓቋፋይ ግዝያዊ መንግስቲ ክውን ንምግባር ንገብሮ ፃዕሪ ኩሉ ወገን ሓቢሩና ክስለፍ ፃውዒትና ነቕርብ።

እዚ ዘጋጥም ዘሎ ጥሜት ከም ብሄራዊ ህፁፅ ሓደጋ ተራእዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብራ ትካላት ህይወት ኣብ ምድሓን ብዕቱብ ክረባረባን ታሪካዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣን ድማ ፃውዒት ንገብር።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
20 ታሕሳስ 2018
መቐለ፡ ትግራይ

12/29/2025

ቁማር ከርፋሕ ናብራ ተመዛበልቲ መን በሊዕዎ?

ሓተታ ላዛ!

#ላዛትግርኛ

ውድብ ህወሓት ዘይሕጋዊ ፅምዶ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምግባሩ ፅረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ይኸውን ኣሎ ክብል ውድብ ወለዶ ገሊፁ።እዚ ዝተገልፀ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣብ ህልው ኹነታት ትግራይ ...
12/29/2025

ውድብ ህወሓት ዘይሕጋዊ ፅምዶ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምግባሩ ፅረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ይኸውን ኣሎ ክብል ውድብ ወለዶ ገሊፁ።

እዚ ዝተገልፀ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣብ ህልው ኹነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንሚዲያታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ።

ውድብ ወለዶ ኣብ መግለፂኡ "ሻዕብያ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ እናተረሰዐ እቲ ስርዓት ኣብ ትግራይ ከም ደስ ዝበሎ ንክንቀሳቐስ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ፈቒድሉ እዩ" ዝበለ ኮይኑ ወሲኹ ድማ "ውድብ ህወሓት ዘይሕጋዊ ፅምዶ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምግባሩ ፅረ ሕገ-መንግስቲ ብምንቅስቓስ ፅረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኮይኑ ኣሎ" ኢሉ።

ህወሓት ንተመዛበልቲ ከም መደራደሪ ሒዙ ፖለቲካዊ ኸስቢ ንክረክብ ይንቀሳቐስ ብምህላው ውዕሊ ፕሪቶርያ ንከይትግበር ዓንቃፊ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምሕባር ብተመሳሳሊ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዘይምምላሱ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንከይምለስ ይሰርሕ ኣሎ ብምባል ወቒሱ።

ኣብ ትግራይ ህፁፅ ብሄራዊ ዘተን ልዝብን ክካየድ ፃውዒት ዘቕረበ እቲ ውድብ ዳግማይ ሓቋፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክጣየሽ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሪፖርተር፦ ክብሮም ካልኣዩ

ላዛ ትግርኛ
20 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ብረትን ተሓኒቑ ይርከብ ክብል ፕረዚደንት ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣይተ ጉዑሽ ግደይ ገሊፁ።እዚ ዝተገልፀ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣብ ህልው ኹነታት ትግራ...
12/29/2025

ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ብረትን ተሓኒቑ ይርከብ ክብል ፕረዚደንት ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣይተ ጉዑሽ ግደይ ገሊፁ።

እዚ ዝተገልፀ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ኣብ ህልው ኹነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንሚዲያታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ።

ሰለማዊ ቃልሲ ንከይግበር ናይ ዑጡቕ ፖለቲካ ኣብ ትግራይ ብምህላው ሰለማዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ኣፀጋሚ ኩነታት ከም ዝተፈጠረ ኣብሪሁ።

ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ብረትን ተሓኒቑ ይርከብ ዝበለ ውድብ ወለዶ ትግራይ ናይዚ ቀንዲ ተሓታቲ ድማ ሕጋዊ ኣፍልጥኡ ብሃገራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ዝተመንጠለ ውድብ ህወሓት እዩ ክብል ወቒሱ።

ትካላዊ ዝኾኑ ናይ ወርቅን ካልኦት ሃፍቲታት ስርቂ ይካየድ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ናይዚ ውፅኢት ድማ ትግራይ ኣብ ገምገም ምብትታን በፂሓ ኣላ ክብል ኣፍሊጡ።

ትግራይ መረፃ ከም ዘድልያ ሕቶ ዘድልዮ ዋላኳ እንተዘይኾነ ቅድሚያ ክማልኡ ዝግበኦም ኩነታት ከም ዘለው ገሊፁ።

ቅድሚ መረፃ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዑጡቕ ነፃ ክኸውን፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ክምለስ፣ ወረርቲ ሓይልታት መሊኦም ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ይግባእ ኢሉ።

ሪፖርተር፦ ክብሮም ካልኣዩ

ላዛ ትግርኛ
20 ታሕሳስ 2018
መቐለ

Address

18 Wentworth Ter
Boston, MA
02108

Telephone

+251962190971

Website

http://www.lazatigrigna.com/

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna:

Share

እዚ ሓድሽ ፌስቡክ ላዛ ትግርኛ እዩ

ቕድም ክብል እቲ ንልዕሊ 2 ዓመት እዋናዊ ሓበሬታ ናባኹም ነብለሉ ዝነበረ ልዕሊ 300 ሽሕ ተኸተልቲ ዝነበሮ ናይ ፌስቡክ ገፅና ብሰረቕቲ ከምዝተመንጠልና ብዝተፈላላዩ መንድገድታት ገሊፅና ነይርና። ነቲ ናይ ቐደም ፔጅ ንምምላስ ዝተኻእለና ኹሉ ንገብር ኣለና። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ግን ነዚ ፔጅ ንክትከታተሉ ብኽብሪ ንላቦ።