ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna

ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna ሓደሽቲ ሓበሬታታት ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ፣
ፍልይ ዝበሉ ትንታነታት ብቋንቋ ትግርኛ ተኸሺኖም ዝቐርብሉ ናትኩም ኣማራፅን ተወሳኽን ሚድያ!
ላዛ ትግርኛ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንስን

መጓቲ ትውልዲ ካብ ዘተ ኣይሃድምን! #ጋሻላዛ  #ላዛትግርኛ
01/09/2026

መጓቲ ትውልዲ ካብ ዘተ ኣይሃድምን!

#ጋሻላዛ
#ላዛትግርኛ

#ላዛትግርኛ © Copyright: Laza Tigrigna Media & CommunicationsThis video is property of Laza Tigrg...

01/08/2026

ካብቶም ብቋንቋ ትግርኛ ፈለምቲ ዘማርያን ሓደ ዝኾነ ዘማሪ ዲ/ን ብምኽንያት በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግልጋሎት ሚዲያ ላዛ መደብ ቀዛሕታ ጋሻ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ዘማሪ ዲ/ን ክብሮም መሓሪ ክሳብ ሐዚ ዩዳሄ፣ ስምኻ ተደጊፈ፣ ፈትሊ ሓቂ ዝተሰመዩ ናይ መዝሙር አልበማት ዘበርከተ እንትኸውን ካብዚ ብተወሳኺ ናይ መዝሙር ስትድዮ ብምኽፋት ብርክት ዝበሉ መዝሙራት ንክሕተሙ ፃዕርታት እናገበረ ይርከብ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ቃለ መሕተት ሊንክ ኣብ ኮሜንት ኣቐሚጥና ኣለና።

01/08/2026

ምሃብ ድኻ ኣይገብርን - ኣባ ጥዑም በርሀ

እቲ ኹነታት ስለ ዘይመቸወ እምበር ምዕራብ ትግራይ ንጸላኢ ኣረኪቡ ክነብር ዝደሊ መራሒ ትግራይ የለን ክብሉ ም/ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመስቀል ገሊፆም።እዚ ዝተገ...
01/07/2026

እቲ ኹነታት ስለ ዘይመቸወ እምበር ምዕራብ ትግራይ ንጸላኢ ኣረኪቡ ክነብር ዝደሊ መራሒ ትግራይ የለን ክብሉ ም/ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመስቀል ገሊፆም።

እዚ ዝተገልፀ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) ብምኽንያት በዓል ልደት ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣብ ዘሳለጠሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ምክትል ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመስቀል
እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም ኣብጸሐኩም ድሕሪ ምባል ኣብ ትግራይ ብዝበጸሐ ጀኖሳይድ ዝኾነ ይኹን ኣመራርሓ ካብ ተሓታትነት ዘየምልጠሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ተመዛበልቲ ምዕራብ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምኽታሙ 1500 ኣብ ትግራይ 800 ኣብ ሱዳን ከም ዝሞቱ ዝገለፁ ኮይኖም እዚ ድማ ብሰንኪ ውድቀት መሪሕነት ምዃኑ ሓቢሮም።

ሕፃፅ መርኣያ ኩለን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ምዃናን ኣብ ትግራይ ዘለዋ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኩለን ከም ሕፃፅ ኣብ ኸቢድ መከራ ከም ዘለዋ ኣይተ ተስፋማርያም ኣብሪሆም።

ጉዳይ ሕፃፅ ተጋሩ እንተሓቢርና ክንደየናይ ፅዕንቶ ከም እንፈጥር መርኣያ ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር እቲ ሓገዝ ማእኸል ዝገበረ ምንቕናቕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ሓገዝ ንዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ድሕሪ ምምስጋን እቲ ኹነታት ስለ ዘይመቸወ እምበር ምዕራብ ትግራይ ንጸላኢ ኣረኪቡ ክነብር ዝደሊ መራሒ ትግራይ የለን ክብሉ ም/ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመስቀል ገሊፆም ኣለው።

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) ኣብ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዝገበሮ ድጋፍ ታሪኽ እናዘከሮ ክነብር ዝበሉ ኮይኖም ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዎም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፎም ቅድሚያ ኣብ ምትግባር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክነጥፉ ኣይተ ተስፋማርያም ፀዊዖም።

ሪፖርተር፦ ክብሮም ካልኣዩ

ላዛ ትግርኛ
29 ታሕሳስ 2018
መቐለ

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) ንተመዛበልቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣሳሊጦም።እቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ብጸሎት ቡጹእ አቡነ ኢሳያስ ዝተ...
01/07/2026

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) ንተመዛበልቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣሳሊጦም።

እቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ብጸሎት ቡጹእ አቡነ ኢሳያስ ዝተኸፈተ እንትኸውን ንመቐለ ሃ/ስብከት ወኪሎም መደረ ዘስምዑ መጋቤ ስልጣናት ገብረሥላሴ ሕሸ ብወገኖም በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) በዓል ልደት ምስ ተመዛበልቲ ንከኽብሮ ዝገብሮም ዘሎ ፃዕርታት ንኢዶም።

ወሲኾም ድማ እንታይነት በዓል ልደት ትምህርተ ወንጌል ዝሰበኹ እንትኾኑ ጎይታ ኢየሱስ ስለ ዝተወልደ ንዓለም ሰላም ዋላኳ እንተሃበና እቲ ሰላም ብሰባት ንስእኖ ኣለና ኢናሞ ሙሉእ ሰላም ንህዝብና ክወርድ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ ኢሎም።

ኣመሓዳሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልደታ ለማርያም መቐለ ኣባ ጡዑም በርሀ ናይ እንኳዕ ኣብጸሐኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፍ "ብቀዳማዊት ሄዋን ዝሰኣንናዮ ሰላም ዳግማዊት ሄዋን ድንግል ማርያም ብዝወለደቶ ጎይታ ኢየሱስ ዳግማይ ሰላምና ተመሊሱልና ኣሎ'ሞ እንኳዕ ደስ በለኩም" ኢሎም።

ወሲኾም ድማ ጉዳይ ተመዛበልቲ ሚኢቲ ሚኢታዊ ብፖለቲከኛታት ጥራሕ ኣይፍታሕን ፥ ናብ ኣምላኽና ጸሎት ብምግባር ናይ መከራና እዋን ንክሓፅር ንፈጣሪ ንለምኖ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብፖለቲከኛታት ተስፋ ዋላ እንተሰኣንና ብኣምላኽ ግን ተስፋ ኣይቑረጽን ዝበሉ ድማ ተወካሊ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ወንጌላዊ ምሕረትኣብ ብርሃነ እንትኾኑ ወሲኾም ተመዛበልቲ ናብ መረበትኹም ከም እትምለሱ ኣሚንኹም ብተስፋ ምድላዋት ክትገብሩ ይግባእ ኢሎም።

ተወካሊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ፀጋይ በየነ ብወገኑ ሰለማዊ ብዝኾነ መንገዲ ፀገምኹም ንክፍታሕ ምንቅስቓሳት እናተገበረ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ሐዚ እውን ክሳብ ጭቡጥ ምላሽ ዝርከብ ፃዕርታት ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።

ፀገም ተመዛበልቲ ዓለም ንክፈልጦ እኹል ፃዕሪ እናተገበረ ስለ ዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ መረበትኹም ክትምለሱ ሙሉእ ተስፋ ኣለኹም ድሕሪ ምባል ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ድማ ናይ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) ኣሰር ንክስዕቡ ተላብዮም።

ኣብቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ዝተረኸቡ ም/ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመስቀል እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም ኣብጸሐኩም ድሕሪ ምባል ኣብ ትግራይ ብዝበጸሐ ጀኖሳይድ ዝኾነ ይኹን ኣመራርሓ ካብ ተሓታትነት ዘየምልጠሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

መዕፀዊ መደረ ዘስምዑ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ.ር) እንኳዕ ናብ ልደተ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጸሐኩም ድሕሪ ምባል ኩሉ ትግራዋይ ሕማም ተመዛበልቲ ከም ናቱ ሓሲቡ ኣብ ዘድልዮም ሓገዝ ኹሉ ንክሳተፍ ፀዊዖም።

ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ፀገም ተሸኪምኹም ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም ዝበሉ ኮይኖም እቲ ህዝቢ ድማ ነቶም ተመዛበልቲ ብኣካል ክርእዮም ይግባእ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝብኻ ረሲዕኻን እተመሓድራ መሬት ተመንጢልኻን ኣብ ዕፁው ኣኼባ ምንባር ጥቕሚ የቡሉን ፥ ውድባት ትግራይ ንተመዛበልቲ ንክህውፁ ፃውዓት ድሕሪ ምቕራብ ፌዴራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ከምቲ ወትሩ ቃል እትኣትውዎ ተመዛበልቲ ብዘይጎንፂ ናብ መረበቶም ክተመልስዎም ይግባእ ኢሎም።

ተመዛበልቲ ድማ ንዝተገበረሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ድሕሪ ምምስጋን ናብ መረበቶም ንክምለሱ ተፈራረምቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ እቲ ዝተኸተመ ውዕሊ ንከፈጽሙ ፀዊዖም።

ሪፖርተር፦ ክብሮም ካልኣዩ

ላዛ ትግርኛ
29 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ኮሱሙና ዓብዪ ጉያ!ብምኽንያት በዓል ሥላሴ ጥሪ ዝሳለጥ ዓብዪ ጉያ 6 ጥሪ 2018 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ።
01/07/2026

ኮሱሙና ዓብዪ ጉያ!
ብምኽንያት በዓል ሥላሴ ጥሪ ዝሳለጥ ዓብዪ ጉያ 6 ጥሪ 2018 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ።

ርሑስ በዓል ልደተ ክርስቶስ       ላዛ ትግርኛ29 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም        መቐለ
01/07/2026

ርሑስ በዓል ልደተ ክርስቶስ

ላዛ ትግርኛ
29 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም
መቐለ

ብምኽንያት ብዓል ልደት ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት!
01/06/2026

ብምኽንያት ብዓል ልደት ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት!

ፍሉይ ምድላው በዓል ልደት ምስ ኮሜድያን ቲክቶከራት ወይኒን ሜሮንን ኣብ ቀዛሕታ ቶክ ሾውሊንክ ኣብ ኮመንት ይርከብ
01/06/2026

ፍሉይ ምድላው በዓል ልደት ምስ ኮሜድያን ቲክቶከራት ወይኒን ሜሮንን ኣብ ቀዛሕታ ቶክ ሾው
ሊንክ ኣብ ኮመንት ይርከብ

ድምፃዊ ታሪኩ ጋንካሲ ኣብ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ሓይቂ መስሓል ብህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይሩሉ።ፍሉጥ ድምፃዊ ታሪኩ ጋንካሲ ብምኽንያት በዓል ልደት ምድላው...
01/06/2026

ድምፃዊ ታሪኩ ጋንካሲ ኣብ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ሓይቂ መስሓል ብህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይሩሉ።

ፍሉጥ ድምፃዊ ታሪኩ ጋንካሲ ብምኽንያት በዓል ልደት ምድላው ሙዚቃ ከቕርብን ነቲ በዓል ምስ ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ብሓባር ንምኽባር ብማሕበር ልምዓት ወምበርታ ብዝተገበረሉ ዕድመ ናብ ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ከተማ ሓይቅመስሓል ኣትዩ በዓል ልደት ምስ ህዝብን ምምሕዳን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ብሓባር የኽብር ኣሎ።

እቲ ድምፃዊ ናብ ከተማ ሓይቅመስሓል እንትኣትው ህዝብን ምምሕዳርን ፅራእ ወንበርታ ድሙቕ ኣቐባብላ ከምዝገበሩሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

በዚ ኣጋጣሚ ትማሊ 27 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ድምፃዊ ታሪኩ ጋንካሲ ኣብ ስቱድዮ ቀዛሕታ ምስ ኣቕራቢ መደብ ቀዛሕታ በረኸት መኮንን ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ኣብቲ መደብ "ናብ ኣፅቢ ወንበርታ ተዓዲሙ" ዝብል መልእኽቲ ሓሊፉ ነይሩ። ይኹን እምበር ካብ ምምሕዳር ፅራእ ወንበርታን ካብ ማሕበር ልምዓት ወምበርታን ብዝተውሃበና ሓበሬታ መሰረት ድምፃዊ ታሪኩ ናብ ፅራእ ወንበርታ ተዓዲሙ ከምዝምፅአ እቲ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተገበረሉ ኣቐባብላ እውን ብማሕበር ልምዓት ወምበርታ ከምዝኾነ ተረዲእና ኣለና። ስለዝኾነ እውን ኣብቲ ዝተሰርሐ ቪድዮ ምስትኽኻል ተገይሩሉ እቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ እውን ተቖሪፁ ኣሎ።

ትካልና ግልጋሎት ሚድያ ላዛ መደብ ቀዛሕታ በቲ ዝተፈጠረ ስሕተት ንማሕበር ልምዓት ወምበርታ ብፍላይ ድማ ንህዝብን ምምሕዳርን ፅራእ ወንበርታ ብዕሊ ይቕርታ ንሓትት።

እቲ ዝተፈፀመ ጌጋ ድማ ብናይ ሓበሬታ ጌጋ እምበር ኾነ ኢልካ ተገበረ ከምዘይኮነ ነፍልጥ።

ናይቲ ዝተሰተኻኸለ መደብ ሊንክ ኣብ ኮመንት ኣቕሚጥና ኣለና።

ላዛ ትግርኛ
28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም
መቐለ

ኣከባብራ ድሮ በዓል ልደት ካብ ኣፅቢ እንዳ ስላሰ ብምስሊ እንትግለፅ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።ፍልፍል ምስሊ፦ ትግራይ ቴሌቪዥን                               ላዛ ትግርኛ     ...
01/06/2026

ኣከባብራ ድሮ በዓል ልደት ካብ ኣፅቢ እንዳ ስላሰ ብምስሊ እንትግለፅ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ፍልፍል ምስሊ፦ ትግራይ ቴሌቪዥን

ላዛ ትግርኛ
28 ታሕሳስ 2018
መቐለ

ብተጋዳላይ ጋዜጠኛ ያሬድ ገ/ገርግስ ዝተሰናደአት "ወንበርታ በዓቲ ታሪኽን ፀጋታትን" ዝተሰመየት መፅሓፍ ስነ-ሥርዓት ምረቓ ተሳሊጡ።እቲ ምረቓ ስነ-ሥርዓት 26 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ዝተሳለጠ...
01/06/2026

ብተጋዳላይ ጋዜጠኛ ያሬድ ገ/ገርግስ ዝተሰናደአት "ወንበርታ በዓቲ ታሪኽን ፀጋታትን" ዝተሰመየት መፅሓፍ ስነ-ሥርዓት ምረቓ ተሳሊጡ።

እቲ ምረቓ ስነ-ሥርዓት 26 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ዝተሳለጠ እንትኸውን ኣብቲ ምረቓ ስነ-ሥርዓት ሓለፍቲ ኣብያተዕዮ፣ ፀሓፍቲ ታሪኽን ብርክት ዝበሉ ዑዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

ፀጋታትን ባህልን ወንበርታ ንምስናድን ንምልላይን ዕላማ ብምግባር ዝተፅሓፈት እንትትኸውን ሃፍተ ገነት ከባብታት ወንበርታ፣ ዘይተዳህሳሱ ታሪኻውያን ቦታታት፣ ባህልን ማሕበራዊ ክብርታትን ከም ዝሰነደት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ላዛ ትግርኛ
28 ታሕሳስ 2018
መቐለ

Address

18 Wentworth Ter
Boston, MA
02108

Telephone

+251962190971

Website

http://www.lazatigrigna.com/

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna:

Share

እዚ ሓድሽ ፌስቡክ ላዛ ትግርኛ እዩ

ቕድም ክብል እቲ ንልዕሊ 2 ዓመት እዋናዊ ሓበሬታ ናባኹም ነብለሉ ዝነበረ ልዕሊ 300 ሽሕ ተኸተልቲ ዝነበሮ ናይ ፌስቡክ ገፅና ብሰረቕቲ ከምዝተመንጠልና ብዝተፈላላዩ መንድገድታት ገሊፅና ነይርና። ነቲ ናይ ቐደም ፔጅ ንምምላስ ዝተኻእለና ኹሉ ንገብር ኣለና። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ግን ነዚ ፔጅ ንክትከታተሉ ብኽብሪ ንላቦ።