Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

  • Home
  • Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

Digital Woyane - ድጅታል ወያነ Digital Woyane - ድጅታል ወያነ is a social media platform, providing information, socio ec Jᴏɪɴ ᴏᴜʀ ᴛᴇʟᴇɢʀᴀᴍ ᴄʜᴀɴɴᴇʟ:
https://t.me/DIGITAL_WOYANE
(1)

ኦርጅናል ናይ ግሪክ ኣልባሳትን ካልኦት ንዋያተ ቅድሳትን ብኸመይ ንረክብ?ካብ ማኅበር ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ እናገዛእና ማሕበርና ነጠናኽር። ብትእዛዝ ካብ እነቕርቦም ንዋያተ...
24/04/2025

ኦርጅናል ናይ ግሪክ ኣልባሳትን ካልኦት ንዋያተ ቅድሳትን ብኸመይ ንረክብ?
ካብ ማኅበር ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ እናገዛእና ማሕበርና ነጠናኽር። ብትእዛዝ ካብ እነቕርቦም ንዋያተ ቅድሳት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፦
፩.መጽሐፍ ቅዱስ
፪.ገድለ አቡነ አረጋዊ
፫.ሰዓታት(ግእዝ)
፬.አዕማደ ምሥጢር
፭.መዝሙረ ዳዊት
፮.መዝገበ ጸሎት
፯.መንበረ ታቦት
፰.ውዳሴ ማርያም
፱.ትምህርት ሃይማኖት
፲.መጽሐፈ ክርስትና
፲፩.ጸሎተ ሃይማኖት
፲፪.ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ስእልታት
፲፫.ማዕተብ
፲፬.መድገሚ
፲፭.ነፀላ (ናይ ዓበይቲ፣ማእኸለዎት፣ህፃናት)
፲፮.ዕጣን
፲፯.ዘቢብ
፲፰.መጽሐፈ ቅዳሴ
፲፱.ገድለ አቡነ እስጢፋኖስ
፳.ልብሰ ተክህኖ / ናይ ቀዳሲያን ክዳን
፳፩.ናይ ካህናት መርጌታታት ካባ
፳፪.ናይ መርዑት አልባሳት
፳፫.ሥርዓተ ቅዳሴ
፳፬.ወንጌል ቅዱስ ብግእዝን ትግርኛን
፳፭.ገድለ አቡነ ሰላማ
፳፮.ጸናጽል (ብሩር፣ብሪ፣ወርቂ) ዝተቐብአ
፳፯.መቖምያ/መደገፊ
፳፰.ፍትሐ ነገሥት
፳፱.ሙሉእ ስንክሳር
፴.ተአምረ ማርያም
፴፩.ተአምረ ኢየሱስ
፴፪.ግጻዌ
፴፫.መጽሐፈ ተክሊል
፴፬.ዜና ቅዱስ ያሬድ
፴፭.መጎናጸፊያ
፴፮.ማኅፈድ
፴፯.ፅላል
፴፰.ናይ ጵርስፎራ ማህተም
፴፱.ሃይማኖተ አበው
፵.ናይ ዕንጨቲ መስቀል (ናይ ማዕተብ፣ናይ ኢድ፣ዕርፈ መስቀል)
፵፩.ናይ ሓፂን መስቀል (ብሩር፣ብሪ፣ወርቂ) ዝተለኸየ
፵፪.ናይ ሰንበት ተምሃሮ ልብሲ/ክዳን ምስ ኣክሊሉ
፵፫.መጽሐፈ ግንዘት
፵፬.ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያምን ኣንድምታ ብልሳነ ትግራይ
፵፭.ናይ ኢየሩሳሌም ዕጣን
፵፮.ሥርዓተ ቤተክርስቲያን (ብሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ)
፵፯.ሠለስቱ ድርሳናን (ሚካኤል፣ገብርኤል፣ሩፋኤል)
፵፰.መጽሐፈ ግብረ ሕማማት
፵፱.መጽሐፈ ቀሌሚንጦስ
፵.መጽሐፈ ጽዮን
፶፩.ዲድስቅልያ
፶፪.መጽሐፈ ኪዳን ቀዳማዊ
፶፫.መጽሐፈ ኪዳን ካልዕ
፶፭.አብጥሊስ
፶፮.መጽሐፈ ትእዛዝ
፶፯.መጽሐፈ ግጽው
፶፰.ማዕጠንት
፶፱.ከበሮ
፷.በገና
፷፩.ክራር
፷፪.ሽምዓን
፷፫.መጋረጃ
፷፬.ምንፃፍን
፷፭.ድርገት መውረዲ
፷፮.ኩስኩስቲ
፷፯.መሶበ ወርቅ
፷፰.ቃጭል
፷፱.ጻሕል
፸.ጽዋዕ
፸፩.ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሓገዝቲ መጻሕፍትን ካልኦትን ይርከቡ።
==>ንዝበለፀ ሓበሬታ ናብ ክፍሊ ንዋያተ ቅድሳት ተፀንበሩ!
ሊንክ👇👇👇
https://chat.whatsapp.com/JNWYH5Y6fFIEIVoa41yiXG
ዋትስኣፕ;-
+251911289356

ቑፅሪ ስልክታት;-
+251914438876
+251911289356
+251935278996
+251946469618
+251903738291

email- [email protected]

facebook;- https://www.facebook.com/mkyzott
F
Group;-https://facebook.com/groups/219615362648812/?ref=share

Telegram;-https://t.me/+pw38sxKvWB9lNDY0

ዋትስአፕ;-

ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን;-

https://chat.whatsapp.com/HRQW97wXOi37KnFOghs0YB

ክፍሊ መዝሙር;-

https://chat.whatsapp.com/ItxPYbDpWFT91Em05HVP82

ክፍሊ ኣባላት ጉዳይ;-

https://chat.whatsapp.com/IfQ3vW7fC2d3bVVfjQhZ0V

ክፍሊ ንሰሃ

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ክፍሊ ገባሬ ሠናይ

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ክፍሊ ገዳማትን ፈለገ ሕይወትን

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ንዋያተ ቅዱሳን ዝርከበሉ

https://chat.whatsapp.com/JNWYH5Y6fFIEIVoa41yiXG

ክፍሊ መፅናዕትን ምርምርን

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

  synod of TigraiOfficial Statement of Condolence onthe passing of His Holiness Pope FrancisThe Holy Synod of Tigrai exp...
24/04/2025

synod of Tigrai

Official Statement of Condolence on
the passing of His Holiness Pope Francis
The Holy Synod of Tigrai expresses its profound sorrow upon receiving news of the passing of the
Holiness pope Francis, Supreme pontiff of the Roman Cathlic chrch Throughout his historic papacy, His Holiness distinguished himself as a global moral leader, tirelessly advocating for peace,human dignity and justice for the oppressed. His oppressed. His prophetic voice was particularly significant in drawing international attention to the humanitarian*crisis in Tigray, where he courageously denounced the atroitiest being committed against innocent civilians.
We recognize with deep appreciation His Holiness' unwavering commitment to Championing the cause of refugees and displaced persons
Promoting interfaith dialogue and reconciliation
Defending the rights of the poor and marginalized
Calling for an end to violence and persecution worldwide In this moment of mourning we exend our heartfelt condolences to.
1. The college Cardinals and the entire Roman Catholic church
2. The global community of faithful who found inspiatio inhis leadership
3. All people of goodwill who shared his vision for a more just world
May Almighty God grant etral rest to His Holiness, and may his legacy continue to inspire
generations to come As Scripiture reminds us :
"Blessed are the peacemakers, for they will be called cchildren of God" (matthew 5:9)
May the peace of God be with us all.

መንበረ ሰላማ ብሕልፈት ሕይወት ፖፕ ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ ናይ ምፅንዕናዕ መልእኽቲ ልኢኹ ኣሎ።
23/04/2025

መንበረ ሰላማ ብሕልፈት ሕይወት ፖፕ ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ ናይ ምፅንዕናዕ መልእኽቲ ልኢኹ ኣሎ።

ተጋዳላይ ታደለ መንግሥቱ ተፈቲሑ ኣሎ።ብዝኾነ እታ  ዝነበረላ ዙ-23 ዝፀዓነት መኪና ብድሮን ምስተወቕዐት ብኸቢድ መጉዳእቲ ካብ ብፆቱ ዝተረፈ እዩ።
23/04/2025

ተጋዳላይ ታደለ መንግሥቱ ተፈቲሑ ኣሎ።
ብዝኾነ እታ ዝነበረላ ዙ-23 ዝፀዓነት መኪና ብድሮን ምስተወቕዐት ብኸቢድ መጉዳእቲ ካብ ብፆቱ ዝተረፈ እዩ።

ሓላፊ መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ተጋዳላይ ታደለ መንግስቱ ተኣሲሩ።''ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘለዎ ዓዲ ዝኾነ ሰብ ብዝኾነ ጥፍኣት ተተጠርጢሩ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክእሰርን ካብ 24 ...
23/04/2025

ሓላፊ መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ተጋዳላይ ታደለ መንግስቱ ተኣሲሩ።

''ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘለዎ ዓዲ ዝኾነ ሰብ ብዝኾነ ጥፍኣት ተተጠርጢሩ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክእሰርን ካብ 24 - 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዘእሰሮ ምኽንያት ክንገሮ መልሲ ክህብን ክከራኸርን ከከም ጥፍኣቱ ድማ ብውሑስ ክወፅእን ዘይክወፅእን ይኽእል እዩ።

እዚ ማለት ብቀለልቲ ነገራት ተተጠርጢሩ ኣብ ውሽጢ 24 - 48 ሰዓታት ብውሑስ ክወፅእ ይኽእል እዩ። ብከበድቲ ገበናት ተተጠርጢሩ ግና ንከይጠፍእ ተበሂሉ ናይ ውሑስ መሰሉ እውን ክኽልከል ይኽእል እዩ።

ሕግን ስርዓትን ዘይብሉ ዓዲ ተኾይኑ እምበር ዝኾነ ሰብ ብቀጥታ ገበን እናፈፀመ ተዘይተረኺቡ ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ክእሰር ኣይኽእልን።

ናይ ታደለ መንግስቱ ዝረአ ዘሎ ሓበሬታታት ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከም ዝተኣሰረ እዩ።

ትማሊ ምእንተ ህዝቡ ኢሉ ብረት ኣልዒሉ ንመስዋእቲ ተዳልዩ ዝወፀ ሰብ እሞ ድማ ውቁዕ ምዃኑን ሕክምና ከም ዘድልዮን ዝንገረሉ ሰብ ምእሳሩ የሕዝን እዩ። ብልቢ እውን መዋፅእቲ ይምነየሉ።

ይኹን እምበር ትምነዮን ክኸውን ዝግበኦን ግን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ሓውካ ብዝኾነ ምኽንያት ተጠርጢሩ ተተኣሲሩ ነቲ ገበኑ ዘይኮንካ ትሽፍነሉ ሰብኣዊ ክብሩን መሰላቱን ከይጎድልዎ ፍትሒ ከይዛበዖ ብዘይ ወዓሎ ከይእሰር ኢኻ ክትጣበቀሉ ዘለካ!!

ኣብዚ ጉዳይ ክንብሎ ዘለና ንምንታይ ተኣሲሩ? ዘይኮነስ እንታይ ገይሩ ተኣሲሩ? ዝብል ሕቶ ክቅድም ይግባእ በሃላይ እየ። ብድሕሪኡ ዘሎ ኩነታት ምስተነፀሩ እዩ ምናልባች ብዘይ ወዓሎ ተተኣሲሩ እውን ኣፍካ መሊእኻ ማእሰርቲ ኣይግበኦን ይፈታሕ ክትብል ትኽእል።''

 #ቱሪዝም ትግራይ ንኽጉልብት ዓቕሙ ፀንቂቑ ዝሰርሕ ህርጉት ሓውና Layn Mawcha Gebrehiwot ኸዓ ንብዙሕ ጊዜ ዝፀዓረላ ከም ንህቢ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ዕንባታት ኣኪቡ መእተዊት በ...
22/04/2025

#ቱሪዝም ትግራይ ንኽጉልብት ዓቕሙ ፀንቂቑ ዝሰርሕ ህርጉት ሓውና Layn Mawcha Gebrehiwot ኸዓ ንብዙሕ ጊዜ ዝፀዓረላ ከም ንህቢ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ዕንባታት ኣኪቡ መእተዊት በሪ ቱሪዝም እንሆ ይብለና ኣሎ። ክቡር ሓው እንኳዕ ኣፈፀመካ!
ሰለሞን ኣብርሃ

አንተ  በሕይወት ሥጋ እያለህ እስከ ምጻተ ክርስቶስ የማያረሳ ህያው ታሪክ ሠርተሃልና ብትግራይ ህዝብ ከመቃብር በላይ  የማትረሳ ጀግና ነህና ልዑል እግዚኣብሔር ነፍስህን በገነት ያሳርፍ።  የ...
21/04/2025

አንተ በሕይወት ሥጋ እያለህ እስከ ምጻተ ክርስቶስ የማያረሳ ህያው ታሪክ ሠርተሃልና ብትግራይ ህዝብ ከመቃብር በላይ የማትረሳ ጀግና ነህና ልዑል እግዚኣብሔር ነፍስህን በገነት ያሳርፍ።

የትግራይን ሕዝብ ከገጸ ምድር ለማጥፋት በተደረገው የዘር ማጥፋት ጦርነት (Genocidal war) ሁሉም የሞያ ኣጋሮችህ እስከ ግንባር በመዝመትና የትግራይ ሕዝብ መጥፋት ኣለበት፥ ምናችን ኣይድለም ሲሉ፥ ኣንተ ግን በየኣደባባዩ ድምፅህን ከፍ ኣድርገህ ስለ እውነት ምስከረሃል፥ ታግለሃልና ታሪክ ኣይርሰም። በተለይ የኢትዮጵያ ኦርቶድክስ ሲኖዶስም ሆነ ሁሉም ቤተ እምነቶች በኣንድ ድምጽ ጦርነትን ሲደግፊና ብግልፅ ሲሰለፉ፥ ኣንተ ግን ድምፁ ታፍኖ ለነበረው የትግራይ ሕዝብ ድምፅ ሁነሃልና ውለታህ ፈፅሞ ኣይረሳም። በተሪክ መዝገብም የሚዘገብ ነው።

ትንሣኤና ሕይወት የሆነው መድኀኒታችን ኢየሱስ ክርስቶስ በዐፀደ ገነት ያኑርህ። ለቤተሰቦችህንም መፅናናትን ይስጥልን።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ብናይ ሮም ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ፖፕ ፍራንሲስ ሕልፈት ህይወት ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም። ንሰዓብቲ እመነት ካቶሊክ እውን ምጽንዕናዕ ተመንዮም።ኣብ ትግራይ...
21/04/2025

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ብናይ ሮም ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ፖፕ ፍራንሲስ ሕልፈት ህይወት ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም። ንሰዓብቲ እመነት ካቶሊክ እውን ምጽንዕናዕ ተመንዮም።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ዘርኣዊ ጨፍጫፍ ደው ንኽብል ብተደጋጋሚ ንማሕበረሰብ ዓለም ድምፆም ምስምዖም ይዝከር።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። ማቴ ፳፰:፲፱በዓለ ትንሣኤ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2017 ዓ.ም ኣብ መንበረ ጵጵስና ደብረ ብስራት ቅዱስ ገ...
21/04/2025

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። ማቴ ፳፰:፲፱

በዓለ ትንሣኤ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2017 ዓ.ም ኣብ መንበረ ጵጵስና ደብረ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ከተማ ለንደን ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኤፍሬም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣውሮፓ ኣብ ዝተረኸቡሉን ብብፁዕነቶም እውን እናተመርሐን እዩ ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ምእመናን ብወገኖም ኣብ ስደት ኾይንና ካብ ዓድና ርሒቕና እዃ እንተነበርና፣ ዘገልግሉና ኣቦታት እግዚኣብሔር ስለ ዘሃበናን ብፍፁም ደስታን ፍቕርን ብዝተመልኦ መንፈስ በዓለ ትንሣኤ ብምኽባርና ብጣዕሚ ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ብፁዕነቶም ድማ ደቅና ኣብ ወፃኢ ዓዲ ኮይንኹም ከምዚ ኢልኩም ማዕሪግኩም፣ ሃይማኖትኩምን ባህሉኩምን ዓቂብኩም ብምርኣይና ዝተሰመዓና ሓጎስ ወሰን የብሉን ክብሉ ንምእመናን ኣመስጊኖም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም ነታ ኣብ ብዙሕ መከራ ዘላ ሃገርና ትግራይ ትንሣኤ ስለ ዘድልያ፣ ኩላትና ብፀሎት ክንተግህ ይግብኣና ኢሎም ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

ናይ በዓለ ትንሣኤ በረከት ምስ ኩላትና ይኹን።

Tigray Orthodox Tewahedo Church Archdiocese of Europe

ሰለሞን ኣብርሃ

ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ናይ ዘለዉ ዕለታት ሥያመ።በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ፤ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ፤ አሰሮ ለሰይጣን...
20/04/2025

ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ናይ ዘለዉ ዕለታት ሥያመ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ፤ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ፤ አሰሮ ለሰይጣን ፤ አግዐዞ ለአዳም ፤ ሰላም እምይዕዜሰ ፤ ኮነ ፤ ፍስሐ ወሰላም፡፡

ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ናይ ዘለዉ ዕለታት ሥያመ;-

ሰኑይ ~ ማዕዶት
ሠሉስ ~ ቶማስ
ረቡዕ ~ አልአዛር
ሐሙስ ~ አዳም
ዓርቢ ~ ቤተ ክርስቲያን
ቀዳም ~ ቅዱሳት አንስት
ሰንበት ~ ዳግማይ ትንሣኤ

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተሠአላ ሰንበት ንድሕሪት ዘሎ ዕለታትት ነቲ ጎይታነ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ፣ መቃብር ክፈቱለይ ፣ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ዝተስአሉ ዕለት እናዘከርና እንሕጎሰሉን እዋን እዩ። እዚ ቅንያት እዚ ሓጎስና ካብ ብልዕን መስተን ንላዕሊ ብዝኾነ ሓጎስ እንገልፀሉ ፡ ይቕረ እናተባሃሃልና፡ ብዝቐደመ ሓጢኣትና ተጣዒስና ብንስሓ ተሓጺብና፡ ካብ ዝወደቕናሉ ብሓድሽ ህይወት ምስ ክርስቶስ እንትስአሉ ግዜ እዩ። ክርስቶስ ኣብ ዝተስአሉ ጊዜ ከም ይሁዳን ዳክርስን (ፈያታዊ ዘፀጋም) ከይንወድቕ ንጠንቀቕ።

ብፍሉይ ከዓ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ኣትሒዙ እቶም ዝቕጽሉ ዕለታትን ሰሙናትን ክሳብ በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) ነገረ ትንሣኤኡ ብሰፊሑ ይንገር፡ ይስብኽ፡ ይዝመር። እዘን እዋናት ድማ ብትንሣኤ ክርስቶስ ናይ ዝረኸብናዮ ጸጋ እነኽብረሉን እንዝክረሉን ስለ ዝኾነ ናይ ሓጐስን ፍስሓን መዓልትታት እየን።

ካብ ሰኑይ ጽባሕ ትንሣኤ ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ሰንበት ዘለዋ መዓልትታት መፀውዒ ስምን ምኽንያት ስያመን ተዋሂቡወን ኣሎ።

፩.ሰኑይ (~) ማዕዶት

ዕለተ ሰኑይ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ19፡18 ሮሜ 5 ፣ 10-17) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሣኤኡን ነፍሳት ካብ ሲኦል ኣውጺኡ ናብ ገነት ምስግጋሩ ንምዝካር (ጸአተ እምሲኦል) ማዕዶት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። ማዕዶት ማለት ምስግጋር ማለት እዩ። ነፍሳት ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት ጐይታ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ናጽነት እንተሰበኸሎምን ሓራ እንተውጽኦምን እኳ እዚኣ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሰኑይ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ግብሪ ተዘክርን እያ።

፪.ሠሉስ (~) ቶማስ

ዕለተ ሠሉስ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ20፡24-30) ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ሰንበት ምሸት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያት ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ክግለጸሎም ከሎ ኣብ ሞንጎኦም ሐዋርያ ቶማስ ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ዝነበረሉ ምስ ተመለሰ ካልኦት ሐዋርያት ትንሣኤ ጐይታ ምስ ነገርዎ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ኣብ ሰሙኑ ጐይታ ዳግማይ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ ስለ ዝተገልጸን “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ንሱ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸሉ ነዚ መዘከርታ ክትከውን ተባሂላ እዛ ዕለት ብቶማስ ተሠይማ ኣላ።

፫.ረቡዕ (~) ኣልኣዛር

እዛ ዕለት እዚኣ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ11፡ 38-46) ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር ኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ ምማቱን ምቕባሩን ጎይታ ካብ መቓብር ጸዊዑ ስለ ዘተሥኦ ብዙሓት እውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለ ዝኣመኑን ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ ፤ እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ።” ብምባል ብግልጺ ስለ ዝመሃረን ስለዘርኣየን፡እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓቢይ ግብሪ ትንሣኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ።

፬.ሓሙስ (~) አዳም

እዛ ዕለት እዚኣ ሓሙስ አዳም ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ24፥35-49) እቲ ብጌጋኡ ዝወደቐን ሞት ዝተፈርዶን ቀዳማይ ሰብ ኣዳም እዩ። ስለ ዝተጣዕሰ ድማ ናብ ገነት ዳግማይ ከም ዝምለስ ፤ ኣምላኽ ካብ ጓልጓሉ ተወሊዱ ድሕሪ 5 መዓልትን ፈረቓን ከም ዘድሕኖን ተስፋ ዝተዋህቦ ቅድሚ ኵሉ ድማ ባዕሉ ኣዳም ነበረ። ኣዳም ተስፍኡ ተፈጺሙሉ ምስ ደቂ ደቁ ናብቲ ዝቐደመ ኽብሩን፡ስፍርኡ ገነትን ንምእታዉ መዘከርታ እዛ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ሓሙስ 'ሓሙሰ አዳም' ተባሂላ ትጽዋዕ።

፭.ዓርቢ (~) ቤተ ክርስቲያን

እዛ ዕለት እዚኣ ቤተክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። (ማቴ 26 ፥ 26-29 ፡ ግብሓዋ 20 ፥ 28) ብክርስቶስ ደም ተዓዲጋ ኣብ ዝተመስረተት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ፋሲካ ዘላ ዓርቢ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ቤተ ክርስቲያን ማእከል ስብከት ፣ ስቕለትን ትንሣኤን ፣ ኣካል ክርስቶስ ፣ ዝኾነት ኣማናዊት ቤተልሔም ቤተ እግዚአብሔር እያ።

፮.ቀዳም (~) ቅዱሳት አንስት

እዛ ዕለት እዚኣ ቅዱሳት አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ። ሉቃ8፥2-3 ፣ ሉቃ8 ፥ 38-42 ፣ ማቴ 8፥15 ፣ ሉቃ 23፥27-29 ፣ ሉቃ24፥1-12 ፣ ማቴ25፥1-12 ኣብ ዘመነ ሥጋዌ ንጐይታ ብገንዘበንን ብጉልበተንን ንዘገልገላን ኣብ እዋን ስቕለቱ ድማ ዋይ ዋይ እናበላ ክሳብ ቀራንዮ ንዝሰዓባን መሬት ከይወገሐ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ቅድሚ ሰበን ብለይቲ ናብ መቓብር ጐይታ ጨና ሒዘን ብምግስጋሰን ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ሰብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንዝተገልጸለን ቅዱሳት ኣንስት መዘከርታ ክኸውን 'አንስት' ተባሂላ ተሠይማ ኣላ።

፯.ሰንበት (~) ዳግማይ ትንሣኤ

እዛ ዕለት እዚኣ ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ 20፥24-30) ናይዛ ዕለት እዚኣ ታሪኽ ምስ ሐዋርያ ቶማስ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሠሉስ (ኣብ ማዕዶት) ዝተገልጸ ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሐዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ ንትንሣኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንመበል ካልኣይ ጊዜ ሐዋርያ ቶማስ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያ “ኣፃብዕትኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርአ ፣ ኢድካ ኸዓ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን። ” ኢሉዎ። ንሱ’ውን ኣእዳዉ ናብ ጎኒ ጎይታ (ናብ ዝተወግአሉ) ኣእተዎ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ግርህንኡ ሪኡ ምሒርዎ እዩ። ቶማስ ድማ መሊሱ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚ እዛ መዓልቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሣኤኡ ዘረጋገጸላን ምሥጢር ንሐዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትፍለጥ።

ክብር ወስብሐት ለአምላከ ብርሃን (ብርሃናት) ይደሉ!
ሰለሞን ኣብርሃ

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Digital Woyane - ድጅታል ወያነ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Digital Woyane - ድጅታል ወያነ:

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share