ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna

ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna ሓደሽቲ ሓበሬታታት ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ፣
ፍልይ ዝበሉ ትንታነታት ብቋንቋ ትግርኛ ተኸሺኖም ዝቐርብሉ ናትኩም ኣማራፅን ተወሳኽን ሚድያ!
ላዛ ትግርኛ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንስን

07/23/2025

"እንታይ ክትገብሩ ለይቲ መፂኹም? ቐትሪ ዘይትመፁ ነይርኩም?"

ብምኽንያት ኩናት ዝተባለሸየ ምስሊ ትግራይ ብቱሪዝም ንምስትኽኻል ቡዙሕ ፃዕሪ ጌርና ክብሉ ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሔር ገሊፆም። ነዚ ዝተገልፀ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ ...
07/22/2025

ብምኽንያት ኩናት ዝተባለሸየ ምስሊ ትግራይ ብቱሪዝም ንምስትኽኻል ቡዙሕ ፃዕሪ ጌርና ክብሉ ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሔር ገሊፆም።

ነዚ ዝተገልፀ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 100 መዓልቲታት ኣመልኪቱ ሎሚ መብርሂ ንሚዲያታት ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ።

ከም ቤትዕዮ ሒዝዎም ዝተልዓለ ሽቶታት ስነልቦናዊ ሕውየት ምክያድ፣ ኢንዱስትሪ ትግራይ ምንቅቓሕ ፣ ብርሰት ሓድግታት ትግራይ ጠጠው ንክብልን ዝዓነው ሓድግታት ክፅገኑ ምግባርን ፣ ብምኽንያት ኩናት ዝተባለሸየ ምስሊ ትግራይ ንምስትኽኻል ምስራሕ ብዋናነት ዝጥቀሱ እንትኾኑ እዞም ስራሕቲ ንምስላጥ ምስ መንበረ ሰላማ ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ፣ ምስ ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይን ምስ ሚዲያታት ትግራይን በቢነብሲወከፎም ዝተገበሩ ሓበራዊ ዘተ ሓድግታት ንምዕቃብ ኣብ ዝገበርዎም ስራሕቲ ሓገዝቲ ምንባሮም ዶ/ር ኣፅብሃ ኣብሪሆም።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ኣብ 100 መዓልቲታት ካብ ዘሳለጦም ስራሕቲ ዓቕምታትን ፀጋታትን ትግራይ ንዓለም መድረኽ ዘላሊ ዌብ ሳይት ተኸፊቱ ናብ ተግባር ምእታው ዝተገልፀ ኾይኑ ደንቢ ኣፈጻጽማ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብረ በዓላት ዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዝታይ ሕጊ ወፂእዎ ናብ ፕሬዚዳንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ተመሪሑ ሐዚ ኣብ ቢሮ ፍትሒ እናተርኣየ ዝርከብ እንትኸውን ቐፃሊ ናብ ካብኔ ቐሪቡ ክፀድቕ ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ተገሊጹ።

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር ኣፅብሃ ዘለውና መፅሓፍቲ ትግርኛ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ወሎዶ ናይ ምንባብ ባህሉ ንከዕብን ባህሊ ምንባብ ትግራይ ንምዕባይ ዋዕላታት ከም ዝተኻየዱ ድሕሪ ምግላፅ ትግራይ ማእኸል ባህሊ ስለ ዘድልያ ነዚ ዝኸውን ዲዛይን እናተሰረሐ ከም ዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብ 100 መዓልቲታት ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሓድግታት ምፅጋን ኣካል እቲ ትልሚ ብምንባሩ ዘዘኻኸሩ ኮይኖም ትግራይ ሓድጊ ናይ ምጽጋን ዓቕሚ ዋላኳ እንተዘይብላ 'ቲ ቢሮ ምስ 23 ዓለምለኻውያን ሓገዝቲ መሓዙት ብዝገበሮ ስጡም ርክብ ዝተፈላለዩ ሓድግታት ክጽገኑ ከም ዝተገበረ ዝገለፁ እንትኾኑ ካብዚኣቶም መስጊድ ነጋሽ፣ ቅብጽያ ጊዮርጊስ (ኣብ መዋዳእታ ብርኪ ይርከብ) ፣ ሙዝየም ውቕሮ፣ ኣቡነ ኣፍጼ ገዳም፣ ጽገና ሓወልቲ ኣክሱም ቁ.3 ብዋናነት ጠቂሶም።

እዞም ስራሕቲ ንምውጋን ስራሕ ዕድል ንመናእሰይን ንሆቴላትን ብጠቕላላ ንልዕሊ 4000 ወገናት ስራሕ ዕድል ከም ዝተፈጠረሎም ዝገለጹ ዶ/ር ኣፅብሃ ካብ ትልሚ 100 መዓልቲታት ወጻኢ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓድግራትን ኣሌፍ ፋውንዴሽንን ዝተገበሩ ሓበራዊ ርክባት ውፅኢታዊ ከም ዝነበሩ እውን ሓቢሮም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ብወገኖም ኣብዚ ዝተትሓዘ ትልሚ ንመህወጽቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ይሓን ዓብይዓዲን ተኸታታሊ ናይ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠናታት ከም ዝተውሃበ ድሕሪ ምግላፅ ን115 ሆቴላት ቁጽጽርን ክትትልን ተኻይዱ ኢሎም።

ወሲኾም ድማ ብምኽንያት ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝተሃሰየ ቱሪዝም ንምስትኽኻል ብዝተገበረ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ቁፅሪ ሃወፅቲ ክውስኽ ከም ዝኸኣለ ኣብሪሆም።

"እቲ ሐዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ስራሕትኹም ዘብጸሐልኹም ጽዕንቶ ኣሎዶ? ብኸመይ ኸ ሰጊርኽምዎ? ፣ ኣብ እዋን ኩናትን ድሕሪ ኩናት ዝተጉሓሉ ንዋያትን ቅርስታትን ንምምላስ እንታይ ትሰርሑ ኣለኹም? እቶም ሐዚ ዘለው ቅርስታት ንከይስረቑ ኸ እንታይ ዓይነት ጥንቓቐ ትገብሩ ኣለኹም?" ክብል ሚዲያና ኣብቲ መግለፂ ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ።

ነዚ መልሲ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣጽብሃ እንትኾኑ "ብምኽንያት ፖለቲካዊ ቅዋምና ኣብ ስራሕና ዝበጸሐና ዕንቅፋት የለን ዝበሉ ኮይኖም እቶም ዝተጉሓሉ ቅርስታት ንምምላስ ኣብ ደገ ምስ ዘለው ሓቢሮምና ዝሰርሑ ዓለምለኻውያን ትካላት ምርድዳእ እናተገበረ እዩ ኢሎም። ወሲኾም ድማ እቶም ሐዚ ዘለው ቅርስታት ከይስረቑ ኣብ መንገዲ ኣየር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ጥቡቕ ሓላዋ እናገበርና ንርከብ ክብሉ መልሲ ሂቦም።

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

እዋናዊ መግለፂ ካብ ሕብረት ድልምዓት ራያ (ሕድራ)
07/22/2025

እዋናዊ መግለፂ ካብ ሕብረት ድልምዓት ራያ (ሕድራ)

ካብ 15 ሲቪል ማሕበራት ዝተዋህበ እዋናዊ መግለፂ።
07/22/2025

ካብ 15 ሲቪል ማሕበራት ዝተዋህበ እዋናዊ መግለፂ።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 100 መዓልቲታት ኣመልኪቱ ብዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሔር ኣቢሉ ንሚዲያታት መግለፂ እናሃበ ይርከብ።ዝርዝር ጉዳያት ክነስዕብ ኢና።    ...
07/22/2025

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 100 መዓልቲታት ኣመልኪቱ ብዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሔር ኣቢሉ ንሚዲያታት መግለፂ እናሃበ ይርከብ።

ዝርዝር ጉዳያት ክነስዕብ ኢና።

ላዛ ትግርኛ

ሪፖርተር፦ ክብሮም_ካልኣዩ

15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ "ንዓይ ዝተክአ ኣመሓዳሪ የለይ፤ መተሓባባሪ ኮሚቴ እዩ ዝብሎ'ምበር ዝመደቦ ኣማሓዳሪ የለይ" ክብል ገሊፁ።ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ከምቲ ኣብ ካልኦት...
07/22/2025

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ "ንዓይ ዝተክአ ኣመሓዳሪ የለይ፤ መተሓባባሪ ኮሚቴ እዩ ዝብሎ'ምበር ዝመደቦ ኣማሓዳሪ የለይ" ክብል ገሊፁ።

ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ዝተኻየደ ማህተም ናይ ምሕዳግ ስጕምቲ ከምዘይቕበል ብምግላፅ ሐዚ እውን ንፀጥታ ሓይልታት እቲ ዞባን ህዝብን ኣብ ምትሕብባር ከምዝርከብ ገሊፁ።

"ንዓይ ዝተክአ ኣመሓዳሪ የለይ፤ መተሓባባሪ ኮሚቴ እዩ ዝብሎ'ምበር ዝመደቦ ኣማሓዳሪ የለይ። ካብቲ ቤት ፅሕፈት ወፅየ ኣለኹ። ግና ኣብቲ ዞባ ኰይነ ምስ መንእሰይ፣ ዓበይቲ ዓዲ ብጠቕላላ ምስ ህዝብን ናይ ፀጥታ ሓይልን ኰይነ ሐዚ እውን ነቲ ዞባ ኣብ ምትሕብባር እየ ዝርከብ" ኢሉ።

ኣይተ ሃፍቱ እቲ ብጀነራል ታደሰ ዝተውሃበ መግለፂ ነነርእሱ ዝፃባእ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ምምሕዳር ተፈንጪሎም ምስ ናይ ጀነራል ታደሰ መርገፂ ዝሓዙ ኣመራርሓ ከም ዘየለዉ ከም ዝሓበረ ቢቢሲ ትግርኛ ፀብፂቡ።

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ መምርሒ ወፃኢ ምዕሩይ ዘይኮነ ወሰኽ ክፍሊት ከየርእያን ተሓባቢሮም ክሰርሑን ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።እዙይ ዝተገለፀ ኣመራርሓ ...
07/22/2025

ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ መምርሒ ወፃኢ ምዕሩይ ዘይኮነ ወሰኽ ክፍሊት ከየርእያን ተሓባቢሮም ክሰርሑን ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።

እዙይ ዝተገለፀ ኣመራርሓ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ተሓባቢሮም ንክሰርሑ ሎሚ 15 ሓምለ 2017ዓ.ም ዘተ ኣብ ዘካየድሉ እዩ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣብ ዘተ ህልዊ ኩነታት ትምህርቲ ትግራይ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፣ ግደ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ተበፃሕነትን ውፅኢትን ትምህርቲ፣ ግዚያዊ መምርሒ ክፍሊትን ሓዱሽ ኣዋጅ ትምህርቲ ፀፍሒ ክፍሊት ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ብዘለወን ከኽፍላ ስለዝእዝዝን ምዕሩይ ዘይኮነ ወሰኽ ክፍሊት ብምህላውን፣ ሓዱሽ መምርሒ ከዉፅኡ ከምዝተገደዱ ገሊፆም።

ቢሮ ትምህርትን ኤጄንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን በቢ እዋኑ ንመዳርግቲ ኣካላት ብኣካልን ብሚድያን መልእኽቲ እናመሓላለፉ ከምዝመፁ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ቢሮ እንተኾነ ግና ዝተወሰና ኣብያተ ትምህርቲ ወሰኽ ከምዝገበራን ካብ ቀለንተን ወፃኢ ምዝገባ የካይዳ ከምዘለዋ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣረጋጊፁ ኢሎም።

ኣብቲ ዋዕላ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ መዓዘ እየን ክዕቀና፣ ዓሚ ኣፀቢቐን ዝወሰኻን ዘይወሰኻን ከመይ ማዕረ ይረኣያ፣ መምርሒ ጥሒሰን ዝምዝግባን ዝውስኻን ከመይ ይረኣያ፣ ኣብ ክኢላታት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ክራይ ኣካብነት ከይህሉ ምፍታሽ ከምዘድሊ ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም እዮም።

ቢሮ ትምህርቲ ብዘውፅኦ መምርሒ መሰረት ተገዛእቲ ክኾኑ፣ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዝሓፀረ እዋን ክስራሕ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተውፃእፅኡ ኣካላትን ወለዲ ማሕበርን መሰረት ዝገበረ መበገሲ ሓሳብ ክቐርብ ኣብስምምዕ ከምዝተበፅሐ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ኣብ መቐለ ምስ ዘለዉ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ክፍሊት፣ ዝርግሐን ውፅኢትን ማእኸል ዝገበረ 15 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 61 ኣመራርሓ ኣብዝተረኸብሉ እቲ ምይይጥ ከምዝተሳለጠ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት ክብል ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ።

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘሎ ሒሳብ ቁፅሪ ቢሮ ፋይናንስ ትግራይን ሚኒስትሪ ገንዘብ ፌደራልን ክእገድ ኣዚዙ። ምድብ መጋባእያ ፍታብሄር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራ...
07/22/2025

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘሎ ሒሳብ ቁፅሪ ቢሮ ፋይናንስ ትግራይን ሚኒስትሪ ገንዘብ ፌደራልን ክእገድ ኣዚዙ።

ምድብ መጋባእያ ፍታብሄር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ውዙፍ መሃያ መምህራን ንዕለት 22 ሓምለ 2017 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፆሮ ሂቡ።

ውዙፍ መሃያ መምህራን ትግራይ ክኽፈል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝተውሃበ ውሳነ ዛጊድ ዘይምፍፃሙ ስዒቡ ማሕበር ምምህራን ትግራይ ክሲ ኣፈፃፀም መስሪቱ እቲ ጉዳይ ብፍታብሄር እናተራኣየ እዩ።

ሎሚ 15 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ መጋባእያ፡ ኣብ ሒሳብ ቁፅሪ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይን ሚኒስትሪ ገንዘብ ፌደራልን ዘሎ መጠን ገንዘብ ከምኡ እውን ካብ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ ዝመፀ መረዳእታ ቀሪቡ።

ኣብ ሒሳብ ቁፅሪ ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕሊ ብር ፍርቂ ቢልዮን፡ ኣብ ሒሳብ ቁፅሪ ሚንስትሪ ገንዘብ ድማ ልዕሊ ብር 17 ሚልዮን ከምዘሎ ዝሕብር መረዳእታ ባንክ ቐሪቡሉ፤ ካብ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ድማ ካብቶም መንግስቲ ብሓደራ ዘመሓድሮም እዮም ተባሂሎም ካብ ዝቐረቡ እቶም 4 ኣባይቲ ናይ ውልቀ ሰባት ከምዝኾኑን ዋንነቶም ንምርግጋፅ ፅንዓት ይካየድ ከምዘሎም ዝገልፅ ምላሽ ተዋሂቡ።

ጠበቓታት ኣፈፃፀም ከሰስቲ ብሰንኪ ምጉታት እዚ ጉዳይ ኣብ ፀገም ዝወደቑ መምህራንን ሓፈሻዊ ስርዓት ትምህርትን ኣብ ሓደጋ ስለዘሎ፡ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዶክተር ምሕረት በየነን ብእሱር ቀሪቦም ውሳነ ከፈፅሙ ትእዛዝ ክወሃብ ይግባእ ዝብል መከራኸሪ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ዓቃቢ ሕጊ ተኸሰስቲ ኣብ ዘቕረቦ ምላሽ ድማ ሐዚ ኣብ ሒሳብ ቁፅሪ ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ዘሎ መጠን ገንዘብ ቢሮታት ኣብ 2017 ዓ.ም ዘይተጠቐማሉ በጀት ብሓደራ ዝተቐመጠ ምዃኑ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ዘሎ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክልል ትግራይ ምድብ መጋባእያ ፍታብሄር ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ሒሳብ ቁፅሪ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይን ሚኒስትሪ ገንዘብ ፌደራልን ክእገድን፡ ወፃኢ ዝተገበረ ገንዘብ ቅድሚ ትእዛዝ ድዩ ድሕሪ ትእዛዝ ዝንፅር መረዳእታ ክቐርብን ብምእዛዝ፤ ብወገን ጠበቓታት ኣፈፃፀም ከሰስቲ ዝቐረበ፡ ፕሬዝዳንትን ሓላፊት ቢሮን ብእሱር ክቐርቡ ዝተሓተተ ሕቶ ኣይተቐበሎን።

ጠበቓ ማሕበር መምህራን ትግራይ ኣይተ ዳዊት ከምዝበሉዎ መንግስቲ ትእዛዝ ቤትፍርዲ ከየኽብር ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ኣግባብነት የብሉን ዝበሉ ኮይኖም፡ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ፅልውኡ ከቢድ ምዃኑ ገሊፆም።

ምክትል ፕሬዝዳንት ማሕበር መምህራን ትግራይ መምህር ንግስቲ ጋረድ ከምዝበለኦ ድማ ሎሚ ዝተውሃበ እግድ ሒሳብ ቁፅሪ ተኸሰስቲ ፅቡቕ ውሳነ ምዃኑ ብምግላፅ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ከረጋግፅ ፀዊዐን።

ፍልፍል: ድወት

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ብፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ዝተሾሙ ኣመራርሓ ደቡብ ትግራይ እቲ ሓላፍነት ከምዘይፈልጥዎ ብምሕባር ነፂጎምዎ። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ሎሚ 15 ሓምለ 2017 ዓ...
07/22/2025

ብፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ዝተሾሙ ኣመራርሓ ደቡብ ትግራይ እቲ ሓላፍነት ከምዘይፈልጥዎ ብምሕባር ነፂጎምዎ።

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ሎሚ 15 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ "ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ውሱን ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ኣሎ" ድሕሪ ምባል "እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ብኣይተ ኣስመላሽ ረዳ ኣተሓባበርነት ብንጉሰ ኣበጀ (ወዲ ራያ ) ናይ ፀጥታ ሓላፊ፤ ኣይተ ካልኣዩ ግደይን ወይዘሮ ኣለምን ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ" ክብሉ ገሊፆም እዮም።

በዚ መሰረት ኣብቲ መግለፂ እቶም ፕረዚደንት ሽሞም ዝተጠቐሱ ኣይተ ኣስመላሽ ረዳ ነቲ 'ኣተሓባባራይ' ዝብል ሹመት ኮነ ሓካፍነት ከምዘይፈልጡዎ ከዘይውዓሉዎን ከምኡ ድማ ከምዘይቕበሉዎን እንትሕብሩ ኣይተ ካልኣዩ ግደይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት (ሹመት) ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን ከምዘይቕበልዎን ብምግላፅ እዚ ድማ ኣመራርሓ ናይቲ ዞባ ንምክፍፋል ዝዓለመ ብምዃኑ ብቕልጡፍ ክእረም ኣፍሊጦም።

ብፍላይ ንላዛ ትግርኛ ቃሎም ዝሃቡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ጨርጨር ኣይተ ካልኣዩ ግደይ እዚ ዝተገለፀ ጉዳይ ምንም ሓበሬታ ከምዘይብሎም፣ እቲ 'ምርድዳእ ተገይሩሉ' ዝተብሃለ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ምኳኑ ህዝቢ ይፍልጠልና ክብሉ ኣብ ቐፃሊ ዘሎ ምዕባለታት ንህዝቢ ከምዘፍልጡ ገሊፆም ኣለው።

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ውሱን ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ  ወረደ ገሊፆም።ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተወሰነ ናይ ምምሕዳር ለው...
07/22/2025

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ውሱን ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተወሰነ ናይ ምምሕዳር ለውጢ ይግበር ከምዘሎ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ ጊዜ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ሓለፍቲ ምምሕዳር ካሊእ ናይ ስራሕ መድብ ኣብ ክልል ብተመሳሳሊ ደሞዝን ጥቕማ ጥቕምን ተዳልይሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ነዚ ንምትግባር ፖሊስ ከምዝተላእኸን እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ምምሕዳር ለውጢ ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ይሳለጥ ከምዘሎን ገሊፆም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ብኣይተ ኣስመላሽ ረዳ ኣተሓባበርነት ብንጉሰ ኣበጀ (ወዲ ራያ ) ናይ ፀጥታ ሓላፊ፤ ኣይተ ካልኣዩ ግደይን ወይዘሮ ኣለምን ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ገሊፆም።

ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝኾነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ።

እቲ ምንቅስቓስ መንግስቲ ግድን ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና እዚ ግን ዝኾነ ንምፅራግ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ህዝቢ፣ መናእሰይ፣ ምልሻን ካልኦትን ተሓባበርቲ ክኾኑ ፀዊዒት ኣቕሪቦም።

ፍልፍል: ትግራይ ቴሌቪዥን

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ መብርሂ ይህቡ ኣለዉ። እቲ መብርሂ ኣብ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ትግራይን ...
07/22/2025

ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ መብርሂ ይህቡ ኣለዉ።

እቲ መብርሂ ኣብ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባብታትን መሰረት ዝገበረ እንትኸውን ዝርዝር ትሕዝቶ እናተኸታተልና ናባኹም ክነብል ኢና።

ላዛ ትግርኛ
15 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይምእንተ ሰላምን ምትራፍ ኹናትን ዝግበር ምንቅስቓስ ዋኒን ሕድሕድ ደቂ ብሄረ ትግራይ ክኽውን ኣብ ዝጥለበሉን  ንፅባሕ ኣብ ዘይበሃለሉን እዋን ከም ንርከብ ሳልሳይ ...
07/21/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ምእንተ ሰላምን ምትራፍ ኹናትን ዝግበር ምንቅስቓስ ዋኒን ሕድሕድ ደቂ ብሄረ ትግራይ ክኽውን ኣብ ዝጥለበሉን ንፅባሕ ኣብ ዘይበሃለሉን እዋን ከም ንርከብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን። ኣብዚ መዳይ ዝግበር ቃልሲ፡ ተሳትፎ ኩሎም ሰብ ብፅሒት ማለት እውን ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሲቪል ማሕበራትን ትካላት ሃይማኖትን ከበርኹ ከም ዝግባእ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ካብ ውሽጢ ይኹን ደገ ዝነቕሉ ተርእዮታትን ጉስምታትን ኹናት ንምግታእ ከም ህዝቢ ብሄራዊ ስምረትና ሒዝና ፀቕጢ ኣብ ምፍጣር ፅዑቕ ስራሕቲ ከም ዝፅበዩና እውን ይርዳእ።

ካብቶም ግድን ክንዓሞም ዝግብኡና ስራሕቲ፡ ሰላማዊ መማረፂ ነፂጎም ስልጣን ብብረት ከፅንዑ ሕርዲግ ዝብሉ፣ ሕጊ ጥሒሶም ብኢደ ወነኖም ትካላት ክብሕቱ ዝንቀሳቐሱ ዘለው መሪሕነት ሰበ- ህወሓት ናብ ሰላማዊ መድረኽ ክምለሱን ንዝርርብ ቅሩባት ክኾኑን ፀቕጢ ምግባር እቲ ቀዳማይ ዕማም ይኸውን። እዚ ንሰላማዊ መድረኽን ድርድርን ዝጥምት ዕላማን ፃውዒትን ብረት ንዝተሓንገጡ ካልኦት ሓይልታት ትግራይ እውን ዝሓውስ ክኸውን ድማ ግድን ይብል።

ፌደራል መንግስቲ ንዘሎ ፖለቲካዊ ሓጓፍ ተበሊፁ ትግራይ ንምድቃቕን ንምድኻምን ዝኸዶ ዘሎ ፅንተታዊ መገዲ ሓላፍነት ዝጎዶሎ እዩ። ብስም መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታት ድራማ ካብ ምስራሕን ምፍርራሕን ወፂኡ ተግባራዊ መርኣያታት ሰላም ብምስዓብ ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኝነት ከረጋግፅን ሕጋዊ ጠለባት ትግራይ ክምልስን ፀቕጢ ምግባር ድማ ተወሳኽን ብቕልጡፍ ክውገን ዘለዎ ዕዮ ገዛ ደቂ ብሄረ ትግራይ ይኸውን።

እዚ ኹሉ ዕዉት ክኸውን ኣብ ትግራይን ብደቂ ትግራይ ዝዕመም ስራሕቲ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ ወፍሪ ድሕነት ትግራይ ኹሉ ግድኡ ከዋፅእ ድማ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
14 ሓምለ 2017
ትግራይ፡ መቐለ

Address

Dorchester Center, MA

Telephone

+251962190971

Website

http://www.lazatigrigna.com/

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna:

Share

እዚ ሓድሽ ፌስቡክ ላዛ ትግርኛ እዩ

ቕድም ክብል እቲ ንልዕሊ 2 ዓመት እዋናዊ ሓበሬታ ናባኹም ነብለሉ ዝነበረ ልዕሊ 300 ሽሕ ተኸተልቲ ዝነበሮ ናይ ፌስቡክ ገፅና ብሰረቕቲ ከምዝተመንጠልና ብዝተፈላላዩ መንድገድታት ገሊፅና ነይርና። ነቲ ናይ ቐደም ፔጅ ንምምላስ ዝተኻእለና ኹሉ ንገብር ኣለና። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ግን ነዚ ፔጅ ንክትከታተሉ ብኽብሪ ንላቦ።