Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Kulu Media ኩሉ ሚድያ WELCOME TO KULU MEDIA & ENTERTAINMENT

We are here to deliver the truth to the people.

05/08/2025

🚫ተምቤን መሕብኢት ጥራይ ኣይኮነትን!⚠️

እወ ተምቤን ኣብ ጭንቅን ፀበባን ምስኣተኻ መህቢእትካ ጥራይ ኣይኮነትን!

ህዝቢ ያቔር ብጥሜት እናተወደአ፣ ሃፍቱን ጥሪቱን ወዲኡ ዝብላዕ ስኢኑ በብማዓልቱ እናሞተ፣ ንስኻ እናዞርካ መፅሓፍ ትምርቕ። ብሂወት ዘሎ እናሞተ እናርኣኻ ከምዘይርኣኻ ትሓልፍ። ኣዶ ተምቤን ዝርካባ ነጊፋ ብዘትረፈቶ ሂወትካ ንስኻ ግን ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝተውሃበ በጀት እኳ ከም ትግራወይቲ ኸሊእካያ። ንሓንቲ ጣብያ ንከይትበፅሐላ እናለገምካ ብዛዕባ ኣብ ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ትግራይ ዝተሰወአ መፅሓፍ ክፅሕፍ መፅሓፍ ክምርቕ ትብል። እቲ ኣብ ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ትግራይ ዝተሰውአ ዕሸል ውላዳ መንጢልካ ሂወታ ክትምንጥል ፀማም እዝኒ ሂብካያ።

⚠️ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ወይ መንግስቲ ኹን ወይ እታ ወንበር ንመንግስቲ ሃባ።



ኩልኻ ተወላዲ ተምቤንን ፈታዊ ህዝቢ ተምቤንን ሼር ብምግባር ናብ ኩሉ ነባፅሐዮ።

29/07/2025

ካብዚኣስ እንታይ ትወፃ? ነዚ ዘረባ እዚ ሰሚዑ ዘይርድኦ መቸም ኣይህሉን። የቐንየልና ጅግና ወላዲ

“እዚ ሰራም ጉጅለ ከም ህዝቢ ተማላሊእና ቅድሚ ምጥፍኡ ዓገብ ንበሎ::” ኣይተ ጌታቸው ረዳሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ናይ ውልቀ ናይ...
28/07/2025

“እዚ ሰራም ጉጅለ ከም ህዝቢ ተማላሊእና ቅድሚ ምጥፍኡ ዓገብ ንበሎ::” ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ናይ ውልቀ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ሒሳቡ ብዛዕባ ህወሓት ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቱ ነዚ ዝስዕብ ፅሑፍ ኣካፊሉ።

"ኣፈላላይ ብሓይሊ: ብብረት: ብዕንቅፅና ናይ ምፍታሕ ሕማም ኣብ መዋእሉ ኩሉ ዘርአየ መሪሕነት ክንዲ ካብ ጌጋታቱ ክምሃር ንስልጣን ክብል ሕዝ'ውን ከም ልማዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ዓቕለ ፅበት ስጉምታት ይወስድ'ሎ:: ውድቀትን ዕግርግርን ከም ናይ ክብሪ ካባ ዝወስድ ፀማምን ዝጠፈሸን ጉጅለ ሕዚ ድማ ንህልውናን ሉኣላውነትንህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፈ ሓይሊ ፀጥታ መሳርሒኡ ክገብር ብግብሪ ይንቀሳቐስን ጥፍኣት የብፅሕን'ሎ::
ክብርታት ትግራይ ኣሀጊሩ እንተብቅዕ: ሕዚ ድማ ህልውና ትግራይን ህዝባን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪዱ ህልውናን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ከፀልምት ላሕ ይብል'ሎ::
እዚ ሰራም ጉጅለ ከም ህዝቢ ተማላሊእና ቅድሚ ምጥፍኡ ዓገብ ንበሎ::"

ህወሓት ዳግማይ ከምዝተገምዐ ተገሊፁ። Kulu Media ኩሉ ሚድያ፣ 21 ሓምለ 2017 ዓ/ም - መቐለኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ህፁፅ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ ህወሓት ኣብ ጉጅለታት ከምዝተገምዐ...
28/07/2025

ህወሓት ዳግማይ ከምዝተገምዐ ተገሊፁ።

Kulu Media ኩሉ ሚድያ፣ 21 ሓምለ 2017 ዓ/ም - መቐለ
ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ህፁፅ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ ህወሓት ኣብ ጉጅለታት ከምዝተገምዐ ይሕበር ኣሎ። ቅድሚ ሕዚ ውድብ ንምድሓን ጉባኤ ክነካይድ ኢና ኣይነካይድን ብዝብል ኣፈላላይ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕን ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ምግምዑ ይዝከር።

ሕዚ ድማ ውድብ ንምድሓን ብዝብል መበል 14 ጉባኤ ዘካየደ ጉጅለ ተመሊሱ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ምውፃእ ይርከብ።
ኣሰር ጌታቸው ረዳ ተኸቲሉ ካብ ህወሓት ተፈንጪሉ ዝወፀ ብኣለም ገብረዋህድ ዝምራሕ ጉጅለ ከምዝኾነ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ኣፈላላይ ትግራይ ምስ ሻዕብያን ፌደራል መንግስትን ዘለዋ ርክብ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እንትኾን ብወገን ደብረፅዮንን ፈትለ ወርቅን ምስ ሻዕብያን ፋኖን ፅምዶ ፈጢርና ስርዓት ብልፅግና ብምእላይ ግዝኣታዊ ሓድነትና ነረጋግፅ ዝብል እንትኸውን ብወገን እኒ ኣለም ገብረዋህድ ድማ ዝተጀመረ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣፅኒዕና ግዝኣትና ንመልስ ዝብል እዩ።

እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ናይ ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ስልጣን እውን እዩ ተባሂሉ። ቅድሚ ሕዚ ኣለም ገብረዋህድ ምኽትል ፕረዚዳንት ክኸውን እዩ ተባሂሉ ዝነበረ ኮይኑ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዘካየዶ ኣኼባ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ስለዘይኮነ እቲ ቦታ ኣይግቦኦን ተባሂሉ ክንፀግ ተገይሩ እዩ።

ሹመት ዝተኸልአ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ምስ ሓለፍቲ ህወሓት ኣፈላላይ ፈጢሩ ካብ ኣኼባን ኣብ ሰማእታት በዓል እውን ከይተረኸበ ንነዊሕ እዋን ፀኒሑ እዩ።

ድሓር ብዝተገበረ ምርድዳእ ኣይተ ኣለም ሓዱሽ ሹመት ተዋሂብዎ እዩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ንኣለም ገብረዋህድ ካብ ሰነ 01/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብደረጃ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ክትትል ዞባ፣ ወረዳን ከተማን ኮይኑ ክሰርሕ ምሻሙ ይዝከር።

በዙይ ግን ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ሕጉሳት ከምዘይኮኑን ኣይተ ኣለም ስረሑ ከይጅምር ዕንቅፋት ኮይኖም ፀኒሖም እዮም። ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ 'ኣብ ጐነፃዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፉ' ብዝብል፡ ካብ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሪዙ ዝፅንሐ ህወሓት፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ግእዝ) ከም ሕጋዊ ውድብ ዝተመዝገበ ዀይኑ፡ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብርን፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ካብ'ቲ ቦርድ ተኸታተልቲ ደብዳበታት ከምዝተፅሓፎ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብፍሉይ ብኢድ ኣእታውነት ሚኒሰተር ፍትሕን፡ ፖለቲካዊ ውሳነ መንግስቲ ፌዴራልን፡ መሊሱ ሕጋዊ ዀይኑ ዝተመዝገበ ውድብ፡ ከም ሓድሽ ሰልፊ ዘይኰነስ፡ 'ነባር ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ' ብምሕታት ኣብ መጀመርታ ነቲ ምዝገባ ኣይተቐበሎን ነይሩ።

እንተዀነ፡ ነቲ ምዝገባ ብዕሊ እንተዘይተቐበለ'ኳ፡ እቲ ብደብፅዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ብዝብል ዝፍለጥ ብናይ ባዕሉ ሓፈሻዊ ኮሚሽን ቁፅፅር ኰነ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ኣብ 13 ነሓሰ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ጠቕላለ ጉበኤ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

ኣፍልጦ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝሰኣነ ጉባኤ ህወሓት፡ ነቶም ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ነበር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣባላት ማእከለይ ኮሚቴ ካብ ኣባልነት ብምእጋድ፡ ሓደሽቲ መራሕቲ መሪጹ ዛዚሙ ነይሩ።

ይኹን እምበር ህወሓት ዘካየዶ "መበል 14 ጉባኤ" ሕጋዊነት ዘይብሉ ምዃኑ ብምግላፅ፡ ዝተውሃቦ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ናይ ግዜ ገደብ ከይሓለፈ ሕጋዊ ጉባኤ ከካይድ ፡ እቲ ቦርድ ብ17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣጠንቂቑ።

በዙይ እውን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጋዊ መስፈርታት ዘየማለአን፡ ግቡእ መስርሕ ዘይተኸተለን ምዃኑ ደጊሙ ብምርግጋፅ፡ እቲ ውድብ ኣብ ውሸጢ ሰለስተ ወርሒ ጌግኡ ኣሪሙ ደብዳበ ክጽሕፍን፡ ተዓዘብቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተረኽብሉ ሕጋዊ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ወሲኑ ፀኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ድርጅት ኮይኑ ከይንቀሳቀስ ብቦርድ መረፃ ተሰሪዙ እዩ። ብህወሓት ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

“ስራሕና ጀሚርና ኣለና” - ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይንዝሓለፉ 6 መዓልታት ካብ ስራሕ ተኣጓጒለን ዝቐነያ ኣብያተ ዕዮ ዞባ ደቡብ ሎሚ ስሩዕ ስረሐን ጀሚረን።ዋና ኣማሓዳሪ ሃፍቱ ኪሮስ ሓዊሱ...
28/07/2025

“ስራሕና ጀሚርና ኣለና” - ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ

ንዝሓለፉ 6 መዓልታት ካብ ስራሕ ተኣጓጒለን ዝቐነያ ኣብያተ ዕዮ ዞባ ደቡብ ሎሚ ስሩዕ ስረሐን ጀሚረን።

ዋና ኣማሓዳሪ ሃፍቱ ኪሮስ ሓዊሱ ኩሉ ኣመራርሓ ኣብ ስሩዕ መንግስታዊ ስርሑ ይርከብ ኢሉ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ሎሚ ሓምለ 21/2017 ዓ.ም ንቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ሓፂር ሓበሬታ ።

ፕሬዜዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ወከልቲ ህዝብን ኣመራርሓ ዞባን ዘካየዶ ዘተ ዝፈጠሮ ተነፃፃሪ ምርድዳእን ርግኣትን ፈጢሩ ዝበለ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ደቡብ ትግራይ : እቲ ዘተ ሓምለ 27/2017 ዓ.ም ክካየድ ቆፀሮ ከምዝተትሓዘ እውን ገሊፁ።

ፕሬዜዳንት ታደሰ ወረደ (ሌ/ጀነራል) "ንኣማሓዳሪ እታ ዞባ ካብ ሓምለ 14/2017 ዓ.ም ካብ ሓላፍነት ኣልዒለ " ምባሉ ስዒቡ እቲ ዞባ ኣብ ተቓውሞን ዘይህዱእ ኩነታትን ከምዝቐነየ ይዝከር።

ኣማሓዳሪ ዞቦኦም "ብዘየእምን ምኽንያት እዮም ተላዒሎም " ኢሎም ዝኣምኑ ነበርቲ ራያ ዓዘቦ ትማሊ ሓምለ 20/2017 ዓ.ም ቁጥዐ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።

ካብ ኩለን ክልላትን  ምምሕዳር  ከተማታትን ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባ ገዳን ነጋዶን ዝርከብዎም ተወከልቲ  ምስ  ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደአን ካቢኔኦምን ኣብ ዝተፈላለዩ ...
28/07/2025

ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባ ገዳን ነጋዶን ዝርከብዎም ተወከልቲ ምስ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደአን ካቢኔኦምን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንምምይያጥ ሎሚ 21 ሓምለ 2017 ዓ/ም ከተማ መቐለ ኣትዮም።

እቶም ኣጋይሽ ምስ ኣመራርሓ ግ/ም/ት ፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ሰላምን ተዛመድቲ ርእሰ ጉዳያትን ኣተኲሮም ይዝትዩ ከምዘለው ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Kulu Media News

ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠብ መጠንቀቕታ ቀሪብሉ።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመልኪቱ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራ...
27/07/2025

ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠብ መጠንቀቕታ ቀሪብሉ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመልኪቱ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ከምዘመላኽቶ ፕ/ ግ/ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ "ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ" ክገብርየ ብዝብል ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ካብ መቐለ ብምልኣኽ ናይ ኣመሓደርቲ ለውጢ ብሓይሊ ንምፍፃም ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ህዝቢ ዓብይ ቑጠዐ ፈጢሩ እዩ ዝበለ ኮይኑ እቲ ስጉምቲ ብወታድራዊ ሓይሊ ዝተሓገዘ ናይ ህዝቢ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ተግባር ብምዃኑ፣ ዘምፅኦ ውፂኢትን ሓደገኛነትን ብምርዳእን ናይ ህዝቢ ድልየት ብምድጋፍን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS)፣ ነቲ ብፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትእዛዝ ዝተወሰደን ዝዉሰድ ዘሎን፣ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዝኸፈአ ዕግርግር ዘምርሕ ተግባር ብትረት እናኾነነ ብቕልጡፍ ጠጠዉ ክብል ድማ ብኣንክሮት ይፅዉዕ ኢሉ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ Comment።

ሰበር ዜና--------ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ክጅመር ምዃኑ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ተዛሪቡ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ንጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ...
27/07/2025

ሰበር ዜና
--------

ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ክጅመር ምዃኑ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ተዛሪቡ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ንጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ 19-ሓምለ -2017ዓ/ም ብ I can't be silent about tigray ወይድማ "ኣብ ዛዕባ ትግራይ ስኽ ኣይብልን" ብዝብል ዝተዳለወ ናይ ዙም መደብ ከምዝገለፆ" ጀነራል ታደሰ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንክሕግዞ ብቅንዕና ተናጊሩኒ እዩ ኣነ ውን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክሳብ ዝሰራሕኻ ዝከኣለኒ ክሰርሕ እየ ኢለዮ" ክብል ዝገለፀ ኣይተ ጌታቸው ረዳ "በዚ ድማ ክሳብ ናብ ምዕራብ ትግራይ ኬደ እቲ ዝርዝር ውን ታደስ ዝፈልጦ እዩ ብሓቂ ኣብ ሑመራ ምስቶም ዝተራኸብኩዎም ሰባት ናይ ተመዛብልቲ ምምላስ ዘጨንቆም ኣይኮነን ምናልባት ዝተወሰኑ ብገበን ቅትለት ፡ ኣብ ስርቂ ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት ክህልው ይክእሉ እዮም ኣብዛሓ ግን ዓንቃፊ ከምዘይኮነ እየ ተረዲአ" ኢሉ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ Comment ኣለኩም

ማዕበላዊ ሰልፊ ህዝቢ መኾኒ - ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዘቐረቡ ጭርሖታት----------------------------• "ህውሓት አይውክለናንን"• "መስዋእትና ንህዝቢ ትግራይ እዩ፤ ንውሑዳት ውልቀ ...
27/07/2025

ማዕበላዊ ሰልፊ ህዝቢ መኾኒ - ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዘቐረቡ ጭርሖታት
----------------------------
• "ህውሓት አይውክለናንን"
• "መስዋእትና ንህዝቢ ትግራይ እዩ፤ ንውሑዳት ውልቀ ሰባት አይኮነን።"
• "ሕርያና ሰላም እዩ።"
• "ኣብ ሰላምን ልምዓትን ኢና ዘለና፤ ግደፉና።"
• "ድሌት ህዝቢ ዘይቕበልን ዘየማእኽልን ግን ድማ ድሌት ሓደ ውድብን ውልቀ ሰባትን ከፈፅም ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምትዕርራይ ኣይንቕበልን።"
• "መሰል ዓርሰ ምሕደራና ክንካእ የብሉን"
• "ኩናትን ወረ ኩናትን ኣይንደልን።"
• "ፍትሕን ማዓርነትን ይስፈን።"
• "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ራያ ይፍጠር ዘሎ ኩለመደያዊ ተፅዕኖ ብፍጥነት ጠጠው(ደው) ይበል።" ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም

Kulu Media ኩሉ ሚድያ

25/07/2025

ሃፍቱ ኪሮስ ናብ ማይጨው እንትኣትው

ሰበር ዜና:————-ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራየ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝኣለዮ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።
23/07/2025

ሰበር ዜና:
————-
ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራየ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝኣለዮ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።

Address

Istanbul
34664

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kulu Media ኩሉ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Kulu Media ኩሉ ሚድያ:

Share