ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

ኣላጀ ሚድያ Alaje Media ብራኸ ህዝቢ ትግራይ

እንኳዕ ኣብፅሐ😍🙏ለለ ፅባሕ ናብ ዓውዲ . . .🚜
11/30/2025

እንኳዕ ኣብፅሐ😍🙏

ለለ ፅባሕ ናብ ዓውዲ . . .🚜

ዓውዲ ሓዳር😍        ሕደሩታ🙏
11/27/2025

ዓውዲ ሓዳር😍
ሕደሩታ🙏

ምስሊ ዓውዲ ወጋሕታ🌾😍ሓደርኹም✋AFD - Alaje Farmers Development Center
11/27/2025

ምስሊ ዓውዲ ወጋሕታ🌾😍
ሓደርኹም✋
AFD - Alaje Farmers Development Center

ዘይተራኸበ ጉዕዞ ኣፅቢ . . . ይቅርታ🙏ትግራይ ካብ ዝኣትው ዕለት ጀሚሩ ብብዙሕ ምኽንያት ብፍላይ ድማ ምስ ሓረስቶት ዝተተሓሓዘ ዋኒን ናብ ወረዳ ኣፅቢ ተመላሊሰ ኣለኹ ፤ ቕድሚ ዓሚ ብዕደላ...
11/26/2025

ዘይተራኸበ ጉዕዞ ኣፅቢ . . . ይቅርታ🙏

ትግራይ ካብ ዝኣትው ዕለት ጀሚሩ ብብዙሕ ምኽንያት ብፍላይ ድማ ምስ ሓረስቶት ዝተተሓሓዘ ዋኒን ናብ ወረዳ ኣፅቢ ተመላሊሰ ኣለኹ ፤ ቕድሚ ዓሚ ብዕደላ ዘርኢ ፤ ዓሚ ብመፅናዕቲ ማይ ፤ ሎሚ ብዘባጢት እኽሊ ማሽን(ዓውዲ)።

ኣፅቢ ብዝሓለፈ ኲናት ፣ ቐፂሉ መሰከፊ ድርቂን ፍልሰት ስደት መናእሰይን ከቢድ ምዕራፋት እናተኣናገደት ዝመፅአትን ዘላን'ያ ፤ ዋላኳ ናይ ሎሚ ዓመት ዘሎ ምህርቲ ምስቲ ዝሓለፈ ክነፃፀር ከሎ " ተመስገን" ዘብል ይኹን እንበር።

ናይ ሎሚ ዓመት ናብ ኣፅቢ መምፅእየይ ዛዕባ ትካል ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት ምስ ከም መቕረባይ ቴክሎጂታት ሕርሻ ማማይ ግሩፕ ዝመሳሰሉ ትካላት ብምዝርራብ ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት እናዘርና ብእንረኽቦ ሓገዝ፦
1,ብዋናነት ሓረስታይና ምስ ቴክኖሎጂ ክነላምዶ
2, ኣብ ሞንጎ ብዕራይን ማሽንን ዘሎ ብዓይኑ ርእዩ ንፅፅር ከቐምጥ
3, ክነላምዶ ውን ንፅፅር ከቐምውጥ ውን እንተኾይኑ ኣብ'ቶም ዝተፀገሙ ፣ ብዕራይ ዘይብሎም ፣ ስድራ ስውኣት ክኸውን'ዩ ነይሩ ዕቅድናን ኽያዶናን!

ከምኡ ግን ኣይፀንሐናን ሓረስታይ ኣፅቢ።

ሓረስቶት ኣፅቢ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝርእይዋ ዝሰምዕዋ ኣብ ቐልቦም ፣ ሓሳቦም ፣ ሕልሞም ፣ ቐዲሞም ኣቐሚጦምዋ ዝነበሩ ማሽን'ዮም ብዓይኖም ርእዮምዋ ፤ ንፅፅር ኣየድልዮም ፤ ምልማድ ኣየድልዮም ፤ ሓረስቶት ኣፅቢ ካብቲ ንግምቶም ንላዕሊ ዘዕርፎም ፣ ጉልበቶም ፣ ግዜኦም ፣ ወፃኢኦም ፣ ብኽነት እኽሎም ዝቕንሰሎም ቴክኖሎጂ ምኳኑ ኣረጋጊፆም ፀኒሖምና 'ለው።

ነዙይ ውን 'ዩ ቐትሪ ስርሕ ውዒልና ቑሪ ለይቲ ተፃዊርና "ዋላ ለይቲ ዝበጡልና በይዛኹም" ንዝብል ሕትኦም ብነጥቢ ክንምልስ ንፅዕር ዘለና ፤ ሓረስቶትና ኣብዚ በፂሖም ኣለው።
'ቲ ዘሕዝን ግን 'ታ ንምልማድ ኢለ ሒዘያ ዝኸድኹ ዘባጢት ማሽን ሓንቲ'ያ ፤ ካልኣይ የብላ ሳልሳይ የብላ።
ኣይኮነንዶ ንሓደ ወረዳ ሓንቲ ዘባጢት ማሽን ክትኣክል ፤ ክሳዕ ሕዚ ካብ ሓንቲ ጣብያ ክንወፅእ ኣይክኣልናን ፤ ብዕራይ ዝፀመደ እናፈትሐ ፤ ዘይተዓፀደ እኽሊ እናዓፀደ ፤ ስሙ ኣብ ዝርዝር ወረቐት ኣስፊሩ ተራ ዝፅበይ ዘሎ ሓረስታይ ኣፅቢ ቑፅሩ ቐሊል ኣይኮነን።

ዓቕሚ ትግራይ (ትግራዋይ) ኣብ ዘላቒ ዛዕባ ኣድሂብና እንተንሰርሕ ፤ ንዓመታት ብስም ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ዝፍጠሩ ፀገማት ንግዝያዊ መፍትሒ ተባሂሎም ዝባኽኑ ዓቕሚታትን ወፃእታትን ብመጠኑ ምቐነሱ።
ዝበዝሕ ሚኢታዊ ሓረስታይ ንዘለዋ ዓዲ ፣ እሞ ድማ ናይ ሓንቲ ዓዲ ምዕባለ ዘረጋግፅ ዘርፊ ሕርሻ ፤ ኣቕርቦትና ንሱ ዘምርቶ ስንዳይን ዒልቦን ዘይኾነስ ፤ ስርሑ ዘቕልለሉ ፣ ዝናብ ሰማይ ዘይጥምተሉ ፣ ምህርቱ ሓፍ ዘብለሉ ቴክኖሎጂ ክኾን ይግባእ ፤ ሕዚ ውን ኣይረፈደን።

ሰብ ሃፍቲ ፣ ዳያስፖራ ፣ ኣቅረብቲ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ፣ ተወለድቲ ዓድን ፈተውቲ ትግራይን ሕዚ ውን 'ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቕቓሕን ምልማድን ኣብ ዝቕፅሉ ወረዳታት ንምፍጣር ፤ ምስ ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት AFD - Alaje Farmers Development Center ኾይንኹም ምንቅስቓስና ዝበለፀ ፍረ ንክህልዎ ግደኹም ክትዋፅኡ መፀዋዕታይ የቕርብ።
ዓንዲ ሑቐ ዓድና ንደግፍ ቀጥ ኽንብል!
ሰናይት ገብሩ'የ ካብ ኣፅቢ -ፈለገ ወይኒ!🙏

ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401

11/25/2025

ኻልኣይ ምሸት😍
ለለ ኣብ ዓውዲ🌾

"ቐውዒ ወቕቲ ጥራይ ኣይኮነን ፤ ወቕቲ ህላወና 'ዩ"!

ኸቢድ ስራሕ ንዝቐለለ ናብራ . . .🌾😍
11/25/2025

ኸቢድ ስራሕ ንዝቐለለ ናብራ . . .🌾😍

11/24/2025

ቐውዒ =>ወቕቲ ህላወ😍
ንህላወና ዋላ ለይቲ ደርጓዕ😁

11/23/2025

ከምቲ ልሙድ ሓረስታይና ንምሕጋዝ ፤ ቐፂሉ ውን ዘመናዊ መሳርሒታት ንምልማድ ኣሃዱ ኢልና ፅባሕ ስራሕና ክንጅምር ኢና!
እዙይ ምልማድ ፣ ምሕጋዝ ፣ ምስፍሕፋሕ ግን ንብዙሓት ሓረስቶት ተጠቀምቲ ንምግባር ሓገዝኹም የድልየና 'ሎ !

ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401

Tell: +251900967748
[email protected]

11/23/2025

ምቕናየይ . . .
ጉዕዞ ጀሚርና 'ለና ናብ ወረዳ ኣፅቢ 🌾

11/19/2025

ተኣንገዱታ . . .
መደብ ሌላ 😍 ምስ ትግራይ ቲቪ

Address

New York, NY

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣላጀ ሚድያ Alaje Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ኣላጀ ሚድያ Alaje Media:

Share