11/26/2025
ዘይተራኸበ ጉዕዞ ኣፅቢ . . . ይቅርታ🙏
ትግራይ ካብ ዝኣትው ዕለት ጀሚሩ ብብዙሕ ምኽንያት ብፍላይ ድማ ምስ ሓረስቶት ዝተተሓሓዘ ዋኒን ናብ ወረዳ ኣፅቢ ተመላሊሰ ኣለኹ ፤ ቕድሚ ዓሚ ብዕደላ ዘርኢ ፤ ዓሚ ብመፅናዕቲ ማይ ፤ ሎሚ ብዘባጢት እኽሊ ማሽን(ዓውዲ)።
ኣፅቢ ብዝሓለፈ ኲናት ፣ ቐፂሉ መሰከፊ ድርቂን ፍልሰት ስደት መናእሰይን ከቢድ ምዕራፋት እናተኣናገደት ዝመፅአትን ዘላን'ያ ፤ ዋላኳ ናይ ሎሚ ዓመት ዘሎ ምህርቲ ምስቲ ዝሓለፈ ክነፃፀር ከሎ " ተመስገን" ዘብል ይኹን እንበር።
ናይ ሎሚ ዓመት ናብ ኣፅቢ መምፅእየይ ዛዕባ ትካል ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት ምስ ከም መቕረባይ ቴክሎጂታት ሕርሻ ማማይ ግሩፕ ዝመሳሰሉ ትካላት ብምዝርራብ ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት እናዘርና ብእንረኽቦ ሓገዝ፦
1,ብዋናነት ሓረስታይና ምስ ቴክኖሎጂ ክነላምዶ
2, ኣብ ሞንጎ ብዕራይን ማሽንን ዘሎ ብዓይኑ ርእዩ ንፅፅር ከቐምጥ
3, ክነላምዶ ውን ንፅፅር ከቐምውጥ ውን እንተኾይኑ ኣብ'ቶም ዝተፀገሙ ፣ ብዕራይ ዘይብሎም ፣ ስድራ ስውኣት ክኸውን'ዩ ነይሩ ዕቅድናን ኽያዶናን!
ከምኡ ግን ኣይፀንሐናን ሓረስታይ ኣፅቢ።
ሓረስቶት ኣፅቢ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝርእይዋ ዝሰምዕዋ ኣብ ቐልቦም ፣ ሓሳቦም ፣ ሕልሞም ፣ ቐዲሞም ኣቐሚጦምዋ ዝነበሩ ማሽን'ዮም ብዓይኖም ርእዮምዋ ፤ ንፅፅር ኣየድልዮም ፤ ምልማድ ኣየድልዮም ፤ ሓረስቶት ኣፅቢ ካብቲ ንግምቶም ንላዕሊ ዘዕርፎም ፣ ጉልበቶም ፣ ግዜኦም ፣ ወፃኢኦም ፣ ብኽነት እኽሎም ዝቕንሰሎም ቴክኖሎጂ ምኳኑ ኣረጋጊፆም ፀኒሖምና 'ለው።
ነዙይ ውን 'ዩ ቐትሪ ስርሕ ውዒልና ቑሪ ለይቲ ተፃዊርና "ዋላ ለይቲ ዝበጡልና በይዛኹም" ንዝብል ሕትኦም ብነጥቢ ክንምልስ ንፅዕር ዘለና ፤ ሓረስቶትና ኣብዚ በፂሖም ኣለው።
'ቲ ዘሕዝን ግን 'ታ ንምልማድ ኢለ ሒዘያ ዝኸድኹ ዘባጢት ማሽን ሓንቲ'ያ ፤ ካልኣይ የብላ ሳልሳይ የብላ።
ኣይኮነንዶ ንሓደ ወረዳ ሓንቲ ዘባጢት ማሽን ክትኣክል ፤ ክሳዕ ሕዚ ካብ ሓንቲ ጣብያ ክንወፅእ ኣይክኣልናን ፤ ብዕራይ ዝፀመደ እናፈትሐ ፤ ዘይተዓፀደ እኽሊ እናዓፀደ ፤ ስሙ ኣብ ዝርዝር ወረቐት ኣስፊሩ ተራ ዝፅበይ ዘሎ ሓረስታይ ኣፅቢ ቑፅሩ ቐሊል ኣይኮነን።
ዓቕሚ ትግራይ (ትግራዋይ) ኣብ ዘላቒ ዛዕባ ኣድሂብና እንተንሰርሕ ፤ ንዓመታት ብስም ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ዝፍጠሩ ፀገማት ንግዝያዊ መፍትሒ ተባሂሎም ዝባኽኑ ዓቕሚታትን ወፃእታትን ብመጠኑ ምቐነሱ።
ዝበዝሕ ሚኢታዊ ሓረስታይ ንዘለዋ ዓዲ ፣ እሞ ድማ ናይ ሓንቲ ዓዲ ምዕባለ ዘረጋግፅ ዘርፊ ሕርሻ ፤ ኣቕርቦትና ንሱ ዘምርቶ ስንዳይን ዒልቦን ዘይኾነስ ፤ ስርሑ ዘቕልለሉ ፣ ዝናብ ሰማይ ዘይጥምተሉ ፣ ምህርቱ ሓፍ ዘብለሉ ቴክኖሎጂ ክኾን ይግባእ ፤ ሕዚ ውን ኣይረፈደን።
ሰብ ሃፍቲ ፣ ዳያስፖራ ፣ ኣቅረብቲ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ፣ ተወለድቲ ዓድን ፈተውቲ ትግራይን ሕዚ ውን 'ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቕቓሕን ምልማድን ኣብ ዝቕፅሉ ወረዳታት ንምፍጣር ፤ ምስ ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት AFD - Alaje Farmers Development Center ኾይንኹም ምንቅስቓስና ዝበለፀ ፍረ ንክህልዎ ግደኹም ክትዋፅኡ መፀዋዕታይ የቕርብ።
ዓንዲ ሑቐ ዓድና ንደግፍ ቀጥ ኽንብል!
ሰናይት ገብሩ'የ ካብ ኣፅቢ -ፈለገ ወይኒ!🙏
ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401