Axumawian Media Network

Axumawian  Media Network Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Axumawian Media Network, Media/News Company, 1239 S 52nd Street, Philadelphia, PA.

AMN (Axumawian TV ) is an independent platform committed to informing and empowering the public through truthful journalism and civic storytelling focused on Tigray, Ethiopia, Eritrea, and the Horn of Africa.

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይካብ ቤቶም ዝተፈናቐሉን ዝተሰደቱን ደቂ ብሄረ ትግራይ ዝሓለፍዎን ይሓልፍዎ ዘለውን መዓት ኣዝዩ ኸቢድን መሪርን ምዃኑ ይፍለጥ። ሕፃፅ ዝቐለዐቶ ምረትን ዕምቆትን ሓ...
12/22/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ካብ ቤቶም ዝተፈናቐሉን ዝተሰደቱን ደቂ ብሄረ ትግራይ ዝሓለፍዎን ይሓልፍዎ ዘለውን መዓት ኣዝዩ ኸቢድን መሪርን ምዃኑ ይፍለጥ። ሕፃፅ ዝቐለዐቶ ምረትን ዕምቆትን ሓሰራ መከራ ወገናትና ልቢ ዘንብዕ ኾይኑ፡ ትግራይና ዘላትሉ ጀቕጀቕን ዕምቆት ውርደትን ድማ የርኢ።

ፍልጠት ዒስራን ሓደን ክፍለ ዘበን ዋና ፍልፍል ጥምየት ፖለቲካዊ ሕመቕ እምበር ካሊእ ኣይኮነን። ጥቓ ኣርባዕተ ዓሰርተታት: ኣብ እንግድዓ ህዝብና ዝተጣበቐ መንድዓት ስርዓት ሰበ ህወሓት ዘዋለዶ ስርዓታዊ ጥምየት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብ ሕፃፅ ዝገጠመና ዘስካሕክሕ ጥሜት ይኹን ምልኣተ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ደልሃመት መዋቕራውን ስርዓታዊን እዩ። ህይወት ወገናትና ክነድሕን ብህፁፅ ክንረባረብን ዘላቒ መዋፅኦ ግና ኣብዚ ዘበን ጥሜት ዘዋለደን ንብሄራዊ ውርደት ዘሳጠሐናን ስርዓት ምልዋጥ እዩ።

ኣብ ሕፃፅ ዝተርአየ ኣስካሕክሖ ስዒቡ፡ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ይኹን ምልኣተ ህዝብና ንዘርአዮ ሰሃሮ፣ ናይ ምሕጋዝ ድልየት፣ ልውሃትን ሓልዮትን ልዑል ናእዳ ዘለዎ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ይኹን እምበር መከራ ትግራይ መሊኡ ዝፍታሕ ስር ፀገምና ዝኾነ ስርዓታዊ ፀገም ካብ ምርዳእ፣ ምቕያርን ሓዱሽ ንብሄረ ትግራይ ዝግደስ ስርዓት ካብ ምትካልን ጥራይ ከም ዝብገስ ይኣምን። ምልኣተ ህዝብና ጎናጎኒ ንወገናቱ ዝገብሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ንስርዓታዊ ለውጢ ኣብ ዝጥምት ቃልሲ ሓቢሩና ክቃለስ ድማ ንፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
13 ታሕሳስ 2018
መቐለ፡ትግራይ

ካብ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝተውሃበ መግለፂኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ልፍንታዊ ቅሉዕ ኩናት ፅንተት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕርቶሪያ ክትግብርን ትግራይ ና...
12/22/2025

ካብ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝተውሃበ መግለፂ

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ልፍንታዊ ቅሉዕ ኩናት ፅንተት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕርቶሪያ ክትግብርን ትግራይ ናብ ዝተመረፀ መንግስቲ ከሰጋግርን ዝተተኸለ ግዚያዊ ምምሕዳር ፤ መፈፀሚ ፀቢብ ጉጅለኣዊ ስልጣኑን ረብሓኡን ዝገበረ ዕጡቕ ጉጅለ ህወሓት ኣንፃር ህዝቡ ብምውፋሩ፤ ከምኡ እውን መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክፍፀም ብዘይምግባሩን ህዝቢ ትግራይ ናብ ከቢድ ኩለመዳያዊ ሓደጋ ኣትዩ ይርከብ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ፤ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ተመዛባላይ ህዝብና ብጥሜትን ሕማምን ይረግፍ ምህላዉ ንኹሉ ግልፂ ዝወፀ መሕዘንን መሕፈርን ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ። ዋላኳ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ዘሎ ህልቂት ዝገደደ ብምዃኑ ግልፂ ይውፃእ እምበር ኣብ ኩሎም ናይ ተመዛበልቲ መዕቖቢ ማእኸላት ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላልዩ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።

ስለዚ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለኻ መላእ ህዝብናን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ ይሃልቕ ንዘሎ ተመዛባላይ ህዝብና ብዝተኽኣለ ኩሉ ዓቕሚ ብህፁፅ ክትበፅሑሉ ውድብና ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ፃዊዒቱ የቕርብ። መንግስቲ ፈዴራል ድማ ብዕጡቕ ጉጅለ ህወሓት ምስባብ ገዲፉ ኣብ ቴንዳታት ዝሃልቕ ዘሎ ተመዛባላይ ህዝብና ድሕንነቱ ውሑስ ብዝገብር መንገዲ ናብ መረበቱ ብህፁፅ ክምልስ እናፀዋዕና ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ንሙሉእ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ፅዕንቶኡ ከሐይል ንፅውዕ።

ተመዛባላይ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ዘኽእሉ ዕድላት "ቅድሚ ህዝቢ ውድብ ይድሓን" ብዝብል ሰይጣናዊ መትከል ህዝብና ህይወቱ ኣብ ቴንዳ ክቕፅልን ብጥሜትን ሕማምን ክሃልቕን ዝገብር ዘሎ ስልጣንን ሃፍትን ትግራይ ዝተቖፃፀረ ዕጡቕ ጉጅለ ህወሓት ፤ ካብ ኩናት ፅንተት ዝተረፈ ህዝብና መሊእኻ ናይ ምፅናት ተግባራቱ ብህፁፅ ደው ከብል ውድብና ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ይፅውዕ። ተመዛቢሉ ኣብ ቴንዳታት ዘሎ ህዝብና ብዚ ብርኪ እዚ ክሳብ ዝጉዳእን ዝመውትን ድምፁ ሓቢኦም ክሃልቕ ዝገበሩ ብኣፈ ሙዝ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ፤ መመሓደርቲ ተባሂሎም ዝተፅዓኑ ኣካላት ድማ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ንፅውዕ።

ዕጡቕ ጉጅለ ህወሓት ዝተቖፃፀሮ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፤ ህዝባዊ ተልእኾኡ ምሉእ ብምሉእ ገዲፉ ፤ ፈፃሚ ጉዳያት እቲ ጉጅለ ብምዃን ስቓይን መከራን ህዝቢ ትግራይ እናጋደደን መንገዲ ጥፍኣት እናተጓዓዘን ስለዝርከብ ፤ ብህፁፅ ፈሪሱ ብሓቛፊ ግዚያዊ ምምሕዳር ክትካእ ፣ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብሰለማዊ መንገዲ ክፍፀምን ንነፃ ፣ ፍትሓውን ተኣማንን መረፃ ምድላዋት ተገይሮም ናብ ዝተመረፀ ህዝባዊ መንግስቲ ክንሰጋገር ክሰርሕን ንክግበር መላእ ህዝብና ቃልሱ ከሐይል ፤ መዳርግትን መደራደርትን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ድማ ኣብ ጎኒ ህዝብና ብምዃን ተግባራዊ ድጋፍኩም ክተርእዩ ውድብና ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ፃውዒቱ የቕርብ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)
ታሕሳስ 13/2018 ኣ/ግ
መቐለ

Press Release from Salsay Weyane TigrayTigray continues to endure multiple, interconnected crises, with the political cr...
12/15/2025

Press Release from Salsay Weyane Tigray

Tigray continues to endure multiple, interconnected crises, with the political crisis at their core. The ongoing failure to move toward a full and meaningful transition from the current fragile security and constitutional situation-where the people of Tigray remain without a representative government and daily life is shaped by armed actors-has contributed significantly to this suffering.

Instead of responding to the pain and legitimate concerns of the people of Tigray, the Government of Ethiopia has repeatedly overlooked calls to take concrete steps toward implementing the peace agreement and restoring constitutional order. These steps are essential for rebuilding trust, restoring dignity, and enabling the reconstruction of Tigray. Meanwhile, restoring territorial integrity of Tigray along with the voices of millions of internally displaced Tigrayans and refugees, who long for safety and a return to normal life, remain unheard.

As fears of renewed conflict and further militarization grow, hope continues to fade-particularly among displaced persons and refugees who wish to return to their homes. Equally troubling is the absence of clear assurances that the grave violations of the past will not be repeated.

Although commitments have been made to hold national general elections this year, meaningful actions to make these promises a reality-especially in Tigray-have yet to materialize.

Salsay Weyane Tigray expresses deep concern over the worsening political and security conditions and the apparent lack of urgency in addressing them. We respectfully urge all concerned stakeholders to renew their attention, act with responsibility and compassion, and take meaningful steps toward peace, justice, and lasting stability for the people of Tigray.

Salsay Weyane Tigray
December 15,2025
Me'qelle,Tigray

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ብሄራዊ ሓድነትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ገደል ንምድሓን ይኹን  ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ንግዘ ዝቕድም ዕቱብ ቃልሲ ኣብ ዘድልየሉ ቀ...
12/15/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ብሄራዊ ሓድነትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ገደል ንምድሓን ይኹን ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ንግዘ ዝቕድም ዕቱብ ቃልሲ ኣብ ዘድልየሉ ቀጢን እዋን ንርከብ።

ብሰንኪ ንብሄራዊነት ትግራይ ዝፈንፈነ ፖለቲካ ህወሓት፡ ሊሂቅ ትግራይ ኣብ ንኡሳት ብሄራዊ ረብሓታት ምርድዳእን ምሕባርን ተሳኢኑዎ ከም ብሄር ኣብ ሓደጋ ምብትታን ክንርከብ ክኢልና ኣለና።

ፀገማት ትግራይና ንምፍታሕ ንዝግበሩ ፃውዒታት ሓቀኛ ልዝብ ፀማም እዝኒ እናሃቡ ዝመፁ ሰበ-ህወሓትን ንኹለንተና ትግራይ ክቆፃፀር ዝምእዘን ፖለቲካ ህወሓትን፡ ኩሎም ትካላት ሚድያታትን ትካላት ዲሞክራሲን ንምቁፅፃር ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኸዶ መገዲ ዋግኡ ንትግራይ ኣዝዩ ከም ዝሃሲ ነቲ ሓዚ ዘላትሉ ኩነታት ምርኣይ ጥራሕ እኹል ኣብነት እዩ ።

ትግራይና ናብ ማሕበራዊ፣ ስነልቦናዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ፀጥታውን ኢኮኖሚያዊን መሃሙቕ ካብ ትኣቱ ዓመታት ዝሓለፉ ኾይኖም ሐዚ ድማ ንኣስመራን ንኣዲስ ኣበባን 'ክንሕሽከር' ብዝብሉ ፍንጫላት ህወሓት ከበሮ ሕድሕድ ኹናት እናተወቐዐላ ይርከብ።

ኩሉ ዕማምናን ጉልበትናን ምእንተ ድሕነት ብሄረ ትግራይ ክውዕል እናተገበኦ፡ ንሕድሕድ ኹናት ዝፅውዕ እንተሎ ፅባሕ ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጥ ዘተሓሳስብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሐዚ እውን ፈላሚ ንፃፍ ፈውሲ ትግራይ ክኸውን ኣብ ዝኽእል ፃውዒት ብሄራዊ ጉባኤ ምልኣተ ህዝብና ሓቢሩና ፃውዒቱን ፀቕጡን ከሐይል ንፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
06 ታሕሳስ 2018
መቐለ፡ ትግራይ

Address

1239 S 52nd Street
Philadelphia, PA
19143

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Axumawian Media Network posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Axumawian Media Network:

Share