Tigrai Press

Tigrai Press Tigrai Press is a dynamic online media platform that offers engaging discussions in three languages!

12/21/2025

ሰላም ስድራ ትግራይ ፕረስ፣ ሓዱሽ ፌስቡክ ኣካውንት ከፊትና መደብ ትግራይ ፕራስ ንፑስተሎ ፕላትፎርም ስለዘሎ፣ ናብቲ ሓድሽ page ክትመፁና ንላበወኩም!! እቲ ሓዱሽ ፌስቡክ እውን Bisrat Kebede እዩ ዝብል እቲ ሊንክ ኣብዚ ኣለኩም።

https://www.facebook.com/share/181EZpWj19/

To all family and Tigrai Press members, I would like to wish you a Happy Thanksgiving. May this holiday season bring you...
11/27/2025

To all family and Tigrai Press members, I would like to wish you a Happy Thanksgiving. May this holiday season bring you joy, happiness, and success.

Happy Thanksgiving!

08/27/2025

ህፃውንቲስ ንጎልማሳ ሰብኣይ ሕፅይቲ ክደልዩሉ እንተለዉ! 😄😂🤗🙇

ብዋዕሮታት ዝሕለዋ ዋዕሮታት! We're proud of TDF (ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ)! ርሑስ ኣሸንዳ 2017 (Ashenda 2025)!
08/23/2025

ብዋዕሮታት ዝሕለዋ ዋዕሮታት! We're proud of TDF (ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ)!

ርሑስ ኣሸንዳ 2017 (Ashenda 2025)!

መበል 13 ዓመት ተዘክሮ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ!
08/21/2025

መበል 13 ዓመት ተዘክሮ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ!

GoFundMe Link: https://gofund.me/c3a2982bመበል 17 ዓመት ተዝካር መለስ ዜናዊ እንትዝከር? 08/20/25 © 2025 Tigrai PressGreat Leaders Build Nations, Traitors Destroy them!Plea...

ኣብ ዘይኮኑን፣ ንህዝብና ዘይምጥኑን ሃልኪታት፣ ኣይንፀመድ!!ሙሉእ መግለፂ  ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ንውከሰኩም!ሰራዊት ትግራይ ምእንቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ፣ ምእንቲ ብሄራዊ ረብሕኡን ክብሪ...
02/22/2025

ኣብ ዘይኮኑን፣ ንህዝብና ዘይምጥኑን ሃልኪታት፣ ኣይንፀመድ!!

ሙሉእ መግለፂ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ንውከሰኩም!

ሰራዊት ትግራይ ምእንቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ፣ ምእንቲ ብሄራዊ ረብሕኡን ክብሪ ዓዱን ክብል ክባር ናይ ሂወት ዋጋ እናኸፈለ ዝመፀን ዘሎን ፣ ህዝባዊ ባህሪኡ ንዋጋ ዕዳጋ ዘየቕርብ ፤ ዋልታ ህዝቡ ኮይኑ ኣብ ዘይሕለል መኸተ ዝርከብ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ።

ይኹንምበር ብዘይፍላጥ ዝሕወስ የለን እኳ እንተዘይተባህለ፤ እቲ ዝበዝሕ ኮነ ተባሂሉ ናይ ፀጥታ ሓይልናን ኣመራርሕኡን ካብ ህዝቢ ንምንፃል ማእለያ ብዘይብሎም ምህዞታትን ጠቐነታትን ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ክውቃዕ እናተገበረ ፀኒሑን ኣሎን ።

ሐዚ ድማ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ፣ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ኣጋጢሙ ኣብ ዝተባህለ ህውከት ካብ ዝምልከቶም ኣካላትን ናይቲ ከባቢ ነባራይ ህዝብን ኣኪብካ ሙሉእ ምፅራይ ከይተገበረሉ፤ ናይ ውሕዳት ወገናት ሓበሬታ ብምስማዕ ብገለ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ከምኡ’ውን ብመሓውራት ግዚያዊ ምምሕዳር ከይተረፈ ምስ ጨፍጫፍ ማርያም ደንገላት፤ ጨፍጫፍ ማርያም ሸዊቶን ጨፍጫፍ ከተማ ኣኽሱምን ወዘተ... ዝወዳደር ግፍዒ ብሰራዊት ትግራይ ብኣርሚ 26 ኣብ ህዝቢ ወረዳ ሰሓርቲ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ግፍዒ ተፈፂሙ ብዝብል ንምስምዑን ምእማኑን ብዘፀግም ኩነታት፤ ሰራዊት ካብ ከባቢና ይውፀኣልና ዝብሉ ድራማ ዝሰርሑ ሰባት ኣዳሊኻ ብካሜራ እንዳቐረፅካ ኣብ ሚዲያታት ክውዛዕ ንሪኦ ኣለና።

እዚ ወፍሪ ዙይ ዕላምኡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅንተት ዝፈፀሙ ሐይልታት፤ ጆኖሳይዳዊ ተግባሮም ኣናኢስካ ካብ ምቕራብ ንላዕሊ፤ ልዕሊ ፀላኢ ፀላኢ ኾይንካ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ዝምከሓሉ ዝተወደበ ናይ መኸተ ዓቕሚ ሰራዊትና ጆኖሳይደር ኢልካ ከም ምፍራጅ ዝቑፀርን ብሓሶትን ፀለመን ኣዳኺምካ ካብ ህዝቢ ንምንፃል ዝግበር ዘሎ ከንቱ ፈተነ ካብ ምዃን እንተዘይዘለለ እውን፤ እዞም ኣብዚ እኩይ ተግባር ተዋፊሮም ለይትን ቀትርን ምስሊ ሰራዊትና ንምብልሻው ዝሰርሑ ዘለው ኣካላት፤ ምናልባት እውን ጥብቅነኦምን ውግንነኦምን ኣብ ሕቶ ዘእተው ምዃኖምን ግልፂ እናገበርዎ ይመፁ ምህላዎምን ዘመላኽት እዩ።

እዚ ብዕለት 12 ለካቲት 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ፤ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ጣብያ ምምሕዳራት ነናይ ባዕሎም ማሕተም ኣስሪሖም፤ ነቲ ህዝቢ ኣብ ክልተ ከፋፊሎም፤ አብ ዝፈጠርዎ ናይ ስልጣን ውጥጥ ይድግፈና እዩ ዝብልዎ ህዝቢ በብወገኖም ኣሰሊፎም ኣብ ዝፈጠርዎ ህውከት ካሊእ መልክዕ ከይሕዝን ናብ ከቢድ ወጥርን ደም ምፍሳስን ከይሰጋገር ብምስጋእ፤ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ነበርቲ ነቶም ተጋደልቲ ብዝገበሩሎም ፃውዒት መሰረት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተጓነፅቲ ኣካላት ኣትዮም፤ ኩሉ ናይ‘ቲ ዝተፈጠረ ህውከትን ዕግርግርን ፀገማት ክኢሎም ኣብ ማእኸል ኣትዮም ደኣ ኣረጋጊዖም ‘ምበር ብዝኾነ ይኹን መልክዑ እቲ ኣሃዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈፀሞ ገበን የለን ።
እኳዳኣስ እቶም ተጋደልቲ ነቲ ኩነታት ኣረጋጊዖም ናብ ቦትኦም እንዳተመለሱ ከለው፣ ነቲ ዝነበረ ዕግርግር ተጠቒሞም ካልእ ውልቃዊ ድሌቶም ከየማልኡ ዝተኾልፉ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቶም ግቡኦም ፈፂሞም ዝምለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ መንገዲ ፀኒሖም ቀሊል ዘይበሃል ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘብፅሑ እኳ እንተኾኑ፤ ነዚ ብትዕግስቲ ኽኢሎም፤ እቲ ኩነታት ከረጋግዑዎን ከኣልዩዎን ምኽኣሎም ዘመስግን እምበር ዘውቅስን ዘኾንንን ተግባር ኣይኮነን ።

እዙይ ከምዚ እንዳሃለወ ኣብዚ ዝተጠቐሰ ዕለትን ቦታን ወንጀል ተፈፂሙ እዩ ዝብል ጥርጣረ ዘለዎም ወገናት እንተሃልዮም፤ ካብ ኩሉ ነፃ ዝኾኑ ኣካላት ኮሚቴ ኣዋቒሮም፤ ነፃ ዝኾና ሚድያታት እውን ናብኡ ኣትየን ኣፃርየን፤ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንህዝቢ ከቕርባ እንዳፀዋዕና ሐዚ ውን ሰራዊት ትግራይ ምእንቲ ህዝቡ ክብል ሕጊ የኽብር፣ በይዛ ይኸውንን ይዋደቕን ደኣ እምበር ኣንፃር ህዝብን ሕግን ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከም ዘይህሉ ክፍለጥ ይግባእ። ኩሉ ህልውናን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ዘጨንቖ ደላዪ ሰላምን ርግኣትን ትግራይ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ዝንዛሕ ዘሎ መርዛም ፀለመታት ተወዲቡ ክምክትን ክከላኸልን ንፅውዕ ።
ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና‼️

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን
15/06/2017 ዓ/ም
መቐለ

Address

4125 N Scottsdale Road
Scottsdale, AZ
85251

Telephone

+19454440102

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Press posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigrai Press:

Share